ድለ

ርእሰ ዓመት፡ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ርእሰ ዓመት፡ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ 

ኤፍታሕ!”፣ ተራኃው ብሂል” “ኤፋታ!”፣ ማለት “ተኸፈት!”

ናይ ምስማዕ ሕዋስና ቅድሚ ኲሉ ቃል ኣምላኽ ብእምነትን ብትሕትናን ንምስማዕን ንሓድሕድና ከኣ ብኅውነታዊ መንፈስ ንምስምማዕን እዩ ተዋሂቡና። ኣብ መላእ ቅዱስ መጽሓፍ እንተተዓዘብና ግን መብዛሕቲኦም ደቂ ሰብ እዝኒ ከለዎም ክሰምዑ ዘይክእሉ ወይ ዘይደልዩ ምዃኖም እዩ ዘርእየና።

ርእሰ ዓመት፡ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ

፩ መስከረም ፳፻፲፩ ዓ.ም.ግ. 11 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ.

ክቡራትን ክቡራንን ስድራ እግዚኣብሔር፡ ኣብዚ ዘመነ ማርቆስ ወዲእና ናብ ዘመነ ሉቃስ እንሰጋገረሉ ዘሎና ወቕቲ ነቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማርቆስ፡ ምዕራፍ 7፡ ንሓደ ጸማምን ዓባስን ሰብኣይ ከሕዊ ከሎ ዝበሎ ቃላት ክንሰምዕን ኣብ ልዕሊኡ ከነስተንትንን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እቲ ወንጌል ከምዝብለና፡“ኣምጽኡ ኀቤሁ በሃመ ወጽሙመ ወኣስተብቊዕዎ ከመ ይደይ እዴሁ ላዕሌሁ። ወኣግሓሦ እምኃበ ሰብእ ባሕቲቶ ወወደየ ኣጻብዒሁ ውስተ እዘኒሁ ወተፍኣ ወገሰሰ ልሳኖ። ወነጸረ ሰማየ፣ ወኣስተምሓረ፡ ወይቤሎ “ኤፍታሕ፣ ተረኃው፡ ብሂል”። ወሶቤሃ ተከሥታ እዘኒሁ ወተፈትሓ ማእሰረ ልሳኑ ወተናገረ ርቱዐ”፣ “ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም ኢዱ ከምብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ሕዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ቊሊሕ ኢሉ ብርኅራኄ ኣተንፊሱ ከኣ “ኤፋታ” ማለት “ተኸፈት” በሎ። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፣ ኣጽርዩ’ውን ተዛረበ” (ማር 7፡32-35)። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሰብኣይ ብዓብይ ርኅራኄ ርኣዮ እሞ ካብቲ ዝነበሮ ስንክልና ነጻ ገበሮ። ብመለኮታዊ ምሕረቱ፡  ዘይሰምዕ ዝነበረ ጸማም ብጽቡቕ ከምዝሰምዕ፣ ተዛሪቡ ዘይክእል ዝነበረ ከኣ ኣጽርዩ ከምዝዛረብ ገበሮ። እቲ ሰብኣይ ክሰምዕ ወይ ክዛረብ ዘይኽእል ጽማምን ዓባስን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዮም ናብ ኢየሱስ ዘምጽእዎ። እዚ ሥጋዊ ጽመትን ምዝራብ ዘይምኽኣልን ግን ባሕርያዊ ሕማም ወይ ስንክልና እዩ። እዝኒ እናሃለዎ ዘይሰምዕ ኣፍ እናሃለዎ ጽቡቕ ዘይዛረብ ሰብ እዩ እቲ ዝያዳ ጸማምን ዓባስን ዝበሃል። እዚ ጠቕሲ ወንጌል ንኣናውን ናይ እውነተይና ምስማዕን ትርጉም ዘለዎ ምዝራብን ተኽእሎና ከመይ ከምዘሎ ክንምርምር ይሕግዘና እዩ። ኣእዛን ናይ ዝሃለወና ጽቡቕ ንሰምዕ ማለት ከምዘይኮነ እዚ ዝስዕብ ጠቕስታት ብንጹር የረድኣና እዩ። ኢየሱስ ነቶም ምስማዕ ዝኣበዩዎ ንትንቢት ኢሳይያስ ጠቒሱ፡ “በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ በዕይንቶም ከይርእዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ ከይምለሱ ኣነውን ከየሕውዮምሲ ልቢ እዚ ሕዝቢ እዚ ተሪር እዩ እሞ ምስማዕ ትሰምዑ ኢኹም ኣይተስተውዕሉን ምርኣይ ትርእዩ ኢኹም ኣይተስተብህሉን ኢኹም” (ማቴ 13፡14-15፣ ኢሳ 6፡9-10 ረአ) ይብሎም። ነቶም ዝሰምዑዎን ዝኣምኑዎን ዝነበሩ ደቀመዛሙርቱ ከኣ “ኣዕይንትኹም ግና ይርእያ እእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁዓን ኢኹም”(ማቴ 13፡16) ክብሎም ተረኽበ። ስለዚ ነቲ እግዚኣብሔር ብሕያውነቱ ዝሃበና ናይ ምስማዕን ምዝራብን ህያብ ብኸመይ ንጥቀመሉ?

