ድለ

2019.02.17 ትምህርቲ ብፅዕና ከም ሉቃስ ወንጌላዊ ዘዘንትዎ! 2019.02.17 ትምህርቲ ብፅዕና ከም ሉቃስ ወንጌላዊ ዘዘንትዎ! 

ሰንበት ዘስምዖን የካቲት 10 2011 ዓ.ም. (2/17/2019)

ምስባክ፡ ዘእንበለ ይቁም አድባር ወይትፈጠር ዓለም ወምድር፥ እምቅድመ ዓለም ወእስከ ለዓለም አንተ ክመ፥ ኢትሚጦ ለሰብእ ለኀሳር መዝ.89። ኣኽራናት ከይቆሙ፣ ምድርን ዓለምን ከይተፈጥሩ፣ ቅድሚ ዓለምን ክሳብ ዘለአለምን ንስኻ ኢኻ። ንወዲሰብ ኣብ መከራ ኣይትምለሶ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡12-20፥ 1ዮሓ 3፡1-9፥ ግ.ሓ. 3፡17-ፍ፥ ሉቃ 6:17-26

ካብ ዕለት 8-12 የካቲት አብ ሰንበት እንተ ወዓለ ዘስምዖን ይህባል። ስምዖን ንኢየሱስ አብ ሕቕፉ ዝተቐበለ ንመጻኢ ሕይወት ኢየሱስን ማርያምን ብትንቢት ዝተዛረብ እዩ (ሉቃ 2፡27-35)። ናይ ሎሚ መዝሙር ምስቲ ናይ ስምዖን ትንቢትን ሕይወትን አተሓዚዙ ናይ ኢየሱስ እንታይነትን ንሕና አመንቱ ክንለብሶ ዝግብአና ሕይወት ይነግረና።

ስምዖን ነብይ ንኢየሱስ አብ ሕቕፉ ምስ ሓዞ አብዚ ዓለም ክነብር አይብሃገን “ኦ ጎይታይ ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም አፋንዎ ከመይ አዒንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን” (ሉቃ 2፡29-30) እናበለ ዕብየትን ጸጋን ንኢየሱስ ምስ ረኸብና እንዕደሎ ይገልጸልና። ሰብ አብ ልቡ አብ ከባቢኡ ዕብየት አምላኽ ክርኢ ምስ ከአለ መንግስተ ሰማይ አብ ምድሪ እዩ ዝነብር። ቅ. ጴጥሮስ አብ ደብረ ታቦር ተልውጦ ራእይ ኢየሱስ ምስ ረአየን ክብሪ መንግስተ ሰማይ ምስ አስተማቐረን ‘ጎይታይ ንአና አብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ” (ማቴ 17፡1-9) እናበለ ካብቲ ዝርእዮ ዘሎ ሓጎስ ክቕይር አይደለን።

አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክንሳተፍ ከሎና ኢየሱስ ብርእሱ አብ መንጎና እዩ ዝርከብ፥ ዓይኒ ሕልናና ክርኢ እንተ ዝኽእል ቅዳሴ ነዊሑና፥ ደኺምና እናበልና እነዕለብጦ መሕዘነና ምኽንያቱ ምሳና ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ንፈልጥ ከምቲ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝተባህላ “ህያባ አምላኽን እቲ አስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምኻኑን እንተ ትፈልጥስ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፥ ንሱ ኸአ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነሩ” (ዮሓ 4፡10) ዝበላ ንአና እውን እዚ አብ ቅድመኻ/ኺ ዘሎ ብሓቂ ክትርእዮን ክትአምኖን እንተ ትኽእል እዚ ኹሉ አይምበልካን ይብለና አሎ። አምላኽ ሎሚ እውን ክንፈልጦ ክነለልዮ ይደሊ አሎ ምስ ስምዖን ነብይ ኮና ንቀበሎ ንርአዮ ሽዑ ሕይወት መንግስተ ሰማይ ክንትምነ ኢና።

ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን እምነትና አብ አምላኽን አብቲ እንኮ ወዲ አምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ተዘኻኽረና አላ። ክርስቶስ ብትንሣኤኡን ሞቱን ንሞት ስዒሩ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እምነትና ተስፋን አጽኒዕዎ እዩ። ተሪፉ ዘሎ ናተይን ናታትኩም እሽታ ጥራሕ እዩ። ንክንሰምዖን ክንቀርቦን ንዝሓትት ዘሎ አምላኽ መልሲ ክንህብ እዋኑ እዩ።

