ድለ

“በጎል ሰከበ በአጽርቅት ተጠብለለ እግዚእ ወመድኅን ቤዛ ኵሉ ዓለም ዮም ተወልደ” “በጎል ሰከበ በአጽርቅት ተጠብለለ እግዚእ ወመድኅን ቤዛ ኵሉ ዓለም ዮም ተወልደ” 

ልደት 29 ታሕሣሥ 2011 ዓ.ም. ( 1/7/2019)

1. ወአነሂ በኲርየ እረስዮ፥ ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ። “አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ እውን ከጽንዓሉ እየ” መዝ. 89፦27~28። 2. የሓዩ ወይህብዎ እምወርቀ ዓረብ፥ ወዘልፈ ይጸልዩ በዝንቲአሁ፥ወኵሎ አሚረ ይድኅርዎ “ካብ ሸባ ወርቂ ይህብዎ፥ ኵሉ ጊዜ ምእንትኡ ይጸልዩ፥ በረኽት እግዚአብሔር ድማ ዅሉ ሳዕ ምስኡ ይዅን” መዝ። 72፡15 3. ምስለከ ቀዳማዊ በዕለተ ኃይል፥ ብርሃኖም ለቅዱሳን፥ ወለድኩከ እም ከርስሥ እምቅድመ ኮኮበ ጽባሕ፥ መዝ.109፡3።

ንባባት፡ ቲቶ 2፡11-14፥ 1ዮሓ 4፡1-9፥  ግ.ሓ. 13:16-25፥   ሉቃስ 2፡1-14.

በዚ ብሩክ ምሸት ንኹልኹም እንቋዕ አብ ብርሃነ ልደቱ አብጽሓኩም እናበልኩ ንአኹምን ንኹሎም ፈተውትኹምን ናይ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ዘውርድ ይገበረልኩም እብል። ልደት ብፍሉይ አምላኽ ከማና ሥጋ ለቢሱ ደቂ ድሕነት ክንከውን ሰበሰረ ፍጻሜ ስለ ዝኾነ ሎሚ እውን ነፍሲወከፍና ተኻፈልቲ ጸጋ ልደት ኮና ንሓዲስ ርክብን መንፈስን ምስ አምላኽን ሰብን ዝዕድመና እዩ እሞ ልብና ከፊትና ኦ ኢየሱስ ሕጻን ሎሚ እውን አብ ልበይ ተወለድ ንበሎ።

ወዲ ትሽዓተ ዓመት አድኃኖም ካልአይ ክፍሊ እዩ ዝምሃር ኩሎም መሳትኡ ራብዓይ ክፍሊ እናተማህሩ። ቁመቱን ጉብዝንኡን ክተረአእዮ ከሎኻ ዓቢ ወዲ እዩ ዝመስል ግን ድንዝዝ ዝበለን ክምሃር ዝሑልን እዩ። እንተ ኾነ አድኃኖም ኵሉ ጊዜ ተስፋ ዝመልኦ፥ ኵሉ ክገብር ዝደሊ፥ ፍሽኽ ምስበለ ንዝኾነ ጽጉም ክሕግዝ ዝደሊ እዩ፥ ብኹሎም ደቂ ክፍሉ ዝተፈትወ እዩ ነሩ። ወለዱ አብ መዓልቲ ልደት ብመሳትኡ ቆልዑ አብ ዝግበር ምርኢት ክሕወስ አተባቢዖሞ። አድኃኖም ከም ጓሳ ክዓዪ እዩ ዝደሊ ነሩ እንተ ኾነ ከም ሓላዋይ ማዕጾ ማሕደር አጋይሽ ገሮሞ። እቲ መራሒ ምርኢት ንአድኃኖም ሓላው ማዕጾ ዝገበሮ ዝኾነ ሰብ ከይአቱ ክኽልክል ኢሉ እዩ። አብቲ ጊዜ ልምምድ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋን አድኃኖም ንዮሴፍ ከስተውዕለሉ ከይከፍቶ እዩ ተሓቢሩ። ምርኢት ምስተጀመረ ከም አድኃኖም ገሩ ብምሉእ ልቡ ዝተሰናደወ አይነበረን። ዮሴፍ ምስ ማርያም ነፍሰጾር ዝነበረት ማዕጾ ምስ ኳሕኵሐ አድኃኖም ተሰናድዩ እዩ ጸኒሑ። ማዕጾ

