ድለ

+ አቡነ መንግሥተአብ ዘበአሥመራ + አቡነ መንግሥተአብ ዘበአሥመራ 

ስብከት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ ኣብ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረ

እኖና ኪዳነ ምሕረት ከም ርኅርኅቲ ኣደ ነቲ ፍቁር ወዳ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ፣ “ወይኒ እምበር ተወዲኡዎም፣ ፍቕሪ እምበር ውሒዱዎም፣ ዕርቀ ሰላም እምበር ስኢኖም፣ ነንሓድሕዶም ተጨኻኺኖም፣ ምትእምማን ስኢኖም፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ቅሳነት ስኢኖም ይነብሩ ኣለው” ሃየ ገለ ግበር፣ ትብሎ ኣላ።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ዘሕገ ልማዳ ምሕረት፣ ለኲሉ ፍጥረት - በዓለ ኪዳነ ምሕረት ፲፮ የካቲት ፳፻፲፩፣ 23 የካቲት 2019

ፍቁራትን ፍቁራንን ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ዝነገድኩም መፍቀርቲ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፡ ቅድሚ ኲሉ እንቋዕ እግዚኣብሔር ናብዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል እዛ ፍትውቲ ኣዴና ብድኃነ ሰላም ኣብጽሓና።

ኣብቲ ሎሚ ዝሰማዕናዮ ጠቕሲ ወንጌል ሉቃስ፣ እኖና ማርያም መዝሙር ምስጋና ክትዝምር ከላ፡ “ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ብቕልጽሙ ኃይሊ ገበረ፣ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም” (ሉቃ 1፡50) ዝብል ቃላት ክትጥቀም ንረኽባ። ምሕረት ኣምላኽ ወሰን ስለዘይብሉ ንውሉድ ወለዶ እዩ ዝጸንሕ። እንተኾነ ትሑታት እምበር ዕቡያት ምሕረት ኣምላኽ ክቕበሉ ኣይክእሉን እዮም ትብለና። ምኽንያቱ ከኣ ዕቡያት ምሕረት ኣምላኽ ኮነ ምሕረት ሰብ ከምዘድልዮም ኣይኣምኑን እዮም። ንካልኦት ክምሕሩውን የጸግሞም እዩ። በዚ እዩ መድኃኒናውን ኣነጺሩ “መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” (ማቴ 5፡7) ዝበለ። ንኩላትና ከኣ፣ ጸሎት ክትደግሙ ከሎኹም፡ “ንሕና ንዝበደሉና ከምዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና” (ማቴ 6፡12) በሉ ኢሉና እዩ። ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ከኣ ከም ስማ ምሕረት እዩ ልማዳ። ምሕረት ኣምላኽ ስለዘስተማቐረት እታ ዝበለጸት ኣማላዲት ምሕረት ክትከውን ክኢላ። በዚ ምኽንያት እያ “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ መድኃኒየይ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ፣ እንሆ ካብ ሕጂ ኲሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ እዮም። እቲ ኲሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ” (ሉቃ 1፡46-49) እናበለት ዝዘመረት። ትሑት ሰብ ኣመስጋኒ እዩ፡ ትሑት ሰብ ሞሳ ክመልስ ኣየጸግሞን ኣዩ። ትሑት ሰብ ዕርቅን ይቕረታን ኣይከብዶን እዩ። ሕራይ ኣዴና ከኣ ምሕረት ኣውሪዱልና።