አእዛና ንቃል አምላክ ክሰምዓ ጽንክብላ እሞ ክምልሳ፥ አዒንትና ቋሕ ኢለን ክርእያ እሞ እርኢ አሎኹ ኢልና ንኢየሱስ አሰሩ ክንስዕብ ናይ እዋና ሕቶ መልሲ ዝደሊ እዩ። ከምቲ ኤርምያስ አብ 5፡21 ዝብሎ እዩ ዘሎ ኩነታትና “አቱም ልቢ ዘይብሎም ዓይኒ ኸለዎም ዘይርእዩ፥ እዝኒ ኸለዎም ድማ ዘይሰምዑ ዓያሱ ሕዝቢ”። አብ ልብና ተመሊስና አምላኽ ካባይ እንታ ይደሊ አሎ ኢልና ሕይወትና ንሕተት፥ አብ ጽምዋ አቲና ምስ አምላኽ ጥራሕ ንዛረብ ሽዑ ክምልሰልና እዩ።

አብ ትንቢት ኤርምያስ 17፡5-8 ዘሎ እንተ አንበብና ሳዕቤን እምነት አብ ገዛእ ርእስናን አብ ካልኦት ሰባትን ክንገብር ከሎና ከምዚ እናበለ ይገልጾ “አብ ሰብ ዝውከል እወ እሙንቶኡ አብ ምድራዊ ሰብ ዚገብር ብልቡ ኻባይ ካብ እግዚአብሔር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ” ይብል። በዘን ቃላት ገሩ አምላኽ ዝብለና ኩሉ እዚ ናይ ዓለም ነገራትን ካብ አምላኽ ተፈሊና እንገብሮ ነገራት ኩሉ የውድቐና ምኽንያቱ ዓወትናን ሕይወትና ብርእሱ አብዚ ነገራት ስለ ዘይጽጋዕ።

ቃል አምላኽ አብ ዓሚቕ አስተንትኖ ክንአቱ እዩ ዝዕድመና። ንርእስና አብ መንን አብ እንታይን እዩ እምነተይ እናበልና ክንሓትት ይግብአና። እምነትና አብ አምላኽ ክንገብር እንከሎና እቲ ዝበለጸ አቅራርባ አብ ሕይወት እዩ። ብርግጽ ከም ሰበ መጠን አብዚ ሕይወት ክንገብሮን ክንኮኖን ዘሎና አሎና ስለዚ ንኹሉ ናይ ዓለም ነገርን ርእስናን ምድርባይ ማለት አይኮነን። ግን ክንርስዖ የብልናን አምላኽ እዩ ህልዋት ዝገበረናን አብ ኩሉ እንገብሮ ኃይልን ክእለትን ሂቡ ከም እንነብር ዝገብረና ዘሎ።

ብዘይ አምላኽ ምንባር ማለት ምማት እዩ፥ ብዘይክኡ ሓንቲ የብልናን ከም ብፁእ ሊምበርማን (Nenerabl Libermann, C.Sp) ዝብሃል ደጋጊሙ አብ ጿዕሪ ሞት እንከሎ ዝብሎ “አምላኽ ኩሉ እዩ፥ ሰብ ወላ ሓንቲ አይኮነን፥ አምላኽ ኩሉ እዩ ሰብ ሓንቲ አይኮነን”። እዚ አብ ርእስና ተመሊስና ክንሓስብ ይዕድመና፥ እንታይ ድአ እዩ እዚ አብ ዓለምና ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ብሃገር ደረጃ ሃነፍነፍ ምባልን አነ ዘብል ትዕቢት ክፍአት ገዚኡ ንደቂ ሰብ አብ ዓዘቕቲ ስቓይን ጭንቀትን አውሪዱ ንሰብ እንታይነቱ ዘጥፍእ ዘሎ? ሕጽር ብዝበለ አብ ልብናን አምላኽ ክነግስ ስለ ዘይክአለ እዩ።

