በታ ቪድዮ

Cerca

Vatican News
2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

፮ይ ሰንበት ዘጽጌ 2 ኅዳር 2011 ዓ.ም. (11/11/2018)

መዝሙር፦ ጸገየ ውይን ወፈርየ ሮማን… ወይኒ ዓምበበ ሮማን ፈረየ ኵሎም አእውም በረኻ ፈረዩ፥ ሽትው ተኽሊ ምስ ጥቕሉል ዕንዲዳ፥ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓልና፥ ዕምባባታት ፈረዩ ሊሊ ፈረየ፥ ክረምቲ ሓሊፉ በረኸት ደው በለ፥ ምድሪ ብዕምባባታት ተሸለመት፥ ጎይታ ሰንበት ንምሕረት አብአ፥ ሰንበት ንዕረፍትን ንድሕነትን ሰርዓልና።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

ምስባክ፡ ዓፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ፤ ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ክያሃ፤ ወጼሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ። “ካብ ግብጺ ወይኒ ጉንዲ አምጻእካ፤ ንአሕዛብ አባሪርካ ንአኣ ተኸልካ አብ ቅድሚአ   መገዲ(ቦታ) ጸረግካ (አሰናዶኻ)። መዝ። 80፡8    ንባባት፡  ዕብ 9:24-28፥ 2ጴጥ 3፡1-8፥ ግ.ሓ. 3፡20-27፥ ማር 12፡38-44 ።

፮ይ ሰንበት ዘዘመነ ጽጌ መወዳእታ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ዝመጽእ ኃሙስ ዕለት 6 ኅዳር ብብዓለ ቍስቋም ክንዛዝሞ ኢና። ተራ ማርያም አብ ድኅነትና ምሳና ዘለዋ ምቅርራብ ከምኡ ካብ ሕይወታ እንምሃሮ እናአተንተና አሕልፊናዮ። ድሕነትና ብዘይ ተሳትፎ ማርያም አይተፈጸመን። ጸሎትና ተፈጸመ ተስፋ አበው በራይን ድንግል ወበ ቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል እናበልና አዕሪግና። ግን ዘመነ ጽጌ ዛዚምና ክንብል ከሎና ምስ ማርያም ምጽላይ አብቂዑ ማለት አይኮነ። ማርያም አብ እተዘከረትሉ ምስአ ወዳ አሎ ምኽንያቱ ዕብየት ማርያም አብቲ ካብ ወዳ እትረኽቦ ግንዖት ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ንድሓር ክንገብሮ ዘሎና ምኽሪ ማርያምን አብነታን አብ ልብና አሕዲርና ብፍሉይ አብ አምላኽ ክንቀርብ እምነትና አብኡ ገርና ክነብር ይግባአና።

አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ዝተፈላለየ ንእምነትና ዝፈታተን ከምኡ ከም ውሒዝ ንብዙሓት ዛሕሊ መንፈስን እምነትን ወሪስዎም ሰብ ዳርጋ ካብ አምላኽ ብዝያዳ ዝርሓቐሉ ኮይኑ ዝርአየሉ እዩ ዝመስል። እምነት አብ ክእለትናን ዓቕምናን ጥራሕ ገርና አነ ዝብል መንፈስ ወሪስና ከም ቀዳሞት ወለድና አብ ቤትና ስቓይ ስእነት ሰላምን ምርድዳእን ነእቱ አሎና። ገለ ኸአ ሓቂ ዝሓዙ መሲልዎም ንእምነት ክርስትና ከመ ናይ እትቶ መጋበሪ መሸቀጢ ገሮሞ ንብዙሓት ከምውሒዝ ይጠልፍዎም አለዉ። እዚ እውን ናይ ዘመና ፋሽን እዩ። እምነትካ እንተ ቐየርካ ሓቂ ከም ዝረኸብካያ ገርካ ምግማት ጌና አብ ዝገደደ ጸልማት አቲኻ ከምዘሎኻ ዘይምፍላጥ እዩ። ገለ ኸአ ንትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ንቓሉ ከም ዝደልይዎን ዝጥዕሞምን ተርጒሞም ዘይናቱ መልክዕ ዘልብሱ ናይ እዋና ናይ ሓሶት ነብያት እዮም። ነዚ አብነት ክኾነና ነዚ ዝስዕብ አብነት ንስማዕ።