ናይ ምስማዕ ሕዋስና  ቅድሚ ኲሉ ቃል ኣምላኽ ብእምነትን ብትሕትናን ንምስማዕን ንሓድሕድና ከኣ ብኅውነታዊ መንፈስ ንምስምማዕን እዩ ተዋሂቡና። ኣብ መላእ ቅዱስ መጽሓፍ እንተተዓዘብና ግን መብዛሕቲኦም ደቂ ሰብ እዝኒ ከለዎም ክሰምዑ ዘይክእሉ ወይ ዘይደልዩ ምዃኖም እዩ ዘርእየና። ንኣብነት ነቢይ ኤርሚያስ ንሕዝቢ እስራኤል “ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፡ ዓይኒ ከለዎም ዘይርእዩ፡ እዝኒ ከለዎም ድማ ዘይሰምዑ ዓያሱ ሕዝቢ፡ እዚ ስምዑ፡ ‘ ኣነ እግዚኣብሔር እየ፣ ስለዝምንታይ ደኣ ዘይትፈርሁኒ? ስለምንታይከ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ዘይትብሉ?” (ኤር 5፡21-22) “ኣቦታቶም ግና ኣይሰምዑንን፣ ኣእዛኖም እውን  ጽን ኣይበላንን። እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከዱ፡ ኣይተኣዘዙንን ተግሣጸይ እውን ኣይሰምዑን” (ኤር 17፡23) እናበለ ብርቱዕ መግናሕቲ የስምዕ። ነቢይ ዘካርያስ ከኣ፣ “ሕዝበይ ግና ምስማዕ ኣበዩ፣ እምቢተይና እንግድዓ መለሱለይ፣ ከይሰምዑ’ውን ኣእዛኖም ኣጽመሙ”(ዘካ 7፡11) ይብል። እግዚኣብሔር ግን ቃሉን ትእዛዛቱን ክሰምዕ እዩ ንሕዝቡ ደጋጊሙ ዝዕድም። ካብቲ ዝዓበየ ክሳዕ ሎሚ ኣይሁዳውያን ዝደግምዎ ዓብይ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝን ናይ መላእ ሕዝቢ ናይ እምነት ስራሕንውን፣ “ሽማ እስራኤል” ዝብል፡ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ዝተዋህበ እዩ። ንሱ ከኣ “ኦ እስራኤል! ስማዕ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብኲሉ ልብኻን፡ ብኲሉ ነፍስኻን፡ ብኲሉ ኃይልኻን ኣፍቅሮ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቃላት ኣብ ልብኻ ዕቖሮ። ንደቅኻ ምሃሮም፣ ኣብ ቤትካ ኮፍ ምስ በልካን ኣብ መንገዲ ክትከይድ ከሎኻን፡ ኣብ ምድቃስካ ኣብ ምትንሣእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኪኾነካ ኣብ ኢድካ እሰሮ፣ ከም ክታብ ድማ ኣብ ግንባርካ እሰሮ። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾ ኣፍ ደገኻን ድማ ጸሓፎ” (ዘዳ 6፡4-9) ዝብል እዩ። ኢሳይያስ ነቢይ ከኣ፡ መድኃኒ ምስ መጸ እንታይ ከምዝኸውን ኣቐዲሙ በዚ ዝስዕብ ጠቕስታት ተነብዩ ከምዝነበረ ንርዳእ፣ “በታ መዓልቲ እቲኣ ጸማማት ንቓል እቲ ዚንበብ ጽሑፍ ኪሰምዑ፣ እቶም ኣብ ጽልግልግን ጸልማትን ዚነብሩ ዕውራት ከኣ ኪርእዩ እዮም” (ኢሳ 29፡18)። “ሽዑ ዕውራት ኪርእዩ፡ ጸማማት ድማ ኪሰምዑ እዮም፡ ሓንካስ ከም ኢራብ ክሰራሰር፡ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል እዩ፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኪፍልፍል እዩ” (ኢሳ 35፡5-6)። እቲ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ፡ ኣማኑኤል፡ እግዚኣብሔር ምሳና’ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መጸ ከኣ ነዚ ኲሉ ሠናይ ተግባራት ብምፍጻም መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልና ከምዝመጸት ብግብሪ ኣርኣየ። “ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእዩዎን ዘሎኹም ንዮሓንስ ንገርዎ፣ ዕውራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሑ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምውታት ይትንሥኡ፡ ድኻታት ወንጌል ይብሠሩ ኣለዉ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁዕ እዩ” (ማቴ 11፡4-6)። ንሕና ንእግዚኣብሔር ከምእንሰምዖኸ ብምንታይ ንገልጽ? ዝብል ሕቶ ንርእስና ክንሓትት እውን ኣገዳሲ እዩ። ብሓቂ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ “ንኃው እናጸልኦስ ‘ንኣምላኽ ኣፍቅሮ እየ’ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ” (1ዮሓ 4፡20) ዝበለ፡ ከምኡ ከኣ ንኃውና እንተዘይሰማዕና ንእግዚኣብሔር ንሰምዕ ኢና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ምሳሌ እውን “እቲ ንጥርዓን ድኻ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዓጹ፣ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን”(ምሳ 21፡13)ይብለና እዩ። “እዝንኹም ናባይ ጽለው እሞ ንዑ ስምዑ፣ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም፣ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኹዎ ነባሪ ጸጋ ፣ ማለት ዘለዓለማዊ ኪዳን ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ” (ኢሳ 55፡3)። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ኣብ ወንጌል ደጋጊሙ “እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ”(ሉቃ 14፡35፣ ማቴ 13፡ 9:43) እዩ ዝብል። ንሕና ከኣ መዓልቲ መጸ ከም ሳሙኤል “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ ተዛረብ”(1ሳሙ3፡10) እንተዘይበልና ፍቓድ እግዚኣብሔር ክንፈልጥን ክንፍጽምን ኣይንኽእልን ኢና። ንእግዚኣብሔር ምስማዕ ማለት ቅድሚ ኲሉ ነቲ ንሱ ዝኣዘዘና ምፍጻም ማለት እዩ። ሓቀይና ምስማዕ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብኲሉ ልብኻን ብኲሉ ነፍስኻን ብኲሉ ኃይልኻን ብኲሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ፣ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” (ሉቃ 10፡27) ንዝብል ሕመረት ትእዛዝ እግዚኣብሔር ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካ ምትግባር ማለት እዩ። ንእግዚኣብሔር ብምሉእ ልብና እንተፍቂርና ከኣ ንብጻይና ምፍቃር ኣይክኸብደናን እዩ። ንእግዚኣብሔር ክንሰምዕ ብሓቂ ድልዋት እንተኮይንና ንብጾትና ብፍላይ ከኣ ነቶም ሽጉራትን ውጹዓትን ኣኅዋትና ክንግደሰሎምን ክንሓልየሎምን ኢና። ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ብጾትናን ዘሎና ርክብ ምዕሩይን ፍትሐይናን ርኅራኄ ዝመልኦን ክኸውን እዩ። ከመይ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝሰምዕዎ “ኣዕይንቶምን ኣእዛኖምን ንጥርዓን ሕዝቢ ኪርእያን ኪሰምዓን ክፉታት ኪኾና እየን። ድሕሪ ደጊም ህዉኻት ኣይክኾኑን እዮም፣ እኳ ደኣ ብምስትውዓል ኪዓዩ፣ ወታእታእ ከይበሉ ከኣ ኣጽርዮም ኪዛረቡ እዮም። ድኅሪ ደጊም ዓሻ ክቡር ተባሂሉ ኣይክስመን እዩ፣ መጣፍኢ ድማ ቅኑዕ ኣይክበሃልን እዩ (ኢሳ 32፡4-5) ይብል ኢሳይያስ ነቢይ። ንእግዚኣብሔር ዘይሰምዕ ንብጻዩ ብጽቡቕ ክሰምዕ ኣይክእልን፡ ኣይደልንውን።

