ድለ

2018.12.06 ደናግል ኦርሰሊኒ ዘቅድስት ማርያም ዝኽሪ 200ዓመት ምሥረታ ማሕበረንን 80 ዓመት ኣብ ኤርትራን የብዕላ! 2018.12.06 ደናግል ኦርሰሊኒ ዘቅድስት ማርያም ዝኽሪ 200ዓመት ምሥረታ ማሕበረንን 80 ዓመት ኣብ ኤርትራን የብዕላ! 

ኢዮቤል 200 ዓመት ምስረታ ማኅበር ደናግል ኦርሶሊነ ዘድንግል ማርያም

ማኅበር ደናግል ኦርሶሊነ ዘድንግል ማርያም ካብ ዝምስረት 200 ዓመት ገይሩ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ድማ 80 ኣቢሉ ገይሩ ኣሎ። እዚ ማኅበር እዚ ብ 3 ታሕሳስ 1818 ኣብ ጋንዲኖ ሰሜን ጣልያን ብእባ ፍራንቸስኮ ደላ ማዶና ዝተባህሉ ናይ ሰበኻ ክህን እዩ ተመስሪቱ።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ማwበር ዯናግል ኦርሶሊነ ዘንጽሕቲ ድንግል ማርያም ካብ ዝምስረት 200 ዓመት ገይሩ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ድማ 80 ኣቢሉ ገይሩ
ኣሎ። እዚ ማwበር እዚ ብ 3 ታሕሳስ 1818 ኣብ ጋንዱኖ ሰሜን ጣልያን ብእባ ፍራንቸስኮ ዯላ ማዶና ዝተባህሉ ናይ ሰበኻ ክህን እዩ
ተመስሪቱ። ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ ብ1771 ኣብ ጋንዱኖ ዓዱ ጣልያን ተወልደ፡ ብ1793 ከኣ መዓርግ ክህነት ተቀበሉ። ካብ 1793 ክሳብ
1814 ብመኽንያት ውግእ ብስዯት ንቨንስያ ክልተ ግዜ ከይዶም፡ ካብ 1814 ክሳብ 1829 ከእ ኣብ ጋንዱኖ ምኽትል ቆሞስ ኮይኖም
የገልግሉ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ብ 3 ታሕሳስ 1818 ማwበር ኦርሶሊነ መሰረቱ። ካብ 1829 ክሳብ 1834 ቆሞስ ናይ ጋንዱኖ ኮይኖም
ክገልግሉ እንከለዉ ንሳልሳይ ግዜ ብስዯት ንበርጋሞ ከደ፡ ብ1846 ከኣ ኣብ ገዲም ኮንቨንቲኖ በርጋሞ ብሰላም ዓረፉ።
ኣመስራርታ ማwበር ኦርሶሊነ ፦
ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ “እዘን ኣዋልድ ኣብ ፈቅዶ ጎዯናታት ክጻወታ ይውዕላ ኣለዋ፡ ብዙሕ ድማ የዯንግጻኒ” ብምባል እዮም ብዓቢ
ርሕራሔ ብዛዓብ ዯቂ ኣንስትዮ ሓሳቦም ክገልጹ ዝጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብምኽንያት ውግእ ናፖልዮን ቦኖፓርት ሕዝቢ ዓዱ ጣልያን
ኣብ ከቢድ ዕንወትን ውድቀትን እዩ ነይሩ። ልዕሊ ኩሉ ግና ሞራልውን ሰብኣውን ሕይወት ጓል ኣንስተይቲ ተሃስየ። ንክቡር ኣባ
ፍራንቸስኮ እዚ ኩነታት እዚ ብኸቢድ ስለ ዘተሓሳሰቦም ብመሪሕነት መንፈስ ቅደስ ነዚ ኩነታት ንምልዋጥ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት
ኣምላኽ እምነቶም ኣሓይሎም ብትብዓት ተበገሱ። ብዘየቋርጽ ጸሎት፡ ኩሉ ሓይሎምን ጻዕሮምን ኣዋዱዶም ድማ ናብ ትግባረ ገጾም
ኣብሪሖም።
እግዚኣብሔር ከኣ ብሓልዮቱ ነዚ ተልእኮ እዚ ዘሰላስላ ብውፉይ ሕይወት ክነብራ ዘተጸውዓ መንእሰያት ቀረበሎም። ብኸምዚ ከኣ ካብ
ቁምስናኦምን ካልእን ብዝተኣኻኸባ 11 መንእሰያት ማwበር መስረቱ። እዚ ክብሃል እንከሎ ግና ኣባ ፍራንቸስኮ ውሑስ ዝኾነ ናይ ናብራ
ትሕዝቶን ዓቅምን ስለ ዝነበሮም ኣይኮነን። ቀዲሞት ዯናግል ዯቂ ማwበር ንኣመሰራርታ ማwበር ክገልጻ እንከለዋ “ኣብ ዕራቓ ዝወጸት
ድኽነት እዮም መስሪቶማ” ይብላ። ኣባ ፍራንቸስኮ ብትሕዝቶ ድኻ ብመንፈስን እምነትን ግና ሃብታም ከምዝነበሩ ታሪኾም ይገልጸልና።
ዕላማን ተልእኮን ናይዚ ማwበር፡-
ብመንፈስ ርሕራኄ ኣብ ክርስቲያናውን ሰብኣውን ተልእኮ ኮስኮሳ ዯቂ ሰባት ብሓፈሻ፡ ዝያዲ ኣቃልቦ ድማ ኣብታ ውጽዕትን ዕድላት
ዝተነፍጋ ጓል ኣንስተይቲ ብምትኳር ንኽብሪ ኣምላኽን ንድwነት ዯቂ ሰብን ምቛም ኢዩ። እዚ ማwበር ኣዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ
ክርስቲያን ብሕጊ ዝቖመ ምእንቲ ክኸውን ኣባ ፍራንቸስኮ ብዙሕ ጸለዩን ጽዓሩን። ኣብቲ ግዜ እቲ ምእንቲ ኩስኮሳ ጓል ኣንስተይቲ
ዝተወፈያ ዓለማውያን ውፍያት ዯቂ ኣንስትዮ ብቅድስቲ ኣንጀላ (1474-1540) ዝተመስረታ ድሮ ብቤተርክስቲያን ተፈላጥነተን ዘረጋገጻ
ነበራ። ኣባ ፍራንቸስኮ ድማ መንፈስ ናይዛ ዓባይ ቅድስቲ ብምውሳድ ምስ ዯቆም ብምልዛብ መንፈሳን ሕጋን ክወስደ መረጹ። ከምኡ
እውን ከምቲ ቅድስቲ ኣንጀላ ንዯቃ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅድስቲ ኦርሶላ ብምምዕቋብ ኦርሶሊነ ብዝብል ስም ዝጸውዓተን፡ ኣባ ፍራቸስኮ
ድማ ንዯቆም በዚ ስም እዚ ክጽውዕወን መረጹ። ቅድስቲ ኦርሶላ ብሳልሳይ ክፍለ ዘመን ንኽብሪ ንጽሕናኣ ብኸተርቲ ባርባራውያን
ብስማእትነት ሕይወታ ንፍቅሪ ኣምላኽ ዘወፈየትን ዝመስከረትን ዓባይ ቅድስቲ እያ።
ኣባ ፍራንቸስኮ ንማwበሮም ኣብ ትሕቲ ጽላል እዘን ክልተ ዓበይቲ ቅድሳን ክምስርቱ እንከለዉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይትን
ዕብየታን ዝነበሮም ራኢ ንምትግባር ከም ኣርኣያን ሓለውትን ማሕበር ብምውሳድ ኣብቲ ዝነበረን መርገጺ ፍጹም ብምስምማዕ እዮም።
ሎሚ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ሰለስተ ክፍሊ ዓለማት ማለት፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ተዋፊረን የገልግላ ኣለዋ።
