ድለ

2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 2018.09.06 ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

ሰንበት ዘአብርሃም ነሓሰ 27 2010 ዓ.ም. ( 9/2/2018)

ምስባክ፡ ወሓመልማለ ለቅኔ እጓለ እምኅያው፥ ዘይህቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ፥ ወለዕጓለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። “ሓምላይ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ፥ ሣዕሪ ንእንስሳ የብቍል፥ ንዝጽውዕዎ ጨቓውቲ ኳዃት ከአ መግቢ ይህቦም” መዝ. 147፡8-9። ንባባት፡ ዕብ 6፡9-ፍ፥ ያዕ፡ 1፡17-27፥ ግ.ሓ. 7፡1-10፥ ማር 7፡1-23።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

መዝሙር፡ ሰንበት ትዓቢ እምኵሉ ዕለት. . . ሰንበት ካብ ኩሉ ዕለታት ትዓቢ ሰብ ከአ ካብ ኩሉ ፍጥረት ይኸብር፥ ኖኃ አብ ውሽጢ ታቦት እንከሎ አዕበያ፥ አብርሃም አብ ቅድሚ ምስዋዕ አኽበራ፥ ሙሴ ንሰንበት አብ ሰፈር ብጽድቂ ከኽብርዋ አዘዞም። ጎይታ ንደመናታት አብ ብምድሪ ብመዓልቲ ሰንበት ዝናም ከውርዱ አዘዞም፥ ሰንበት ካብ ኩሉ ዕለታት ትዓቢ ሰብ ከአ ከብ ኩሎም ፍጥረት ይኸብር።

እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመን ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ዘመነ ክረምቲ ኢልና እንጽውዖ ኮይኑ ስሙ ከም ዝሕብሮ ካብ ቋንቋ ግዕዝ ዝመጸ ካብ ከርመ ዝብል ዝመጸ እዩ። ትርጉሙ ወርኃት ዝናም፥ ነጎድጓድ፥ ዘመነ ባሕር፥ ዘመነ አፍላግ፥ ዘመነ ጠል፥ ዘመን ደመና፥ ዘመነ መብረቅ ማለት እዩ። ነቲ አብ እዋናት ክረምት ዝገጥም ባህርያዊ ነገራት ብምዕዛብ ምስ መንፈሳዊ ሕይወት አተሓሒዙ ክነስተንትኖ ይሕግዘና። አብ ባሕርያዊ ነገራት ምሕረትን ፍቕሪ አምላኽን ርኢኻ ምኽአል። አብ ጽባቔ ተፈጥሮ ብምዕዛብ ነቲ ከአል ኩሉ አምላኽ ዕብየቱን ክእለቱን ተዓዚብካ ክተመስግን ምኽአል ንአና ንደቂ ሰብ አብ አምላኽ ክንቀርብ ይሕግዘና።

ወርኂ ነሓሰ ብፍላይ ፍሉይ መእኽቲ የመሓላልፈልና፥ ዘራእቲ አብ ተስፋ አምሪሑ ብሩህ ፍረ  ማሕረስ ዝርአየሉ ዕምባባታት ፍሉይ መልክዕ ንምድረ ሰማይ አልቢሶሞ ክርኤ እንከሎ ፍሉይ ምስጢር ፍጥረት ክንዕዘብ ይሕግዘና። ነዚ ኹሉ ዝገብር አምላኽ ክነመስግኖ እሞ አብኡ አሚና ምስኡ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና።

አብዚ እዋን ብፍሉይ ካብ ነሓሰ 10(ማኅበረ በኵር) - 28 ዘሎ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ ዝብል ሰናብቲ ሒዙ ይርከብ ነናቱ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ሰብ ክቡር ፍጥረት እዩ አምላኽ ፍሉይ ፍቕሪ ስለ ዝገበረሉ ካብ ኩሎም ፍጥረታት ክቡር ይብሃል። ነዚ ፍሉይ ተፈጥሮ አምላኽ ንፍሉይ መደብ እዩ ንሰብ ሂብዎ። ተኻፋላይ ጸግኡን መዋርስቱን ገሩ ብሂጉ ፈጢርዎ። ተፈጥሮና ከስ ምስ አምላኽ ክነብር እዩ። ፍቕሪ አምላኽ አብ ኩሉ ተፈጥሮን አብ ኩሉ ሕይወትናን ክንግዘቦ ንኽእል። ክረምቲ ፍሉይ መልክዕን ትእምርትን ይርአዮ። ዘራእቲ እንተ ረኤና ከምኡ ደመናታትን ባህሪ ክራማት ኩሉ ንምስጢር ተፈጥሮና ክብ የብሎ። ነዚ ባሕርያዊ ነገራት ተዓዚብና ናብ አምላኽ ክንምለስ እዩ እቲ መልእኽቲ።