ፍንቅቕ አቢሉ ቀስ ኢሉ እንታይ ደሊኻ ኢልዎ። ዮሴፍ መሕደሪ ደሊና ኢልዎ፥ አድኃኖም ትርር ብዝበለ ድምጺ አብ ካልእ ድለ መኅደሪ ዝኸውን ክፍሊ የለን ኢልዎ፥ ዮሴፍ ክድንግጸሉ ኢሉ በጃኻ ምእንቲ እዛ ነፍሰጾር ሰበይተይ ማርያም ብጣዕሚ ደኺማ እያ ዘላ እተዕርፈሉ ቦታ የድላያ አሎ ኢሉ ለመኖ። አድኃኖም ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕን አኽዓቦ እናአስተንፈሰ አብ ማርያም እናጠመተ እንከሎ ሓደ መጺኡ ቀስ ኢሉ የለን በለሞ ኢልዎ ሽዑ ማርያምን ዮሴፍን ተስፋ ቆሪጾም አብ ካልኦም ክደልዩ ቀሲ ኢሎም ክኸዱ ጀመሩ፥ አድኃኖም ሱቕ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ እናነብዐ ደድሕሪኦም ስዒቡ አይትኺዱ ክፍለይ ክህበኩም እየ ተመለሱ ኢልዎም ይብሃል።

ዘመነ ምጽአት ተወዲኡ፥ አቐዲምና እንገብሮ ምስንዳውን ምቅርራብን ተፈጺሙ ብዓቢ ሓጎስን ክብርን ብዓል ልደትና ነብዕል አሎና። ዝኽረ ልደት መድኃኒና ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ዘዘኻክሮ ንአና ከድሕን ሰብ ዝኾነሉ፥ ስለ ዝኾነ ዝዓበየን ዝለዓለን ብዓል እዩ ምኽንያቱ አምላኽ አብ ክርስቶስ መልክዕ ወዲሰብ ዝለበሰሉ ንሰብ ካብ ሞትን ኃጢአትን ክድሕን ዝመጸሉ ስለ ዝኾነ። ኢየሱስ ሎሚ እውን ብዳግም አብ ልባትናን ሕይወትናን ክውለድ ይደሊ አሎ እሞ ክውለድ ቦታ አልኦዶ?

ወንጌል ካብ ሉቃስ ኢና አንቢብና አብኡ ብዛዕባ ልደት ኢየሱስ አብ ቤተሊሔም ከምኡ ብመላእኽቲ እዚ ዘሓጉስ ዜና ንጓሶት ከም ዝተነግረ አንቢባና። ሉቃስ ነቲ ዝነግሮ ታሪኽ ሓቂ ከም ዝኾነ ክገልጽ ኢሉ አጉስጡስ ቄሳር ንጉሥ እንከሎ፥ ቀሬኔዎስ አብ ሶርያ ተሸሙ እንከሎ ቆጸራ ህዝቢ ከም ዝተገብረ ኢየሱስ ሽዑ ከምዝተወልደ ይነግር። ብዙሓት ከም ዝቕበልዎ ኢየሱስ ብ4 ቅ.ል.ክ. ኢዩ ተወሊዱ። ሉቃስ ነዚ ቆጸራ ህዝቢ ዝጠቅስ ማርያምን ዮሴፍን ካብ ናዝረት 80 ማይል ንደቡብ ካብ ንእሽቶይ ከተማ ናይ ገሊላ አብ ቤተልሔም ናይ ይሁዳ ከተማ ንጉሥ ዳዊት አብታ ወራሲ መንግስቲ ንጉሥ ዳዊት ዝውለዳ ተነጊሩ ዝነበረ (ሚክያስ 5፡1) ከም ዝተፈጸመ ክነግር ኢሉ እዩ።  

