ድለ

2017-12-04 Filippo Lippi_FotoMauroCoen.jpg ምስለ ፍቁር ወልዳ ዮሓንስ መጥምቅ ብወገን ጸጋም! 2017-12-04 Filippo Lippi_FotoMauroCoen.jpg ምስለ ፍቁር ወልዳ ዮሓንስ መጥምቅ ብወገን ጸጋም! 

ሓዲስ ዓመት ዘመነ ሉቃስ መስከረም 1 2011 ዓ.ም.ግ (11.09.2018)

ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ፥ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባር በድው። “ምጅማር ዓመተ ምሕረትካ ትባርኽ፥ በረኻታት ብጠለት ይጸግቡ፥ ጎቦታት በረኻ ይረውዩ” መዝ. 65፡11~12። ወይ ከኣ አድኅነኒ እግዚኦ እምእለ ሮዱኒ እስመ ይኄይሉኒ ወአውጽአ እሞቅሕ ለነፍስየ ከመ እግነይ ለስምከ እግዚኦ፥ “ ንስምካ ምእንቲ ከምስግነካ ካብቶም ኃይሎሚኒ ዘለዉ ጸላእተይ አውጽአኒ” መዝ. 142፡6~5።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ርሑስ ብዓል ሓዲስ ዓመትን ብዓል ቅዱስ ዮሓንስን ይግበረልና። ዓመት ሓሊፉ ዓመት ክትክእ እንከሎ ፍሉይ ተዘክሮ እዩ ዘቕርበልና። ንውሃቢ አምላኽ አብዛ ዝሓለፈት ዓመት ንኹሉ ዝሃበና ዝገበረልና ብልቢ ተመስገን ክንብሎ ግቡእና እዩ። ንድሕሪት ግልጽ ኢልና ሕይወትና እንተ ጠመትና ምናልባት ከም ግብርና እንተ ዝኸደና ብዙሕ ነዚ ብዓል አይ መብዓልናን እንተ ኾነ ፈቃር አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ነዚ እንጅምሮ ብዓል ስለ ዘብቅዓና ተመስገብ ኢልና ንዝወደቕናዮ ምሓረኒ እናበለና ብዝተሓደሰን አብ ጸጋ አምላኽ ተአማሚና ነዚ ዓመት ንጀምሮ። 2011 ዓ.ም. ብናይ ዓድና አቆጻጽራ ንጅምር አሎና፥ እዚ ዓመት ዓመተ ሉቃስ እዩ ብፍሉይ ነቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ዘበስሮ ወንጌል እና አስተንተና ክንሓልፎ ዝበለጸ እዩ።

ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ብሓዲስ መንፈስ ክንጅምሮ ልብና ክፉት ንኹሉ አብ ዝሓለፈ ፈሊጥና ከይፈልጥና ዝወደቕናዮ አሓዲስና ቅዱስ ሕይወት ሰላም ዝመልኦ አብ ጸጋ አምላኽ ተመርኲስና ንጀምሮ። ጽቡቕ ዝጀመረ ዳርጋ ፍርቂ ዝበጽሐ ከምዝብሃል ንሓዲስ ዓመት ብዕሩፍን ሰላም ዝመልኦ መንፈስ ንጀምሮ። አብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ አምቢርና ብመንፈስ አምላኽ ክንምራሕ ቍርጽ ፍቓድ ንግበር ሽዑ አምላኽ ባዕሉ ዝጎደለ እናመልአ ክመርሓና እዩ።