ሕመረት ንባባትና አብ ባህሪ ናይ ሓቀኛ እምነት ዘተኮረ እዩ። ነዚ ብዝያዳ ከብርሃልና አብ ዘዳግም 4፡1-8 ዘሎ እንተ ርአና ሕጊ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ንሓቀኛ እምነት ሒዞም ከምዝጉዓዙ ከም ዝገበሮም፥ ዘማዕበልዎ ሕጋዊ ስርዓት ሕቡናት ኮይኖም ህዝቢ አምላኽ ክኾኑ ፍሉይ ድለት ከም ዘሕደረሎም ኽገልጽ እንከሎ “ከምቲ እግዚአብሔር አምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና ከምኡ አምላኹ ዚቐርቦ ካልእ ዓቢይ ሕዝቢ የልቦን፥ ከምዚ አነ ሎሚ አብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘሎኹ ኹሉ ሕጊ ከምኡ ቅኑዕ ሕግታትን ፍርድታትን ዘለዎ ካልእ ዓቢይ ሕዝቢ የልቦን (ዘዳግ 4፡7-8) ይብል።

አብ ሕጊ መሰረት ገሮም ካብ ካልኦት ጎረባብቶም ዝኾኑ አረማውያን አህዛብ ፍልይ ዝበለ ሕይወት ክመርሑ ይደሊ አምላኽ። አብዚ እዩ አብ ምሕላው ሕጊ ከም ፍሉይ ምልክት ምሉእ እምነትን ተአዝዞን አብ አምላኽ ከምዝኾነ ብዝያዳ ክጽቀጠሉ ዝተራእየ። አብ መጀመርያ ንሕጊ አምላኽ ኩሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ብንጹር ይርድእዎን ይፍጽምዎን ነሮም። ሙሴን ነብያትን ይነግርዎም ህዝቢ ከአ እግዚአብሔር ዝበለና ንገብር ይብሉ ነሮም፥ ምናልባት ነቲ ዝተባህሎም እንተ ዘይገበሩ ዝወርዶም ሳዕበናት ይርድኡን ይፈልጡን ነሮም። ዓመታት መጠን ዝሓለፈሉ ብፍላይ አብ ጊዜ ኢየሱስ ሕጊ ጨሪሹ ዘይመልክዑን ካልእ ትርጉማትን ርድኢትን ለቢሱ፥ በዚ ምኽንያት እዩ አብ ፍሉይ ጉዳይን አብ መዓልታዊ ሕይወትን ብዝርኢ ፍሉያት ፈላጣትን ክኢላታትን ጥራሕ ክርድእዎን ክገልጽዎን ዝኽእሉ ዝነበሩ።

ሓደ ካልእ ጸገም አብ ጊዜ ኢየሱስ ንሕጊ ብዝርኢ ሕጊ ከም መምርሕን መጋበርን አብ መዓልታዊ ሕይወት ህዝቢ አብ ምፍቃርን ምግልጋልን አምላኽ ተዘንጊዑ ነሩ። ሕጊ ብግዳማዊ መልክዑ ምፍጻም ከም ሓደ መደምደምታ ክርአ ጀሚሩ። እቲ አትኩሮ አብቲ ምስ አምላኽ ዝፍጠር ርክብ ዘይኮነ አብ ሓደ ብዝርአ ወይ ብግዳማዊ መልክዑ ዘርእዮ ተግባር ዘተኮረ ኮይኑ።

አብ ገለ ጊዜ አገባብ ኑዛዜና ከምኡ ይመስል እዩ። መብዝሕትኡ እንናዘዞ ኃጢአትና አብ ግላዊ ውድቀትና ዘተኮረ እዩ (ተቖጢዐ፥ አይተዓገስኩን፥ ተሃክየ፥ አየፍቀርኩን. . . ) ኢልና ንናዘዝ እዚ ግን ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ብዘይመጠን ውሑድ ብዝኾነ አገባብ ንገልጾ። ነቲ ብሰንከይ ዝወረዶም ጉድአት ወይ ዕንቅፋት ወይ እውን አብ ሕይወቶም ዘስዓቦ ጉድአት ጨሪሽና አይነስተብህለኑን አይንጠቕሶን እዚ ንንስሓና ጎደሎ ይገብሮ።