ኣብ መልክዐ ስእል ናይ ዘመነ ፍልሰታ፣ ዓመት መጸ፣“ኦ ርኅርኅተ ኅሊና ዘኣፍቅሮተ ሰብእ ልማዳ፣ ሰኣሊተ ምሕረት ይእቲ ማርያም ሓጹረ መስቀል ዘየዐውዳ፣ ንትቀበላ ንዑ ለወለተ ዳዊት ዘይሁዳ” ። “ ኦ ርኅርኅተ ኅሊና ዘሕገ ልማዳ ምሕረት ልኲሉ ፍጥረት፣ (መልክኣ ስእል ዘፍልሰታ) እናበልና ንኣዴና ማርያም ክነሞግስ ንርከብ። ብሓቂ ከኣ ኣዴና ማርያም ኣብ ቅድሚ ወዳ  ምእንቲ ኲልና ምሕረት ምልማን ልማዳ እዩ። ንሱ እዩ ስራሓ ካልእ ስራሕ የብላን። ከም ርኅርኅቲ ኣደ ነቲ ፍቁር ወዳ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ፣ “ወይኒ እምበር ተወዲኡዎም፣ ፍቕሪ እምበር ውሒዱዎም፣ ዕርቀ ሰላም እምበር ስኢኖም፣ ነንሓድሕዶም ተጨኻኺኖም፣ ምትእምማን ስኢኖም፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ቅሳነት ስኢኖም ይነብሩ ኣለው” ሃየ ገለ ግበር፣ ኣይትጨክነሎም፣ ምእንትኦም በጃ ኮይንካ፣ ደምካ ኣፍሲስካ ስለዝሞትካን ብዓይኒ ምሕረት ጠሚትካ ኣድኅኖም። ወላ ሓደ እኳ ከይጠፍእ ተጠንቀቕሎም” እናበለት ተማልድ ኣደ እያ ዘላትና። ፍቕሪ ደቃ ደሪኹዋ ወትሩ ከተጽልለናን ተዓሪቕናን ተፋቒርናን ክትርእየና ኣያ እትደሊ። እዚ እነብዕሎ ዘሎና ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት እምበኣር ሓቀይና ዕርቅን ምሕረትን ዘምጽእ ኪገብረልና ንማህለል። ዕርቂ ሰላም ወትሩ እንምነዮን እንደልዮን ነገር እዩ። እንተኾነ ኲሉ ጊዜ ርሒቚና ይርከብ። ስለምንታይ ኢና ዘይንረኽቦ እንተበልና ድማ ርድኢትናን ኣተሓሕዛናን ብቚዕን ቅኑዕን ስለዘይኮነ እዩ ክንብል ንደፍር። ብኣማላድነት ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ዝደልዮን ንሕና ንምነዮን ሓቀይና ሰላምን ዕርቅን ክንረክብ እንተደሊና እምበኣር፣ መጀምርያ ነቲ ዕርቀ ሰላም-መሰል ጊጉይ ርድኢትን ኣተሓሕዛን ከነለልን ከነወግድን ይግብኣና። ንኣብነት 1) ዕርቅን ሰላምን ሓቀይናን ነባርን ክኸውን እንተኮይኑ ብታህዋኽ ዝመጽእ ኣይኮነን፣ 2) ዕርቅን ሰላምን ሓቀይናን ነባርን ክኸውን እንተኮይኑ ኣብ ምልኣት ሓርነት ዘይተመርኰሰ ብከፊል ክኸውን የብሉን፣ 3) ዕርቅን ሰላምን ሓቀይናን ኣድማዕን ክኸውን እንተኮይኑ ብዓቐን ተለኪዑን ተጠማዚዙን ዝመጽእ ኣይኮነን።