ሓዲስ ዓመት ነዚ ዝስዕብ ነገራት ሒዝና ክንጅምሮ እንከሎና ሕጉስ ሕይወት ክንርኢ ኢና።

“1. ንዝሓለፈ ኃጢአትካ ብንስሓ ዓጺኻ ምኽአል። ንሓዲስ ዓመት ብንጹሕ ልቢ ክንጅምሮ ይግባእ። ሕይወትና ንዝሓለፈ ጌጋና አበሳና ሒዝና ክንጅምሮ አይግብአና ስለዚ ምስ አምላኽን ሰብን አብ ምሉእ ዕርቂ እንከሎና ክንአትዎ ይግባእ። ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ዝለበሰ ሕይወት ዝለበስና ክንከውን አሎና ዓመትና ፍረ ክህልዎ። 2. ካብ ዝሓለፍ ሕይወትና ተማሂርና ንእንአትዎ ዓመት ንጠቐመሉ። ሰብ ካብ ዝሓለፈ እዩ ዝምሃር። ዝሓለፈ ዓመት ዘይተዓወትናሉ ሎምዘበን ክንዕወት ተበግሶ ንውሰድ። ዝሓለፈ ጌጋታት መአረሚ መምሃሪ ክኾኑና እንከለዉ ሽዑ እዩ አብ ሕይወትና መንፈሳውን ልቦናውን ዕብየት ክነርኢ እንኽእል። ብዝሓለፈ ተማሂርካ ምኽአል የድሊ። 3. ንሓዲስ ዓመት ብኽፉት ልቢ ምጅማሩ። ንጹሕን ግሩህን ዝኾነ ክፍአት ዘይሓዘ ልቢ ሒዝና ዓመትና ንጀምሮ። ምስ አረጊት ሕይወትና አይንእተዎ ዓመትና። 4. አብ ጉዕዞ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ዘዓንቅፍ ክህሉ ስለ ዝኾነ ከይንወድቕ ምስትውዓል የድልየና። ኩሉ ጊዜ ዕጡቓት ስንድዋት ኩኑ ይብለና ኢየሱስ። ንፈተና ንጽልኢ፥ ንኃጢአት ክንዋጋእ ድልዋት ክንከውን አሎና እዚ መንፈስ እንተ አሎና ሽዑ ንአምላኽ ክነሓጉሶ ኢና። ዓመትና ሓቂ ፍቅሪ ሰላም ዝነገሶ ክኸውን ናይ ነፍስወከፍና ተራ ይሓትት። ዘራእቲ ሰላምን ፍቕርን ክንከውን ከም ዘሎና ፈሊጥና ንአምላኽ ሓግዘኒ ንበሎ። 5. ዝወሃበና ዘሎ ዓመት ክነፍሪየሉ ምእንቲ እዩ። አምላኽ ጊዜ ዝህበና ብዝያዳ ክንፈልጦ ክንፈትዎ አብኡ ክንቀርብ ምእንቲ እዩ። ክርስትያን አብ ጉዕዞ ቅድስና ዝርከብ ፍጡር ስለ ዝኾነ አብ ሕይወቱ ንቅድስና ክተሓሓዞ መጸዋዕታኡ እዩ። አብ መወዳእታ አብ ሰናይ ግብርና ገለና 30፥60፥ 100 ፈሪና ክንክእል አሎና።”

ሓዲስ ዓመት እምብአር ብዝተሓደሰ መንፈስ ክንጅምሮ እንከሎና ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዎ እሞ ንአምላኽ አጀሚሩ ከፈጽመና ንለምኖ። ጉዕዞ ቅድስና ነዚ ዓመት ንጅምር አሎና ስለዚ ስንቂ ዕጥቂ የድልየና። ን365 መዓልታት ክንጉዓዝ ኢና ናይ ብሓቂ ፍሉይ ምቅርራብ የድልየና። አብ መንጎ ከይንደክም ካብ መገዲ ከይንወጽእ ከምኡ መገዲ ከይጠፍአና፥ ሰባት ካብ ጉዕዞና ከየዘንግዑና ዓቢይ አድህቦ የድልየና። አምላኽ ነዚ ዓመት አጀሚርካ/ኪ አሎኹ እሞ ተሓባበረኒ/ርኒ እናበለ ይሓተና አሎ። አምላኽ ኩሉ ዝኽእል ከንሱ ክንተሓባበሮ ይደሊ አሎ።

ምስ ማርያም አደና ኮና ንኹሉ ድላይ አምላኽ ክንገብር ክንሰምዕ “ሕራይ” ንበል። ንኹሉ አብ ኢድካ አንብሮ አሎኹ አብ ኩሉ ንስኻ እትደልዮ ምርሓኒ ልአኸኒ ክሰምዓካ ክእዘዘካ ፍቓደኛ እየ ኢልና ብመብጽዓ ዓመትና ንጀምሮ እሞ ዝተረፈ ባዕሉ ክአል ኩሉ አምላኽ ክሕግዘና እዩ።