ከምቲ ኢየሱስ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝጠቕሶ መብዝሕትኡ ናይ ብሉይ ኪዳን ሕግታት ደቂ ሰብ ዝፈጠርዎ እዩ። ንአምላኽ ብዝርኢ ዘልኦም ውሑድ እዩ መብዝሕትኡ አብ ማሕበራዊ ሕይወት ከመይ ኢሎም ምቾት ከም ዝህቡ ዝዓለሙ እዮም። ብሓደ ወገን ነቶም አብ ስልጣን ዘልዎ ስልጣኖም ንኸናውሑ ዕድል ሂብዎም ብኻልእ ከአ ህዝቢ አብኡ ደው ከም ዝብሉ ፈሊጦም። ብግዳማዊ መልክዑ እንተ ፈጸምዎ ብሓቂ ጥዑያትን ጽቡቅ ከም ዘለዉ ዝሕብር ተርእዩ።

አብዚ እዋና ከይተረፈ ንሓደ ሰብ ጥዑይ ወይ ንፉዕ ምእመን ወይ ካቶሊካዊ ዘብሎ ኩሉ ጊዜ ሰንበት አብ ቤተ ክርስትያን ዝኸይድ እንተ ኾና እዩ። እንተ ኾነ አብ ቤተ ክርስትያን እንታይ ከም ዝገብር፥ ዝሓስብ ወይ እንታይ ከም ዝስምዖ ወይ እውን ምስቶም አብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ከመይ ዝበለ ርክብ ብፍላይ አብ ጊዜ ቅዳሴን ድሕሪኡን ዘልዎ ዝገልጽ የለን። እቲ ዓቢ ነገር ኮይኑ ዝርአ ብአካል አብ ቤተ ክርስትያን ብምምጽኡ ጥራሕ እዩ እዚ ግን እኹል አይኮነን።

ናይ ሎሚ ወንጌል አብ መንጎ ኢየሱስን ፈሪሳውያን ዘይምርድዳእ ከም ዝተፈጥረ ይነግረና።  “ስለምንታይ ሓዋርያት ኢዶም ከይተሓጽቡ እንገራ ዝበልዑ? ዝብል እዩ። እዚ ነቲ አብ መንጎ ቀዳሞት ክርስትያን ዝነበረ ርድኢትን ኩነታትን ቅ. ማርቆስ ዝጸሓፈሎም ዘመልክት እዩ። ገሊኦም ካብ አረማዊ ህዝብን ባህልን ዝመጽኡ ገለ ኸአ ካብ አይሁዳዊ ባህሊ ዝኽተሉ ዝመጽኡ እዮም ነሮም። እቶም ካብ አረማዊ ህዝቢ ዝመጽኡ ነቲ ስርዓታት ብምልኡ ይኽተሉ ስለ ዘይነበሩ እቶም ካብ አይሁዳዊ ባህሊ ዝመጽኡ ብዙሕ ይዕንቀፉ ነሮም።

ቀንዲ ዓላማ ናይ ሎሚ ወንጌል እምብአር ነዚ ከም ዓቢ ጸገም ከይኑ ዝርአ ዝነበረ አብ ሓቀኛ ገጹ ንምምላስ እዩ። ቅድሚ ምግቢ ምብላዕ አእዳውካ ምሕጻብ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዘሎና ጽቡቕ ነገር ንጥዕናና እዩ። ንአሽቱ ከሎና ብዙሕ ጊዜ ወለድና ኢድካ ከይተሓጽብካ/ኪ አብ መአዲ አይትቕረብ ይብሉና። አብ ሕጊ አይሁድ ዝተፈላለዩ ሕግታት ወይ መግለጺታት መበቆሎም አብ ጽረት መሰረት ገሮም ዝጀመሩ አለዉ፥ ንአብነት አብ መግቢ ንጹሕን ዘይ ንጹሕን ተባሂሉ ይፍለ። አብ ተመክሮ ከም እንርእዮ ገለ ዓይነት መግቢ አብ ምብልዖም ጸገም ዘምጽኡ ከም ኡ ኢድካ ከይተሓጸብካ ምብላዕ ጠንቂ ሕማም ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ምስ እምነት አተሓሒዝካ ምርአዩ አብ ምሕላዉ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ኢየሱስ ንከምዚ ዝአመሰለ መጠንቀቕታ አይ ኮነን ዝወቅስ ዘሎ። ንሱ ዝነጽጎ ዘሎ ነቲ ቀንዲ ጠቓሚ ነገር ሓዲግካ አብ ግዳማውን ብዙሕ ጥቕሚ ዘይብሉ አትኩሮ ሂብካ ነቲ ፍቕሪ አምላኽን ፍቕሪ ብጻይን አብ ጎኒ ሓዲግካ አብዘይጠቅሙ ነገራት አድህቦ አብ ምሃብ እዩ። ንብዙሓት ቅዱሳት ከም ብዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብዓል አሲዚ ነቲ ሰባት ዝብልዎን ዝገብርዎን ሓዲጉ ንሓደ ደዌ ዝሓመመ ክሳብ ምስዓም አብጽሖ።

