ድለ

FILES-ERITREA-ETHIOPIA-DIPLOMACY-BORDER-TRADE FILES-ERITREA-ETHIOPIA-DIPLOMACY-BORDER-TRADE 

ነዛ ሃገር እግዚኣብሔር የፍቅራ ኢዩ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣብ 10ይ ዓመት ናጽነት 24 ግንቦት 2001

ቅድሚ 17 ዓመት ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ መዝነቶም ንዝርከቡ ምእመናንን ንኲሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ፣
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

መባእታ

“ንድኻታት ከበሥሮም ስለዝቐብኣኒ፣ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ& ንምሩኻት ምምላስ፣ ንዕዉራን ምርኣይ፣ ንግፉዓን ሓርነት ከበሥር፣ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሔር ክሰብኽ ለኣኸኒ” (ሉቃ 4፣18);

1. እግዚኣብሔር ንዘፍቅራ ነዛ ሃገርን፣ ብሓልዮቱ ኣብኣ ንዚነብር ሕዝብን፣ መራሕቱን& ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ መዝነትና ንእትርከቡ ምእመናንን፣ ከምኡ’ውን ኲሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦና ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።

      ናይ ቤተክርስቲያን ተልእኮ፣ ንናይ ክርስቶስ ጸጋታትን መደብ ድኅነትን ናብ ደቅሰብ ምዝርጋሕን ምብጻሕን፣ ማዕረ ማዕረኡ ድማ፣ ነቲ ምድራውን ግዜያውን ሃለዋት ደቅሰብ ብመንፈስ ወንጌል ከተብርሆ ግቡኣ ስለዝኾነ፣ (ሓዋርያዊ ተልእኾ ምእመናን ቊ. 5 - Apostolate of the Lay Faithful, 5)፤ ሎሚ ናይ ዘለዉ ኲሎም ሰባት (ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን) ሓጎሶምን ተስፋኦምን፣ ሓዘኖምን፣ ጓሂኦምን ኲሉ ናይ ቤተክርስትያን ሓጎስን ተስፋን፣ ሓዘንን ጓህን እውን ብምዃኑ& (ፍሥሓን ተስፋን ቊ.1፤ The Church in the Modern World.1);

      ዓሥራይ ዓመት-ነጻነት ሃገርና ኤርትራ ኣብ እነኽብረሉን፣ ካብዚ ናይ  ዓመት ደልሃመት-ውግእ እንወጽኣሉን፣ ንምርጫታት እንሸባሸበሉን ዘሎና ወርኃት፤ እግዚኣብሔር ነዛ ሃገር ከምዘፍቅራን፣ ንሕዝባ ከምዚሓልየሉን፣ ኣብ ዝሓለፈን ዝቐረበን ታሪኹ ድንቂ ነገራት ከምዝገበረሉን ብምዝኽኻር፤ ንናይ ሕዝብና ሃለዋት ዚትንክፍ ዘበለ፣ ማኅበራውን ፖለቲካውን፣ ኤኮኖሚያውን፣ መንፈሳውን ጕዳያት ብዚርኢ ናይ ተስፋን ናይ ምጽንናዕን ናይ ማዕዳን ለበዋን ቃላት ከነስምዓኩም ግቡእና} HEÏ{q|} †£;

      ብቓል ኢሳይያስ ነቢይ ገይሩ እግዚኣብሔር - “ንሕዝበይ ኣጸናንዑ! ይብል ኣምላኽና፣ እወ! ንሕዝበይ ኣጸናንዑ! ንሕዝቢ ኢየሩሳሌም ኣተባብዑዎም፣ ጸበባኦም ከMዝተወድአ፣ ኣበሳኦም ከኣ ከምዝተኃድገ ንገርዎም” (ኢሳ. 40፣1-2) ዚብል ቃል፤ ሕጂውን ንሕና ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ብሓድሽ መንፈስ ንደግመልኩም ኣሎና።

1 ክፍሊ 

10 ዓመት ናጽነት

ምስጋና ንኣምላኽ

 

