ድለ

ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓ ንምምስጋን ዝተደርሰ ውሁድ ሙዚቃ

ገጣምን ድምጻውን ተወላዲ ኒካራጓ ካርሎስ መኺያ ጐዶይ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ኒካራጓን ማሕበራውን ሃገራውን ሰላም ንኽረጋገጽ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን ስለ እቲ ዅሉ ጻዕሮምን ጸሎቶምን ዘመስግንን ስሌኦም ዝጽልይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ከምዘቕረቡ ክፍልፈጥ እንከሎ፡ መንግስቲ ኒካራጓ ንውድብ ሃገራት ኣመሪካ ተቓውሞኡ የስምዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ሃገራት ኣመሪካ ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ልዊስ ኣልማግሮ ብዛዕባ ኣብ ኒካራጓ ዘሎ ውጥረትን ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኰኒኖም እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኒካራጓ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ዝጽውዕ ዝሃብዎ መግለጺ ካብ መንግስቲ ኒካራጓ ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ከምእተወሃበሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኣምሪካ ውድብ ብጀካ ኣብ ኒካራጓ ኣብ ቨነዝዋላ ዘሎ ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እውን ክምዝዀነነ ይንገር።

ሻቕሎት ብሔራውያን ዓለም ለኻውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበራት

ኣብ ኒካራጓ ዘይመግስታውያን ማሕብራት ጥርናፌ ሓልዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መንግስቲ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ዓመጽን ጥሕሰት ናይ ሰብኣዊ ምሰልን ክብርን ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ዝወስድዎ ዘለዉ ጸረ ሰብኣዊ ስጉምትታት ብዓለም ሃቆፍ ደረጃ ዘቃልዕ መደብ ዓለም ለኻዊ ዑደት ከምዘሰናደወ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ዓለም ለኻው ዑደት ምስቶም ካብ ኒካራጓ ተሰዲዶም ኣብ ኮስታ ሪካ ምስ ዝርከቡ ናይ ኒካራጓ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ብሔራዊ ማሕበር ኣባል ወሳኒ ኣካል ኣልቫሮ ለኢቫሮ ለይቫ ብምርኻብ ተበጊሱ ቀጺሉ እውን ኣብ ጀነቭ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ላዕለዋይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ድርገት ዋና ሓላፊት ተወላዲት ቺለ ሚከለ ባከለት ርክብ ከካይድ እዩ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንእተካይዶ ጻዕሪ ኩሉ ዘመስግን ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ

ገጣምን ደራስን ድምጻውን ካርሎስ መኺያ ጐዶይ ኦረሞስ - ንጸልይ ዘርእስቱ ንቅዱስ ኣቦናን ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ኒካራጓን ናይታ ሃገር ኣባላት ውሉደ ክህነትን ኣባላት መንፈሳውያን ማሕበራትን ደናግልን እቲ ህዝቢ ካብ መንግስቲ ዝወርዶ ዘሎ ጸቕጥን ጥሕሰት መሰልን ክብርን ዓመጽን ኰኒኖም ንናይ ሰብኣዊ መስልን ክብርን ውሕስነት ብቐዳምነት ተሰሪዖም ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ ቆይሞም ንዘበርክትዎ ዘለዉ ዓቢይ ኣስተዋጽኦን ከይፈርሑ መንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ሕዝባዊ ምርጫ ብሕጹጽ ክካይድ ንዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ኣፍልጦ ብምሃብ ዘደንቕ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ከምዘቕረቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ባዕሎም መኺያ ጐዶይ ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ኣብ 20 መዓልቲ ውሽጢ ግጥሙ ደሪሶምን ቅኒት ሂቦምን ዘቕረብዎ ከምዝዀነ እውን ሓቢሮም፡ ብሓባር ስለ እቶም ስሌና ብቐዳምነት ዝግደሱ ር.ሊ.ጳጳሳሳትን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ኒካራጓ ንጸልይ ትብል መዝሙር እያ ኢሎም። እዞም ቀደም ናይ ዘርኣ ክህነት ተመሃራይ ዝነበሩ ከያኒ፥ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዝታይ ዝህቦ ሓጐስ ወሰን የብሉን፡ ምግልጋሉ ናይ ኵሉ ክርስቲያን ጸዋዕታ እዩ ምስ በሉ፡ ነቶም ስለ ሕዝቢ ኒካራጓ ዝጣበቑን ምስ ሕዝቢ ሓቢሮም ዝሳቐዩ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ከምኡ እውንቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮን ትብዓቶምን ጽንዓቶምን ኣፍልጦ ብምሃብ ስሌኦም ናብ ናይ ሰላም ጐይታ እትጽልይ ውሁድ ጥዑም ሚዝቃ እያ እንክብሉ ገሊጾም።

ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓ ንምምስጋን ዝተደርሰ ውሁድ ሙዚቃ
20 September 2018, 15:46