ሓደ እዋን ሓደ ካህን አብ ሓደ ህዝቢ ዝዘናግዓሉ ቦታ ከይዶም እናተዛወሩ እንከለዉ ሓንቲ ጽቡቕ ክዳን ዝተኸድነት ግርማ ዘልአ ሰበይቲ ቅርብ ኢላ አባቴ አብ ዓደይ ክኸይድ ደልየ በጃኹም ቁሩብ ገንዘብ ሃቢኒ ኢላ ለመነቶም። ካህን ለቢሳቶ ዘላን እትሓቶን ኩሉ ገሪምዎም እንታይ ኢኺ ኮንኪ ተሰሪቕኪ ዲኺ ወይስ እንታይ ጸገመ ተጓኒፍኪ ኢሎም ሓቲቶማ። አብዚ ከተማ ዘምጽአ ንሓደ ፍሉይ ጎስጓስ ክትሳተፍ ዘበራትዕ መደብ ትምህርቲ ከም ዝመጽአት እሞ፥ እቲ ብናይ አምላኽ ሰብ ዝፍለጥ ዘሰንድዎም ዝነበረ ኩሉ ዘለዎም ገንዘብ ኩሉ ብምሉእ እምነት ንቤተ ክርስትያን ክምጽውቱ ሓቲትዎም በዚ ኸአ ምሉእ ጸጋ አምላኽ ከምዝረኽቡ ነጊርዎም። እዛ ሰበይቲ ኩሉ ዘለአ ገንዘብ ሂባ። ዘገርም እዩ ንመጎዓዓዚ ዝኾና ከየትረፈት ኩሉ ሂባ አብ ምልማን አትያ። ነዚአ ሰበይቲ ክንሕግዛ ይግባእ ድዩ ወይስ ብሓላፍነት ሕይወታ ስለ ዘይመርሐት ባዕላ ትፈልጥ ክንብላ ኢና? ብዝኾነ እዚአ ሰበይቲ ካብ ዘልአ ክትህብ ዝበለጸ እዩ ግን ኩሉ ዘልአ ሂባ አብ ልመና ክትአቱ ብዙሕ ዝድገፍ አይኮነን። ናይ ሎሚ ወንጌል (ማር 12፡38-44) ዘንበብናዮ ቃል ብቓሉ እያ አብ ግብሪ ተርጒማቶ። ኢየሱስ ነታ ድኻ መበለት ዝንአዳ ንኹሉ ዘልአ ብምሃባ አይኮነን አብ አምላኽ ምሉእ ተአማንነት ገራ ንኹሉ አብ ትሕቲኡ ብምሕዳጋ እዩ። ብዙሓት ንቅዱስ መጽሓፍ ቃል ንቓሉ ብምትርጓም ንብዙሓት አብ ጌጋ ዘውድቑ አለዉ። ቅ. መጽሓፍ መጀመርያ ቤተ ክርስትያን እያ እትትርጉመልና ከምኡ ናይ እዋኑ እብዘራርባን ባህልን ክንፈልጥ ጥቕሚ አልኦ። አምጽእ አቢላካ ቅ. መጽሃፍ ከምዚ እዩ ዝብል ኢልካ ንሰባት ቃል ንቃሉ ከተግብርዎ ምሕታት ጌጋይ እዩ። እዚአብ ሰበይቲ እዚ ጸገም እዩ ወሪድዋ።

 አብ ወንጌል ዘንበብናዮ ናይ እዛ ድኻ መበለት ብብዙሕ መገዲ ክንርእዮ ንኽእል፥ ካብ ሕይወታን እምነታን አርባዕተ ነገራት ክንምሃር ንኽእል።

