ድለ

ፑቾ ካፓና, ከባቢ  1330 ፑቾ ካፓና, ከባቢ 1330   (© Musei Vaticani)

፩ያ ሰንበት ዘጽጌ 27 መስከረም 2011 ዓ.ም. (10/07/18) ማርያም አደ ስድራ።

መዝሙር ትዌድሶ መርዓት እንዘ ትብል ነዐ ወልድ እኁየ ንፃእ ሐቅለ. “መርዓት ንመርዓዊ እናወደሰት ኦ ሓወይ ንዓ ንግዳም ንውጻእ እሞ ወይንን ሮማንን ፈርዩ እንተሎ ንርአይ፥ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝሸለመ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘጌጸ። ንሱ ሓደ ወዱ ጎይታ ሰንበት እዩ። መርዓት ኦ ሓወይ ቃልካ ጥዑም እናበለት ትውድሶ”።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ንባባት፡ ዕብ 2፡9-11፥ ራእ 21፡1-9፥ ግ.ሓ. 15፡22-ፍ፥ ማር 10:2-16። ምስባክ፡1.  ፍሬ ጻማከ ተሤሠይ፥ ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ፥ ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሓ ቤተከ። “ዕዮ አእዳውካ ዘፍረዮ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብፁዕ ኢኻ፥ መነባብሮኻ ኹሉ ኸአ ኺባረኽ እዩ፥ ሰበይትኻ አብ ውሽጢ ቤትካ ከም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን እያ” መዝ. 128፡2-3። 2.  እስመ ፈተወ ንጉሥ ስነኪ፥ እስመ ውእቱ እግዚእኪ፥ ወይሰግዳ ሎቱ አዋልደ ጢሮስ በአምኃ። “ብመልክዕኪ ንጉሥ ክፈትወኪ እዩ፥ ንሱ ጎይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ፥ ሕዝቢ ጢሮስ ገጽ በረኸት ኬምጽኡልኪ እዮም” መዝ. 45፡11።

አብ ናይ ግዕዝ አቆጻጽራ ዘሎናዮ እዋን ካልአይ ክፍሊ ዓመት እዩ መጽው ይብሃል፥

ካብ 26 መስከረም - 25 ታሕሣሥ ዘሎ እዩ። አብኡ ፫ ንኡሳን አዝማን ይርከቡ፡

1. ዘጽጌ፥ 6 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ብ፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ይፍለጥ።

2. ዘአስተምህሮ 5 ሰናብቲ ዝሓዘ  ዘወረደ፥ ዘቅድስት፥ ዘምኵራብ ዘመጻጉዕ፥ ዘደብረ ዘይት።   

3. ዘስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል 3 ሰናብቲ ዝሓዘ፡  ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ።

ዘመነ ጽጌ እምብአር ፮ ሰናብቲ ዝኀዘ እዩ። አብዚ እዋን ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ብአምሳል ርክብ መርዓትን መርዓውን ነቲ አብ መኀልየ መኅልይ “ንወዲ ኀወይ. . . . . መርዓት ትውድሶ” ዝብል መሰረት ገሩ ንምሕረት አምላኽ ይገልጽ። ሎሚ እውን አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ርክብ ክፈጥር ይደሊ አሎ። እንተ ቐረብናዮ አብ ሕይወትና ተሓድሶን ለውጥን ክገጥመና እዩ ብፍላይ ዕድመ አምላኽ እንተ አኽበርና ጸጋን በረኸትን አብ ሕይወትና ይህበና ስለዚ ዕድሚኡ አኽቢርና አብኡ ንቕረብ።

