ድለ

ብፁዕ ኣቡነ ባሮን፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ልቡን ቀልቡን ከርህው ብፁዕ ኣቡነ ባሮን፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ልቡን ቀልቡን ከርህው 

ብፁዕ ኣቡነ ባሮን፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ልቡን ቀልቡን ከርህው

ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ረድኤት ማሕበራታ ኣቢላ ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፎም ተገልግል ከምዘላ

ናይታ መክሲኮ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተዳብው ከተማ ቲኹዋና ሊቀ ጳጳሳት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንናይቲ ከባቢ ሕዝብን ናይ ስደተይናታት ሕይወት ከመሓይሽ ዝኽእል ዕድል ክፈጥር ልቡን ቀልቡ ንደገፍን ሓገዝን ከርህው ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይታ እተደባው ከተማ ሰበኻ ቲኹዋና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሞረኖ ባሮን፡ ነቲ ኣብ መላእ ኵርናዕ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ካብ ቀደም ኣዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎ ማሕበራዊ ክስተት ዝዀነ ጸኣት ስደተይናታት ግቡእ መፍትሒ ክረክብን ስደተይናታት ጸገማቶም ግቡእ መልሲ ክወሃቦ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዓሚይቕ ምስትዓል ኣብ እዋናዊ ማሕበራዊ ክስትት ገይሩ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ግቡእ መልሲ ኣብ ምርካብ ክጽዕርን ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከንብሮም ዘኽእል ዕድላት ክፍጠረሎም ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብር ምስ ቫቲካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡

እቲ ብጉስናኦም እትምራሕ ሰበኻ ቲኹኣና መክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እተዳብው ብምዃና ካብ ሆንዱራስን ኤል ሳልቫዶርን ጉኣተማላን ዝመጹ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽስደዱ ማእለያ ዘይብሎም ስደተይናታት ተዕለቕልቕ ከምዘላ ገሊጾም፡ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ናይ ስደተይናታት ቁጽሪ ጐዲሉ ዝተራእየ እውን እንተዀነ ሕጂ ኣውን ብዙሓት እዮም፡ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ረድኤት ማሕበራታ ኣቢላ ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፎም ተገልግል ከምዘላ እውን ሓቢሮም፡ በቢ ዓመቱ 400 ሺሕ ስደተይናታት በታ እተዳብው መክሲክዊት ከተማ ቲኹዋና ኣቢሎም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኽሰግሩ ከምዝፍትኑ ይገልጹ።

ኣብታ ከተማ ዝረአይ ሕዝቢ ተንቀሳቓሲ እዩ፡ ሎሚ ትርእዮ ጽባሕ ይሎን፡ ዝቀያየር ማሕበረሰብ ኢኻ ትርእይ፡ ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ብዙሕ ሓገዝ ንስደተይናታት ዘቐርብ እውን እንተዀነ፡ እዚ ንበይኑ ግና እኵሉ ከምዘይኰነ ብፁዕ ኣቡነ ሞረኖባሮን ገሊጾም፡ ንክስተት ስደት ዓሚይቕን ትኽክለይና መልሲ መታን ክወሃቦ ዓለም ሃቆፍ ማሕበርሰብ ሓይሉን ዓቕሙን ኣዋዲዱ ንናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ረብሓ ዝኣመተ መደብ ሓንጺጹን ስለ ድኻታትን ዝመዛበሉን ቆይሙ በራት ዶባት ምዕጻው መልሲ ከምዘይኰነ ኣስተውዒሊ ንስደትይና ብምእንጋድ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ግብኡ መልሲ ኣብ ምሃብ ክቃለስ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።  

ብፁዕ ኣቡነ ባሮን፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ልቡን ቀልቡን ከርህው
02 March 2019, 17:56