ድለ

2018.12.06 ሥርዓተ ቀብር ነፍሰኄር አባ መሓሪ ወልደማርያም ዮሴፍ ኣብ ከረን 2018.12.06 ሥርዓተ ቀብር ነፍሰኄር አባ መሓሪ ወልደማርያም ዮሴፍ ኣብ ከረን 

ዜና ዕረፍት ካብ ካቶሊካዊ መንበረ ኤጳርቅና ከረን

ካህን ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ጥቀ ክቡር ኣባ መሓሪ ወልደማርያም ኣብ 86 ዓመት ዕድሚኦም ትማሊ ኣብ ከረን ከምዝዓረፉን ሥርዓተ ቀብሮም ሎሚ ዕለት 6 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ኣብ መጋርሕ ዝርከብ መካነ መቃብር ካህናት ከምዝተፈጸመን ካብ ከረን ዝተላእከልና ዜና ሓቢሩ።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት

ነፍሰኄር ጥቀ ክቡር ኣባ መሓሪ ካብ ኣቦኦም ወልደማርያም ዮሴፍን ኣዲኦም አመተሚካኤል ዘሚካኤልን ዕለት 18.12.1932 ዓምፈ ኣብ ሕምብርቲ ተወልዱ። መባእታ ትምህርቲ ኣብ ከረን ምስ ቀሰሙ ማእከላይ ማለት ጂናስዮ ካብ 1947-1951 ፈጸሙ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ከኣ ኣብ ኣሥመራ ኮምቦኒ ኮልጅ ካብ 1951-55 ፈጸሙ።

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ላዕለዋይ ትምህርቲ!

ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምስ ፈጸሙ ንዝለዓለ መጽናዕቲ ፍልስፍናን ተሎግያን ከጽንዑ ንሮማ ተላእኩ፣ ኣብ ኡርባንያን ዪኒቨርሲቲ ተምዝጊቦም ከኣ ካብ 1955-58 ዓምፈ ብሊቸንሳ ዝፍለጥ ማስተርስ ዲግሪ ፈጸሙ። ከምኡ እውን ካብ 1958-62 ኣብቲ ዪንቨርሲቲ ናይ ንባበ መለኮት ትምህርቲ ብምቅጻል ኣብዚ እውን ብማስተርስ ተመረቊ። ቀጺሎም እውን ድሕሪ ክህነት ካብ 1966-70 ኣምፈ ኣብ ኡርባንያን ዪኒቨርሲቲ ብዝለዓለ ትምህርቲ ፍልስፍና ብምቅጻል ብዶክተረይት ተመረቑ። ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ እውን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ ቋንቋ እንግሊዝን ሶሻል ሳይንስን ተማሂሮም ብዲፕሎም ተመረቑ።

ዲቚናን ክህነትን ኣገልግሎትን

ብ1961 ዓምፈ ትምህርቶም እናቀጸሉ ከለው ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ መዓርገ ዲቚና ተቀበሉ። ድሕሪ እኹል ምስንዳውን ኣገልግሎትን ከኣ ኣብ መወዳእታ ዓመት ብዕለት 17 ታሕሳስ 1961 ዓምፈ መዓርገ ክህነት ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ ተቀበሉ። ኩሉ ኩሉ ብዓወት ፈጺሞም ንዓዲ ምስ ተመልሱ በዚ ዚስዕብ መስርዕ ኣገልግሎትም ኣወፈዩ።

-       ካብ 1972-77 ዓምፈ ኣብ ዓቢይ ገዳም ዘርአ ክህነት ኣሥመራ ናይ ፍልስፍናን ሳይንስን መምህር ኮይኖም ኣገልገሉ።

-        ካብ 1978-83 ዓምፈ ኣብ ኮለጅ ዳናኤል ኮምቦኒ ናይ ሳይንስ መምህር ኮይኖም ኣገልገሉ።

-       ካብ 1983-93 ዓምፈ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ኣገልገሉ።

-       ካብ 1993-97 ዓምፈ ኣብ ንኡስ ገዳም ዘርኣ ክህነት ከረንን ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረንን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ሓሸላን ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ባምብን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣወፈዩ።

-       ካብ 1998 – 2015 ዓምፈ ናይ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን መንፈሳዊ ቤትፍርዲ ቃውመ ኪዳን (Promotor of Justice) ኮይኖም ኣገልገሉ።

-       ካብ 2003 – 2014 ዓምፈ ኣብ መዕበዪ ዘኽታማት ቅድስት ኣኘስ ንግሆ ንግሆ ብቅዳሴ ኣገልገሉ።

ነፍሰኄር ጥቀ ክቡር ኣባ መሓሪ ኣብ ምምሃርን ናኣሽቱ ምኲስኳስን ፍልይ ዝበለ ክእለትን ሕይል ዝበለ ጠባይን ዝነበሮም ሰብ ብኩሉ ሥሩዕ ክኸውን ዝቃለሱን ኣብ ልዕሊ ምንባሮም ልዑል ናይ ትምህርትን ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ሥነ ጽሑፍን ክእለት እውን ነርዎም፣ ቋንቋታት ላቲንን እንግሊዝን ጣልያንን ጀርመንን ከምኡ እውን ትግርኛን ኣምሓርኛን ግዕዝን ብኩሉ ኩሉ ዝመልኩ ኮይኖም ቋንቋ ብለን እውን ብመጠኑ ይሰምዑን ይርድኡን ነሮም።

ክሳብ ዕለተ ሞቶም ብምኽርን ጸሎትን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ እንኽኾኑ ትማሊ ዕለት 5 ታሕሳስ 2018 ዓምፈ ብዕረፍቲ ጻድቃን ናብ ሰማያዊ ቤት ተመሊሶም ሎሚ ዕለት 6 ታሕሳስ 2018 ዓም ኣብ መጋርሕ ዝርከብ መካነ መቃብር ካህናት ሓመደ ኣዳም ለበሱ።

 

 

06 December 2018, 19:24