ድለ

መልእኽቲ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም መልእኽቲ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም 

መልእኽቲ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም

እቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ፕሮተስታን ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ መልእኽቲ፥ ታሪኽ ጸኣት ስደተይናታት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዳህሲሱ ብምትንታን፡ ኣብቲ እዋን ልዕሊ 9.5 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ክምዛበልን ክስደድን ከምዝደረኸን፡ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ምስዳድ ከምዝነበረን፡ ሎሚ በንጻሩ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዝ ስደተይና ጉዳይ ጠቒሱ፡

ዕለት 11 ሕዳር 1918 ዓ.ም. ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘብቅዓሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ዘተፈላለዩ ሰላም ዘነቓሑን ውግእን ወረ ውግእን ክውገድ ዝጽውዑ ባህላውን መንፈሳውን መደባት ይካየዱ ምህላዎምን፡ ኣብ ኤውሮጳ ናይ መላእ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ ኣብ ሲዊዘርላንድ ከተማ ባሲለያ ኣብ ውርሒ መስከረም ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዉ ጠቕላሊ ጉባኤ ዘሰናደዎ ናይ ሓባር መግለጺ ዕለት 11 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ መላእ ኤውሮጳ ናይ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ፍጻሜ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ሃገራት ኤውሮጳን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምልስ ቢለን ናይ ሕልና መርመራ ዝገብራሉን ሰላም ዘተባብዕን ዘረጋግጽን መደባት ብምዝርጋሕ ሰላም ከነቓቕሓን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ምስ ተኸስተ ደው ንኽብል ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ብዓንተውኡ ከይኽሰት ዝድግፍ ናይ ቀዲምካ ምጥንቃቕ መዳባት ምንቕቓሕ ዘለዎ ኣገዳስንት ክሕብራ የመልክት።

ምስ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምትእስሳር ዘለዎ ብድሆ

ፕሮተስታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ እዋናዊ ዓለም ኵነት ፖለቲካ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ኣፍልጦ ኣለወን፡ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተለዓዒሎም ዝነበሩ፡ ሕቶታትን ብድሆታትን ብቑዕ መልሲ ከምዘይረኸቡን ክምዘይተሰገሩን ዘመላኽት ሳዕቤን ሎሚ እውን ዝረአይ ምዃኑ ኣብቲ መልእኽቲ ተገሊጹ ኣሎ።

ሓላፍነት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም

እቲ ዝሓለፈ ውግእ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሰን ክምርምራን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብኽፍኣተይ ክብላ ዝድርኸንን ካብኡ ሓሊፍ እውን ጸረ እቲ ውግእ ዝድግፍን ውግእን ወረ ውግእን ዝጻረር ርእይቶ ካብ ምቕራብ ተቖጢበንን፡ ነቲ ውግእ ንዘለዓዕል ርእየት ፖለቲካ ብምድጋፍ ካብኡ ሓሊፉ እውን ቲዮልጊያዊ ምኽንያት ከምዘለዎ ዘምስል ርእዮተ ኣቕሪበን ድየን ኣየቕረባን ምልስ ቢለን ታሪኻዊ ሕልና ገይረን ውሽጠን ክምርምራን ናይ ኤውሮጳ ናይ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ኣብ መልእኽቱ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ሎሚ እውን መሰልን ክብርን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ሕቶ ዘእትው ጉዳይ ብፍላይ ከኣ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ምብራቓዊ ከባቢ ሃገራት ኤውሮጳ ዝቕላቐል ሓደጋ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ውሁዳን ይኹን ብዙሓን ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበርን ማንም ኣብ ልዕሊ ማንም ጸቕጢ ከይከውንን ባህላውን ሃይማኖታውን መሰል ክኽበር ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ተጊሄን ክዓይያ እቲ ጉባኤ ናይ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ መልእክቲ የተሓሳስብ።

ሃገራት ኤውሮጳ ዛዕባ መሰልን ክብርን ስደተይናታት ናይ ሓባር ፖለቲካ ክህልወን

እቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ፕሮተስታን ኣቢያተ ክርስቲያን ሱታፌ መልእኽቲ፥ ታሪኽ ጸኣት ስደተይናታት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዳህሲሱ ብምትንታን፡ ኣብቲ እዋን ልዕሊ 9.5 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ክምዛበልን ክስደድን ከምዝደረኸን፡ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ምስዳድ ከምዝነበረን፡ ሎሚ በንጻሩ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዝ ስደተይና ጉዳይ ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝግደስ ኤውሮጳዊ ፖሊቲካ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ፡ ካብቶም ብዙሓት ካብ ደቡባዊ ዓለም ክስደዱ ዝድርኹ ምኽንያት ሓደ ናይ ኤውሮጳ ኤኮኖሚ እውን ከምዝዀነን፡ ናይ ሕርሻን ንግድን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ጉዳይ ዝምልከት ኤኮኖሚ ብፍላይ ኣብቲ መልእኽቲ ጠቒሱ፡ እቶም ንስደትን ንምዝብልናን ዝዳርጉ ምኽንያት ኣብ ምፍታሕ ዝተግህ ኤውሮጳዊ ድላይን ፖለቲካን እውን ኣገዳሲ እዩ ይብል። ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሰላምን ዕርቅን ደሞክራስን ስርዓትን ሕግን ናይ ምንባርን ምኽባር ባህሊብምስፋሕ ከምዝተግሃ እውን ብምዝኽኻር፡ እዚ ኩሉ ናይ ጸሎት ሓሳብ እውን ክምዝገብረኦ ይገልጽ።

መልእኽቲ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም

 

12 November 2018, 16:41