ኢየሱስ ነዚ ከረድአና ኢሉ ካብ ኢሳያስ ነብይ ይጠቅስ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ ልቡ ግና ኻባይ አዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ግናኸ ምህሮ ሥርዓት ሰብ እናመሃሩ ብኸንቱ የምልኹኒ (ኢሳ 29 13) ይብል። እዚ ኸአ አምላኽኦም ኮንቱ ክመዝኾነ እቲ ዓምዲ እምነታቶም ናይ ሰባት ሕጊታት ምዃኖም ይገልጽ። ቅድሚ ትእዛዛት አምላኽ ናይ ሰብ ባህልን ስርዓታትን ብቀዳምነት ይሰርዑ። እዚ አብቶም አኽረርቲ ባህሊ አይሁድ ክንክተል አሎና ዝብሉ ክርስትያንን አብ ጊዜና ዘለዉ አብ ስርዓታትን ባህልን ጥራሕ ብዝያዳ አድህቦ ዝህቡ ዘተኮረ እዩ።

አብዛ እንነብራ ዓለም ምንጪ ናይ ኩሉ ጽልእን ቅርሕንትን አብ መንጎ ህዝብታትን ስድራቤታትን መበቆሉ ብሰንኪ ባህልን ልምድን ስርዓትን ዝመጽአ ፍልልይ እዩ። አኽረርትነት ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኩሉ ጨካን ግፍዕታትን ዓመጽን አብ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን እዩ፥ እዚ ኸአ ጨሪሽኻ ነቲ ሓቀኛ እምነት ምንጻግ እዩ። ክንፈልጦን ክነቕሓሉን ዘሎና ዓቢ ጉዳይ እዩ፥ ድንቍርና መሊኹና አብ ዘመኑ ዝሓለፎ ባህልን አትኩሮ ሂብካ አብ መንጎ ህዝቢ ፍልልይ ምፍጣር ድንቁርና እዩ። አብ ገለ እምነታት አይትቕረቡና ምስ ካልኦት ዝሕውስ የብልና እናበሉ ንሰባት ፍልልይን ጽልእን ዝፈጥሩ ናይ ዘመና ፋሽን እዩ ክብሃል ይክአል። አብ እምነት ክርስትናና ዝኾነ ሰብ እምነቱ ብዘየገድስ ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ዝተፈጥረ ክቡር እዩ ክነኽብሮ ክነፍቅሮ ክርስትያናዊ እምነትና እዩ። ክርስትያን ምፍልላይ አይናቱን እዩ ምኽንያቱ ክርስቶስ ዘስተምሃረናን ዘርአየና ንሱ እዩ። እዚ ሕልናና ክትንክፈና ይግባእ ምፍልላይ ስራሕ ሰይጣን እዩ፥ ፍቕሪ እዩ ናትና።

ኢየሱስ አብ ናይ ሎሚ ትምህርቱ እቲ ሓቀኛ ምንጻሕ ካብ እንታይ ከም ዝኾነ ይገልጸልና። ምንጪ ናይ ዘይምንጻሕ ካብ ዝብልዕ ወይ ዝስተ ብደገ ካብ ዝመጽእ አይ ኮነን። ሓቀኛ ዘይምንጻሕ አብ ልቢ እዩ። ሰብ ዘይነጽሕ ዘይንጹሕ መግቢ ብምብላዕ ወይ እውን ደም ብምሓዝ ወይ እውን ቅድሚ መግቢ ምብላዕካ ኢድካ ብዘይምሕጻብ አኮነን እንታይ ድአ ክፉእ ጎዳኢ ሓሳባ አብ ልብኻ ብምሓዝ፥ ሕማቕ ትምኒት፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ስስዐ፥ ዝርጋን ጥልመት፥ ቅንኢ፥ ጭካኔ ክትገብር እንከሎኻ እዩ።

