ድለ

2019.02.03 መዓርገ ክህነት ኣብ ደብረመድኀኔ ዓለም ገጅረት ኣሥመራ 2019.02.03 መዓርገ ክህነት ኣብ ደብረመድኀኔ ዓለም ገጅረት ኣሥመራ 

መዓርገ ክህነት ኣብ ደብረ መድኀኔ ዓለም ገጅረት ኣሥመራ - ኤርትራ

ብሰንበት ዕለት 3 የካቲት 2019 ዲያቆን ሳሙኤል ሙሴ ተወልደ፡ ወዲ ማሕበር ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺኒ፡ ብኢድ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም፡ ብዘሓት ውለደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብለ መዓርገ ክህነት ተቀቢሉ።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣብቲ በቲ መዓልቲ እቲ ዝዓረገ መስዋዕቲ ቅዳሴ፡ ድሕሪ ንባብ ወንጌል ብፁዕ ሊቀጳጳሳት፡ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ፍቑራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ በዚ እግዚኣብሔር ዝሃበና ዓቢ ህያብ መዓርገ ክህነት፡ ብልቢ ከነመስግኖ ይግባእ። ኣምሊኽ ንኹሎም ካህንትና ብተወፋይነትን ብእምነትን፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ከጽንዖም ከኣ ምጽሊይ ኣይንረስዕ። ንኣምሊኽን ሰብን ብተወፋይነት ከነገልግል እንተኮይና፡ እምነት እያ ተዏውተና። ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ቃለ ዝብለና “ንዝኣምን ኩለ ይክኣሎ እዩ።” ስለዚ እምነት ኣብ ኩለ ኣገልግሎትና ዋና መስረት እያ። በዚ ሎሚ እዋን እምነት ኣዝያ እያ ተድልየና። ብዘይ እምነት ዝግበር ነገር የሎን። ኢየሱስ ብዚዕባ ኣድሊይነት እምነት ክገልጸልና እንከሎ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል እምነት እንተሊትኩም፡ ነዚ ጎቦ ተልዓል ምበልክሞ እሞ ምተሊዕለ ነይሩ” ይብለና። ኢየሱስ ከምዚ ክብል እንከሎ እምነት ክሳብ ክንደይ ኣድሊይትን ክብርትን ኣገዳሲትን ሙዃናን፡ ከምኡ እውን ቀሊል ከምዘይኮነትን እዩ ዝነግረና ዘሎ። እምነት መፍትሕ ናይ ኩለ እያ። ሓዋርያት ንኢየሱስ እምነት ወስኸና ኢሎም ለሚኖሞ እዮም። ንሕና እውን ነዚ ጸሎት እዚኣ መዓልታዊ ክንደግማ ይግብኣና። ምኽንያቱ እምነት ዘይብለ ሰብ ብዚዕባ ጸዋዕታኡ ኣይግደስን እዩ፡ እምነት ዘለዎ ሰብ ግና ንፈጣሪኡ ከይብድል፡ ብዚዕባ ጸዋዕታኡ ክሓስብን ክግደስን ግድን እዩ። ጸዋዕታና ብእምነት ከነለሊ ይግባእ። ብሓሊፊ ሓጎስ ኣይንታለል። ንጸዋዕታና ከነለሊ ጸሎት፡ ዘማኽር ኣቦ ነፍስን፡ ጥዐያት ብጾትን የድልዩና። ከም ክርስቲያን መጠን እምነት ኣገዳሲትን ኣዝያ ሓያልን ሰለ ዝኾነት፡ እምነትና ከነዕቢ ክንጽዕር ይግብኣና። ከመይ ክንጽሊ ይኹን ከነገልግል እምነት ወሳኒት እያ። እምነት ልዕሊ ኩለ እያ፡ እምነት እንተሎ ኩለ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ እምነት ዘይብለ ሰብ ምንም ኣይሰልጦን እዩ። መንገዲ ኣምሊኽ በይኑ እዩ፡ ሓቅን ቅንዕናን ሒዝና ብእምነት ጥራይ ኢና ክንጉዓዞ ንኽእል። እቲ ንብሎን ንገብሮን ሓደ ክኸውን ኣለዎ። እምነት ከኣ ቃል ኣምሊኽ ብምስማዕ እያ ትመጽእ እሞ፡ ቅደስ መጽሓፍ ምንባብን ምስትንታንን ንፍቶ። ኩለና ኣብ ኣገልግሎት ኣምሊኽ ጽውዓት ኢና። ጸዋዕታ ክብሃል እንከሎ ክህነት፡ ሓዳር ጌርካ ብቃል ኪዳን ምንባር ኣብ ዉፉይ ሂወት ኣቲኻ ብድንግልና ምንባር ዘጠቃለለ እዩ። ስለዚ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ እንታይ እዩ፡ ኢልካ ጽን ምባልን ምፍሊጥን ከድልየና እዩ። ንኣብነት ሳሙኤል ድምጺ ኣምሊኽ ጽን ኢለ ስለ ዝሰምዏ ጸዋዕታኡ ከለሊ ወይ ክፈልጥ ኪኢለ እዩ። ብታሕጓስ ደማ ቀሲኑ ብእምነት ንኣምሊኹ የገልግል ነይሩ። ንሕና ድማ ተሓጉስና እንነብረለ፡ ናብራ ቅድስና ምእንቲ ክህበና፡ መንገድኻ ኣርእየኒ ንበሎ። ነዚ ንምግባር መድኃኔ ዓለም ባዕለ ይደግፈና” እናበለ ቃል ስብከቶም ዚዘሙ።

ሓጺር ሕይወት ታሪኽ ኣባ ሳሙኤል ሙሴ

ኣባ ሳሙኤል ካብ ኣቡኦም ኣቶ ሙሴ ተወልደን ካብ ኣዲኦም ወሮ ጸጋ ሃይለን ብ1990 ኣብ ኣሥመራ ገጅረት ተወልደ። መባእታን ማእከሊይ ትምህርቶም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበል ምስ ፈጸሙ ክኣ ኣብ መንደፈራ ማሕበር ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺኒ ብምእታው፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ቀጸለ። ብድሕሪ እዚ ሃገራዊ ግብኦም ንምፍጻም ምስ መበል 22 ዘርያ ንሳዋ ወረደ፡ እቲ ግቡእ ታዕሊምን ናይ ቤት ምህርቲ ሃማሞስ ትምህርትን ወዲኦም ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ናብ ማሕበር ተመሊሶም ኣብ ተምክሮ ኣተው። ብድሕሪዚ ካብ 2011 ክሳዕ 2018 ዓ.ም.ፈ ናይ ፍልስፍናን ተሎግያን ትምህርቶም እናተኸታተለ ኣብ ወርሒ ጥቅሚት 2018 ዓ.ም. ኣብ ደብረ መድሓኔ ዓለም ገጅረት ኣሥመራ መዓርገ ዲቁና ተቐበለ፣ እነሆ ከኣ ሕጂ ናብ መዓርገ ክህነት ደይቦም።

Photogallery

መዓርገ ክህነት ኣባ ሳሙኤል ሙሴ ብስእሊ!
07 February 2019, 10:47