ድለ

ሃይማኖታዊ ዘተ፥ ውርሻ ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ሃይማኖታዊ ዘተ፥ ውርሻ ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ 

ሃይማኖታዊ ዘተ፥ ውርሻ ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሕቡራት ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ኣብ ከይዲ ናይ ሓባር ዘተ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ መሰረት ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፥ ምስ ሃማኖት ምስልምና ናይ ዘተ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣቓሼሕን ኣብ ኢጣኢያ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ዒማም (መምህር) ኢዘዲን ኤልዚር ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ሃይማኖታዊ ዘተ፥ ኣብ ሓቅን ፍቕርን

ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣቓሔሽ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሕቡራት ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ኣብ ከይዲ ናይ ሓባር ዘተ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ፡ እዚ ሓድሽ ምዕራፍ’ዚ ንኽብገስ ብናይ ሃይማኖትን ናይ ፖለቲካን ብቕዱስ ኣቦና ድላይን ብዙሕ ጻዕሪ ዝተገበረሉ ምዃኑ እውን ገሊጾም። እዚ ሓድሽ ምዕራፍ’ዚ ዘተ ኣብ ጐዳና ሓቅን ፍቕርን ክቕጽል ኣለዎ፡ ብርግጽ እዚ ርክብን ዘተን፡ ርግኣትን ጭዋነትን ትዕግስትን ሰናይ ኣገባባትን ድማዕን ዝሓትት እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ነቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ንዝዓደሎ ሓቂ እሙን ምዃን ዝሓትት እዩ። ኣብ ሃገራት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝርከቡ ወይ ዝነብሩ ማሕበረ ክርስቲያን ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ቃል መሰኻኽር ክርስቶስ ከይኖም ክርከቡ ኣለዎም። ኣብ ዘተ ኢና ዘሎና ኰይኑ ግና ንዅሉን ነቶም ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ናይ ክርስቶስ ድምጺ ኢና፡ እዚ ጠሪሹ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ተልእዀ እዩ ኢሎም።

ሃይማኖትን ጽልዋን

ሃይማኖታት ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣቓሼሕ፥ ከም መጋብሮ እንተድኣ ተገይሮም ዝግለጹ ኰይኖም መጋበርያ ዓመጽ ክዀኑ ይኽእሉ፡ ኣብ ልቢ ዝዀነ ይኹን ሃማኖት ናይ ሰላም ሃብቲ ኣሎ፡ ዘርኢ ሰላም ኣሎ። ስለዚህ ከም መራሕቲ ሃማኖታትን ምሁራንን ከም ምእመና ከም ሰብ ጽቡቕ ድላይን እውን ነዚ ዘርኢ ሰላምን ድማዕን ለውሃትን ምልላይን ምንባሩን ንሕተት፡ እዚ ብሓቂ ንሰላም ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ኵሉ ፍጥረ ልቢ ዘወዓውዕ ይኸውን።

ግልጺ ዝዀነ ዘተ

ኣብ ዘተ ግልጽነት ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ከም ካህናትን መራሕቲ ሃይማኖታትን መምሃራን ሃይማኖት ምስልምናን ናይ ካልኦት ሃይማኖታትን እውን ብዘይ ላንጋላንጋ ግልጺ ብዝዀነ መገዲ ዓመጽ ብዝንጽልን ብዘውግዝን ኣገባብ ምቅርራብን ምዝታይን የድሊ፡ ንኣብነት እቲ ካልእ ከም ንሱነቱ ሓወይ እዩ ምባልን፡ ኣብ ሰብኣውነት ዝርከብ ኣካለይ እዩ ምባል፡ እዚ ንዘተ መሰረት እዩ፡ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ከም ጸላኢ ወይ ዕቑር ሓይሊ ንጸላእነት ዘይምርአዩ፡ ንሰላም ወሳኒ እዩ። ሰላም ንዝኣምኑን ንዘይኣምኑም ዓቢይ ዕሴት እዩ፡ ስለዚህ ከም ኣሕዋት ምርእኣይ ጐዳና ሰላም እዩ ኢሎም።

ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምህር (ዒማም) ኢዘዲን ኤልዚር፡ ዘራኽብ ንጹዕ ድልድል ምሕናጽ

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ዘካየድዎ ሓዋርይዊ መገሻ ኣብ መንጐ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ኣገዳሲ ዘተ ዘጽንዕ ምዃኑን እቲ ዘተ ይቕጽል ከምዘሎን ዘራጋግጽ ምብጻሕ ጥራሕ ዘይኰነ ካብኡ ሓሊፉ ጽኑዕ ናይ መራኸቢ ድልድል ዘቕውም እዩ፡ እዚ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ካብ ክርስቲትናን ሃይማኖት ምስልምና ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ምስልምና እውን ዘተ ክህሉ ዝድግፍ ምዃኑ ዒማም ኤልዚር ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡

ናይ ፖለቲካ ሓላፍነት

ዒማም ኤልዚር ይብሉ፡ ኣቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል ጣይብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ጭቡጥ ፖለቲካዊ መሰረት ኣውን ዘለዎ እዩ፡ ኣብ መንጐ መንግስታት ንዝህሉ ርክብ ጐደና ተስፋ እዩ፡ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ትግቡር እንተድኣ ዝኸውን ኰይኑ ብሓቂ ከምቲ እቲ ሰነድ ዝብሎ ሰብኣዊ ሕውነት ክሰፍሕን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ክህሉ እዩ ኢሎም።

ንመደብ ሕንጸት ሃብቲ ገንዘብ ምፍሳስ

ኣብ መዳይ ባህሊ ብዙሕ ምዕያይ የድሊ፡ ኣብ ሕንጸን ባህልን ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ብዙሕ ምዕያይ ይግባእ፡ እቲ ዓመጽ ከም ልሙዕ መሬት ዝጥቀመሉ ኵሉ ዝብዳህ ብሕንጸትን ብነጻነትን ብምስፋሕ ማሕበራዊ ፍትሕን እዩ፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ነዚ ዘመላኽት እዩ፡ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክፍታሕ እንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝበልዎ ሓሳብን ብሓባር ምስ ሃይማኖት ምስልምና ኰይኖም ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ናይ ፖለቲካ ዓለም ክሰዕዎን ክትግብሮን ተስፋ እገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሃይማኖታዊ ዘተ፥ ውርሻ ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ
08 February 2019, 16:24