እዚ ኹሉ ብቐጥታ ምስቲ ፈቃር አምላኽን ከማና ዝበለ ሰብ ዘሎና ርክብ ይበትኮ። አእዳው ምሕጻብ ወላ ሓንት ምቕያር አየምጽእን እዩ። አብ ካልአይቲ ንባብና ካብ መልእኽቲ ያዕቆብ ቀንዲ ምንጪ ሕጊ ይነግረና። ኩሉ ጽቡቕን ምሉእን ውህበት ካብ ላዕሊ ካብ አቦ ብርሃናት እዩ ዝመጽእ ይብለና። ኢየሱስ ቃል አምላኽ ምንጪ ናይ እዚ ኹሉ ጽቡቕን ምልአትን እዩ። ስለዚ ቅ. ያዕቆብ ነቲ ኼድኅነኩም ኢኽእል አብ ልብኹም ተተኺሉ ዘሎ ቓል ድማ ብገርህነት ተቐበልዎ፥ ገበርቲ ቃል ኩኑ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ አይትኹኑ ይብለና።

አንጻር እቲ ፈሪሳውያን ጸሓፍትን ንኢየሱስ ዝበልዎ ቅ. ያዕቆብ ከምዚ ይብለና፥ እቲ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አቦ ንጹሕን ርኽሰት ዘይብሉን አምልኾ ገዛእ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፥ ንዘኽታማትን መበለታትን አብ ጊዜ ጸበባኦም ምርዳአ እዩ። ብኻልእ አዘራርባ ካብ መንፈስ ዓለም ነጻ ኾንካ ንገዛእ ርእስኻ ምግታእ እዩ ዘስምዕ። እምነት ወይ ሃይማኖት አብ ምሕላው ሕጊ ዘበርክቶ ውሑድ እዩ ግን፡  1. ካብ ጸላዊ ዝኾነ ብልሽውና ከባቢና ነጻ ምዃን፡   2. ነቶም አብ መንጎና ዝርከቡ ዘኽታማትን ድኻታትን አድህቦ ምሃቦም።

እዚ ሓቀኛ እምነት እዩ ምኽንያቱ፥ እዚ ነገራት እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነአሱ አኅዋተይ ዝገበርክምዎ/ዘይገበርክምዎ ንአይ ከም ዝገበርክምዎ/ከምዘይገበርክምዎ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ንገለ ናይ ሃይሞኖት ሕጊን ስርዓታትን ብዙሕ ተፈታውነት አልኦ። ብዙሕ ጊዜ አብ አእምርኦም ዝመጽእ ሕቶ እዚ ኃጢአት ድዩ? ዓቢ ኃጢአት ድዩ ንእሽቶይ ኃጢአት ዝብል እዩ። ነቶም አብ ከምዚ አተሓሳስባ ዝርከቡ ሰባት እቲ ቀንዲ ዘገድሶም፡   1.  ነቲ ክገብርዎ ዘይብሎም ነገራት ካብኡ ክርሕቑ፡   2.  ካብ ተጋግየ ዝብል ስምዒት ነጻ ንምዃን።

እንተኾነ እዚ ክሕተት ዘለዎ ሕቶታት አይኮነን። እቲ ብሓቂ ዘገድሰና ክኸውን ዘለዎ እዚ ነገር ክንገብር ቅኑዕ ወይ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ድዩ? ትእዛዝ ወይ ዝኾነ ስርዓት ክህሉ ወይ ከይህሉ ይክአል እዩ እቲ ዘገድስ አብ ሓቅን ፍቕርን ዝተመሰረተ ድዩ ወይስ አብ ዘየድሊ ነገራት ምዃኑ ክንርኢ አሎና። ሓቂ ወይ ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ነገር ዘይብሉ እንተ ኾነ እዚ ናይ ክርስትያን ስራሕ አይኮነን፥ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እውን ናይ ሰብ ተግባር አይ ኮነን ሞራላዊ ተግባር እውን አይኮነን።