2. ቅድሚ 10 ዓመት፣ እቲ ናይ 30 ዓመት ኲናትን ዕንወትን ኣብቂዑ፣ ሕዝባዊ Oራዊት ሓርነት ኤርትራ ብዓወት ኣብዛ ዋና ከተማና ብምእታዉ፤ ኣብ ሕዝብና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ መንፈስ ታሕጓስን ምጽንናዕን ሰፊኑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፤ ናይ’ቲ ታሪኻዊ ወቕቲ እንታይነቱን ትርጉሙን ኣንፈቱ ንኸይስሕት፣ ኣነጺርና ንምብራህ ኣብ ዝጸሓፍናያ መልእኽትና “ድሕሪ ናይ ዓመታት ውግእን ናይ ዘተ ሰላም ጻዕርን፣ ባብ ይርከቦ ዘይመስል ካብ ዝነበረ ሃለዋት ናጻ ስለዘውጽኣና፣ ብርሑው ልብን፣ ትሑት መንፈስን ንኣምላኽና ከነመስግኖ ይግበኣና” (ሰላምን ምዕብልናን-1991) ኢልና ነበርና። ሽዑ ነቲ ምእንታና ድንቂ ነገራት ዝፈጸመ ኣምላኽ (ሰላ.ምዕ. 1991) ከምዘመስገንናዮ፣ ሎሚ’ውን ድሕሪ 10 ዓመት፣ ብዝለዓለ መንፈስ ምስጋና ክንቀርቦ ግዲ እዩ። ከመይሲ፣ እቲ ብዙሕ ዝተጻዕረሉ ሰላማዊ ሕዝባዊ ረፈረንደም ብጽቡቕ ተሰናዲዩ፤ ብጽቡቕ’ውን ተኻይዱ ተፈጺሙ ከኣ። እዛ ብዙሕ ዝተሣቐየት ሃገርን ሕዝባን ብዜዂርዕ ኣገባብ፤ ብድምፁ ኣቢሉ ኣብ ማኅበረሰብ ዓለም ብምጽንባር ግቡእ ቦታኡ ሒዙ እዩ። ድሕሪኡ’ውን ብመጠኑ ናእዳን ኣድንቖን ዝረኸበ ናይ ዳግመ-ሕንፀት ጉዕዞ ስዒቡ፤ ማዕረ ማዕረኡ ድማ ቅዋም ናይ ምርቃቕን ምጽዳቕን ዕማማት ብግቡእ ተፈጺሙ። እዚ ከኣ ኣብ ናይ ሰላም መንፈስ ስለዝኾነ በዚ መንፈሳዊ በረኸት ንዝባረኸና ኣምላኽ ከነመስግኖ ግቡእ እዩ (ኤፌ. 1፣3)።

      ኣብዚ ዝሓለፈ Oለስተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሕዝብናን ሃገርናን ዝወረደ ፈተና መማዝንቲ ዘይብሉ ምንባሩ ርዱእ እዩ። ብሞት ዝተፈለየን ዝሰንከለን& ካብ ጥጡሕ ናብራኡ ዝተዘናበለን& ዝተሰደደን ዝተዋረደን& ኣለይቱን ናበይቱን ናብ ግንባር ውግእ ሰዲዱ ብመነባብሮ ኣዝዩ ዝተጸገመ ኅብረተሰብ ኮይንና ኢና። ነዚ ዂሉ መሰናኽላት ንምስጋር& ከቢድ ኃላፍነት ንምጻርን ዓቕሚ ንዝሃበና ኣምላኽ፤ ካብዚ መሪር ሃለዋት ከኣ ተማሂርናን ተመኲርናን& ክንወጽእ’ሞ ናብ መድረኽ-ሰላም ገጽና ከነማዕዱ ንዘኽኣለና ኣምላኽ፣ ቀዳማይ ተግባርና ንኣኡ ሞሳ ምምላስ ስለዝኾነ፣ ንሕና’ውን ከም መጠን መንፈሳውያን መራሕቲ እነቕርቦ ቀዳማይ ምዕዶና “እግዚኣብሔር ኣምላኽና ምዃኑ ፈሊጥና” (ሕዝቅ. 37) “Oናይ ከምዝኾነ” (መዝ. 136፣1)& ተኣሚንና ዚበቅዕ ምስጋናን ሞሳን ንከነቕርብ እዩ።

