ድለ

ካብ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት ናብ ዓለም ለኻ ቅነ መንእሰያት ፓናማ፡ ካብ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት ናብ ዓለም ለኻ ቅነ መንእሰያት ፓናማ፡  

ካብ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት ናብ ዓለም ለኻ ቅነ መንእሰያት ፓናማ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ኣብ መንእሰይ ዓቢይ እምነት ኣለዎም፡ ኣብ መንእሰይ እምነት ምንባር ንሕንጸት መንእሰይ መሰረት እዩ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም. ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 28 መንእሰያትን እምነትን ልላይ ጸዋዕታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ናብቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ናብ ዝካየድ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ጉዕዞ፡ ቤተ ክርስቲያን መንእሰይ ወለዶ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና ተዋሳኢ ንኽኸውን ዘለዋ ድላይ ብዘይ ምቁራጽ ብዝተፈላለየ መገዲ ትሕብርን ትነብሮን እውን፡ መንእሰይ ናይ ለውጥን ሕዳሴ ተዋሳኢ ምዃኑ ንኸስተውዕል ትሓንጽ።

መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፓናማ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዕነት ዝተሳተፉ መንእሰያት ከምዝሕብርዎ ካብቲ ሲኖዶስ ንደሓር ኣብ ሕይወቶም ንኽርስቶስ ዓቢይ ስፍራ ክህቡ ከምእተነቓቕሑን እምነት ናይ ዕለታዊ ሕይወቶም ተመክሮ ክኸውን ከምዝጀመረ ይምስክሩ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ እምነት ዘበራብሩ ጥራሕ ዘይኰነ ኣሜናትካ ኵሉ እውን ኣብ ሕቶ ከተእትው ብምግባር መንእሰይ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክራኸብ ብቓሎም ከምዘነቓቕሑ ፍሉጥ ክኸውን እንከሎ፡ ባዕሎም ከምዝብልዎ ኣብ ቅልውላውን ዘየእትወና እምነት፡ ንገዛእ ርእሱ ቅልው እምነት ምዃኑ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ እዩ።

ኣብ መንጐ እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስን እቲ ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ዝንበረሉ እዩ፡ ንዅሉ ካቶሊካዊ  ምእመን ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘዋህድ እዩ፡ ቋንቋን ባህልን ዓሌትን ዜግነትን ብዘየገድስ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ዘንብር እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ኣብ መንእሰይ ዓቢይ እምነት ኣለዎም፡ ኣብ መንእሰይ እምነት ምንባር ንሕንጸት መንእሰይ መሰረት እዩ፡ ስለዚህ እቲ በጽሒ ወለዶ ካብ ብቓል ኣብነት ብዝዀነ ሕይወት ናብ መንእሰይ ክቐርብ እንከሎ ልብን ቀልብን መንእሰይ ይረክብ፡ መንእሰይ ወለዶ ናይ ቃል ኣብነት ሰልክይዎ እዩ፡ ብግብሪ ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንምስታፍ መንእሰያት ኣብ ዝምዝገብሉ መረብታዊ መዝገብ ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ተሳታፍኖቶም ብምርግጋጽ ዕለት 11 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ሓዋርያዊ መስኮቶም ኰይኖም ብኽልተ መንእሰያት ተሰንዮም ኣብቲ ኣብ ናይ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝምዝገብሉ መረብት ስሞም ከምዘንበሩን። እቲ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ክልተ ዓመት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት እቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ ክካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወሰንዎን ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ  ዝካየድ እውን ምዃኑ ናይ ፓናማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሞኒንጎ ኡያኦ መዴታ ዕለት 20 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻኦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ ወርሒ ጥሪ ንኽካየድ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ፓናማ ናይ ኣየር ጠባይ ግምት ብምሃብ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ፓናማ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ናይ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ተሳተፍቲ ንምእንጋድ ዓቢይ ሃረርታ ዘለዋን ኣእዳዋ ዘርጊሓ ከምእትቕበሎምን፡ እቲ ዝካየደሉ እዋን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ናይ ዕረፍቲ ጊዜ እውን እንተዘይኰነ ብዙሓት መንእሰያት ከምዝሳተፉ ተስፋ ተነቢሩ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፡ ናይ ፓናማ መንእሰያት ናይቲ ኣብ ሃገሮም ንኽካይድ ናይ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያ ቀንደይና ተዋሳእቲ ኰይኖም ከምዝርከቡን ንመላእ መንእሰያት ዓለም ፓናማ ቤተ ክርስቲያናውነት ዘስምዕ ናይ ሓባር ናይ እምነት ተመክሮ ንምክፋል ልባታ ከፊታን ኣእዳዋ ዘርጊሓን ብእምነት ንቅዱስ ኣቦናን ተሳተፍትን መንእሰያ ክትቅበል ስንድውትን ዕድልትን ምዃና ናይ ፓናማ ብፁዓ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት ናብ ዓለም ለኻ ቅነ መእሰያት ፓናማ፡
17 January 2019, 17:11