ድለ

ንዝዕብልል ዘሎ ናይ ምጥፍፋእን ብደገ ጥራይ ዘብለጭልጭ ባህሊ ወጊድ ንበሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2018 ዓም ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓመት መጸ በዚ ዕለት’ዚ ዝገብርዎ ምእንቲ እቶም ሎሚ ካብ’ዚ ዓለም’ዚ ብሞት ምእንቲ ዝተፈልዩ ካርዲናላትን ጳጳሳትን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንምሳሌ ዓሠርተ ደናግል መበገሲ ብምግባር መወዳእታ ናይ ሕይወትና ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ኢልና ነቲ ዝመጽእ መርዓዊ ክንቅበል ምብጋስ እዩ እንክብሉ ሰቢኾም። እዚ ብምሳሌ ቀሪቡ ዘሎ መርዓዊ ከኣ እቲ ንቤተክርስትያን ብዙሕ ዘፍቀራን ስለኣ ሕይወቱ በጃ ዝሃበን ገንሸል ኮይኑ ዳግም ብሓይልን ሥልጣንን ክመጽእ እንከሎ ንምቅባሉ ክንሰናዶ ከምዘሎና እውን ኣዘኻኺሮም። ካብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ዓሚ ዕለት 2 ጥቅምቲ ክሳብ ሎምዘመን ዝሞቱ ካርዲናላት 9 ጳጳሳት ከኣ 154 ምዃኖም እውን ተመልኪቱ።

ንመርዓዊ ንክትቅበል ምውጻእ!

እዛ ምውጻእ ትብል ቃል ቅዱስነቶም ብዙሕ ግዜ ዝደጋግምዋ ኮይና ጻውዒት ናይ ኩልና ምዃኑ መጀመርያ ካብታ ማሚቚና እንነብረላ ማሕጸን ኣዲና ወጺእና ሓዲስ ሕይወት እንክንጅምር ቀጺልና ዓቢና ክንዲ ሰብ ኣኺልና ካብቲ ሓንቂቅና ዝዓበናሉ ገዛ ወጺእና ርእስና ክኢልና ክነብር ክንቃለስ ካብ ሕጻንነት ወጺእካ ናብ ጉብዝና ካብ ጉብዝና ናብ ብስለትን ቊምነገርን ኣብ ምወዳእታ ከኣ ዕለት ኣኺሉ ካብዛ ዓለም ምውጻእ በብሓደ ምስ ዘርዘሩ ነቶም ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝዘከርዎም ጳጳሳትን ካርዲናላትን ከም ኩሎም ውሉደ ክህነት ካብ ቤትኣቦኦም ወጺኦም ቤተክርስትያን ኣብ ዝለኣኸቶም እናኸዱ ንካልኣት ኣብ ምግልጋል ዝተጸምዱ ምንባሮም ገሊጾም። እቲ ናይ መወዳእታ ከም ኩሎም ኣገልግሎቶምን ተልእኮኦምን ፈጺሞም ንመርዓዊ ክቅበሉ ካብዚ ዓለም ወጺኦም። እነሆ እምበር ንምንታን ክትነብር ከምዘሎካ ኣብ መወዳእታ ከምቲ ነተን ደቂሰን ዝነበራ ደናግል መርዓዊ መጺኡ ሃየ ንምቃባሉ ውጻ ዝተባህላ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ግዜ ሞት ተሰናዲኻ ብምልኣት ንጐይታ ምቅባል ምሳኡ ምርኻብ እዩ። እንክብሉ ሰቢኾም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
03 November 2018, 16:58