ናጽነት ህያብ ኣምላኽ እያ

3. ዕብየት ሰብ ዚገልጽን፣ በምሳል-ኣምላኽ ከምዝተገብረ ካብ ዜረጋግጽን ባሕርያቱ ሓደ& እቲ ፍጥር ኪብል መዓልቲ ወዲሰብ ዝተዓደሎ ጸጋ-ናጽነት እዩ (ዘፍ. 1፣26-27& ጥበ.2፣23& Pñራክ 17፣3-10)። ናጽነት ንሰብ ምስኡ ዝተፈጥረት ምስኡ ከኣ እትነብር ዕድሎቱ እያ። ስለዚ እዩ ኸኣ እዛ ብኣምላኽ ዝተዋህበቶ ዕድሎቱ ብዝኸምኡ ሰብ ክትንፈጎ ከላ& ንኪረኽባን ንኪጭብጣን ዝተፈላለየ ብልኃታትን& ክሳብ ኃይሊ ምጥቃምን ዚበጽሓላ።

      ንሕና ደቂ-ሰባት’ውን ምእንቲ ናጽነትን ፍትሓውነትን ንወፈ፣ ንቃለስ ደኣምበር ንስራሓቱን፣ ነቲ ሰብኣዊ መጋበሪታቱን፣ ብምሥጢራውን ጭቡጥን ኣገባብ ኣወሃሂዱ& ንጉዕዞ ታሪኽ ብምምራሕ ንሱ ባዕሉ ናብ ዝመደበሉ ዕላማ ኣቢሉ ዜቕንዖ፣ እግዚኣብሔር ምዃኑ (ሰላምን ምዕብልናን) ብጽኑዕ እንኣምኖ እዩ። “ኣኅዋተየ ንስኻትኩም ሓራ ክትኮኑ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም እንተኾነ ንሓድሕድኩም ደኣ ብፍቕሪ ተገዝኡምበር& እዚ ሓርነትኩምሲ ንምኽንያት ኃጢኣት ኣይትግበርዎ” (ገላ. 5፣13)። ናጽነት እምበኣር ደስ ዝበለካ ንምግባር፣ ካብ መዝነታውን ሓላፍነታውን መሥመር ንምውጻእ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዝቐረበልካ Oናይ ነገር ንምምራጽን፣ ንምኽታልን ዚግበር ምንቅስቓስ ወይ ውሳኔ እዩ። ፈጣሪ ኣምላኽ ባዕሉ ንነፍስ-ወከፍና “እንሆ፣ ሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም አንብር ኣለኹ።” (ዘዳ. 11፣26)። ስለዚ ከኣ ናጽነት ምስቲ እግዚኣብሔር ኣብ ተፈጥሮና ዝሰዂዓልና ዓቕሚ ኣእምሮን ድልየትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እዩ፣ (ፍሥሓን ተስፋን፣ ቁ.17)።

      እዚ ዓOርተ ዓመት ከም ናጻ ሃገር ኮይንና ኣሕሊፍናዮ ክንብል ከሎና ናጻ ዝኾኑ ዜጋታት ዝሓቖፈት ናጻ ሃገር ማለት& ናጽነት ሓንቲ ሃገር፣ ብናይ ዜጋታታ ናጽነት ይቐውም። ናይ ኅሊናን እምነትን ናጽነት& ናይ ዘረባ፣ ጽሑፍን ርክብን ናጽነት& ተሓባቢርካ ናይ ምዝታይን ምስራሕን ናጽነት ዝጨበጡ ዜጋታት ዚቕመጥዋ ሃገር ብግዳምን ብውሽጥን ናጻ ሃገር ክትበሃል ግዲ እዩ። ነቶም ናታን፤ ሕግታታ ኣኽቢሮም ኣብኣ ንዚነብሩ ዘበሉ ድማ እታ ሃገር ናይ ናጽነት ውሕስነት ክትህብ ግቡእ እዩ። በዚ መንጽር’ዚ ካበይ ተበጊስና ኣብይከ በጺሕና? ኢልና ክንሓትት ነፍስ-ወከፍ’ውን ንOናይ ዘበለ ነጺጉ ንናጽነቱ ኣብ ዘይመዓላኡ ኣውዒልዎ፣ መሰል ብጻዩ ግሂሱ፣ መሥመር ፍትሒ ጥሒሱ እንተኾይኑ ንኅሊናኡ ኪምርምር& ከምኡ’ውን ከም ሕዝብን ሃገርን ነታ ከም ክቡር ህያብ ዝተዋህበትና ናጽነት እንበቅዕ ኮይናዶ ተረኺብና ኢልና እንሓተሉ እዋን እዩ። ከመይ “ነፍስ-ወከፍ ሰብ ነቲ ብሥጋዊ ሕይወቱ ከሎ ዝገበሮ Oናይ ኮነ እከይ ምእንቲ ኪቕበል ኲላትና፣ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ብግዲ ክንቀርብ ኢና” (2ቆሮ. 5፣10)።