ዮሴፍን ማርያም ማኅደሪ ስለ ዘይረኸቡ ካብ ቤተልሔም ውጽእ ኢሎም አብ ብዓቲ ክሓድሩ ተገዲዶም አብኡ እንከለዉ ማርያም እትሓረሰሉ ጊዜ ስለ ዝበጽሐ በኵሪ ወዳ ወለደት ብአጭርቕቲ ጠብሊላ አብ መብልዕ ማል አደቂሳቶ። መብልዕ ማል አምሳል ናይ እቲ ኢየሱስ ናይ መስዋዕቲ ምግብ ንኹሉ ዓለም ዝምግብ ክኾኖ ዘለዎ ዘመልክት እዩ። ልደት ክርስቶስ መጀመርያ ብመላእኽቲ ንጓሶት እዩ ተሓቢሩ። እዚ ኸአ ዳዊት ጓሳ እዩ ነሩ፥ ንወራሲ ዳዊት አብ መብልዕ ማል ክቕበሉ ብቀዳምነት ተዓዲሞም። ጓሳ ምዃን ከቢድ ስራሕ እዩ ካብ ሰብ ተፈሊኻ አብ በረኻ ንበይንኻ ኢኻ እትነብር ከምኡ ካብ ዝኾነ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ሕይወት ተፈሊኻ ኢኻ እትነብር። ኢየሱስ ክውለድ እንከሎ ዝነበሩ ጓሶት እውን ከምኡ እዮም ነሮም በዚ ምኽንያት ሕጊ ዘየኽብሩ አይሁድ እዮም ዝቝጸሩ ነሮም። ኢየሱስ ግን ነዞም አብ ቅድሚ ሰባት ብዝተሓተ ደረጃ ዝርአዩ ዝነበሩ መጀመርያ ፍቕሩ አብ ምጅማር ሕይወቱ ኽገልጸሎም መሪጹ። እቶም ጓሶት ነቲ አምላኽ ዝገለጸሎም ክርእዩ አብቲ ቦታ ከይዶም ምልክት ምስጋንኦም ከአ ህያባቶም አቕሪቦም። ድሕሪ መላእክቲ እዞም ጓሶት ቀዳሞት አብሰርቲ ዜና ሰናይ ልደት ኢየሱስ ኮይኖም።

እዚ ናይ ልደት ሓበረታ ቃል ንቓሉ ዝንገር ታሪኽ አይኮነን አብ መለኮታዊ ነጥቢ ዘተኮረ እዩ፥ ማለት አትኩርኡ አብቲ አምላኽ ንደቂ ሰብ አብ ምድሓን ዝገበሮ ንምግላጽ እዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ አትኵሮ ክውሃቦ ዘለዎ እቲ ዝንገር ታሪክ ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ ንምግላጽ፥ ከምኡ ኢየሱስ አብ ምድሓን ደቂ ሰብ ዝተጻወቶ ታሪኽ ንምግላጽ እዩ በዚ እዩ ኸአ አብ ትንታኔ ታሪኽ ዘይአቱ። እሞ ብዓል ልደት ብዛዕባ እንታይ እዩ ዝነግር? እንታይ እዩ መልእክቲ ልደት?።

፩ይ ልደት ናይ ብርሃን ብዓል እዩ።

ንባባት ኵሎም ብዛዕባ ብርሃን ይሕብሩ፥ እቲ አብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ሕፃን ብርሃን ዓለም እዩ። ሉቃስ ወንጌላዊ ከም ዝሕብረና ኢየሱስ ምስ ተወልደ ነቶም አብ ከባቢ ዝንበሩ ጓሶት ብመልአኹ ገሩ ከበስሮም እንከሎ “ክብሪ እግዚአብሔር አብ ዙርያኦም በርሀ” ይብል። አብ ነብይ ኢሳያስ “እቲ አብ ጸልማት ዝነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ ነቶም አብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም” (ኢሳ 9፡2) ዝብል ነንብብ። ብሓቂ ዓቢ ብርሃን በሪቑ ምኽንያቱ አብቲ ብትሕትና አብ መብልዕ ማል ዝበርሀ ብርሃን ምንጪ ሓዲስ ፍጥረት ስለ ዝርከብ። አብ ቤተ ልሔም ዝተወልደ ሕጻን ምንጪ ብርሃን ኮይኑ ንኹሉ ናይ ኃጢአት ድነ ጸልማት ይቕንጥጥ።