ዘመነ ጽጌ ብፍሉይ እውን ንማርያም ዝውሃብ ጊዜ እዩ። ማርያም ምስ አምላኽ አብዚ ዓለም እንከላ እትኽተሎ ዝነበረት ሕይወት እናገለጸ ዕብየት ማርያም ክነስተንትን ፍሉይ ጊዜ ይኸፍተልና። ሓደ ካብቲ ንማርያም ክብሪ ዝህባ ንዕድመ አምላኽ ሕራይ ምባላ እያ። ማርያም ሎሚ እውን ንሕና ደቃ ነቲ አምላኽ ዘቕርበልና አሰራ ተኸቲልና ሕራይ ክንብል እዩ። ካባይ እንታይ ይደሊ አምላኽ፦ ምስ ሓወይ ክዕረቕ፥ ንጽጉም ክሕግዝ፥ ንሕሙም ክበጽሕ፥ አብ ሓዳረይ ካባይ እንታይ ይደሊ ኢልና ንሕሹኽታ አምላኽ መልሲ ክንህብ ንሕተት አሎና።

አብ መዝሙር ናይ ሎሚ ሰንበት “መርዓት ንመርዓዊ እናወደሰት ኦ ሓወይ ንዓ ንግዳም ንውጻእ እሞ ወይንን ሮማንን ፈርዩ እንተሎ ንርአይ፥ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝሸለመ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘጌጸ። ንሱ ሓደ ወዱ ጎይታ ሰንበት እዩ። መርዓት ኦ ሓወይ ቃልካ ጥዑም እናበለት ትውድሶ”።

ናይ ሎሚ መዝሙር አብ መንጎ ክልተ ሰብ ሓዳር ክህሉ ዝግብኦ ርክብ እናገለጸ አብ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተመስረተ ክኸውን ከም ዝግባእ ይነግር። አስተንትኖና አብዚ መሰረት ገርና ብዛዕባ ቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን ክነስተንትን እዋናዊ እዩ፥ ምኽንያቱ ክልቲኡ አብ ፍቕሪ ክምስረት እንከሎ ጽኑዕ መስረት ደቂ ሰብ እዩ ዝርከብ። ከምኡ አብዚ እዋን አብ ቫቲካን ብጹአን ጳጳሳት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ካብ ጥቅምቲ 3-28 2018 ሲንዶስ ብዛዕባ መንእሰያት ይካየድ አሎ እዚ ኸአ ንጸዋዕታ ብዝምልከት አስፊሑ ከጽንዕን ክርእን እዩ፥ ጸዋዕታ ክብሃል እንከሎ ብዙሕ ጊዜ አብ ክህነታዊ ምንኪስናዊ ወይ ገዳማዊ ሕይወት ጥራሕ ገርና ክንግምቶ አይግባእን፥ ኪዳናዊ ሕይወት ሓደ ካብቲ አምላኽ ዝሰርዖ ቅዱስ ጸዋዕታ ምኻኑ ክንዝንግዕ የብልናን።  

ዘሎናዮ ዘመን ነቲ አምላኽ ዝፈጠሮ ርክብ ሰብአይን ሰበይትን ከምኡ መልክዕን ትርጉምን ስድራ ቀይሩ ሓዲስ መልክዕ ከልብስ ዝቃለስ ዘሎ ምዃኑ ኢና እንርኢ። ንቡር ተፈጥሮና ዘይናቱ ክነልብሶ ነቲ አምላኽ ብሂጉ ዝሃበና ተፈጥሮ ጨሪሹ ጠፊኡ ካልእ ዘይተዋህበካ ምድላይ ናይ ዘመና ፋሽን እዩ። 