1.      ድኻ ሓገዝ ዘድልያ እንከላ ነቲ ኩሉ ዘልአ ንኻልኦት አብ ምሕጋዝ ክውዕል ምጽዋት ሂባ። ንርእሳ ዝደኸየት ገራ አይርአየትን ስለዚ ንካልኦት ካብቲ ዘለአ ቍርብ ንኻልኦት ካብአ ዝገደዱ ክተካፍል ክትሕግዝ መጽዊታ። ካብዚ እንምሃሮ ንኻባና ዝደኽዩ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ኩነታትና ወላ ዘየፍቅድ እንተ ኾነ ክንሕግዝ ከም ዝግብአና። ንርእሰይ ዝብል መንፈስ ካባና አርሒቕና ብሓቅን ምሉእ እምነትን ብዘይ ዝኾነ ካልእ ምኽንያት ብቅኑዕ መንፈስ ክንህብ ይግብአና።

2.      ካብቲ ዘልአ ቁሩብ ንካልኦት ካብ ምሃብ ድሕር አይበለትን። እቲ እትህቦ ዘላ ውሑድ ከምዝኾነ ወላ ሓንቲ ለውጢ ከምዘየምጽእ ትፈልጥ ነራ። ሃብታማት ጥራሕ ክምጽውቱ ግን ሱቕ ኢላ ክትርኢ አይደለየትን። ካብዚ እንምሃሮ ኩሉ ጊዜ እንህቦ ወላ ውሑድ ይኹን ክንህብ ከምዘሎና ምፍላጥ። ከምቲ ንጣብ ማይ ተአኻኺቡ ባሕሪ ከም ዝፈጥር ከምኡ ውሑድ ምጽዋትና ዓቢ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድኻየ ሓንቲ የብለይን ኢልና ካብ ምሃብ ወይ ዘሎኒ ሒደት እዩ ኢልና ሱቕ ከይንብል። እታ ንእሽቶይ እንህባ ዓቢ በረኸት አልአ።

3.      ነቲ አምላኽ አብ ሕይወታ ዝሃባ ርእያ ስለ ዝኸአለት ክተመስግን ክኢላ። እቲ ኩሉ ዘልአ ካብ አምላኽ ከም እተዋህበት ትፈልጥ ነራ በዚ ምኽንያት እያ ኸአ ወላ እኳ ዘልአ ዝወሓደ እንተ ኾነ ካብ ምምጽዋት ድሕር ወይ ሰጋእ ዘይበለት። ኩሉ እነመሓድሮን ዘሎና ንብረት ይኹን ካልእ ነገራት ህያባት አምላኽ እዩ፥ ንዘሎና ምስካልኦት ክንካፈል ከሎና ምስጋና ኢና ነቕርብ። እዚ ኸአ እዩ መሰረት ንካልኦት ምፍቓር ማለት ካልኦት አብቲ ዝተቐበልካዮ በረኸት አምላኽ ከምዝካፈሉ ምግባር።

አብ መጨረሻ እዚአ ድኻ መበልት ብዝልዓለ ደረጃን ብምልኡን አብ አምላኽ ዘልአ ተአምኖን ጽግዕተኝነት አርእያ። አምላኽ ጥራሕ ጸግዓ ገራ፥ አብቲ ዝነበራ ገንዘብ እምነት ስለ ዘይገበረት ክትህቦ ወላ ሓንቲ ውልውል አይገበረትን። አብ ሕይወትካ/ኪ ካባ ክትፈልዮ ዘይትደሊ ዳርጋ ማሪኹ ግዝኡ ሒዝኳ/ኪ ዘሎ ነገራት አሎካዶ/ሎኪዶ? ካብ እምነትካ ንላዕሊ ዋጋ እትህቦ ነገራት አሎዶ? ዋግኦም ጥቕሞምን ብዘየገድስ ንወትሩ ምሳኻ ክኾኑ እትደልዮም ነገራት አለዉኻዶ? እንታይ እዩ አብቲ ቀንዲ እምነትካ አብ እትገልጸሉ ጊዜ ክትህቦም ወይ ካብኦም ክትፍለ ዘጸግመካ ዘሎ? እዚ አብ ሕልና ነፍስወከፍ ክንሓስብ ዝሕግዘና እዩ። አምላኽን ንብረትን ፈላሊኻ ምርአይ። አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ግዙሓት ዘሎና ንብረትን ክእለትን አተሓሳስባን ከይንኸውን ምጥንቃቕ የድልየና። መንዩ አብ ልበይ ዝገዝእ ዘሎ ኢልና ንርእስና ክንሓትት እዋኑ እዩ።

