ድለ

ናይ ቱኒዝ ሊቀ ጳጳሳት፥ ቱኒዝያ ናብ ዝገደደ ድኽነትን ፍርሕን ተብል ኣላ ናይ ቱኒዝ ሊቀ ጳጳሳት፥ ቱኒዝያ ናብ ዝገደደ ድኽነትን ፍርሕን ተብል ኣላ 

ናይ ቱኒዝ ሊቀ ጳጳሳት፥ ቱኒዝያ ናብ ዝገደደ ድኽነትን ፍርሕን ተብል ኣላ

ሻምናይ ዓመት ድሕሪ እቲ ናይ ቢን ዓሊ ስልጣን ዝዓለወ ጽድያ ዓረብ ኣብ ቱኒዝያ ፖለቲካዊ ነጻነትን ናጻ ምርጫን ምዕቡል ቅዋም ሃገርን ማዕርነት ደቀንስትዮን ክህሉ ዝገበረ እውን እንተዀነ

ኣብ ቱኒዝያ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ በን ኣሊ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ጽድያ ዓረብ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተኻየደሉ ዝኽሪ ሻምናይ ዓመት ሎሚ ዕለት 14 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝሕሰበሉ ዕለት ኣብታ ሃገር ናይ ቱኒዝ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢላሪዮ ኣንቶናዚ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ድኽነት ይሰሕ ከምዘሎን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ እስላማዊ ስርዓት ንሕዝቢ ምኽንያት ፍርሒ ኰይኑ ኣሎ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሻምናይ ዓመት ድሕሪ እቲ ናይ ቢን ዓሊ ስልጣን ዝዓለወ ጽድያ ዓረብ ኣብ ቱኒዝያ ፖለቲካዊ ነጻነትን ናጻ ምርጫን ምዕቡል ቅዋም ሃገርን ማዕርነት ደቀንስትዮን ክህሉ ዝገበረ እውን እንተዀነ፡ ስእነት ስራሕ እቲ ዝዓበየ ሕዝቢ ዘሳቕይ ጸገም ከምዝዀነን፡ ዝቕባበ ኤኮኖሚ ሸሞንተ ሚእታዊ ስእነት ስራሕ ሳላሳ ሚእታዊ ከምዝበጽሔን ናይ ሓደ ዜጋ ወርሓዊ ደሞዝ 140 ኤውሮ ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ ዅሉ ጸገም ነቲ ዝነበረ ማሕበራዊ ጸገም እናገደደ ንኽኸይድ ይድርኽ ኣሎ ኢሎም፡ ዕለት 17 ጥሪ ጠቕላላ ናይ መላእ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት መውሃቢ ሰራሕተይናታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ህልው ኩነታት ቱኒዝያ ፍርሒ ዝተመልኦ ምዃኑ ዝምስክር ምዃኑ ይንገር።

ብፁዕነቶም ይብሉ ሕዝቢ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ቢን ዓሊ ዝናፍቕ ዘሎ እዩ ዝመስል ኣብ ኣዋን መንግስቲ ቢን ዓሊ ናይ ስራሕ ዕድል ነይሩ ጸጥታን ሰላም እውን ውሑስ እዩ ዝነበረ፡ እቲ ጸደይ ሃገራት ዓረብ ኣብ ቱኒዝያ ዘንበሮ ተስፋታት ከተግብር ብዘይምኽኣሉ እቲ ዝሓለፈ ስርዓት ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ የስዕብ ኣሎ፡ ኣብ ውሽጢ 2019 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ክህሉ እዩ፡ እስላማዊ ናይ ፖለቲካ ውድባት ኣብ ስልጣን ክድይቡ እዮም ዝብል ስግኣት እውን ምህላዊ ሓቢሮም፡ 2019 ዓ.ም. ንቱኒዝያ ወሳኒ ዓመት እዩ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቱኒዝያ ናይ ምንቅስቓስ ኤክኖሚ ዕድላት ክፈጥር ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ናይ ቱኒዝ ሊቀ ጳጳሳት፥ ቱኒዝያ ናብ ዝገደደ ድኽነትን ፍርሕን ተብል ኣላ
14 January 2019, 17:48