ቁጽሪ ኣባላተን ድማ ብዯረጃ ዓለም 363 በጺሑ ኣሎ።
ሰንበት ብዕለት 2 ታሕሳስ 2018 ከኣ ብመኽንያት መበል 200 ዓመት ምስራተ ማሕበረን፡ ዯናግል ኦርሶሊነ ዘንጽሕቲ ድንግል ማርያም
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዓቢ ክብሪ ጸንቢለንኦ ዊዒለን። እቲ ብዓል፡ ካበየ ቁምስናታቶም ዝመጹ ብዙኃት ውሉዯ ክህነትን ምእመናንን ኣብ
ዝተረኽብሉ፤ ብጸሎት ሳልስትን ብናይ እቲ በዓል መስዋዕተ ቅዲሴን ካልእ መዯባትን ተሰንዩ፣ ብዓብይ መንፈሳውነት ከቢሩ ውዒሉ።
በዚ ዕለት እዚ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም ብትሽዓተ ለባስያን ካህናት ተሰንዮም ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዲሴ
ዓሪጉ። ድሕሪ ንባብ ቅደስ ወንጌል ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብ ዘቅረብዎ ቃል ስብከት፦ መጀመርያ ኣመሰራርታ እቲ ማሕበር ኣሕጽር
ኣቢሎም ምስ ገልጹ፡ ኣስዒቦሞ ከኣ ``እዚ ናይ 200 ሚእቲ ናይ ምስጋና ዓመት ንኹላትና ይምልከተና እዩ ከመይ ዯቅና እየን። ነዚ ናይ
ማሕበረን መንፈሳውነት ሒዘን ክነብራ ካብ ዝጅምራ ኣብ ሃገርና ናብ 80 ዓመት ኣቢሉ በጺሑ ኣሎ። ስለዚ ምስአን ሓቢርና ከነምስግን
ይግባእ። እዚ ምስጋና እዚ ከኣ ብሓዯ ወገን ሓላፍነት እዩ፡ ምኽንያቱ ብዝዓበየ ናህርን ፍቅርን ተወፋይነትን ክትልኣኻን ወንጌል
ክትሰብካን ይድርኸክን እዩ። እቶም ዝመስረቱኽን ካብ ጋንዱኖ እውን ትወጻ ይመስሎም ኣይነበረን ይኸውን ሕጂ ግና ምስተን ዝሓለፋ
ኣዯታትክንን ኣሓትክንን ዯቅኽንን ሓቢሮም ኣብ ሰማይ የመግኑ ከም ዘልዉ ርግጽ እዩ። ኣብቲ ዘንበብናዮ ወንጌል ምልስ እንተ በልና
ክልተ ክፍሊ ኣለዎ። እቲ ቀዲማይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰብኽ ድሕሪ ውዒሉ ኣብ ጃልባ ምስ ዯየበ ዯቂሱ፡ ሽዑ ብርቱዕ ማዕበል ይልዓል
እሞ ዯቀ መዛሙርቱ ጠፋእና ኣድሕነና ኢሎም የትንስእዎ፡ ንሱ ድማ ኣቱም ሰብ ውሑድ እምነት ኣነ ምሳኹም እከሎኹ ንምታይ
ትፈርሑ፡ ኢሉ ነቲ ማዕበል ይግስጾ ኣሞ ይሃድእ። ኣብዚ ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ ኣሎ፡ እዚ ማለት ኢየሱስ ኣብ ዘለዎ ሰላምን ቅሳነትን
ህድኣትን ኣሎ። ኢየሱስ ምሳና ከምዘሎ ስለ ንርስዕ ኩሉና ብብዙሕ ነገር ንጭነቅ ኢና። ከምቲ ኢየሱስ ዝብለና ተጨኒቅና ነፍርዮ ፍረ
ሰለ ዝይብልና ንዕኡ ኣሚንና ዯው ንበል።