እዋን ሰላምን ምዕብልናን

4. ሰላም ማለት ውግእ ዝጎደሎ ሕይወት በይኑ ከምዘይኮነ& ሰብኣውነት ዝዓዘዞ፣ መሰላት ዚሕለወሉ፣ ምልኣት-ሕይወት ዚረኣየሉ፣ ብኩሉ መዳያት ዚምዕብለሉን ምዃኑ፣ ንከነመልክት ኣብታ “ሰላምን ምዕብልናን” እትብል ናይ 1991 መልእኽትና ከምዚ ዚስዕብ ጽሒፍና፣ “ሓዲሽ ኅብረተሰብን ንወድሰብ ዚበቅዕ ጽፉፍ ሥልጣኔን ብዛዕባ ምፍራይ እንክንዛረብ፣ ሓደ ክንርስዖ ዘይግብኣና፣ ዝኾነ ይኹን ሥልጣኔ ብዘይካኡ ጐደሎ ኮይኑ ዚርከብ ፍሉይ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ስፍሓትን ምልኣትን ዝዓዘዞ ምዕብልና ወዲ ሰብ እዩ። ምዕብልና እንኪበሃል ብኤኮኖሚያዊ ዕብየት  ጥራሕ  ዚምዘን  ኣይኮነን። ምዕብልና ጽፉፍን ቅኑዕን ኮይኑ ምእንቲ ኪርከብ& ምሉእ ኪኸውን ኣለዎ& እዚ ማለት ከኣ ንነፍስ-ወከፍ ሰብ ዚደምዕን& ንሕይወትን ኲነታትን ወድሰብ ብዂሉ መዳያት ዜማዕብልን ኪኸውን ይግባእ። ... እቲ ኪጸዓረሉ ዚግብኦ ፍጹምን ምሉእን ሰብኣውነት እዩ;”

5. ብድሕሪ ሓርነት ኣብ ዘሎ እዋን ኲሉ ናብ ሰላምን ምዕብልናን ጠሚቱ& ኣብ ግዳምን ውሽጥን ዘሎ ኤርትራዊ ንሰላምን ምዕብልናን ሃንቀውታኡ’ውን ልዕሊ ዓቕሙ መጢጥዎ ብቐሊሉ፣ ብዘይገለ መኻልፍ ዚመጽእ ዝመሰሎም’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን& ብዝኾነ ግን ኣብተን ሰላምን ህድኣትን ዝነበረለን ናይ ናጽነት ዓመታትን& ብወገን መOረታት-ልምዓት ማለት ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ክንክን ጥዕና ጽርግያታት ጸዓት ዝበለ ግሩም ስጕምትን ምዕባለን ከምዝተራእየ ዚከሓድ ኣይኮነን& ካብ ኩሉ ኸኣ ንገጠርን ከተማን ከመዓራሪ& ኣውራ ነቲ ወገን ገጠር ዘተኰረ ምዃኑ ኣወንታዊ እዩ።

      ኣብ’ቲ ንገጠራት ዝጠመተ ናይ ምዕባለ ልምዓትን መደባት ቤተክርስትያን ብወገና፣ እጃማ ኣበርኪታ እያ። ቤተክርስትያን “ዘይመንግሥታዊ ማኅበር ረድኤት (NGO) ኣይኮነትን” ብኸምኡ ክትረአ’ውን ኣይግባእን። እቲ ብኣኣ ዚዋፈር ናይ ሰብኣዊ ምዕብልና መደባት ንዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ ዓሌታዊ ወይ ካልእ ሌላን ጕሌላን ዝተመርኰሰ ወይ ከኣ ብናይ ምስዳዕ ዕላማ’ውን ዝተበገO ኣይኮነን። “ቤተክርስትያን ፖለቲካዊ ኤኮኖምያዊ ወይ መንም ማኅበረሰባዊ ሥርዓት’ኳ እንተ ዘይኮነት ነቲ ክርስቶስ ኣብ ደቂ ሰባት ዝመሥረቶ ሓድነትን ክብርን ንምስፋን ዝከኣላ ትገብር” (ፍሥሓን ተስፋን፣ ቊ.42)። ኣብ ኅብረተሰብ ዘለዋ ቦታ ከኣ ተልእኮኣን ህላዌኣን ብቐንዱ ዘምጽኦ& ብታሪኽ ከኣ ዝጸንሐ ደኣ እምበር ብናይ ገለ ኃይልታት ልግሲ ወይ ድንጋጌ ዝመጸ ኣይኮነን።

      ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንስራሕ ቤተክርስትያን ዚድርት ብዙሕ ነገራት ተፈጺሙ። እቲ ብዘመነ-ግዝኣት ብዓመጽ ካብ ቤተክርስትያን ዝተወስደ ንሕዝቢ እተገልግለሉ ዝነበረት ተቕዋማት’ኳ ዛጊት ኣይተመልሰላን። ብዘመነ-ግዝኣት ባዕዲ ዝተፈጸመ ዝተፈላለየ ብዙኅ በደላት እናተኣረመ ከሎ፤ እዚ ንንብረት ቤተክርስትያን ዚርኢ፣ ቆላሕታ ዘይምርካቡ ስለምንታይ እዩ? ናይ ፍትሒ ጉዳይ’ውን ስለዝኾነ ወትሩ ኪለዓልን ኪትንከፍን ኪነብር ግዲ እዩ።

6. መደባት ልምዓትን ምዕባሌን ብወገን መንግሥቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብቤተ ክርስትያን& ካልኦት ገበርቲ Oናይ ብወገን ብሕታዊ ክፋልውን ኮይኑ ንሕዝቢ ዘሳትፍ ኪኸውን ኣለዎምበር& ብሓደ ወገን ጥራሕ ዚግበር ምንቅስቓስ ወይ ሕዙእ ተግባር& ወትሩ ድሩት ምዃኑ ዘይተርፎ እዩ።

      ኣብ ወገን ኤኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳትን ንግድን& ከምኡ ኣብ ናይ ወፍሪ (Investment) እቲ ዚድለ ምሉእ ናህሪ ዘለዎ ምንቅስቓስ ብዙሕ ሰብ ዝበሃጎ እዩ። ብባንክ-ዓለም ዝተጠቕሰ ዕብየት የሃሉ’ምበር፤ ካልእ ኣገባብን ዝሓሸ መደብን እንተዚግበርከ ኣበይ ዘይምተበጽሐ ዚብል ኣረኣእያ እውን ኣሎ። ቅጥዒ ዘይብሉ ርእሰማልነት (Capitalism) ፋሉል ምስዳዱ’ኳ ዘይቅቡል እንተኾነ (ዮሓንስ ጳውሎስ 2፣ መበል ሚእቲ ዓመት - Centesimus Annus, 42)፣ ብመጠኑ ግን ኣሳታፊ ዝኾነ፣ ብፍላይ ነቲ ትሑት ዝዓቕሙ ብሕታዊ ክፋልን& ንህላዌ ናእሽቱ ነጋዶ ዘየሃሲ ኣገባብ ኪመሃዝ የድሊ። እቲ ዚበሃል ኲሉ’ኳ ሓቂ ኢዩ እንተዘይተባህለ “እንታይ ይበሃል ኣሎ?” ብምባል መንገድና ክንመዝን ግን ግቡእ እዩ።

7. ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ትዕዝብትና ተመርኲስና እንክንዛረብ እነተሓሳስቦ ሓድሓደ ነገራት ኪህሉ ግዲ እዩ። “ምዕብልና ምሉእ ኪኸውን ኣለዎ። ንነፍስ-ወከፍ ሰብ ዚደምዕን ንሕይወትን ኲነታትን ወዲ-ሰብ ብዂሉ መዳያቱ ዘማዕብል እዩ” ኢልና ኔርና። ብመንግሥቲ ዚወጽእ ሕግታት መብዛሕትኡ ግዜ ብላዕለዋይ ኣካል ምስወጽአ ኣብ ታሕቲ ኣብ ሕዝቢ እንታይ ጽልዋ የምጽእ ኣሎ ዚብል ግምት ኣይውሰደሉን። ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ጸገማት ከይተራእየ፣ ኣብ ግምት ከየእቶኻ፣ ብምምሕዳራት ተባሂሉና ኢልካ ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዚጸዓን ናይ ቀረጻትን ካልእን ጕዳይ ንሕዝቢ ከማርሮ ዚኽእል እዩ። ናይ ሕዝቢ ድምጺ ብቐሊሉ ናብ ላዕላይ ሥልጣን ዚበጽሓሉ፤ መቓልሕ ዚረኽበሉ ኣገባብ ኪህሉ የድሊ። ኣብ ምምሕዳራት ከኣ፣ ንጡፍን ጽፉፍን (transparent) ዝኾነ ኣገባባት ኪምዕብል የድሊ። እቲ ናይ ሰላምን ምዕባሌን እዋን ዝበልናዮ ድሕሪ ሓርነት ዝነበረ ዓመታት ናቱ ጸገማት ዘይነበሮ ኣይኮነን።