አብ ኦሪት ዘፍጥረት 2፡18-24 ብዛዕባ ፍጥረት ሰብአይን ሰብይትን ነንብብብ። እግዚአብሔር ንአዳም ክሳብ ካልአይቲ ብጸይቲ መጻምዱ ዝፈጥረሉ ተፈጥርኡ ምሉእ አይነበረን። ስለዚ “ሰብአይ በይኑ ኺነብር ጽቡቕ አይኮነን” (ዘፍ 2፡18) ክብል እንከሎ ሰብአይ ብጸይቲ ክትህልዎ ድላይ አምላኽ እዩ። አዳም ንሔዋን ምስ ረአያ “እዚአ ዓጽሚ ካብ አዕጽምተይ ሥጋይ ከአ ካብ ሥጋይ እያ” እናበለ ተቐቢልዋ እዚ ኹሉ ዝሕብሮ ክልቲኦም አብ ነነድሕዶም ክደላለዩ ተፈጥራዊ ውህበቶም እዩ። ተፈጥሮ አዳም ምሉእ ዝኾነ ሔዋን ምስ ተፈጥረት እዩ። ስለዚ ሰብአይን ሰበይትን ገሩ ፈጠሮም ክብል እንከሎ ድላይ አምላኽ ክልተ ጾታ እምበር ኻልእ ከምዘይ ኮነ እንርኢ። ሰብ ከአ ድላይ አምላኽ ክገብር እዩ ተፈጢሩ እምበር ንድላይ አምላኽ ክቕይር አይተፈጥረን። መልክዕ ሰብ ድላይ አምላኽ ምፍጻምን በቲ ንሱ ዝሃቦ ምምራሕን እዩ። ጓና ሓሳብን መገድን ከእቱ እንተ ጀመረ ካብ አምላኽ ምሽፋት ጀሚሩ አሎ ማለት እዩ። ዘመና ምሽፋትን አልቦ አምላኽ በዚሕዎ ክሕመስ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ።

አምላኽ ሰብአይን ሰበትን ብሓደ ክነብሩ ፈጢርዎም “ሰብአይ አቡኡን አዲኡን ይኃድግ ምስ ሰበይቱ ኸአ ይወሓሃሃድ፥ ሓደ አካል ድማ ይኾኑ”፡ (ዘፍ 2፡24)፥ እዚ ሓድነት ሰብአይን ሰበይትን  መሰረት ናይ ሕብረተ ሰብ እውን እዩ። ሓደ ምዃን ንሰብ ሰላም ፍቕሪ ኵሉ ይህቦ። አብ ሓደ ክጥርነፍ እንከሎ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ክገብር ይኽእል። ናይ እዚ ኹሉ ሓድነት አብ ሰብ ኪዳን እያ እትጅምር። ሰብአይን ሰበይትን አብ ኪዳኖም ስኒት ፍቕሪ ሓድነት ክስእኑ ከለዉ እዞም  ዝስዕብ ይጉድኡ፡

  • ክልተ ሰብ ኪዳን ይጉድኡ። አብ ነነድሕዶም ክጠቓቐሙ ዝተፈጥሩ ይፈላለዩ ሽዑ ኩሉ ሳዕቤናት ምፍልላይ ይወርዶም። ብጥዕንኦም፥ ብመንፈሳዊ ሕይወቶም፥ ማሕበራዊ ሕይወቶም፥ ስነ አእምራውን አካላውን ጽገም ይወርዶም። አብ ነነድሕዶም ክመላልኡ ዝግብኦም ጎደሎ ኮይኖም ይነብሩ። ምፍልላዮም ብኹሉ ሥጋውን መነፈሳውን ነገራት ይጎድኦም።
  • ቆልዑቶም ይጉድኡ። እቶም ናይ ክልቲኦም ፍረ ዝኾኑ ደቆም ይጉድኡ። ፍቕሪ ሰላም ሓልዮት ክሰንቁ ዝግብኦም ቆልዑት ብስንኪ ወለዶም ይሳቐዩ። አብ ሕይወቶም እውን ዓቢ ስንብራት ይሓድገሎም። አብ ፍቕሪ ዝጎደሎ ስድራ ዝዓብዩ ቆልዑት “ምስ መዕበያኻ ጥፋእ” እናተባህሉ እቲ ዝገብርዎ ሕማቕ ነገር ብሰንኪ ወለዶምን ዘዕብይዎምን ከምዝኾነ አብ ባህልና እውን ንገልጾ ኢና። አብ ሃገርና ንዝኾነ ቍምነገር ዝሓስብ ሰብ መጀመርያ እቲ ግለሰብ ዘይኮነ ኵነታት ወልዱ እዩ ዝሕተት ምኽንያቱ ኵሉ ጽቡቕና ሕማቕና ካብ ወለድና ስለ እንወስዶ። ወለዲ እምብአር ምእንቲ ደቆም ኢሎም ንኹሉ ክጾሩ ይግባእ።
  • ሕብረተሰብ ይጉዳእ። ፍቕሪ ዝጎደላ ስድራ አብ ሕብረተሰብ እውን ጸገማት እያ እትፈጥር። ስነስርዓትን ጽቡቕ መዕበያ ዝጎደሎ ሕጻን ምስ ዓበየ አብ ሕብረተሰብ ዓቢ ጸገም እዩ ዝኸውን። ጥዕና ሕብረተሰብ ካብ ስድራ እዩ ዝጅምር። ስድራታት አብ መዕበያ ደቆም ክሕገዙ ይግባእ። ሕብረተ ሰብ ሓላፍነት ለቢሱ ንደቁ ብፈሪሃ አምላኽን አኽብሮት ሰብን ከዕቢ እንከሎ ጥራሕ እዩ ሰብ ሰላምን ምዕባሌን ብዝያዳ ዘነግስ።

