ድለ

ሎረቶ ቅዱስ ኣቦና ንኸተንእግድ ብሓንቀውታ ትጽበይ ሎረቶ ቅዱስ ኣቦና ንኸተንእግድ ብሓንቀውታ ትጽበይ 

ሎረቶ ቅዱስ ኣቦና ንኸተንእግድ ብሓንቀውታ ትጽበይ

ኣብ ቅድስቲ ቤት ናይ ግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ናይቲ እምነትን መንእሰያትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝዘተየ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መልእኽቱ ዘጠቓልል ዝደረስዎ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክታትሞም ከንብሩ

ናይ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ዳል ቺን ዕለት 25 መጋቢት ዓመታዊ በዓል ብስራተ ገብርኤል ለማርያም ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ድሕሪ 62 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ኣብ ቅድስቲ ቤት ናይ ግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ናይቲ እምነትን መንእሰያትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝዘተየ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መልእኽቱ ዘጠቓልል ዝደረስዎ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክታትሞም ከንብሩ እውን ምዃኖም ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሎረቶ ንቕዱስነቶም ብዓቢይ ሃንቀውታ ትጽበይ ኣላ፡ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕርግዎ ናይ ግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክታትሞምምስ ኣንበሩ ኣብ ቅርዓት ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሎረቶ ንዝተኣከቡ ምእመናን ቃሎም ክልግሱን ፍርቂ መዓልቲ ሓቢሮም እቲ ትስብእተ እግዚኣብሔር ዝጽምር ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዓመታዊ በዓል ብስራተ ገብርኤል ለማርያም ክደግሙን መላእ ደወላት ኣቢያተ ክርስትያን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስነቶ ቅድሚ ምድጋሞም ከምዝድውላ ሓቢሮም ቅዱስነቶም ናብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ክነግዱ ምዃኖም ምስ ተሰምዓ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኩሉ ዝተሰምዖ ሓገስ ክትገልጾ የጸግም ኣብቲ ንእሽተይ ቅዱስ ቤት ዘሎሬቶም ድሕሪ 62 ዓመት ር.ሊ.ጳጳሳት መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፋልማይ እዩ፡ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ምስ ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤት ምትእስሳር ዘለዎን ልዑልን ጥብቅን መንፍሳውን እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት እውን ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ነታ ሓንቲ ስድራ ቤት ዝዀነት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ መግለጺ እዩ ኢሎም።

እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሎረቶ ቅዱስ ስፍራ፡ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲክን ኣብ ሓልዮት ማርያም ንኸወክፉ ኣብ ሎረተ ዘካየድዎ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ብምዃኑ ዓቢይን ጥልቅን ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖድስ ኣብ ሎሬተ መጺኦም ክታሞም ኣንቢሮም ወግዓዊ ክኸውን ምግባር እውን ናይቲ ሲኖዶስ ኪደቱን ውጽኢታቱን ኩሉ ኣብ ኢድ ቅድስተ ድንግል ማርያን ንምቕራብ ዘለዎም ድላይ ዘመላኽት እዩ፡ እቲ ሰነድ ድህረ ሲኖዶስ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሕን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘመስርቕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

22 March 2019, 17:19