ናይ ምዝራብ ክእለት ዝሃበና እውን ባዕሉ እቲ ልዑል ፈጥሪና እዩ። ነዚ ናይ ምዝራብ ዓብይ ህያብ ከምዝግባእዶ ንጥቀመሉ ኢና?። ገለ ሰኣን ክእለትና፡ ገለ ከኣ ብኽፍኣትና፡ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ክንዲ ንጽቡቕ ንሕማቕ ኢና ንጥቀመሉ። እቲ ዓብይ መራሒ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሙሴውን ኣምላኽ ናብ ሕዝቡ ክልእኮ ምስ ደለየ ተዛሪበ ኣይክእልን እየ እሞ ግደፈኒ ክብል ምስተረኽበ፣ እግዚኣብሔር ነቲ ጉዳይ ክእለትን ዘይክእለትን ዘረባ ንኣኡ ክገድፈሉ ነገሮ። ስለዚ “ሙሴ ንእግዚኣብሔር ‘ኣየ ጐይታይ ኣነ ካብ ቀደመይ ዘረባ ኣይክእልን እየ፣ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒ እውን ተዛራባይ ኣይኮንኩን”፣ ኣነ ኣፈይ ወታእ ልሳነይ ኮርታዕ እዩ” ምስ በሎ፣ “እግዚኣብሔር ከኣ ንሙሴ፣ ‘ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መንድ ድዩ? ንዓባስ ወይ ጸማም ከምዚርኢ ወይ ዕውር ዚገብሮኸ መን ድዩ? ኣነ እግዚኣብሔርዶ ኣይኮንኩን? ሕጂ ከኣ ኪድ ክትዛረብ ከሎኻ ክሕግዘካ እየ። እቲ ኣትብሎውን ክምህረካ እየ’” (ዘጸ 4፡10-12) ክብሎ ተረኽበ። ብሓቂ ከኣ “እንሰምዓሉ እዝንን እንርእየሉ ዓይንን ዝሃበና እግዚኣብሔር እዩ”(ምሳ 20፡12)። ናይ ምዝራብ ህያብ ዓብይ ህያብ እዩ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ከነውዕሎ ይግብኣና። ዳዊት መዘምር፡ “ሽዑ ጻድቕ ከምዝኾንካ ክእውጅ እየ፡ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ክነግር እየ” (መዝ 35፡28) ከምዝበለ፡ ነፍስ ወከፍና፣ ንኣምላኽ ንምምስጋንን ንምውዳስን፣ ምስ ብጾትና ከኣ ጽቡቕ ንምዝራብ እዩ ብጐይታ ኣፍን መልሓስን ዝተዋህበና። ክንሓዊ ድልየት እንተሎና እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከሕውየና ወትሩ ድልው እዩ። ኣብ ወንጌል፡ ኢየሱስ ነቲ ዓባስ ዝነበረ ሰብኣይ ማእሰርቲ ልሳኑ ምስ ፈትሓሉ ኣጽርዩ ከምዝተዛረበ፡ ንሕናውን መድኃኔ ዓለም ኣእምሮናን ኣፍናን ክኸፍተልና ከሎ ኢና ነቲ ጥዑም ቃል ወንጌል ከነበሥር ወይ ቊምነገር ዘለዎ ዘረባ ክንዛረብን ሓናጺ ቃል ከነስምዕን ንኽእል። ንሕዝቅኤል ነቢይ “በታ መዓልቲ እቲኣ ምስኡ ምዝራብ ክትክእል ኢኻ፣ ድኅሪ ደጊም እውን ዓባስ ኣይክትከውንን ኢኻ። በዚ ከምዚ ነቶም ሕዝቢ ትእምርቲ ክትኮኖም ኢኻ። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሔር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” (ሕዝ 24፡27) ከምዝበሎ ንሕናውን ንርእስና ሓዊና፡ ብስም ኢየሱስ ንዝጸመሙ ከምዝሰዑ፡ ንዓባሳት ከኣ ከምዝዛረቡ ክንገብር እንተኮይና መንፈስ ቅዱስ መልሓስና ክፈትሓልና ነእዛንና ከኣ ክኸፍተልና ወትሩ ክንልምን የድሊ። ኢየሱስ ባዕሉ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹም ከመይ ኢልኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ”(ማቴ 12፡34) “እትጸድቕ ብቃልካ፡ እትኲነን ብቃልካ ኢኻ እሞ፡ ሰባት ብዚዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኲሉ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ 12፡36-37) ብምባል ናይ ንዛረቦ ኲሉ ተሓተትቲ ምዃና ኣነጺሩ የብርሃልና ። መልእኽቲ ሓዋርያ ይሁዳ እውን“እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ዘይሕጉሳት፡ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዚነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፣ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከኣ ገጽ ርእዮም ይንእዱ”(ይሁዳ16) ብምባል ዝኾነ ዘረባ ሓሜትን ፍርድን ንዕቀትን ብኃላፍነት ከምእንሕተተሉ የረድኣና። ስለዚ ንመልሓስና ብሓቂ ንጽቡቕ ጥራሕዶ ንጥቀመላ? ዘረባና ሓናጺ ድዩ? ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፡ “ዘረባኹምሲ እወ እወ፡ ኣይኮነን ኣይኮነን ደኣ ይኹን፣ ካብዚ እንተበዚሑ ግና ካብቲ ክፉእ እዩ” (ማቴ 5፡37) ኢሉና ኣዩ። ኣብ ዘረባና ቅንዕናን ሓቅን ፍትሕን ንፈቱን ንገብርን ዲና?  ቅዱስ ያዕቆብ መልሓስ “ንእሽቶ ኣካል ክንሳስ ብዓብይ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽቶ ሓዊ ክንደይ ዓብይ ዱር ዘይተንድድ! ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፣ ንምሉእ ጉዕዞ ናይ ሕይወትውን እተቃጽል ኣያ” (ያዕ 3፡5-6)። መልሓስካ ምቊጽጻር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ቅዱስ ያዕቆብ ቀጺሉ፡ “ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ። ብኣኣ ጌርና ንጐይታናን ነቦናን ነመስግን፣ ብኣኣ ጌርናውን ነቶም በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ኣኅዋተየ እዚ ከምምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ” (ያዕ 3፡8-10) እናበለ ኣነጺሩ ክምዕደና ይርከብ። መጽሓፍ ሲራክ እውን “ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ሰብ ኲሉ ጊዜ ጥበብ እዩ ዚዛረብ፣ ዓሻ ሰብ ግና ከም ወርኂ እዩ ዚለዋወጥ” (ሲራክ 27፡11) ይብለና። እሞ ዘረባና ከመይ እዩ? ሓቅነት ርዝነት ኣኽብሮት ዝዓሰሎ ድዩ? ወይስ ሓሶት፡ ፍዂሰት፡ ሕሰረት ዝመልኦ? እቲ ናይ ምስማዕን ምዝራብን ተኽእሎ ዝሃበና፣ ሎሚውን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ወንጌል ከምዝብሎ፡ ቃል ኣምላኽን፡ ድምጺ ኣኅዋትናን ምስማዕ እንተጸገመና፡ ከምቲ ነቲ ጸማምን ዓባስን ሰብኣይ ዝገበረሉ፡ ኢየሱስ ከሕውየና፣ ጥዑም ቃላት ምዝራብ እንተሰኣንና ከኣ መልሓስና ክፈትሓልና ወትሩ ድልው እዩ። እቶም ነቲ ንሱ ዝፈጸሞ ተኣምር ዝረኣዩ ብዛዕባ እየሱስ፡ “ንኲሉ ጽቡቕ ገበሮ፣ ጸማማት ከምዝሰምዑ፡ ዓባሳት ከምዝዛረቡ ገበረ፣ እናበሉ ኣመና ይግረሙ ነበሩ” (ማር 7፡37)። ንሕናውን ንጐይታና፡ “ ከምቲ ሽዑ ዝገበርካዮ፡ ንኣይ እውን ሎሚ፡ በጃኻ፡ ኤፋታ፡ ማለት ተኸፈት፡ ኢልካ ኣእዛነይ ክፈተለይ፡ ልጓም መልሓሰይ ከኣ ፍትሓለይ” እናበልና ንለምኖ። ብዙኅ ጊዜ ንሕናውን ጸማማትን ዓባሳትን ኢና። ስለዚ እግዚኣብሔርውን ክሰምዓና ኣይርከብን። በዚ ምኽንያት እዩ ባሮክ ነቢይ፡ ብስም ሕዝቡ፡“ኦ እግዚኣብሔር ንሕና ኣበስና፡ ካባኻ ረሓቕና፡ ተጋገና፣ ኲሉ ትእዛዝካ ድማ ኣይሓሎናን። ነድርኻ ካባና ኣርሕቕ። እንሆ ኣብ ማእከል እቶም ፋሕ ዘበልካና ኣሕዛብ ሒደት ጥራይ ኢና ተሪፍና ዘሎና። ኦ ጐይታ ጸሎትናን ልመናናን ስማዕ፣ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ድማ ኣድኅነና (ባሮክ 2፡12-14) ክብል ዝተረኽበ። መጽሓፍ ዘሌዋውያን፡ “ንጸማም ኣይትርገም ኣብ ቅድሚ ዕውር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሔር እየ” (ዘሌዋ 19፡14) ብምባል፡ ነቶም ብሕማም ወይ ብሽምግልና ምኽንያት፡ ክሰምዑና ዘይክእሉ ጸማማት፡ ዓባሳት፡ ወይ ከኣ እቶም ምሳና ዘለው ብዘይሰምዕዎ ቋንቋ እናተዛረብና ክንሓምን ክንፈርድን ክንንጽልን ከይንርከብ የጠንቅቐና።

ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ኣብዚ ምውጻእ ክረምቲ ዝዝየም መዝሙር “እግዚኦ ባርክ ፍሬሃ ለምድር፣ መሓሪ ወጻድቅ መኑ ከማከ ዘታርኁ ክረምተ በጸጋከ፣ ነፍስ ድኅንት ወነፍስ ርኅብተ እንተ ጸግበት ተኣኲተከ” (መዝሙር ዘሰንበት ዘፍሬ)፣ ኦ ጐይታ ንምድሪ ፍሬኣ ባርኽ፣ መሓርን ጻድቕን፣ ብጸጋኻ ከረምቲ እትኸፍትን፣ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ዝደኃነት ነፍስን፡ ዝጸገበት ጥምይቲ ነፍስን ተመስግነካ ይብል። ንሕና ከኣ በዚ ዝሃበና ጠለዝናም እናመስገንና ዝዘራእናዮ ብሰላም ክንእክብ እዚ ብሓንሰ መስቀለ እንጅምሮ ሓዲስ ዓመት ከኣ ሠናይ ዘመን ክኾነልና ነቲ መሓርን ርኅሩኅን ፈጣሪናን መድኃኒናን ንለምኖ። ኣብዚ ሓዲስ ዘመን ሉቃስ ናይ ምስማዕን ምዝራብን ህያባትና፣ ንምስጋናን ንምሕረትን፡ ንብሥራትን ንዕርቅን፡ ንፍትሕን ንሰላምን፡ ንጥቀመሉ ይግበረና። ንኲልና ከኣ ቡሩክ ሓንሰ መስቀለ ሓዲስ ዓመትን ይኹነልና። ኣሜን።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣

ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ

07 January 2019, 09:36