ድለ

ቅድስቲ መሬት ንበዓለ ልደት ን 200 ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ካብ እስራኤል ቅድስቲ መሬት ንበዓለ ልደት ን 200 ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ካብ እስራኤል 

ቅድስቲ መሬት ንበዓለ ልደት ን 200 ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ካብ እስራኤል

ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ዕለት 25 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ኣብ ጋዛ ወሽጥመጥ ካብ ዝርከቡ ፍልስጥኤማውያን ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ይሕለፍ ፍቃድ ካብ ዝሓተቱ 500 ውሽጢ ን 200 ጥራሕ

ኣብ ጋዛ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁምስና ቅዱስቲ ስድራ ቤተ ቆሞስ ኣባ ማሪዮ ዳ ሲልቫ፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ በዓለ ልደት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፍ መሰሉ እምበር ተሳተፍ ኣይትሳተፍ ዝብል ፍቓድ ካብ ካልእ ዝወሃቦ ኣይኰነን ከምዝበሉን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ጋዛ ንማሕበረ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ዕለት 25 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ኣብ ጋዛ ወሽጥመጥ ካብ ዝርከቡ ፍልስጥኤማውያን ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ይሕለፍ ፍቃድ ካብ ዝሓተቱ 500 ውሽጢ ን 200 ጥራሕ ካብ መንግስቲ እስራኤል ከምእተወሃቦም ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡

ፓትሪያርክ ብፁዕ እባኡነ ፒዛባላ ኣብ ጋዛ ንበዓለ ልደት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ

ዕለት 20 ታሕሳስብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ጋዛ ቁምስና ቅድስቲ ስድራ ቤት ብምኽንያት በዓለ ልደት ብምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኩዞ ተሰንዮም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምስራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዕለት 25 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ካብ ዝሓተቱ 500 ተቐማጦ ጋዛ ፍልስጥኤማውያን ክርስቲያን ብወግዒ ንኽልተ ሚእቲ ጥራሕ ካብ መንግስቲ እስራኤል ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ዝተወሃቦ ከማተወሃቦ ኣፍሊጡ።

ናይ ጋዛ ቁስምና ቅድስቲ ስድራ ቤት ቆሞስ ኣባ ማሪዮ ዳ ሲልቫ፥ ዝሓለፈ ዓመት ንበዓለ ልደት 300 ክርስቲያን ጥራሕ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ከምእተወሃቦም ዘኪሮም፡ ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ 55 ዓመት ንላዕሊ ንዝዀኑ ክርስቲያን ፍልስጥኤማውያን ፍቓድ ምሃብ ንገዛእ ርእሱ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ በዓለ ልደት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓቢሮም ከየብዕሉ ዘገድድ ውሳኔ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ በዓለ ልደት ንማሕበረ ክርስትያን ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ናይ እምነት ማእከል እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና አገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት መንፈሳዊ ንግደት ንኽካይዱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመጹ ልዕሊ 4 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ናብ እስራኤል ናይ መእተዊ ፍቓድ ከምእተወሃቦን፡ እቶም ኣብ ጋዛ ዝርከቡ ፍልስኤማውያን ክርስትያን መንፈሳዊ ንግደት ኰነ ንበዓለ ልደት ንምብዓል ናብ ቤተ ልሔም ንኽነግዱ ወተሓደራዊ ናይ ይሕለፍ ፈቃድ ክህልዎም ግዲ ምባል ብጣዕሚ ዘሕዝብ እዩ ዝበሉ ኣባ ዳ ሲልቫ፡ ኣብ ጋዛ 2 ሚሊዮን ተቐማጢ ሕዝቢ ከምዘሎን ካብኣቶም 100 ካቶሊካውያን ምእመናን ዝርከብዎም ሓደ ሺሕ ክርስቲያን ከምዘለዉ ገሊጾም ፈላላይ መንደቕን ዝቖሙ ናይ ወተሃደራዊ መቆጻጻሪ ነቑጣታት ነቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኣዚዩ ክተሓላለኽ ይገብሮ ኣሎ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

21 December 2018, 16:16