ሓቀይና ዕርቀ ሰላም ደኣ ከመይ ዝበለ እዩ እንተበልና ቃል እግዚኣብሔር ባዕሉ ዝህበና ቅኑዕ መልሲ ኣሎ። ንኣብነት፡ መዝሙር ዳዊት፡ ቊጽሪ ሰማንያን ሓሙሽተን፡ ብዛዕባ ምሕረትን ዕርቅን ክዛረብ ከሎ፣ “ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ ሓቅን ሰላምን ተሰዓዓማ፣ ሓቂ ወዲ ሰብ ካብ ምድሪ ክትበቊል እያ፣ ጽድቂ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ፣ እግዚኣብሔር ድማ ሠናይ ክህበና እዩ፣ ሃገርናውን ፍርያታ ክትህብ እያ” (መዝ 85፡10-12) እናበለ ሰናይ ዘመን ከበሥር ንሰምዖ። ምሕረት ካብ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ዝመጽኣና። “እስመ መሓሪ ውእቱ እግዚኣብሔር ኣምላክነ”። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ወትሩ መሓር፡ ርኅሩኅን የዋህን እዩ። ንማርያምውን “ኦ ርኅርኅተ ኅሊና ዘኣፍቅሮተ ሰብእ ልማዳ፣ ሰኣሊተ ምሕረት ይእቲ ማርያም ሓጹረ መስቀል ዘየዐውዳ” ንብላ። ብሓቂ ከኣ ኣዴና ማርያም ንኣና ምሕረት ከተማልድ ክትልምን ጥራይ እያ እትነብር። ምሕረት ክንረክብ ግን ናይ ሓቂ ናይ ልቢ ጸጸትን ንስሓን እውን የድልየና እዩ። ምሕረት ካብ እግዚኣብሔር ሓቀይና ጸጸት ካባና እንተተራኸባ ጥራይ እዩ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሓቀይና ዕርቀ ሰላም ዝነግሥ። በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፎ ካልኣይ መልእኽቱ “ስለዚ ንሕና ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኢና፣ ኣምላኽ ከኣ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ፣ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኰይንና ድማ ‘ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ’ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና” (2ቆሮ 5፡20) ዝብል። እኖና እግዝእትነ ማርያም ከኣ ቅድሚ ኲሉ ምስ ኣምላኽና ምስ መድኃኒና ክንዕረቕ እያ እትደልየናን እተማልደልናን። ምስ እግዚኣብሔር ብልቢ ብነጺሕ እንተዘይተዓረቕና ካብ ኣምላኽና ምሕረት ኣይንረክብን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነንሓድሕድናውን ዕርቅን ሰላምን ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ምንጪ እውነተይና ሰላም ምንጪ ሓቀይና ዕርቂ ምንጪ ነባሪ ሰላም እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። ስለዚ ቤተክርስትያን እውን ሎሚ “ምስ ኣምላኽን ኣብ ነንሓድሕድኩምን ተዓረቑ” ክትብል ትደፍር። ንምዃኑ ዕርቀ ሰላምከ እንታይ ማለት እዩ እንተበልና ድማ ቅድሚ ኲሉ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ሓቂ ዝተመሥረተ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ዕርቂ ማለት ከኣ ኣብ ናይ ልቢ ጸጸትን ጣዕሳን፡ ይቕረ ሓድሓድን ዝተመርኮሰ፡ ንፍትሒ ዘይጐሲ፣ ንተበዳልን ንበዳልን ዘሳትፍ ንሕዝብን ንሃገርን ዝጠቅም፣ እግዚኣብሔር ዝተሓወሶ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ዝተወጽዑን ዝተገፍዑን ፍሉይ ትኲረት ዝህብ ክኸውን ኣድላዪ እዩ። ንኲሉ ዝምለከቶ ኣካል ዘየሳትፍ ከፊላዊ ዕርቂ፡ ጐዶሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደገይና እውን እዩ። ነባሪ ዘይኮነ ጊዚያዊ ፍታሕ ጥራይ እዩ ከምጽእ ዝኽእል። ብዛዕባ እዚ ከኣ ትምህርቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ንጹርን ዘየማትእን ኣዩ። ኣብ ወንጌል ቅዱስ ማቴዎስ ከምንሰምዖ፣ ጴጥሮስ ናብ ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ፣ ‘ጐይታይ ኃወይ እንተበደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብለሉ? ክሳዕ ሾብዓተዶ?’ በሎ። ኢየሱስ ድማ ‘ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደኣ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ኣይብለካን’ በሎ። (ማቴ 18፡21-22)። ይቕረታ፡ ምሕረት፡ ዕርቂ፡ ብከምኡ ለኪዕካ ብቊጠባ ዝወሃብ ኣይኮነን። “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደኣምበር ክሳዕ ሾቦዓት ኣይብለካን”። ከምቲ ኣግዚኣብሔር ኪምሕረና ወትሩ ድልው ዝኾነ ንሕናውን ንብጻይና ክንምሕር ኲሉ ጊዜ ድሉዋት ክንከውን ንሕተት። ኢየሱስ ነቲ ናይ ዓሠርተ ሽሕ ዲናር ዕዳ ብጐይትኡ ተሓዲጉሉስ ሚእቲ ዲናር ንዘለቅሖ መሳርሕቱ ብክሳዱ ሓኒቑ ተሎ ፍደየኒ ዝበለ ሰራሕተይና ኣብነት ምስ ኣዘንተወ “እምበኣር ንስኻትኩም ድማ ነፍስወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተዘይኃደገሉ፣ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኪገብረኩም እዩ” (ማቴ 18፡35) ብምባል የጠንቅቐና። መጽሓፍ ሲራክ ከኣ “ኣቱም ኩልኹም ንእግዚኣብሔር እትፈርሁ፡ ምሕረቱ ክትርእዩ ተጸበዩዎ፡ ከይትወድቁ ካብኡ ኣይትርሓቑ” (ሲራ 2፡7)ዝብል ጥበብ ዝመልኦ ማዕዳ ይህበና። እግዚኣብሔር ዘይተሓወሶ ዕርቂ፡ ንኲሉ ዝምልከቶ ኣካል ዘየሳትፍ ዕርቂ ሓንካስ ዕርቂ እዩ። ሓቀይና ዕርቂ ከኣ ካብ መሠረታዊ ምትእምማን ሓድ ሕድ እዩ ዝብገስ። ምትእምማን እንተዘየልቦ ናይ ዕርቂ ጒዕዞ ክጅመር ኣይክእልን። ኣብ ስድራቤት ኮነ ኣብ ጐረቤት፣ ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ሃገር፣ መጀመርታ ስጉምቲ ዕርቂ፣ ዝተበደለን ዝበደለን ሰላም እንተደለዩ እዩ ዝብገስ። ዝበደለ በዲለ እሞ ይቕረታ፡ እኽሕስ እንተበለ! ዝተበደለ ከኣ ምብዳልስ ከም ሕሱም ተበዲለ እየ እሞ፣ ድኃን ምእንቲ እግዚኣብሔር፣ ምእንቲ ኣኅዋት፣ ምእንቲ ደቀይ፣ ምእንቲ ሃገር፣ ምእንቲ ፍቕሪ፣ እገድፎ ኣሎኹ እንተዘይበሉ ዕርቂ ክጅምር ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይዕርቂ ግን ሓቀይና ሰላም፣ ድልዱል ሓድነት፡ ፍርያም ምዕባለ ክንረክብ ኣይንኽእልን። ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ድማ፡ ሓቀይና ዕርቂ፣ ከምቲ ብሂል ኣቦታትና፡ ብድፉኑ “ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ” ኢልካ ዝመጽእ ኣይኮነን። ዕርቂ፡ ሓቅነት ዘለዎ፡ ኣብ ፍትሒ ዝተመሥረት፡ ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ ነባርን ሃናጽን ክኸውን ዝኽእል። ዕርቂ፡ መጀመርያ፣ ናይ ልቢ፡ ደሓር ናይ ዘረባ፡ ደሓር ከኣ ናይ ግብሪ ይኸውን። ዝበደለ ብሓቂ ብቅንዕና እንተ ተበጊሱ እቲ ዝተበደለውን ልቡ ይርስርስ እሞ ክገድፍ ድልው ይኸውን። ኣብዚ ግን ለባማት መተዓረቕቲ፣ ሸምገልቲ፡ እውን  ክህልው ኣለዎም። ኲሎም እቶም ዝዕረቑ ክስምዑ ይደልዩ። ብቅንዕና ክርድኦም ዝኽል ነጻ ዝኾነ ሰብ የድልዮም። እዚ ቅዱስ ስራሕ ናይ ዕርቂ ከኣ ብፍላይ ንመራሕቲ ሃገር፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት፡ ንመራሕቲ ዓዲ፡ ንመራሕቲ ጐረባብቲ፡ እዩ ዝምልከት። ሓቀይና ምሕረት ወይ ይቕረታ፡ ምስ እግዚኣብሔር ካብ ዝተዓርቀ ሰብ እዩ ዝብገስ። ክትምሕር ኮነ ይቕረ ክትብል ምእንቲ እግዚኣብሔር ምእንቲ ሽማግለ ምእንቲ ሃገር ምእንቲ ፍቕሪ ኢልካ ክትገብሮ ከሎኻ መንፈስ ቂምን በቐልን፡ መንፈስ ሕነ ምፍዳይ እናጎደለ፣ መንፈስ ይቕረታን ምሕረትን ከኣ እናዓበየ ይኸይድ። እቲ ዝበደለ ከኣ ብግብሩ ተጣዒሱ ንዕርቂ ዝሕግዝ ክፉት ሃዋህው ንክፍጠር ይተሓባበር። ምእንቲ ዝዓበየ ጠቕሚ ማኅበር፣ ምእንቲ ዝበለጸ ጠቕሚ ሃገር፣ ምእንቲ ሃናጺ ጠቕሚ ቤተክርስትያን፡ ውልቃዊ ረብሓኡ ገዲፉ ኣብ ዕርቂ ይዋሳእ። “ንርእሰይ ይጥዓመኒ” (ፊል 2፡3) ምባል ንዕርቀ ሰላም ኣይሕግዝን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ፡ “ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ስለእትዕወት፡ እቲ ምሕረት ዘይገበረ፡ብዘይምሕረት ኪፍረድ እዩ”(ያዕ 2፡13)።