አብ 1ዘነ 17፡10-16 ዘሎ እንተ ረአና ኤልያስ ነብይ ብአምላኽ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ክኸይድ እሞ አብኡ ምስ ሓንቲ ድኻ መበለት ክቕመጥ ተነጊርዎ። አብ መጀመርያ እታ መበለት ሓንቲ ከምዘይብላ እተን ዘለውአ ቁሩብ ሓርጭን ዘይትን ጥራሕ እምበር ድሕሪኡ ንሳን ወዳን ከምዝመቱ እያ ነጊራ እንተ ኾነ ኤልያስ ነብይ መንፈስ አምላኽ ገሊጽሉ ሓንትስ ንአይ መጀመርያ ሃብኒ እምበር ግብሪ አምላኽ ክትርእዪ ኢኻ ምስ በላ ህረያ ኢላ መጀመርያ ንእኡ ሂባቶ። ሽዑ እቲ ዘይትን ሓሪጭን ብተአምራት እቲ ጥመት ክሳብ ዝሓልፍ አይተወድአን።

እዚአ መበለት ንርእሳን ንወዳን መግቢ ክትሰርሕ ትደሊ ነራ እንተ ኾነ ኤልያስ ካብአ ብዝያዳ ዘድልዮ ምስ ረአየት ክትህቦ ሰጋእ አይበለትን። ነታ ናይ መጨረሻ ዝነበርአ ሓሪጭ ንርእሳን ወዳን ሓዲጋ ሂባቶ በዚ ናይ ገዛእ ርእሳ መስዋዕቲ ገራ በዚ ኸአ አምላኽ አኻዕቢቱ ሂብዋ። ንዓመት ምልኡ ብትአምራት ተሰሰየት።

ቤተ ክርስትያን ሎሚ ካብዚ ናይ ሎሚ ንባባትና ንኻልኦት ክንሕግዝ ናይ ገዛእ ርእስና መስዋዕቲ ክንገብር ከም ዝግብአና ተስተምህረና። አብ ቀዳመይቲ ንባብና ካብ ዕብ 9፡24-28  ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ እንኮን ዘለዓለማውን ሓደ ጊዜ ንሓዋሩን ተሰዊዑ። እሞ ሎሚ አነን ንስኹም ምእንቲ ድኻታት፥ ዘኽታማት ቆልዑ፥ ጎረባብትና ወይ ጽጉማት ኢልና ክነወፍዮ ዘሎና መስዋዕቲ እንታይ አሎ? ገንዘብካ ግዜኻ ምኽርኻ ዘጸናንዕን ዘበራትዕን ሓሳባት ከምቲ ናይ እታ መበለት ሰበይቲ ንኤልያስ ተቐቢላ ዝመገበት ናይተይን ናትካን ሓርጭ ወይ ዘይቲ እዚ እዩ። ስለዚ ክትህቦ አይትጠራጠር፥ ሓንቲ ነፍሲ ከድሕን ይኽእል እዩ።

አብዚ ናይ ገዛእ ርእስና መስዋዕትን ምትብባዕን አብ እንገብረሉ ከም ጸሓፍቲ ከይንኸውን ምጥንቃቕ የድልየና፥ ንሳቶም ብማዕዶ ዝጥምቱ ካብ ዘኽታማትን ድኻታትን ነታ ዘላቶም ዝምንጭቱ በቲ እቶም ድኻታት ዝገብርሎም ዕድልት ተጠቒሞም ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕምን ሃብትን ዝድልቡ ከይንኸውን ንጠንቀቒ። አብ ብዙሓት ሃይማኖታት ብስም ድኻታት ኢልካ ዝልመን መራሕቲ አብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ዘውዕሉ ውሑዳት አይኮኑን። ናይ አፍርቂ ድኻታት ቆልዑት ስእልታት እናአርአዩ ዝሃብተሙ ውሑዳት አይኮኑ ይምሓረና ዘብል እዩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ብፍላይ አብ ዘመሓድርዎ ገንዘብ እሙናት ክኾኑ ይግባእ። ንድኻታት ካብቲ ዘለውዎ ድኽነት ከመይ ገሮም ከምዝወጽኡ ድአ ክንገብር አሎና እምበር ዝገደደ ድኽነት ከም ዝወርዶም ከይንገብር ምጥንቃቕ የድልየና። ናይ ሓገዝ ማሕበራት እናተባህለ ዝግበር ብስም ድኻታት ንገዛእ ርእስኻ አብ ምህብታም ምጉያይ እዩ። አብ ሃገርና አብ ጊዜ ደርግ ብርኡይ እንርእዮ ዝነበርና እዩ። ብሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾና ክንስሓሉ ዘሎና ብዙሕ ጌጋታት ነሩ እዩ። ሎሚኸ ከመሎና ንድኻታትን ንመበለታትን እንምንጭት ዲና ወይስ ብአኦም እንግደስ? አብ ሕልና ዝተመስረተ መልሲ ክንህብ ይግብእ። ሕጂ እውን ዓይነት ድአ ቀይሩ ይኸውን እምበር ንድኻ ዝዕምጽ ዳርጋ ከይበላዕካ ንበር ዝብል አገባብ ንኹሉ ከቢድዎ አሎ።

