ድለ

ፓትሪያርካት ምብራቕ፡ መንእሰይ ንማእከላይ ምብራቕ ተስፋ እዩ ፓትሪያርካት ምብራቕ፡ መንእሰይ ንማእከላይ ምብራቕ ተስፋ እዩ 

ፓትሪያርካት ምብራቕ፡ መንእሰይ ንማእከላይ ምብራቕ ተስፋ እዩ

ብምስዓብ፡ መንአሰይ ወለዶ ናይ ሃገሩ መጻኢ ተስፋ ምዃኑ ብምህናጽን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣሚኑ እውን ግደኡ ከበርክትን ኣብ ሰላምን ፍቕርን ፍትሕን ክሕነጽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ ኣስስተዋጽኦ ተበርክት

ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 30 ሕዳር 2018 ዓ.ም. መበል 26 ናይ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርካት ጉባኤ ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ተኻይዱ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ጽኑዕ እምነት ምጽናዕን ኣብ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ከባቢ ምዕባለ ኣበርክቶን ዝብል ጻውዒት ብምቕራብ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. መበል 27 ዓውደ ጉባኤ ኣብ ምስሪ ርእሰ ከተማ ካይሮ ንምክያድ ከምዝወሰነ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መንእሰይ ወለዶ ንናይ መላእ ዓለምን ንመላእ ማእከላይ ምብራቕን ተስፋ እዩ፡ እዚ ብምሰረት እቲ ኣብ ከባብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህልው ብድሆታት ክረአይ እንከሎ፡ ናይቲ ከባቢ መንእሰያት ንከባቢኦም ተስፋ እያቶም፡ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ጳጳሳት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነት ብምስዓብ፡ መንአሰይ ወለዶ ናይ ሃገሩ መጻኢ ተስፋ ምዃኑ ብምህናጽን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣሚኑ እውን ግደኡ ከበርክትን ኣብ ሰላምን ፍቕርን ፍትሕን ክሕነጽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ ኣስስተዋጽኦ ከምእትበርክት ናይ ማእከላይ ምብራቕ ፓትሪያርካት ቤት ምኽሪ ኣብ አካየድዎ መበል 26 ጉባኤ ክመዘመልከቱ ዝሓበረ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ሓድነት ንምብርታዕ

እቲ ኣብ ባቕዳድ ዝተኻየደ ናይ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ፓትሪያርካት መበል 26 ጉባኤ፡ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በሻራ ራይን፡ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ኣብ ኣንጽዮኪያን ኢየሩሳሌምን ናይ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ፓትሪያርክ ዩሰፍ ኣብሲን፡ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሶሪያ ፓትሪያርክ ኢግናሰ ጆሰፍ ሳልሳይ ዩናንን፡ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋዔል ቀዳማዊ ሳኮን ከምእተሳተፉን፡ ኣብ መዕጸዊ እቲ ጉባኤ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሴፍ ካቴድራል ብሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተጋባእያን ፓትሪያርካት ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ርእሰ ብሔር ባርሓም ሳሊሕን መራሔ መንግስቲ ዓብደል ዓብዱል ማሕዲን ከምእተራኸቡ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

06 December 2018, 16:14