ንኹሉ ሕግታትን ስርዓታትን ብምሉእ ክትሕልዎ ክትፍጽሞ (ከምቲ ፈሪሳውያን ደቂ መዛምርቶም ዝገብርዎ) ይክአል እዩ። ግን ካብ ሓቅን ካብ መንፈስ ኢየሱስን ወንጌልን ጨሪሽካ ዝርሓቕካ ዝኾንካ ክትከውን ይክአል እዩ። ሓደ ሓላው ሕጊ ዝኾነ ሰብ ብቀዳምነት ክሰርዖ ዘለዎ ጉዳይ ድኅነት ነፍሱ እዩ፥ እዚ ኸአ አብ ጸጋ አምላኽ ብምንባር እዩ።

አብ ቍምስናታትና አብ ማሕበራትና ብሓባር ክነብር ከሎና ብሓባር ክንሰርሕ እንተ ኾና ሕግታትን ስርዓታትን የድልዩና እዮም። እዚ ማለት ከአ ስሉጥ ብዝኾነ መገዲ ብሓባር ክንሰርሕ እሞ አብ ጽቡቕ ውጽኢት ዘለዎ ተግባር ክንበጽሕ ንማለት እዩ። ሓንሳብ እቲ መምርሒ ወይ ዘውጻእናዮ ስርዓታት ክገዝአና ምስ ጀመረ ሽዑ እቲ ጸገም ይፍጠር። ሕግታት ክጥሓሱ እዮም ዝወጹ ዝብል አበሃህላ ሓቅነት አልኦ።

ሕግታት ወይ ስርዓታት ክቆጻጸሩና ወይ ነጻነትና ክድርቱ ዘይኮነ ነጻነትና ግላውን ማሕበራውን ከግፍሑልና እዩ። አብ ጽርግያ ቀይሕ መብራህቲ ምስተወልዐትና ንራገም ብአንጻሩ እቲ ሰማፎሮ ዘይሰርሕ እንተ ኾነ ብዝያዳ ንራገም ምኽንያቱ ብዙሕ ጸገማትን ሕንፍሽፍሽን ስለ ዝፍጠረልና።

ነዚ ኩሉ ዝበልናዮ እንተ ረአና ነፍሲ ወከፍና ክነተኩረሉ ዘሎና ከመይ ገርና ንክርስቶስ ከም እነፍቅሮን እነገለግሎን ክንሓስብ ይግብአና። ሓቅን ቅንዕናን መምርሒና ገርና ምሉእ ርእሰ ምልኪ ሒዝና ሓቀኛ ነጻነት ልቢስና እዚ ኸአ ነጻነት ንጽቡቅን ሓቂ ዝኾነ ነገራት አብ ምምራጽ ክንክተሎ ዘሎና ነገርት ብምቅዳም እዩ። ወንጌል ሕግታት ዝመልአ አይኮነን። ንጹርን ሓቀኛ ሰብአዊ ራእይ ሕይወት ምእንቲ አምላኽ አብ መንጎ ካልኦት ሰባት ዝነብር እዩ። ንሱ አትኩሮኡ አብ ርክባት እምበር አብ ግላዊ ተግባራት አይ ኮነን።

አብዚ ዓመት ማርቆስ ተዛዚሙ አብ ዓመተ ሉቃስ አብ ምጅማር አብ እንቀራረበሉ ዘሎና ብዙሕ ዕድላት ንኢየሱስ መድኃኒና ክነፍቅርን ክነገልግልን ብብዙሕ መገዲ ተኸፊቱልና አሎ። አብቲ ሕማቕ ዝገበርናዮ ጥራሕ ክነትኩር ዘይኮነ አብቲ ከመይ ኢለ ብዝያዳ አፍቃርን ብሰብ ዝግደስን እኸውን ኢልና ክንሓስብ ይግብአና። ዓመት ክውዳእ እንከሎ ንዝዘንጋዕናዮ ነገራት ክንዝክር እሞ ክንፍጽሞ ንዝመጽእ ከአ ምቹእ እሙን አገልጋሊ ክርስቶስ ኮና እንኣትወሉ ኩነታት ክንፈጥር ይግብአና።

ኦ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታይ ሕግኻን ትእዛዛትካን እናፈጸምኩ ብኹሉ ዝሃብካኒ ጸጋታት አመስግነካ አሎኹ ነዚ ሓዲስ ዓመት ብንጹሕ ሕልናን ፍቕሪ ብዝመልኦ መገዲ ክጅምሮ ጸጋኻ ሃበኒ እናበልና ንለምኖ። አብ ኩሉ አምላኽና ዝተባረኸ ይኹን።  ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ናይ ሰላምን ምሕረትን ዓመት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

02 September 2018, 18:47