ድለ

ቡርኪናፋሶ፥ ኣብ ልዕሊ ሳሊዚያናዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ቡርኪናፋሶ፥ ኣብ ልዕሊ ሳሊዚያናዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት 

ቡርኪናፋሶ፥ ኣብ ልዕሊ ኣባ ኣንቶኒዮ ፈናንደዝ ሳሊዚያናዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት

ኣባ ኣንቶኒዮ ሰሳር ፈርናንደስ ኣብ ስፐይን ፖዞብላንኮ ዕለት 7 ሓምለ 1946 ዓ.ም. ዝተወልዱን 55 ዓመታት ኣባል ሳሊዚያን 46 ዓመታት ማዕርገ ክህነት ካብ ዝቕበሉን ካብ 1982 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ኣፍሪቃ ንኸገልግሉ ዝተላእኩ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሳሊዚያናውያን ተወላዲ ስፐይን ኣባ ኣንቶኒዮ ሰሳር ፈርናንደዝ ዕለት 15 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ጅሃዳውያን ብዝፈጸመዎ ግብረ መጥቃዕቲ ከምእተቐትሉ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣባ ሰሳር ምስ ክልተ ደቂ ማሕበሮም ኣብ ቶጎ ርእሰ ከተማ ሎመ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቶጎ ማሕበር ሳሊዚያን ጉባኤ ተሳቲፎም ናብ ቡርኪናፋሶ እናተመሱ እንከለዉ ድሕሪ ቺንካሰ ናይ መቆጻጸሪ ኑቕጣ ኣርቦኣ ኪሎ ሜትር ኣቢሉ ኣብ ርክበ ከባቢ ብጀሃዳውያን ተዓጊቶምን እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ነባ ሰሳር ፈልዮም ብምውሳድ ከምዝቐተልዎም ከንገር እንከሎ፡ እቶም 4 ናይ ቺክካስ መቆጻጸሪ ኖቕጣ ሰራሕተይናታት እውን ተመሳሳሊ ናይ ሞት ሓደጋ ከዝወረዶም እዩ ዝንገር።

ኣባ ኣንቶኒዮ ሰሳር ፈርናንደስ ኣብ ስፐይን ፖዞብላንኮ ዕለት 7 ሓምለ 1946 ዓ.ም. ዝተወልዱን 55 ዓመታት ኣባል ሳሊዚያን 46 ዓመታት ማዕርገ ክህነት ካብ ዝቕበሉን ካብ 1982 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ኣፍሪቃ ንኸገልግሉ ዝተላእኩን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቡርኪናፋሶ ርእሰ ከተማ ናይ ዝርከብ ቤት ሳሊዢያን ሓለቓ ከምዝነበሩን ንዓሰርተ ዓመት እውን ሓለቓ ተመካርያን ኰይኖም ከምዘገልገሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ቡርኪናፋሶ፥ ኣብ ልዕሊ ወንጌላዊ ልኡኽ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት
16 February 2019, 17:21