ሎሚ ልዕሊ ኹሉ ዝዋረድን ዝድፈርን ዘሎ እሞ ክልተ መሰረት ሰብአውነት ዝኾኑ፥ ቃል ኪዳናዊ ሕይወትን፥ ስድራን እዮም። ቃል ኪዳንን ስድራን ክጉድኡ ወይ ዘይመልክዖም ክለብሱ እንከለዉ ሳዕቤናቱ ፍቕሪ ይጎድል፥ ሓድነት ይምህንን ብሓጺሩ ሕይወት ደቂ ሰብ ይጉዳእ። ቃል ኪዳን ክልተ ተራ እዩ ዘለዎ ንሰብ ክልተ ሰብ ኪዳን ጥቕምን ሓገዝን አልኦ ከምኡ ውሉድ ብምሃብ ንቐጻልነት ሕብረተ ሰብ የረጋግጽ። ሰብ ኪዳን እንተ ዘየለዉ ሕብረተሰብ የለን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ዝብልዎ “ስድራ ቤት ናይ ተስፋ ፋብሪካ እያ”።

ስድራ መሰረት ኩሉ ስለ ዝኾነ ብቀዳምነትን ሰሪዕና ክነብር ይግባእ፥ ከምቲ ክርስቶስ ብሞቱ ፍቕሩ ገሊጹ አሕዋቱ ዝገበረና ንሕና እውን አብ ነነድሕድና እነርእዮ ፍቕሪ አብቲ አብ መላእ ሕብረተሰብ ዘሎና ፍቕሪ ዝዓለመ ኮይኑ ንድላይ አምላኽ ክንፍጽም ወትሩ ስንድዋት ክንከውን ይግብአና።

ዝተነበ ወንጌል ካብ ማር 10፡2-16 ናይ ቃል ኪዳን ቅዱስ ከምዝኾነ ክገልጽ እንከሎ ምስቲ አብ ዘፍ 2፡18-24 ዘሎ አተሓሒዙ ይነግረና። ቃል ኪዳን (መርዓ) ህያብን ናይ አምላኽ ስራሕ ስለ ዝኾነ ክፍቀርን ብኽብሪ ክትሓዝን ይግብኦ። ብርግጽ ቃል ኪዳን ናቱ ጸገምን ፈተናን አልኦ እንተ ኾነ ንኹሉ ክንስዕሮ ጸጋ አምላኽ የድልየና፥ አምላኽ ስለ ዝኾነ ዋንኡ አብ አምላኽ ክነጸግዖ እንከሎና ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ትርጉሙ ሒዙ ዝጉዓዝ። ኪዳናዊ ጸገማት መጀመርያ ፈሪሃ አምላኽ መሰረት ገርካ ምርአዮም የድሊ ድሕሪኡ ንምሕረት ንዕርቂ ስንድውን ንጽቡቕ ነገር ክፉት ልቢ ሒዝካ ምንባር ይግባእ። 