፪ይ ልደት ፍጻሜ ፍቕሪ እዩ፥ ናይ ፍቕሪ ብዓል እዩ።

ዮሓንስ ወንጌላዊ “ብአኡ ዝአምን ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዝህብ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) ይብል። ልደት አምላኽ ገዛእ ርእሱ ህያብ ገሩ አብ ማከልና ዝሓደሮ፥ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰብ ኢሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብአካል ዝተገልጾ እሞ አምላኽ ካሳብ ከንደይ ብዘይ ሓደ ውልውል ብምሉእ ዘፍቀረና ዝሓልየልና ምዃኑ ዝገልጽ እዩ። ሰብአ ሰገል ምልክት ልደት ክርስቶስ ምስ ርአዩ አብ ቤተ ልሔም ህያባቶም ሒዞም በጺሖሞ። ንሕና እውን ነቲ አምላኽ ዘርአየና ዓቢ ፍቕሪ ክነመስግን ኢልና ምሉእ ሕይወትና ከም ህያብ ነቕርቦ። ብዓለ ልደት ናይ ህያብ ብዓል እውን ክብሃል ይክአል እዩ። በዚ ምኽንያት አብ ዝተፈላለያ ሃገራት አብ መንጎ ስድራታትንን ፈተውትን ህያባት ይለዋወጡ። ዝዓበየ ህያብና ግን ክርስቶስ እዩ ንሕና እውን ህያብ ምስጋናና ነቕርበሉ።

፫ይ ልደት ናይ ሓጎስ ብዓል እዩ።

መልእኽ ነቶም ጓሶት “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ አበሥረኩም አሎኹ እሞ አይትፍርሁ፥ ምኽንያቱ ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጎይታ አብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም አሎ” (ሉቃ 2፡10-11) ኢልዎም። ልደት ክብሰር እንከሎ ኩሉ ዝተገልጸ ነገራት ኵነታት እንተ ረአና ሓጎስ ዝመልኦ እዩ ነሩ። መልእኽቲ ናይ ሓጎስ ብስራት ይእውጁ ጓሶት ነቲ ዝተባህሎም ምስ ሰምዑ ንቤተልሔም ተቐላጢፎም ንኢየሱስ ሕፃን ክረኽቡ ብሓጎስ አብቲ ዘለዎ ከይዶም። ሰብአ ሰገል ካብ ርሑቕ ምስራቕ ነቲ ዝተገልጸሎም ሓጎስ ክርእዩ መጺኦም። ኤላስቤጥ ማርያም ምስ በጽሓት ሕጻን ዮሓንስ ብሓጎስ አብ ከርሳ ተሰራሰረ፥ ስምኦንን ሓናን ንህጻን ምስ ረአዩ ተሃጒሶም ንአምላኽ አመስገኑ። ሄሮዱስ ጥራሕ እዩ ብልደት ኢየሱስ ዘይተሃጎሰ። ሉቃስ ብሓጺሩ ኵሉ ብዛዕባ ሕፃንነት ኢየሱስ ከዘንቱ እንከሎ አብ ኩሉ ሓጎስ ከም ዘምጽአ ይገልጽ።

