ድለ

2018.09.03 Madre Teresa Shen Nene Tereza 2018.09.03 Madre Teresa Shen Nene Tereza 

ዓመታዊ በዓል እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ፡ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት

ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ነቶም ኣብ ሕድጋት ጐደናታት ንዝሳቐዩን ንዝተሓድጉን ድኻታት እቲ እግዚኣብሔር ነዞም ኣሕዋት ዝሃቦም ክብሪ ብምልላይ ኣብራኻ ዓጺፋ ኣገልገለቶም፡ እዚ ንሳ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ዝፈጸመቶ ተልእዀ ናይቲ እግዚኣብሔር ንድኻታትን ዘለዎ ፍሉዩ ቅርበትን ህላዌኡ ኣብ መንጐ ድኻታትን ቃልን ሕይወትን ናይ ዘጣመረ ኣንደበት ርቱዕ ምስክርነት እዩ፡

ዕለት 5 መስከረም ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓል እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝበዓለሉ ክኸውን እንከሎ፡ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 4 መስከረም 2016 ዓ.ም. ቅድስና ዝኣወጀትላ ኣብ ኣገልግሎት ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ንድኻታት ኣሕዋት ኣብ ምግልጋል መላእ ሕይወታ ዘወፈየት ጓል ቤተ ክርስትያን ሓላዊት ቅድስቲ ወለንተይናታትን  ታሪኽ ሕይወት ብሓጺሩ ንዳህስስ፥

ስምዖን ተ.ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ነቶም ኣብ ሕድጋት ጐደናታት ንዝሳቐዩን ንዝተሓድጉን ድኻታት እቲ እግዚኣብሔር ነዞም ኣሕዋት ዝሃቦም ክብሪ ብምልላይ ኣብራኻ ዓጺፋ ኣገልገለቶም፡ እዚ ንሳ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ዝፈጸመቶ ተልእዀ ናይቲ እግዚኣብሔር ንድኻታትን ዘለዎ ፍሉዩ ቅርበትን ህላዌኡ ኣብ መንጐ ድኻታትን ቃልን ሕይወትን ናይ ዘጣመረ ኣንደበት ርቱዕ ምስክርነት እዩ፡ ቅድስናኣ ኣዚዩ ቀረባና ብምዃኑ በቲ ዝነበረቶ ርህሩህ መንፈስ ምኽንያት ከምቲ ኣብ ምድራዊ ሕይወታ እንከላ በትጽውዓሉ ብዝነበረ እናቴ ተረዛ ዝብል ስማ ከምእንጥቀም ቅዱስ ኣቦና ዕለት 4 መስከረም 2016 ዓ.ም. ቅድስና ኣብ ዝወጁላ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት የረጋግጽዎ።

ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኩታ መን እያ

እናቴ ተረዛ ዘካልኩታ ናይ እምነት ተምሳሊት እያ፡ ጓል 18 ዓመት እንከላ ወንጌላዊ ልእኽቲ ንምዃን ብዝነበራ ዓቢይ ሃረርታ ኣብ ማሕበር ደናግል እመቤተ ማርያም ዘሎረቶ ኣትያ ነቲ ኣንየዘ ጐንቸ ቦያንዲው ዝብል መጸውዕ ስማ ንኽብሪ ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዝየ ናብ ተረዛ ዝብል ናይ መነኵስ መጸውዕ ስም ተቐየረ።

ልኡካነ ፍቕሪ

ኣብ 1946 ዓ.ም. ብባቡር እናተጓዕዘት እንከላ ኣብ ጸዋዕታኣ ካልእ ጸዋዕታ ተቐበለት፡ ኣብ ጸዋዕታ ዝተቐበለቶ ጸዋዕታ ከኣ ልክዕ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ማሕበር ደናግል ልኡካነ ፍቕሪ መስሪታ ኣብ ሰበኻ ካልኩታ ወግዓዊ ሰበኻዊ ተፈላጥነት ረኺባ ብሰበኻ ደረጃ ኣገልግሎት ንድኻታት ብምቕራን ነቲ ዝመስረተቶ ማሕበር መረሐት።

