ድለ

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ ኣሰር ሲኖዶስ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ ኣሰር ሲኖዶስ 

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ ኣሰር ሲኖዶስ

ዓለም ሓቆፍ ናይ መንእሰያት ዓውደ ጉባኤ ድህረ ሲኖዶስ ብቅዱስ ኣቦና ተደሪሱን ተሓቲሙን ንንባብ ክበቅዕ ትጽቢት ዝገበረሉ ዘሎ ናይቲ ድህረ ሲኖዶስ ሰነድ ዘማእከለ

ኣብ ኣሰር እቲ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመኸረ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን እቲ ኣብ ፓናማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት መንጽር ዝገበረ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 22 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝጠለቦ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ መንእሰያት ክካየድ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ዕላማ፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይቲ ናይ ሲኖዶስ ድርኽታ ንምእንጋድ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ክሳብ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ መንእሰያት ዓውደ ጉባኤ ድህረ ሲኖዶስ ብቅዱስ ኣቦና ተደሪሱን ተሓቲሙን ንንባብ ክበቅዕ ትጽቢት ዝገበረሉ ዘሎ ናይቲ ድህረ ሲኖዶስ ሰነድ ዘማእከለ እውን ከምዝኸውንን እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።

ዕዱማት

ኣብቲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 22 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ መንእሰያት ድህረ ሲኖዶስ ተገባእያን ኣብ መላእ ሃገራት ካብ ዝርከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝውከሉ መንእሰያትን ካብ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፋዊ ተበጻሕነት ዘለወን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምንቅስቃሳትን መክበባውያን ማሕበረሰብን እቶም ኣብቲ ብዛዕባ እምነትን መንእሰያትን ልልያ ጸዋዕታን ዝመኸረ ሲኖዶስ ብመሰል ሰማዕነት ዝተሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎም ሰብ ሙያን ጠቢባንን ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያትን ዝውክሉ እውን ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣለክሳንደር ኣዊ መሎ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ ኣሰር ሲኖዶስ
11 January 2019, 17:28