ድለ

ኣብ ኤመሪት ዓረብ፥ ርክብ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣብ ኤመሪት ዓረብ፥ ርክብ ካቶሊካውያን መንእሰያት  

ኣብ ኤመረት ዓረብ፥ ርክብ ካቶሊካውያን መንእሰያት

ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ መንእሰይ ዝርከበሉ ኵነት ተረኺባ ጽን ክትብሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒትን በዚ ምኽንያት’ዚ እውን እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎን ዝካየድ ዘሎን ሲኖዶስ ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ብፁዕነቶም ገሊጾም፡ ነቶም ጽንኩር ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዓለም ንዝነብሩ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣብ እምነት ንምጽናዕ

ምስቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ መንእሰያት ዝዝትይ ሓፈሻዊ መበል 15 መደበይና ሲኖዶስ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት 26 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ዓውደ ጉብኤ ካቶሊካውያን መንእሰያት ተቐማጦ ኣብ ሃገራት ኤሚሪት ዓረብ ይካየድ ምህላዉ ኣብ ኤመራት ዓረብ ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብዛዕባ እዚ ኣብ ኤመራት ዓረብ ዝርከቡ ካቶሊካውያን መንእሰያት ዘካይድዎ ዘለዉ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ነውስ ቃለ ምሕትት ዘካየዱ ኣብ ኦማንን ክዋይትን ኤመሪት ዓረብን የመንን ዘጠቓልል ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሂንደር፥ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብቲ ደቡባዊ ከባቢ ሃገራት ዓረብ ዝርከቡ ካቶሊካዊያን መንእሰያት ኣሳቲፉ ኣብ ራስ ኣል ካይማሕ  ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘፓዶቫ ዝካየድ ምዃኑ ሓቢሮም።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስማዕ መንእሰያት

ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ መንእሰይ ዝርከበሉ ኵነት ተረኺባ ጽን ክትብሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒትን በዚ ምኽንያት’ዚ እውን እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎን ዝካየድ ዘሎን ሲኖዶስ ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ብፁዕነቶም ገሊጾም፡ ነቶም ጽንኩር ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዓለም ንዝነብሩ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣብ እምነት ንምጽናዕን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኖም ኰይና ጸገሞም ጸገማ ገይራ ኣብ እምነት ክትመርሖም ሕድ ሕዳዊ ርክብ ኣብ መንጐኦም ክህሉ ዘተባብዕ እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሕጂ ማለት ኣብ2009 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ ቀዳማይ ናይ ካቶሊካውያን መንእሰያት ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዱባይ ተኻይዱ ከምዝነበረን፡ ኣብ 2012 ዓ.ም. ከኣ ኣብ  ኣቡ ዳቢ እውን ምክያዱ ኣዘኻኺሮም፡ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሮም፡

ኣዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ 2018 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ካቶሊካውያን መንእሰያት፡ ነቲ ካብ 22 ክሳብ 27 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፓናማ “ማርያም ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” (ሉቃ. 1. 30) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣስተንፍሶ ዝገብረ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ሂንደር ገሊጾም፡ ነዞም መንእሰያት ኣይትፍርሑ ንምባልን ኣብ እምነት ዝርከብ ፍቕርን ሓጐስን ሰላምን ዘበስሩ ክዀኑ ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤመሪት ዓረብ፥ ርክብ ካቶሊካውያን መንእሰያት
26 October 2018, 17:09