ኣብ ናይ ድኻታት ዓለም

ኣብ 1948 ዓ.ም. እናቴ ተረዛ ንፈለማ ጊዜ እቲ ከም ማሕበር ደናግል ልኡካነ ፍቕሪ ዝሓረየቶ መለለይ ልብሲ መነኮስ ለቢሳ ኣብቲ ኣዚዩ ዝሓሰረ መንበሪ ድኻታት ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ካልኩታ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ምግልጋል ጀመረት፡ ወትሩ ካብ ኢዳ መቝጸርያ ዘይትፈልይ ከምዝነበረትን ኣብቲ ዘበገሰቶ ማሕበረ ደናግል ገለ ገለ ተማህርታ ዝነበራ ተጸንበራኣ።

ዓለም ኣብኤን ዝነበሮ ቆላሕታ

ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ እናቴ ተረዛ ዝመስረተቶ ማሕበረ ደናግል ካብ ሰበኻዊ ተቐባልነ ሓሊፉ ኵላዊ ተቐባልነት ክወሃቦን ኣብ  መላእ ዓለም ክሰፍሕ ምስ ወሰኑ፡ ዝተናዕቁን ድኻታትን ዘኽታማትን ህሙማንን ኣብ ምግልጋል እትምስክሮ ዝነበረ ጽኑዕ እምነት ንብዙሓት ከገርምን ክማርኽን ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኩሉ ብዛዕባኣ ክድነቕን ጀመረ፡ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝነበራ ርክብ እውን ተወሲኽዎ ናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ቆላሕታ ማረኸ። እዚ ተፈላጥነታ’ዚ ካብ ምእመናንን ቤተ ክርስትያንን ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓለም ከቃልሕ ጀሚሩ ኣብ 1979 ዓ.ም. እውን በቲ ምስ ድኻታት ኰይና ኣብ መንጐ ድኻታት ንድኻታት ብእተቕርቦ ዝነበረ ኣብ ኣገልግሎ ዝቖመ ምስክርነት ፍቕሪ ምኽንያት ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ንኽትከውን በቕዔት።

ብኣኣ ዘይድነቕን ዘይማረኽን ሰብ ኣይነበረን። ሰብ ሓዳርን ኢኣምንያን እውን ከይተረፉ ኣዚዮም ዘፍቅርዋ ኣላይት ድኻታት እናቴ ተረዛ፡ ሓንቲ ኣደ ውላዳ ክትቐትል ዝከኣላ እንተድኣ ኰይኑ ሰባት ንሓድ ሕዶም ክቀታተሉ የገርምዶ? ኣደ ኣላይት ሕይወት እምበር ሕይወት እትንጽል ኣይኰነትን፡ ዝብል ቃላ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘለዎ ኰይኑ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን፡ ብፅዕና ንኽእውጁላ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፡ ጽንሲ ክትንጽል እትደልይ ኣደ፡ ካብዚ ተግባር ተቖጢባ እቲ ውላዳ ናባይ ተምጽኣዮ ኣነ ኣብኡ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ምልክታ ፍቕሪ እናረኣዅ ከፍቅሮ እየ ዝብል ቃላ ከምዘስመርሉ ይዝከር።

ነቲ መላእ ዓለም ዝምስክሮን ዝርእዮን ዝነበረ ቅድስናኣ ምኽንያት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቢላ ልክዕ ካብዚ ዓለም ብሞት ኣብ ዝተፈለየትሉ ኣብ ዝኽሪ ክልተ ዓመት ዕለት 19 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም. ብፅዕና ኣወጀትላ፡ ንኽርስቶስ ኣብ ድኻታት ንኸተገልግል ኣብ ኵሉ ስፍራ በጽሔት፡ ውግእ ፈላላይ መናድቕ ዘይዓገታ፡ ትሕትቲ ንምዃን ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ንኡሳን ኣገልጋሊት ንምዃን ዝመረጸት እያ፡ ምንባራ ኣብ ወንጌል ሰሪታ ሕይወታ ስብከተ ወንጌል ገይራ ዝተቐደሰት  እንክብሉ ከምዝገለጽዋዕ ይዝከር።

ውርሻ ናይታ ናይ ክርስትና ፍቕሪ ተምሳሊት

እናቴ ተረዛ መላእ ሕይወታ ኣብ ፍቕርን ብፍቕርን ምስክርነት ናይ ወንጌል ሓሴትን ዕሴትን ዘንበረት። ሎሚ እውን እዚ ተልእዀ’ዚ በቲ ንሳ ዝመስረተቶ ማሕበር ደናግል ልኡካነ ፍቕሪ ምስክርነታ ኣብ መላእ ዓለም ይቕጽል ኣሎ።

ዓመታዊ በዓል እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዘካልኵታ፡ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት
05 September 2018, 16:17