 ኣብዚ ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት እምበኣር፣ ነዚ ቃላት ኢሳይያስ ነቢይ ጽን ኢልና ንስማዕ። ኣብ ምጅማር ዓብይ ጾም ስለእንርከብውን ኣዝዩ ክጠቕመና ዝኽእል እዩ። ዕርቅና ብሰናይ ግብሪ ንጀምሮ፡ ንልቢ ዘረስርስ ስራሕ ንስራሕ፡  ንኩሉ “ፍቓድካ ኣብ ሰማይ ከምዝኾነ ከማኡውን ኣብ ምድሪ ይኹን”(ማቴ 6፡10) ኢልና ንጀምሮ። እግዚኣብሔር፣ “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዝስዕብ እዩ፣ ንመእሰር እከይ ምፍታሕ፣ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ፣ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፣ ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኲሉ ምስባር፣ ኣንጌራኹም ንጥሙይ ምምቃል፣ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትክኩም ምቕባል፣ ዕሩቕ እንተረኣኹም ምኽዳን፣ ንወገንኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምኅባእ እዩ። ሽዑ ብርሃነይ ከም ጸሓይ ንግሆ ኮይኑ ኬብርሃልኩም፣ ምሕዋይኩም ቀልጢፉ ኪመጽእ፣ ጽድቀይ ቀቅድሜኹም ኪኸይንድ፣ ክብረይ ድማ ደጀንኩም ኪኽአውን እዩ። ሽዑ ክትጽዉዑኒ ኣነ ከኣ ኪምልሰልኩም፣ ከተእውዩ ኣነ ድማ እነኹ ክብለኩ ኣየ። ነርዑት ባርነትን ንናይ ንዕቀት ምውጥዋጥ ኣጻብዕን ንሕማቕ ዘረባን ከኣ ካብ ማእከልኩም እንተ ኣርሓቕኩም፣ ንጭኑቕ እንተመቐልኩም፣ ንጥሙይ እንተ ኣጽገብኩም፣ ሽዑ ብርሃንኩም ኣብ ጸልማት ኪበርህ፣ ጽልማትኩም እውን ከም ጸሓይ ቀትሪ ኪዂላዕ እዩ። ኣነ ንዂሉ ጊዜ ክመርሓኩም ብጽቡቕ ነገር ከጽግበኩም፣ ጥዕናን ኃይልን ክህበኩም እየ። ንስኻትኩም ከኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትኮኑ ኢኹም። ሕዝብኹም ነቲ ቀደም ዝዓነወ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መሠረት ኪነድቅዎ እዮም። ንስኻትኩም ከኣ ነደቕቲ ፍሩስ ቀጽርን ሓነጽቲ ገዛውትን መዓረይቲ መንገድን ተባሂልኩም ክትስመዩ ኢኹም” (ኢሳ 58፡6-10) ይብለና ኣሎ። ብኃይሊ መድኃኔ ዓለም ብኃይሊ ኪዳነ ምሕረት፣ ኣብ ዕርቂ ዝሳተፍ ሰብ ንፍሩስ ይነድቕ፡ ንነቓዕ ይጽግን፡ ንዝተበላሸወ የዓሪ፣ ንዝቀነነ የቅንዕ፣ ንዝተበደለ ይኽሕስ። ቅዱስ ጳውሎስ እግዚኣብሔር ከመይ ጌሩ ምሳኡ ዝዓረቐና ክገልጽ ከሎ፣ “ጸላእቱ ከሎና ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፣ ካብ ተዓረቕና ደኣ ብሕይወቱ ክንደይ ኣዚና ዘይንድኅን? እዚ ጥራይ ግና ኣይኮነን፣ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና፣ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና ብኣምላኽ ንምካሕ ኣሎና” (ሮማ 5፡10-11) ይብል። ናብ ሰብ ቈላሳይስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ውን ደጊሙ“ ንሱ ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገቢሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚመኩም ብሞት ሥጋዊ ሰብነት ወዱ ገቢሩ ዓረቐኩም። እዚ ግና ተሠሪትኩምን ደልዲልኩምን ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነትኩም እንተጸናዕኩም እዩ” (ቈላ 1፡22-23) ክብል ይርከብ። ኣይሁዳውን ኣረማውን እናተበሃሃሉ ተፈላልዮም ክቃረቡ ዘይክእሉ ንዝነበሩ ኣሕዛብ ክርስቶስ ሓደ ገበሮም። “ነቶም ክልተ ዝነበሩ ብእኡ ሓደ ሓዲሽ ሰብ ምእንቲ ኪገብሮም ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ሥርዓቱን ኣፍሪሱ ሰላም ገበረ። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፣ ንክልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። መጺኡ ከኣ ንኣኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም ኣበሠረኩም። ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ከኣ ሰላም ኣበሠሮም። ከመይ ክልቴና ብእኡ ኢና ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ እንኣቱ” (ኤፈ 2፡15-18)። ዝሓለፈ ወርኂ ሰነ እግዚኣብሔር ሰላም ኣበሢሩና፡ ምስጋናና ይብጽሓዮ፣ ነቶም ሰላም ክርከብ ዝጸዓሩ መራሕትናን ግዱሳት ፈተውትን ከኣ እንቋዕ ኣዓወተኩም ንብሎም። ሕጂ ከኣ ኣብ ውሽጥና ምሉእ ዕርቅን ሰላምን ክገብረልና ንኣምላኽና እናለመንና፣ ነቶም ዝጀመርኩምዎ ከኣ ክትቅጽልዎ ነተባብዓኩም። ገና ብዙኅ ኲራ፡ ብዙኅ ፍርሂ፡ ብዙኅ ቊስሊ፡ ብዙኅ ምፍልላይ፡ ብዙኅ ምጥርጣር፡ ብዙኅ ቊጥዓ፡ ብዙኅ ጓሂ ኣሎና። እዚ ኲሉ ክሓዊ እንተኮይኑ፣ ምሉእ ሓድነትን ሓቀይና ምዕባለን ክርከብ እንተተደልዩ፡ መደብ ዕርቀ ሰላም ብዝቐልጠፈ ይበገስ። ንሱ እዩ እቲ እንኮ ፈውሲ።

“ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፡ ሓቅን ሰላምን ተሰዓዓማ፣ ሓቂ ወዲ ሰብ ካብ ምድሪ ክትበቊል እያ፣ ጽድቂ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ፣ እግዚኣብሔር ድማ ሠናይ ክህበና እዩ፣ ሃገርናውን ፍርያታ ክትህብ እያ” (መዝ 85፡10-12)። “ኦ ርኅርኅተ ኅሊና ዘሕገ ልማዳ ምሕረት ለኲሉ ፍጥረት”። “ኦ ርኅርኅተ ኅሊና ዘኣፍቅሮተ ሰብእ ልማዳ፣ ሰኣሊተ ምሕረት ይእቲ ማርያም ሓጹረ መስቀል ዘየዐውዳ፣ ንትቀበላ ንዑ ለወለተ ዳዊት ዘይሁዳ”። እዚ ጸሎት እዚ ክንደግም ከሎና ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ከተማልደልና ንለምና። ከምኡውን ኣብ ሃገርና ኣብ ማእከል ሕዝብናን ነባርን ሓቀይናን ዕርቂ ክነግሥ፣ ሆይ ማርያም ሓግዝና ንበላ። እዚኣ እያ እታ ሓንቲ መንገዲ ሰላም፡ መገዲ ሓድነት፡ መገዲ ምዕባለ። ነዛ መገዲ እዚኣ እንተሒዝና እቲ ኲሉ ዝከኣሎ እግዚኣብሔር ንኲሉ ጻዕርና ክሕወሶ እዩ፡ ከስልጦ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ እትርእዩዎ “ሆይ ማርያም ሓግዝና” ዝብል ጽሑፍ ብመደብ ኢና ጌርናዮ። በቲ ሓደ ሓግዝና ክንብላ፡ በቲ ካልእ ከኣ፡ አንዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ስራሕ፡ ኣዮና፡ ቀሪብና ኢና ክንብል ስለዝደለና እዩ። ነፍስወከፍና እንተወሓደ 100 ናቕፋ እንተኣወፊና፣ ካብኡ ንላዕሊ ዘወፊ/እተወፊ ከኣ ኣኻዕቢታ ትሃቦ/ትሃባ፣ ስራሕ ጽገና ቀልጢፉ ክዛዘም ይኽእል እዩ። እዛ እትርእዩዋ መርዓት መቃልዒ ኣውሒድኩምለይ ትብለና ከይትህሉ።

ነዚ በዓል ዕውት ክኸውን ዝጸዓርኩም ካህናት ምእመናን መንእሰያት ሓለውቲ ጸጥታ ብልቢ ነመስግነኩም። ባዕላ ኪዳነ ምሕረት ጻማኹም ትርኣየልኩም። ክቡራን ኣጋይሽናን ኩልኻትኩም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩም ነጋድያንን ከኣ ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልኩም።

ዝተባረኸ ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ይኹነልና። ኣሜን።

+ አቡነ መንግሥተአብ ዘበአሥመራ

Photogallery

አበዓዕላ ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ 23 ለካቲት 2019 ዓምፈ
23 February 2019, 12:26