ንአምላኽ ምሉእ እምነት ገርካ ሕይወትካ ምምራሕ ምንጪ ውሽጣዊ ሓጎስን ሰላምን ቅሳነትን እዩ። መዘምር ዳዊት አብ መዝ. 125፡1 ከምዚ ይብለና “እቶም ብእግዚአብሔር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ ንዘለዓለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም” ይብለና። አምላኽ ዝሓዘ ሕይወት ኩሉ ዝሓዘ እዩ። እሞ ሎሚ ንመን ሒዝና አሎና? ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ አብ እንታይ ዝተመስረተ እዩ? ብዙሕ ጊዜ አብ ግዙፋዊ ጥቕሚ እዩ ዝምስረት ክገብረልካ ግበረለይ ዝዓይነቱ ሕይወት ስለዚ ርክብና ብዓይኒ አምላኽ ርኢና አብ ቤት አምላኽ ንመለስ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ሎሚ ዝተነበትና 1ቆሮ 15፡12-20 ሓደ ዓይነት ሓሳብ የቕርበልና። ተስፋና አብ ርእስና ወይ አብ ናይ እዚ ዓለም ነገራት ጥራሕ ከምዘይኮነ እናገለጸ እምነትና አብ ክርስቶስ አብቲ ብትንሣኤኡ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ተስፋ ዘጽንዓልና ክንገብር ከም ዝግባእ ገሊጹ ይነግረና። “አብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ አብዛ ሕይወት እዚአ ጥራይ እንተ ደአ ኾይና ካብ ኵሉ ሰብ እነደግንጽ ምኾና ነርና” ይብለና። ብኻልእ አዘራርባ ሕይወት አብዚ ዓለም አይውድእን እዩ። ኲኖ እዚ እንርእዮ ዓለም ካልእ አሎ፥ አብ ዝተንሥአ ክርስቶስ ተስፋ ገርና እንተ ነበርና ጥራሕ አብኡ ክወስደና ይኽእል። ቅልል ብዝበለ አዘራርባ ጉዕዞና ምስ ኢየሱስ አብዚ አየብቅዕን እዩ፥ ዅንኡ ካልእ ዓለም አሎ። ግን አብ ንየዋይ ዓለም ቅድሚ ምኻድና አብዚ ዓለም እንቕርቦ ስንቊ ክህልወና ይግብአና ንሱ ኸአ ፍቕሪ ሰላም ምሕረትን ሕድገትን አዘውቲርና አብ ሓቅን ርትዕን ክነብር እሞ ዓይንናን ልብናን አብ አምላኽ ገርና ንኹሉ ዝጓነፈና ፈተናን ተጻብኦን ዓለምን ሰይጣንን አሸኒፍና ምስ እንኽእል እዩ ድልዱል ስንቂ አሎና ክንብል እንኽእል።

ከምቲ አብ ትንቢት ኤርምያስ ዝጠቐስናዮ አብ አምላኽ ዘይምእማን ብጥንቃቐ ክንሕዞ ከምዘሎና ዝነገረና ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ሉቃ 6፡17-26 ዘሎ ብዛዕባ እቶም ንድላይ እግዚአብሔር ዝገብሩ ብፁአት/ዕዉታት ከምዝኾኑ ይነግረና። እዚ አብ ወንጌል ማቴ 5-7 ብተመሳሳሊ ንረኽቦ። ማቴዎስ አብ እምባ፥ ሉቃስ ከአ አብ ጎልጎል ከም ዝተገብረ ይነግሩና እዚ ኸአ ምስቲ ዘተሓላልፍዎ መልእኽቲ ከተሓሕዝዎ ኢሎም እዮም። ብርግጽ አብ መንጎ ክልቲኦም ፍልልይ አሎ ግን ናይ ሓባር ሓሳብ አልኦም ንአብነት ክልቲኦም ብብፁአን ይጅምሩ፥ ክልቲም ብጎንጺ ዘይኮነ ብሰላም ንጸላእትን ክንምልስ ይሓቱ፥ ክልቲኦም ንኻልኦት ከይንፈርድ ይኽልክሉና፥ ክልቲኦም ብሓደ ዓይነት አገባብ ይውድእዎ ማለት ክልተ ዓይነት ሰማዕቲ ከምዘለዉ ክልተ ዓይነት ሃነጽቲ ከምዘለዉ። ናይ ሉቃስ ጽማቕ ወይ አሕጽር አቢሉ ነቲ ናይ ማቴዎስ ዘቕረብ እዩ ዝመስል። ግን ሉቃስ ቅዳሕ አስትምህሮኡ አብ ጎልጎል ብናቱ ርድኢትን አገላልጻን ክንርእዮ ይግባእ ምኽንያቱ ብናቱ መገዲ ክብሎ ዝደለዮ እዩ ቀሪብልና። ንአብነት ሉቃስ ድኻታት ወይ ሃብታማት ክብል እንከሎ ቍጠባዊ ኩነታት ዘይኮነ ዘስምዕ ውሽጣዊ ሕይወትና እምባር አብ ሃብቲ ወይ ዘሎና ክብሪ አይኮነን ዘስምዕ። ብሓፈሻ አብ ርድኢት ብሉይ ኪዳን ህዝበ እግዚአብሔር ንርእሶም አብ ቅድሚ አምላኽ ክርእዩ እንተ ኸአሉ ከም ድኻታት ጥሙያት፥ ሽትጉራት እዮም ዝቖጽሩ ነሮም። ከምኡ ሃብታማት ኩሉ ዘልኦም ዝስሕቁን ጽቡቕ ዝስምዖም እዮም ንኹሉ እቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ኪዳን ክሕልዉ ከለዉን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ክህልዎም እንከሎ (ኢሳ 5፡8-13)። አብ ርድኢት ሉቃስ ቁጣባዊ ጸገም ዘልኦም አብ አድላይነት አምላኽ ክርእዩ ዝያዳ ዕድል ዘልኦ ገሩ የቕርበልና። ብአንጻሩ ሃብታማት አድላይነት አምላኽ አብ ሕይወቶም ብቐሊል ከጥፍእዎ ይኽእሉ ይብል። እቲ ኾይኑ እቲ አርድእቲ ክርስቶስ አድላይነት አምላኽ አብ ኩሉ ሕይወቶሞ ቀዳምነት ክሰርዑ ከምዘለዎም እዩ ዝነግር። ሃብቲ ወይ ድኽነት ካብ አምላኽ ክፈልየና የብሉን፥ አምላኽ ፍቕሩን ሓልዮቱን ብምድራዊ ሃብቲ ወይስእነት ክምዘን አይግባእን እኳድአ በቲ ዘሎና ንአምላኽ ርኢና ክንክእል ክነመስግን ይግባእ። አብ መንግስቲ አምላኽ ድኻ ወይ ሃብታም የለን ምኽንያቱ እቶም ብዙሕ ዘልኦም ምስቶም ዘይብሎም ክማቐሉ እዮም። እቲ ቁምነገር ብዛዕባ ድኻታት ምድንጋጽ ጥራሕ እኹል አይኮነን ብሓቂ ከም ብክርስቶስ አሕዋት ዘሎና ግዙፋውን መንፈሳውን ምስ አሕዋትና ክንካፈል ከሎና ጥራሕ እዩ። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ዋሕስ ሕይወተይ አብ እንታይ እዩ ዘሎ ዝብል እዩ። ዋሕሰይ አብቲ ዘሎኒ ንብረት ወይ ሃብቲ ድዩ ወይስ አብቲ ምስ አሕዋተይን አሓተይን ብሓባር ኮይና አብ ነነድሕድና ክንትሓጋገዝ ከሎና።