      ብመንጽር እዚ ሕይወት ሕዝብና ኪረአ ከሎ ኣብ ፍርዳዊ ኣገባባትን& ሥርዓት ኣብያተ-ፍርድን ዘሎ መረረ ሸለል ዘይበሃል እዩ። መንግሥቲ’ውን ተገንዚብዎ እናናሳዕ ዚህበሉ ምኽንያት ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ እዩ። ዚኣክል ምሁር ኣካል ዘይምህላዉ፣ ዘምጽኦ ጸገም እዩ ተባሂሉ፤ ግና በዚ ኹሉ ዓመታትስ ገለ ምምሕያሽ ኪረአ ነይሩዎ፤ ሕጊ ዚፈልጥ የለን፤ ኣካይዳ-ሕጊ ዚቕበል ኅብረተሰብ የብልናን ከይንብል፤ ሕዝብና ዓሚቝ ስምዒት-ሕግን ርድኢቱን ከምዘለዎ ዝተመስከረሉ እዩ። ብቑዕ ፍርዳዊ ኣገባብ ዘይብሉ ኣብኡ ብልሽውና (Corruption) ኪዕንብብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ብልሽውና’ውን ወይ ድሮ ወሪሱና ከይህሉ& ወይ ከኣ ከይወረሰና ብኣጋኡ ክንጥንቀቕ ዜድሊ መጋበሪታትን ናይ ቊጽጽር መደባትን ኪህሉ የድሊ።

      ናይ ስራሕን ሰራሕተይናን መሰል ጡረታ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም መOረታዊ ዝኾነ ሕቶ እዩ። ብስም ኣገልግሎት ዚመሓደር ናይ ሰራሕተይና ደሞዝ’ውን ንሃለዋት ኣገልጋልን፣ ዚኣልዮም ሥድራን ቆልዑን ኣብ ግምት ብምእታው ኪኸውን& ብሓፈሻ ናይ ዜገልግልን ዚሰርሕን መሰሉ ይተሓሎ(ስራሕ ደቂ ሰብ ቊ. 19 On Human Work,19); ምዕዳል መሬት ካብ ግቡእ ንላዕሊ ተደናጕዩ ንዋጋታት ክራይ ሰማይ ሰቒልዎ፣ ናይ’ቲ ማንም ደሞዝተይና ንኽራይ ዚኸፍሎ& ኪግመት ከሎ ንምእማኑ ዘጸግም ኮይኑ ኣሎ። መንግሥቲ ንዕዳጋ ክራይ ኪቆጻጸሮ ይጽግም ይኸውን፣ መሬት ብምዕዳል በዓል ዓቕሚ ባዕሉ ንኪሓንጽ ከቀላጥፍ ይኽእል እዩ በሃልቲ ኢና። እዚኣቶም ካብ’ቶም መሠረታውያን መሰላት ደቂ ሰብ ምዃኖም እንኣምነሎም ነጥብታት ኢዮም (ሰላም ኣብ ምድሪ ቁ.11፣ Peace on Earth , 11);