፬ይ ልደት ብዓል ሰላም እዩ።

መልአኽ ንጓሶት እናአበሰሮም እንከሎ “ብሃንደበት ከአ ብዙኃት ሠራዊት ሰማይ ምስቲ መልአኽ ኮይኖም ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ ንአምላኽ የመስግኑ ነበሩ፥ “ክብሪ ንአምላኽ አብ አርያም ሰላም ከአ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዝሕጎሰሎም ሰብ” (ሉቃ 2፡13-14) እናበሉ ክርስቶስ ምንጪ ሰላም ደቂ ሰብ ከም ዝኾነ ገሊጾም። ክርስቶስ ዘምጽኦ ሰላም ሰላም አምላኽ እዩ፥ እዚ ኸአ ሕይወት ብምሉእ ጽቡቑን ሃብቱን ምልአቱን ምስ ድላይ አምላኽ ምስትምቓር ማለት እዩ። መዝሙር መላእኽቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ሓቀኛ ሰላም አብ ዓለምና ነቶም ጽቡቕ ድላይ ዘልኦም እሞ ምስ ድላይ አምላኽ አወሃሂዶም ዝጉዓዙን ክብሪ ዝህቡን ጥራሕ ከምዝኾነ ይገልጽ።

፭ይ ልደት ብዓል ተስፋ እዩ።

ልደት ናይ ሓደ መዓልቲ ብዕል አይ ኮነን ብምልኡ ዘመን ልደት ዝሓዘ እዩ፥ ካብ 29 ታሕሣሥ ጀሚሩ ንሓደ ሶምን ዘሎ ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ንመዓልታት እነብዕሎ ነቲ ብክርስቶስ ዝመጸና ሓጎስ ካሳብ ዳግማይ ምጽአቱ ብዕለታዊ ሕይወትናን ርክባትናን እናገለጽና አብ ኵሉ ክነብጽሖ ንማለት እዩ። እዚ እዩ ቅ. ጳውሎስ ንቲቶ አብ ዝጸሓፎ ዝገልጾ፥ “እቲ ምድኃን ዜምጽእ ጸጋ አምላኽ ንኹሉ ሰብ ተገሊጹ እዩ. . . . ከምዚ ኢልና ነቲ ብርኽ ተስፋን ናይ እቲ ዕዙዝ አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽን ክብርን ንጽበ አሎና፥ ንሱ ካብ ኃጢአት ዘበለ ሓራ ምእንቲ ኸውጽአና ንሠናይ ግብሪ ዚቐንኡን ንእኡ ዚኾንዎን ሕዝቢ ምእንቲ ኼንጽሕ ገዛእ ርእሱ በጃና አኅለፈ” (ቲቶ 2፡11-14)። 

ልዕሊ ኹሉ ልደት ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና “አማኑኤል” እግዚአብሔር ምሳና እዩ። አምላኽ አባና መጺኡ፥ ምሳና ኾይኑ፥ አብ ዘሎናዮ ደልዩ መጺኡና፥ ንገዛእ ርእሱ ገሊጹልና፥ ምሕረት፥ ሕድገት፥ ቅሳነት፥ ሞራላዊ ጽንዓት፥ ምመርሒ ኮታስ ኩሉ አምጺኡልና። ነፍስወከፍና አብ ውሽጥና እንተ አቶና ዝስምዓና ጽምአትን ሓንቲ ከም ዘይብልና ዝገልጽ፥ ናይ ዓላማን ትርጉምን ጽምአት፥ ድሕነት ዘጨብጠና ኮና ክስምዓና ሃረርታ አሎና፥ ዝተመሓርና፥ ፍቕሪ አምላኽ ዝሓዝና ኮይኑ ክስምዓና ንደሊ፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ናይ ምባል ሃንቀውታ አሎና። ልደት ዘረጋግጾ አምላኽ ብሓቂ ምሳና ከምዘሎ እዩ። አብ ኩሉ አብ ጊዜ ዝፈራሕናሉን በይንና ኮይና አብ ዝተሰመዓና አብ ጊዜ ሓዘን ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ።

ልደት መድኃኒና ክንዝክር እንከሎና እምብአር አብ ሕልናና አቲና ሎሚ እውን አምላኽ ምሳና ከምዘሎ ብፍላይ አብ ቅዱስ ቍርባን አብ ማእከልና አሎ፥ እዚ ኸአ አብ ሓጎስና ምሳና ክሳተፍ ንማለት እዩ። እምብአር አብቲ ቀንዲ ትርጉምን ምስጢር ብዓል ልደት አቲና ንአምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መንጎና ገርና ነመስግኖ እሞ ብዓልና ብግቡእ ነብዕል።

