ድለ

ታሪኽ ናይ 19 ሰማዕታት ኣብታ ዓድ እስላም ኣልጀሪያ ታሪኽ ናይ 19 ሰማዕታት ኣብታ ዓድ እስላም ኣልጀሪያ 

ታሪኽ ናይ 19 ሰማዕታት ኣብታ ዓድ እስላም ኣልጀሪያ

ካብቲ ሃይማኖታውን ክህነታው ውፉይ ሕይወትን ዕላማን ወሳኒ እምንቶ ተለዓዒሎም ኣልጀሪያ ኣብ ጽንኩር ኵነት እንከላ ኣብ ኣልጀሪያን ምስ ህዝቢ ኣልጀሪያን ዝበሉ፡

ዓሰርተ ትሽዓተ ናይ ዝተፈላለያ 8 ማሕበራት ኣባላት ገዳማውያንን ካህናትን ደናግል ኣሓውን ኣብቲ ኣብ ኣልጀሪያ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ናይታ ሃገር ህዝቢ ሓዲጐም ካብ ምውጻእ ሓጐስን ሓዘንን ምስ ህዝቢ እታ ሃገር ክካፈሉ ዝመረጹ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ኵላዊ ፍቕሪ ናይ ደም ሰማዕትነት ክሳብ ምቕባል ዝደረዀም ዕለት 7 ግንቦት 2000 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሰዩም ናይ 20 ክፍለ ዘመን ሰማእታት ዝኽሪ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ካብ ዝተዘከሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ስዒቡ ቤተ ክርስቲያን ብወግዒ ብፅዕና ንኽእወጀሎም ዘድሊ መጽናዕትን ምርምርን ክግበርን ብፁዓን ዘብሎም መሰረተ ሓሳብ ዘቕርብ ከይዲ ይበግስ ክትብል ከምዝፈቐደት ዝዝከር ከይኑ፡ እዚ ተፈጺሙ እነሆ ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩ ኣብታ ሰማዕትነት ዝተቀብሉላ ሃገረ ኣልጀሪያ ንር.ሊጳ. ወኪሎም ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፅዕና ክእወጀሎም እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሕውነትን ምሕዝነትን ምስ መላእ ሕዝቢ ኣልጀሪይውያን ምሉእ ብሙሉእ ብምንባርን ነዚ ብዓሚዪቕ ምትእስሳር እውን ብምምስካር ዘተን ተራ ሕይወትን ሰላም ብሓባር ምንባር ምዃኑ ዋላ’ኳ ኣብታ ሃገር ሕድ ሕዳዊ ውግእ ይሃሉ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ምልክት ኰይኖም ዝሓለፉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን እያቶም፡ ካብቲ ሃይማኖታውን ክህነታው ውፉይ ሕይወትን ዕላማን ወሳኒ እምንቶ ተለዓዒሎም ኣልጀሪያ ኣብ ጽንኩር ኵነት እንከላ ኣብ ኣልጀሪያን ምስ ህዝቢ ኣልጀሪያን ዝበሉ፡ ኣብቲ ካብ 1991 ዓ.ም. ክሳብ 2002 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተኸስተ ወተሃደራዊ ዕላዋ መንግስቲ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ስዒቡ  ዝተፈጥረ ግብረ ሽበራን ቅትለትን ኣስታት 150 ሺሕ ንሞት ሓደጋ ከማዘቃለዔን፡ ኣብቲ ዝነበረ ውጥረትን ኣድማዪ ኩነትን ምስ ህዝቢ ንምርግጋጽ ሰላምዊ ማሕብራዊ ናብራ ፍቕርን ሕውነትን ብምንባር ናይ ደም ሰማዕትነት ብምቕባል ዝመስከሩ ሓደ ኣቡንን ሽድሽተ ገዳማውያን ደናግል ዝርከብዎም 13 ገዳማውያን ዘጠቓልል ብጠቕላላ 19 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣልጀሪያ ሰሚናዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦራኖ ኣብ ዘላ ቤተ ክርስቲያን Notre Dame de Santa Cruz ቅድስተ እመቤት ዘቅዱስ መስቀል ብፁዕና ክትእውጀሎም እያ።

ኣልጀሪያ ኣብ ጸልማት ዓመታት

ናይ ሃገረ ኣልጀሪያ ጸልማት ዓመታት ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ እቲ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ኣብላጺ ድምጺ ምስ ረኸበ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ እቲ ናይቲ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ፖለቲካዊ ርእየት ንመላእ ሃገር ከይዕብልልን ነታ ሃገር ናብ እስላማዊት ረፓብሊክ ከይቕይራ ብዝብል ምኽንያት እቲ ህዝባዊ ድምጺ ወድቂ ምስተገብረ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1992 ዓ.ም. ስርሒት ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተፈጸመ እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምስግጋር ግብረ ሽበራ ብምፍጻም ዝዀነ ይኹን ነቲ ዘሎ መንግስቲ ዝድግፍ ዘበለ ኩሉ ኣብ ምቕንጻል ተዋፈሩ፡ በሸሓት ዝቑጸሩ ንጹሓን ዜጋታትን ምሁራትን ኣኽረርቲ ዘይኰኑ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መምሃራንን መንፈሳዊ መራሕትን ጠብቓታትን ደያኑን መምሃራንን ደቀንስትዮን ሕጻናትን ምቕታል ጀመሩ፡ ዕለት 30 ጥቅምቲ 1993 ዓ.ም. እቶም ኣኸረርቲ ዕጡቓት ሓይሊ ዝዀነ ይኹን ኣብ ኣልጀሪያ ዝርከብ ወጻእተይና ጠቕሊሉ ክወጽእ ናይ ሓደ ወረሒ ግዜ ገደብ ኣቐመጡ፡ ብዙሓት ልኡካነ መንግስታት እውን ካብታ ሃገር ንኽለቁ ተገደዱ፡ ገሊኣቶም ክተርፉ መረጹ፡ እቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ገዳማውያን ካህናትን ደናግልን ሓጐስን ስቓይን ምስ ህዝቢ ቢሎም ዝተረፉ ከምዝነበሩ ይዝከር።

07 December 2018, 16:26