እቲ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ዘንበብናዮ ወንጌል ከኣ መድኅኔ ዓለም ኢየሱስ ነቲ ማዕበል ኣህዱኡ ካብ ጃልባ ምስ ወረዯ፡ ናብ ስግር ሃገር
ጌርጌሰኖን ምስ በጽሐ፡ ክልተ ሰብ፡ ሕሱማት ኣጋንንቲ ዝሓዝዎም ይጓነፍዎ። ንሱ ጎይታ ኩሉ ስለ ዝኾነ ከኣ ከይተዛረበ እንከሎ “ኢየሱስ
ወዱ ኣምላኽ ንሕና ምሳኻ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣሎካ ከተጥፍኣና ዶ መጺኣካ? በል ናብዘን ሓሳሙ ስዯዯና” ኢሎም ይልምንዎ እሞ
ምስ ኣፍቀዯሎም እተን ሓሳሙ ኩለን ኣብ ባሕሪ ጠሊቀን ይሞታ። እቶም ጓሶት ድማ ንዓዱ ኣትዮም ምስ ነገሩ እቲ ሕዝቢ ተኣኪቡ
መጹኡ ኣብክንዱ ከምቲ ሰብ ሰማርያ ዝገብርዎ ምሳና ናብ ዓዱ እቶ፡ ምሳና ቀኒ ዝብልዎ፡ ካብ ዓድና ኪዯልና ኢሎም ይሰጉዎ። ዓቢ
ዕድል መጺእዎም እናርኣዩ፡ ይትረፈና ሓሳሙና ይሕሸና፡ ንብረትና ይሕሸና፡ ዘሎናዮ ህይወት ይሕሸና፡ ኪዯንልና ኣይንዯልየካን
ኢሎሞ። ንሕን እውን ከምኡ ንገብር ኢና። ሓዯ ሓዯ ግዜ ኣምላኽ ቅርብ ክብለና እንከሎ ጽናሕ ንብሎ። ከምዘሎናዮ ይሕሸና ንብለሉ
ግዜ ብዙሕ እዩ። ከመይ ኢየሱስ እንተ መጺኡ ክርብሸና እዩ። ከምዘሎናዮ ክንተርፍ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኢየሱስ እንተ ቀሪቡና ብርሃን
ክንለብስ ኢና፡ ውሳኔታት ክንገብርን ሕማቅ ልምድና ክንገድፍን ክንግዯድ ኢና። ኢየሱስ እንተ መጺኡ ከቃልዓኒ እዩ ብምባል ንፈርሕ፡
ስለዚ ከምዘልናዮ ይሕሸና ብምባል ኣይውዕይ ኣይዝሑል ሕይውት ሒዝና ንተርፍ። ፍቁራት ሕዝበ ክርስቲያን፡ ኣይንፍራሕ ጎይታይ
ኩሉ ካባኻ ኩሉ ምሳኻ እናበልና ከነመስግኖ ይግባእ።
ማሕበር ዯናግል ኦርሰሊነ እውን እዚ ወንጌል እዚ ብሓቂ ክጠቅመክን እዩ። መጀመርያ 200 ዓመት ጌርና እምነትና ከመይ ኣሎ ኢልክን
እምነትክን ክትፍትሻ፡ ካልኣይ ድማ እቲ ዝተዋህበና ዕድል ተጠቂምናሉዶ? እዚ ናይ 200 ዓመት ኢዮቤል ዓቢናሉዶ? ተለዊጥናሉዶ?
ኢልክን ክትሓታ ዕድል ተዋሂቡክን ኣሎ። ኣብነት እኖና ማርያም ተኸቲልክን ኣመስግና። ንጉስ ሰላም ሰላማዊ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ
እንምነዮ ጸጋ ይሃበና፡ ዝሰማዕናዮ ኣብ ልብና የሕድረልና።” ብምባል ቃል ስብከቶም ዛዘሙ። ቅዲሴ ምስ ተዛዘመ ከኣ ክብርቲ ሓለቃ
ማሕበር ኦርሶሊነ እናቴ ሮዚና ኢዮብ ቃል ምስጋና ኣቅሪበን።
ድሕሪ ምሳሕ ከኣ ብመንእሰያት ቁምስና ዯብረ ባእታ ማርያም ታሪኽ ሕይወት ኣባ ፍራንቸስኮን ኣመሰራርታ ማሕበርን እትገለጽ ድራማ
ቀሪባ። ኣብ መጨረሻ ድማ እቲ ብዓል ብመዝሙር ምስጋና ተዛዙሙ።

04 December 2018, 19:36