ብዙሓት አብዚ እዋና አብ ቃል ኪዳኖም ከቢድ ጸገማት ወይ እዋን ፈተና ምስ ተጓነፎም አብ ፍትሕ ይቀዳደሙ። ብዙሓት ስድራታት ተበታቲነን ክትርኢ ብሓቂ ዘጉሂ እዩ። አብ ገለ ቦታታት ልዕሊ ፍርቂ ቃልኪዳን ዝፈትሑ እዮም። አብ ሕብረተ ሰብና እውን እዚ ጸገም እዚ እናዓበየ ይኸይድ አሎ። ሰብ ዋና ኪዳኑ ባዕሉ ኮይኑ ንአምላኽ ቦትኡ አሕዲግዎ ይርከብ።

ክልተ ዓይነት ፍትሕ አሎ፡

  • ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን አብ ቤት ፍርዲ ከይዶም ሓንሳብን ንዘለዓለምን ኪዳኖም ዝብትኑ። እዚኦም ሲቪላዊ ሕጊ ብዝሃቦም ውሳኔ ይፋትሑ መብዝሕትኡ ነዚ አገባብ ይኽተል።
  • ክልተ ሰብ ኪዳን ንስሙ ብሓንሳብ አብ ሓደ ገዛ ይነብሩ እንተ ኾነ ብውሽጦም ዝተፈላለየ ሕይወት ይነብሩ። እዚ ኸአ ዝኸፍአ ሕይወት እዩ።

እዚ ኾይኑ እቲ ክልቲኡ ዓይነት ፍትሕ ንፍቕሪ ንአምላኽ ካብ ሕይወቶም ስለ ዘውጽአ ዓቢ ጉድአት እዩ። ፍትሕ ፍታሕ አይኮነን። ምናልባት ንግዚኡ ጽቡቕ ኮይኑ ይርአዮም ይኸውን እንተ ኾነ ቃል ኪዳን ክብተን ክፍታሕ ካብ መጀመርያ ድላይ አምላኽ አይኮነን። ስለዚ “ሰብአይ አቡኡን አዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ኸአ ይወሃድ፥ክልቲኦም ድማ ሓደ አካል ይኾኑ፡ ስለዚ ድማ ሓደ አካል እዮም እምበር ክልተ አይኮኑን። እምብአርከስ ነቲ አምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ አይፍለዮ” (ማር 10፡6-9)።

መብዝሕትኦም እቶም ዝተፋትሑ ናይ አእምሮ ሰላም ወይ ቅሳነት አይረኽቡን እዮም። ካልአይ ጊዜ እንተ ተመርዓዉ እውን ብዙሓት አይ ዕወቱን እዮም። በዚ እዩ ብዙሓት ንግሆ ንጋሆ ዝፋትሑ። ዝፋትሑ ብህዱእ መንፈስ ንጸገማቶም ስለ ዘይዋስኡ አብ ምፍልላይ ይቀዳደሙ ህድእ ኢልካ እናተመሓሓርካ ሰላም ምግባር ምሐሸ። አነ ዝበልክዎ ንአይ ይጥዓመኒ እንተ ኾነ ሳዕቤኑ ምብትታን እዩ ብግድን ሕድገትን ምሕረትን ክህሉ ይግባእ።

ልዕሊ ኹሉ ቃል ኪዳን ቅዱስ ምስጢር እምበር ድላይካ እትገብሮ አይኮነን። ቅድሚ ቃል ኪዳን መንፈሳውን ስንአእምራውን አካላውን ብስለት የድሊ ሓንሳብ ምስ አቶኻዮ ኸአ ነቲ ዝአቶኻዮ ምጉሳይ የድሊ። 

አምላኽ ጸግኡ ከብዝሕ እናለመና ንዅሎም አብ ኪዳን ዝነብሩ ከምኡ ስድራታት ክባርኽ በዚ ቡርኽ ሰንበት ንጸሊ። ማርያም አደና ጸሎታን ረድአታን አይፈለየና።

07 October 2018, 18:39