እዚ ብዛዕባ ብፁአን ከም ሓደ ጥዑም መዝሙር ከይኑ አብ ፍሉይ ጣዕሚ ሕይወትን አስተንትኖ አብ ፍጹም ተአዝዞ አብ ድላይ አምላ ክንአቱ ዘዘኻኽር እዩ። ብዛዕባ ብፁአን ዝዛረብ መዝሙር ክርስቶስ ኮይኑ አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ክንገብር እናጸውዐ ንቅድሚት አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክንርኢ ዝሕግዘና እዩ። እዞም ጸጋታት ወይ እውን ዓወታት ሕይወት ነቶም ብምሉእ ሕይወቶም አብ ትሕቲ አምላኽን ድላዩን ጥራሕ ዝገብሩ ዝውሃቡ እዮም። እዞም ቃላት ኢየሱስ ብዛዕባ ብፁአን ዘዘኻኽሩና ኩሉ ሰናይ ግብሪ አብዚ ዓለም እንገብሮምን እንሰርሖምን አብ ዝመጽእ ዓለም ዓስቢ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም ዘውህቡና ይነግሩና። ግን ብጽቡቕን ምእንቲ አምላኽን ኢልና እንተ ገበርናዮም ጥራሕ እዩ።

እምብአር እቲ ጽቡቕን ዘሓጎስ ዜና ናይ ሎሚ አብዚ ዓለም እንከሎና ወላ ሓደ ሰላምናን  አእምሮናን ውሽጣዊ ሓጎስናን ክሰርቀና አይግባእን፥ ምኽንያቱ እምነትና አብዚ ዓለም ወይ እውን አብ ሰብ ከማና አይኮነን። እንታይድአ እምነትና አብቲ ዝሞተን ዝተንሥኤን ክርስቶስ መድኃኒናን ተስፋ ዓለምን ዝኾነ እዩ። መዘምር ነዚ ሰናይ ዜና ከምዚ እናበለ አሕጺሩ ይገልጸልና “እቲ አብ እግዚአብሔር ዝአምን ሰብ ብፁእ እዩ” (መዝ. 40፡4)።

አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገርና ሓቅን ሰላም ዝሓዘ ሕይወት ሒዝና ንሓውናን ሓፍትና አፍደገ ሰማይ ክንከፍተሎም መብራህቲ ኮና ካብ ጸጋም ናብ የምን እንመልሶም ኮና ክነብር ነቲ ክአል እኩሉ አምላኽ እሙን ረድእኻ ክኸውን ሓግዘኒ ንበሎ። ነዚ ኸአ የብቅዓና።

16 February 2019, 18:11