ቅ. ዮውሓንስ መጥምቕ፡

ሓዲስ ዓመትና ምስ ቅ. ዮውሓንስ ሞቱ እናዘከርና እና እንጅምሮ ዘሎና፥ እዚ ኸአ ብሰለስተ ምኽንያት እዩ፡ 1. ቅ. ዮውሓንስ ናይ ብሉይ ኪዳን ዓጻዊ ነቢይ፥ ናይ ሓዲ ኪዳን ከፋቲ እዩ። ናይ ክርስቶስ ፊተውራሪ ቃል አዋጂ ነጋሪ እዩ፥ ሰባት ንአምላኽ ዝኸውን ሕይወት ሒዞም ክርከቡ ዝዕድም እዩ። 2. ቅ. ዮውሓንስ ስብከቱ ንንስሓ ንተሓድሶ ዝዕድም ስለ ዝኾነ ማለት “ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ” “መንግስተሰማይ ቀሪባ እያ” እናበለ ስለ ዝሰበኸ እዩ። 3. ቅ. ዮሓንስ ንሓቂ አብ ቅድሚ ኩሉ ክሰብኽ ክጭጭ ዘይበሎ ዓቢ ነብይ፥ ንሰባት አብ ኢየሱስ ክበጽሑ መገዲ ስለ ዝሓበረ ብፍሉይ አብ ምጅማር ሓዲስ ዓመት ብዓሉ ነኽብር።

ሕዝብና አብ ሓዲስ ዓመት ንምስንዳው ብሰሙን ጳጕሜ ማይ ጸሎት ይሕጸቡ እዚ ናይ ምንጻሕን ምሕዳስን ምልክት ንሓዲስ ዓመት እዩ። ድሮ ዓውደ ዓመት ከአ ሽጉ ወሊዑ “ዓኾኻይ ዓኾኻይ ሓምሊ ቍራዕ ውጻእ ግዓት እኽሊ እቶ እናበለ ንዝበለየን ዝአረገን አቕሓ ይድርቢ፥ እዚ ኸአ ናይ ዝሓለፈ ዓመት አረጊት አተሓሳስባ ጠባይን መንፈስን ደርብዩ ንሓዲስ ዓመት ብሓዲስ መንፈስ ክርስቶስ ኪቕበሎ ከምዝግብኦ ንምዝኽኻር እዩ። ሽግ ወይ ቆልቋል ምውላዕ ቅዱስ ዮውሓንስ መጥምቕ ፊተውራሪ ብርሃን ስለ ዝኾነ ማለት ናይ ክርስቶስ ምስክር ከም ዝኾነ ንምግላጽን ሓዲስ ዓመት ብብርሁ መንፈስ ክንጅምሮ ንማለት እዩ።

ዮውሓንስ ሰባኽ/መስካሪ ሓቂ፡

ቅ. ዮውሓንስ ብኹሉ ንክርስቶስ ይመሳሰሎ፥ አብ ልደቱ አብ ተልእኮኡን አብ ሞቱን ተመሳሲ። ካብ መጀመርያ ባዕሉ ከምዝበሎ ንክርስቶስ መገዲ ጸራጊ ስራኽ አሳእኑ ክፈትሕ ዘይግብኦ እንከሎ ንሰባት ተንሰሑ ተሓደሱ አብ መንጎኹም መድኃኒ ይመጽእ አሎ አናበለ አሰናድዩ። ዮውሃንስ ንሓቂ አብ በረኻ አብ ከተማ አብ ቤት ነጋውስ አብ ቤተ ጸሎት አብ ኩሉ ሰቢኽዋ እንተ ኾነ እቲ ዝሰበኾ ብፍላይ ንመራሕ ሃገር ሄሮዱስ ስለ ዘይተሰማምዖ አብ ቤት ሞቕሕ አእትዩ ቀቲልዎ። ብዙሕ ጊዜ አብዛ እንነብራ ዓለም ንሓቂ ዝምስክር ሞት እዩ ዕጫኡ።