ባህልን መንነትን

8. ንጥንታውን ታሪኻውን መንነት-ሕዝቢ ዚትንክፍ ልማዳት ኣገባባት በብቑሩብ ሰሊኹ ኪኣቱ ዚጸንሐ እዩ። ኣብ’ዚ ዓመታት’ዚ ግን ኮነ ኢልካ ንዋትን ገንዘብን ጉልበትን ብምፍሳስ ወግዓዊ መልክዕ ንምልባሱ ዚግበር ምንቅስቓስ ብገርሂ ተገይሩ ኣይንብሎን። እቲ ምስ ተፈጥሮኣዊ ሕይወት ሕዝብና ዝተኣሳሰረን ሃብቱ ዝኾነን ሓዲሽ ዓመት መስከረም ሸለል ኢልካ ነቲ ናይ ጥሪ ዘይዓቕሙ ዋዕዋዕታ ምሃቡ ዕላማኡ እንታይ እዩ? ከምኡ’ውን ንበዓል ልደት-ፈረንጂ ዝለዓለ ግምት ምሃብ ንሓድነት ሃገር ዘደንፍዕ ብሓቂዶ ንሱ እዩ? ነቲ ጥንታዊ ፊደል ግእዝ‘ውን ዜድሊ ቈላሕታ ዘይምግባር እንታይ እዩ ብልሓቱ? ብታሪኽናን ብመንነትናን ክንኰርዕ ኣሎና& ኣብ ርእሰ-ምርኰሳ ክንኣምን ኣሎና ዚበሃል ደኣ እንታይ እዩ መOረቱ? ዓሚቝ ሠረት እምነትን መንፈሳውነትን ንዘለዎ ሕዝቢ& ኣብ’ቲ ኣብ ቤተክርስትያንን መሳጊድን ግቡኡ ኪፍጸመሉ ዘለዎ በዓላትን ግዜያትን ካልእ መደባት ምስራዕከ ኮነ ኢልካ& ካብኡ ንምርሓቑ ዝተገብረ እዩ፣ ኢልካ ካብ ምጥርጣር የድሕንዶ?

      ሕዝብና’ውን ብወገኑ በቲ ትሑት ዓቕሚ ነቲ መንነቱ ግቡእነቱን ዚሕሉ ኣገባባት ተኸቲሉ ደኣ መደባት መርዓን ካልእ ጕዳያትን ኪገብር ይግባእ እምበር፣ ልዕሊ ዓቕሙ ብምኻድ ንረኣዩለይ ስምዑለይ ኮይኑ& ድሕሪኡ ኣብ ዕዳ ኪኣቱ ኣየድልን። በዚ መዳይ’ዚ ዓሚቝ ዝኾነ ማኅበራዊ፣ ባህላዊ ጽገና ኪገብር ይግብኦ ቢልና ንለውጢ ንጽውዕ። ኣብ’ቲ ንበዓልን ንጸሎታትን ዝተመደበ እዋን-ኣምልኾ ኮነ ኢልካ ኣኼባታት ምምዳብ፣ (ከም ኣብነት፣- ዓርቢ ስቕለት፣ ሃገራዊ በዓል ክነሱ ንብዙኃት ተመሃሮ ኣብ ናይ ልምምድ መደባት ጸሚድካዮም ምውዓል) ኣብ ኅሊና መንእሰያትና ኪዝራእ እንደልዮ ፈሪሓ-እግዚኣብሔር ዝዓሰሎ ሥነ-ምግባራዊ ኲስኰሳ ተጻዩ ምኻድ ኮይኑ ይረኣየና።

ማኅበራዊ ሕይወት

9. ኣብ ማኅበራዊ ሕይወት ሕዝብና’ውን ኣብ’ቲ ናይ ሰላምን ምዕባሌን ዓመታት ናይ ማኅበራዊ ናብራ ሥነ-ምግባርናን፣ ሕሊናናን፣ መልክዕናን ኪሃስስ እዩ ዝተራእየና። እቲ ፈሪሓ-እግዚኣብሔር ዝዓሰሎ ኣብ እምነት ዝተሓንጸ ባህልና በብቝሩብ ተሸራሪፉ ተዛሒቑ ይኸይድ ኣሎ። ናጽነት ማለት ብኃላፍነትን መዝነትን ግቡእካ ፈሊጥካ፣ ነቲ ቅኑዕ መሪጽካን ፈጺምካን ምኽኣል ደኣ’ምበር ብዘይ ቅጥዒ ምኻድ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ግን፣ ናይ ስድራቤት ሓድነትን መOረታዊ ባህርያትን፣ ናይ ምትእምማን ምድንጋጽን መንፈስ፣ ናይ ኃልዮት-ሓድሕድን ልግሥን ምቕባል ጋሻን፣ መንፈስ ዝሒሉ ይረአ& ዳርጋ’ውን ተረሲዑ ናብ ስስዕትን ጥልመትን፣ ናብ ዝርገትን ኣቢልና ንኸይድ ኣሎና። ኣብ’ቲ ኣካረይቲ ንተኻረይቲ፣ ነጋዶ ንተሻየጥቲ፣ ኣስራሕቲ ንሰራሕተይና ዚፍጽምዎ ዚረአ ዝንባሌ እዩ።