አምላኽ ክንጠሚ ክንጭነቕ አይደልን እዩ፥ ካብ ባርነት ኃጢአት ብደም ክርስቶስ ሓራ ወጺእና ኢና። እዚ ሓርነት ከይግሃስ ከይጠፍእ ኩልና ክንሕልዎን ክንከላኸለኡን አሎና። ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ይኹኑ ናይ ፖሎቲካ ነጻነት ሰብ ብዝያዳ ከተግብሩ እምበር ክዕፍኑ ወይ ክዕምጹ አይ ኮኑን መራሕቲ ዝኾኑ። መራሒ ነቲ ብአምላኽ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክመርሕ እዩ ጸዋዕትኡ ካብኡ ምስ ዝወጽእ ህዝቢ ዓገብ ክብሎ መሰሉ እዩ።

አብ ሕይወት ፍርሃት ምሽቑራር አብ ዝበዝሓሉ ጊዜ ናይ ፈተና ጊዜ እዩ። አብ አምላኽ ምሉእ እምነተ ገርና ክንጉዓዝ ይግባእ። ጽንኩር እዋን ዝመስል ብዝያዳ አብ አምላኽ ዘቕርበና እዩ። አብ መጽሓፍ ጦቢት 12፡8-9 ወርቂ ካብ ምእካብ ምጽዋት ምሃብ ይበልጽ. . . እቶም ንድኻታት ምጽዋት ዚህቡ ምሉእ ሕይወት ኪረክቡ እዮም” ይብል። አምላኽ እቲ ዝለዓለ ሓላይና እዩ (ዘፍ 22፡14)፥ ቅ. ጳውሎስ አብ ፊልጵ 4፡19 አምላኽ ከአ ድሌትኩም ዘበለ ኹሉ ከም መጠን ሃብቱ ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ብኽብሩ ኺመልአኩም እዩ” እናበለ አምላኽ ዘድልየናን ከመይ ገርን ክንረኽቦ ከም እንኽእል ይፈልጥ እዩ። እታ ሓንቲ ክንገብራ ዘሎና አብኡ ምሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ።

በዚ ብሩክ ሰንበት ዘመነ ጽጌ አብ እንዛዝመሉ ዘሎና እምብር መጀመርያ ነቲ ኹሉ አምላኽ ዝሃበና ጸጋትት ርኢና አብ አገልግሎት አምላኽን ጥቕም አሕዋትናን ክንውዕል ከም ዘሎና ብዝያዳ ክንሓስብ። አሰር ማርያም ተኸቲልና መገዲ ድሕነትን ቅድስናን ተጓዒዝና ኢና እሞ ነቲ ኹሉ አምላኽ ዝገበረልና ነፍሰይ ንአምላኽ ተዕብዮ እናበልና መዝሙር ውዳሴ ክንዝምር ይግብአን። ኦ ማርያም አደ አምላኽ ሎሚ እውን ወድኺ ዝደልዮ ክንገብር ለምንልና ንበላ።

ብሩኽ ሰንበት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ     

10 November 2018, 18:39