ሄሮዱስ ገፋዒ መራሕ ሃገር እዩ ነሩ ንሓቂ ዝፈርሕ ንኹሉ ዝገብሮ መምዘኒኡ ምስ ስልጣኑን ምስ ድለታቱን አብ ግምት አእትዩ እምበር ፍርሃት ሓቂ ወይ እውን ክብሪ ሰብ አይነበሮን። ዮውሓንስ ነዚ ጨካን መራሕ ሃገር ብዘይስግአት ደፊሩ ካብ ኃጢአቱ ክምለስ ነጊርዎ። እዚ እዩ ሎሚ አብ ዓለምና አብ ዓድና ዘድሊ ዘሎ ንሓቂ ብዝኾነ ምኽንያት ከይንደፍና፥ አብ ገለ እዋን ፈሪሕና ተሰኪፍና ክንደፍና ከሎና ኃጢአት ንገብር፥ እዚ ኸአ አብ ሕይወትናን ሕይወት ካልኦትን ዓቢ ጸልማት የምጽእ። ቅ. ዮውሓንስ ብሰንኪ ሓቂ ምዝራቡ ንሞት ተፈሩዱ ሎሚ ንሕና ንሓቂ ኢልና እንኸፍሎ እንታይ አሎ? ብርግጽ አብ ገለ እዋን ክኸብደና ይኽእል እዩ ሥጋ ዝለበስና፥ ክንገብሮ ዘሎና አብ ሓቂ ደፋራት እሞ ኩልና ዝዓበና ዝንአስና ንኽፍአት ክነጽትእ ንሓቂ ክንክተል ናይ ሎሚ ዕለት ፍሉይ ተዘክሮ እዩ።

ንቅዱስ ዮውሓንስ አሕሊፎም ሂቦሞ ይብል ንኢየሱስ እውን አሕሊፎም ሂቦሞ ንተኸተልቱ በብዘመኑ አሕሊፎም ሂቦሞም ይህብዎም አለዉ። ክርስትያን ብርሃን ዓለም ኢና ምኽንያቱ አብቲ ጽንኩር እዋን ሓቂ እምነትና ክንምስክር ስለ ዘሎና ስለዚ ምእንቲ ሓቂ ምእንቲ እምነትካ ክትሓልፍ እንከሎኻ ክብሪ ቅድስና እዩ ዓስቡ።

ዘሎናዮ ዘመን ሓደ ካብቲ በዳሂ ፈተናታት ዝገጥመና አብ እምነትና እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሎሚ ሰባት ደፊሮም እምነትኩም ሓቂ አይ ኮነን፥ አብ ጣኦት ኢኹም እትአምኑ፥ መራሕትኹም ሓሳዊ ሕይወት እዮም ዝነብሩ፥ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ብድፍረት ቤተ ክርስትያንኩም ብመንፈስ ቅዱስ አይትምራሕን እያ እናበሉ እዝን ካልእን ዳርጋ ንገለ አብ ክሕደት እምነቶም ንገለ ኸአ አብ ምጥርጣር አብጺሕዎም እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እንተኾነ ሓቂ ብብዝሒ ዘረባን ብስም ጨራሕካን አብ መራኸቢ ብዙሓን ብስም ተዛረብካን አይኮነትን እትርከብ ሓቂ አብ ክርስቶስን አብ ቤተ ክርስትያኑን አብቶም ብሓቂ ብእምነት ዝጉዓዙን ጥራሕ እያ እትርከብ፥ አብ ታሪኽ ክርስትናና በብእዋኑ ደቂ ድያብሎስ ንቤተ ክርስትያን ገለ አብ ውሽጣ ናታ ተመሲሎም ገለ ኻአ ካብአ ተፈንጪሎም ከጥፍእዋ ጽዒሮም እንተ ኾነ ንሶም ድአ ጠፍኡ እዚ ኸአ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ስለ ዝመርሓ እምበር ኃይሊ ሰባት አይኮነን። ለእመ እግዚአብሔር ምስሌነ መኑ ይክለነ ዝብል ትምህርቲ ቅ. ጳውሎስ ሓቂ እዩ።