አብ መወዳእታ ብዓል ልደት ክነብዕል ከሎና ሓደ ቀንድን ብርቱዕን ሕቶ ንሕተት እዚ ኸአ ሎሚ ክርስቶስ እንተ ዝመጽእ ከመይ ኢሉ ምመጽአና? ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና መጺኡ አሎ አብ ማዕጾ አብ አፍደገ ኮይኑ ይኲሕኲሕ አሎ። እሞ ነዚ አብ ልባትና ብዳግም ክውለድ ዝመጽእ ዘሎ ኢየሱስ አፍደገ ልባትና ንኸፍተሉ ዘሎና ንዓጽወሉ? ወይስ ከምቲ አብ መጀመርያ ዝሰማዕናዮ ንእሽቶይ ወዲ አድኃኖም “አይትኺድ ክፍለይ ክህበካ እኽልእ እየ” ንብሎ አሎና።

ልደት ናይ ዝሓለፈ ፍጻሜ ተዘክሮ ጥራሕ አይኮነን ብዝያዳ ናይ ሎሚን ኩሉ መዓልትን ፍጻሜ እዩ፥ ሎሚ ነዚ ፍሉይ ብዓልና ክንዝክር እንከሎና እምብአር ብሓጎስ “መድኃኒና ክርስትስ ሎሚ ተወልደ” እናበልና ንዘምር።

ብዓልና ትርጉም ክህልዎ መጀመርያ ብግልና አብ መአዲ ምሕረት ክንአቱ አብ አምላኽ ክንምለስ፥ ነዚ ክንገብር ብኃጢአትና ተአሚና አብ ቤት አቦና ክንምለስ። ጉዕዞ ንስሓ ናተይ ኢልና ክንሕዞ ንሕተት አሎና። ነቲ ዝበደልናዮ አምላኽ ምሓረኒ በዲለ አቢሰ ኢልና አብ ቅድሚኡ ተምበርኪኽና ክፍአትና ክንእመን።

አብዚ ክንበጽሕ ጸሎት ጾም ምጽዋት ክነዘውትር የድሊ። ንሰውነትና ክንማርኾ እሞ አብ ትሕቲ ጽላል አምላኽ ክም ዝምለስ ክንገብሮ። ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብን ክነስተንትንን ብፍላይ ካብ ወንጌል ሉቃስ በብዕለቱ ክነንብብ ይግባእ። ከምኡ ካልእ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ንመንፈሳውነትና ዘዕቢ ክነንብብ ሓጋዚ እዩ።

ብሓባር ከም ደቂ ክርስቶስ መጠን ሓደ ልብን መንፈስን ክህልወና አብ አምላኽ እንምለሰሉ መገዲ ክንሕዝ አሎና። ባዕሉ ይፈልጥ ባዕላ ትፈልጥ ከይበልና ንዝበደለና እናመሓርና ንዝበደልናዮ እቕረበለለይ በልለይ እናበልና ደቂ ሓደ ክርስቶስ ክንከውን ንሕተት አሎና። አምላኽ መልእኽቱ ነጊሩ አሎ ስለዚ ክንሰምዕ ክንቅይር ክንምሕር ግደና እዩ።

ልደት ክርስቶስ ነዚ ኢዮቤልና ብዝያዳ ዕሞቅ ምስጢር ምሕረት ይገልጸልና። ክርስቶስ ሰላም ከም ጽአልና ካብ ኃጢአትን ሞትን ነጻ ከውጽአና እዩ መጺኡ ስለዚ ንቀበሎ አብ ልብና ክውለድ ንጹሕ ቦታ ንቐርበሉ።

ልደት ሰላምን ፍቕርን ይግበረልና በዚ አጋጣሚ ንኹልኹም ርሑስ ብዓለ ልደት እብል።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

07 January 2019, 18:44