ክርስቶስ ባዕሉ አፍደገታት ሲኦል አይክስዕርዋን እዮም ኢሉና። ዝመጽአ ይምጻእ ዝወረደ ይውረድ ኩሉ ጊዜ ጽኑዕ እምነት እንተ አልዩና ህላዌ ክርስትያን ዝተረጋገጸ እዩ። ዝኸፍአ ኮይኑ ዘሎ ሰብ ሎሚ ንአምላኽ ብገንዘብ ብምቾት ዓለም ተኪእዎ አብ ንአይ ይጥዓመኒ ዘንቢሉ ንርኢ አሎና። ልቢ ብዙሓት ተሰሊቡ አምላኽ የለን አየድልን ገለ እዋን ከአ ነቲ ሓቀኛ እምነት አብ ድላይካ ጠምዚዝካ ንሓቂ በቲ ንስኻ እትደልዮ ጠዊኻ ንብዙሓት የውሃት አታሊልካ ምኽአል ናይ ዘመና ፋሽን እዩ እንተ ተባህለ ምግናን አይኮነን።

ቅዱስ ዮውሓንስ “ተነስሑ ተመለሱ” ኢሉ ሎሚ እውን ይዛረበና አሎ። ንንስሓ ንዕርቂ አፍልብና ከፊትና አብ ቤት አቦና ክንአቱ እዋኑ ዝሓቶ ዕድመ አምላኽ እዩ። መንፈስ ሓዲስ ዓመት ከአ በዚ ክጅምር እዩ ድለት ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን እሞ አሕዋተይ ሎሚ ከመሎና ልብና ሕይወትና አበሎ ምስ መን እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ዓመትና ክንጅምር ከሎ ክንቅደስ ክንዕወት ይግብአና።

አብ ኤርምያስ ነቢይ አብ 1፡17-19 ዘሎ እንተ አንበብና “ተንስእ ሕቋኻ ተዓጠቕ እቲ አነ ዝእዝዘካ ኹሉ ንገሮም አይትፍራሕ አነ ምስኻ አሎኹ፥ ኪዋግኡኻ እዮም ግናኸ ምእንቲ ክሕልወካ አነ ምስኻ እየ አይክስዕሩኻን እዮም” ንረክብ። ንኤርምያስ አብቶም መራሕቲ ሃገር ናይ ሰመናዊ መንግስቲ እስራኤል ንሓቂ ክሰብኽ አብ አምላኽ ክምለሱ ክንስሑ ብድፍረት ክነግር ተላኢኹ። ብሓቂ ከቢድ ሓላፍነት እዩ እንተ ኾነ አምላኽ ሒዝካ እትልአኾ ክበዱ ተቐባልነቱ ብዘየገድስ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ምብጽሕ እዩ ተራኻ። ሎሚ ንሕና ሰበኽትን ተላአኽትን አብጻሕትን መልእኽቲ አምላኽ ኢና። ከም የውሓንስ መልእኽትና እናአብጻሕና ሞት በቶም መልእኽቲ አምላኽ ክቕበሉ ዘይደልዩ እንተ መጸና ክንቅበል ትሑዛት ኢና። ንኤርምያስ አነ ምሳኻ አሎኹ ዝበለ አምላኽ ሎሚ እውን ምስ ቤተ ክርስትያኑ ምስ ህዝቡ አሎ ሓንትስ አሚና አብኡ ንመለስን ንስማዓዮን።

ሎሚ በዚ ብሩኽ ዕለት እምብአር ንቅዱስ ዮውሓንስ ነቲ አብኡ ዝነበረ እምነትን ትብዓትን ተኸቲልና ከምኡ አብዛ እንጅምራ ዘሎና ዓመትና አብ ኩሉ ንሓቂ ክንምስክር ንአምነትና ክነብሮ ክንምስክሮ ክሕግዘና ንለምኖ።

ዓመት ሰላምን ፍቕርን ብልጽግናን ይግበረልና፥ ብሩኽ ሓዲስ ዓመት ብፍላይ አብ ሃገርናን ዓለምናን ምሕረት ወሪዱ ሰላም ፍቕሪ አብ ኩሉ የውርደልና እናበልኩ ንኹልኹም ርሑስ ብዓል ሓዲስ ዓመትን ቅዱስ ዮውሓንስ እብል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

10 September 2018, 13:43