10. እዚ ከኣ መበቈሉ ካብ ዋሕዲ ፈሪሓ-እግዚኣብሔር እዩ። ሕዝብና ድሕሪ ናጽነት ዘምጽኦ ዝንባሌ ብውሑድ ቃላት ኪግለጽ ከሎ፣ “ካብ ግዝኣት-ሰብ (ጓና) ሓራ ወጺእና፣ ካብ ግዝኣት-ኣምላኽን ሕጉን’ውን ሓራ ኢና” ዚብል ይመስል። “እንተ ዘይተጠንቀቕኩም ግና፤ በሊዕኩም ምስ ጸገብኩም፣ ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕኩም ምስተቐመጥኩምወን& ኣሓኹምን ኣባጊዕኩምን ምስ ሰሰና፣ ብሩርኩምን ወርቅኹምን ከኣ ምስ በዝሓልኩም፤ ዘሎኩም ድማ ምስ በርከተ ሽዑ ልብኹም ኪዕበ እዩ’ሞ& ነቲ ካብ ግብፂ፣ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣኩም እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ክትርስዕዎ ኢኹም” (ዘዳ. 8፣11-14)፣ ዝበሎ እግዚኣብሔር እነሆ ይረአ ኣሎ ክንብል ንኽእል። ብሕጊ ኣምላኽ ምክያድ ብጥበብ-ኣምላኽን ሕጉን ዝተመራሕካ ምዃን ናይ ሕዝብና መለለዪኡ እዩ። ነዚ ዚድርብየሉ መዓልቲ መንነቱ ደርብዩ ማለት እዩ።

      ናይ ማኅበራዊ ሕይወት ምዕባሌን ፈሪሓ-እግዚኣብሔርን ኣይጋጮን እዩ። እኳ ደኣ ንነባሪ ሥልጣኔ መOረቱ፤ ድልዱል ዓንድታቱ መንነትካ ምሕላው መደብ እምነትካ ምጽናዕ እዩ። እምነት እጂ-ሰማይ ጥራሕ ዘይኮነ እጂ-ምድሪ’ውን እዩ።

ዘይተጸበናዮ ኲናት

11. ወዮ ደኣ ካብ ታሪኽ ዝተመሃርናዮ እንተልዩ፣ ሰብ ካብ ታሪኽ ከምዘይመሃር እዩ’ምበር፤ ብ1991 ዓ.ም.ፈ፣ ኣብታ “ሰላምን ምዕብልናን” እትብል መልእኽትና፤ “ካብ ዝሓለፈ እንታይ ተማሂርና” ኢልና ሓቲትናስ ምላሹ “ውግእ ከይድገም” ዚብል ከምዝነበረ፣ ብቐረባ እንዝክሮ እዩ። ምስኡ’ውን ቅጽል ኣቢልና፣ “ግጭታትን ናይ ሓሳብ ፍልልያትን ንምፍታሕ ዚግበር ውግእ ትርጉም የብሉን” ኢልና። “ብሰላም ዚጠፍእ ነገር የለን& ብውግእ ግን ኲሉ ይጠፍእ” (መበል 40 ዓመት& ፕዮስ መበል 11፤ The Reconstruction of Social Order, 1931)፤ “ናይ ዓሌት-ሰብ ዕድልን ዕጫን ኪውስን ዚግብኦ ውግእ ዘይኮነስ ሰላም እዩ” (ጳውሎስ 6)& “ውግእ ትርጕም ዘይብሉ ተርእዮን፣ ወትሩ ዘይፍትሓውን እዩ” (ዮሓንስ ጳውሎስ 2)። ውግእ “ምስቲ ዝሓለፈ መሪር ታሪኽ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፤ ንወትሩ ንመዘከርታን መጠንቀቕታን ጥራሕ ኮይኑ ኪነብር፤ ናይ መጻኢ ወለዶታትና ድማ ካብ’ዚ ኪድሕን” ተመኒና፣ ብኸም’ዚ ክንጐዓዝ ብሂግና ነበርና። እንተኾነ ግን፣ ትምኒትና ኣይተፈጸመን። ኣብ ዘይተጸበናዮ ክልቲኤን ጐረባብቲ ሃገራት’ውን ርክባተንን ጕርብትናኤንን ንመላእ ኣህጉርና ኣብነት ኮይኑ ኣብ ዝተጠቕሰሉን እዋን፣ እዚ ብኽልቲኡ ወገን፤ ሕይወት ኣሽሓት መንእሰያት ዝዓጸደን፣ ንብዙሕ ሕዝቢ ዘሳደደን ኲናት መጺኡ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ 30 ዓመት ውግእን ጸብእን ዘይተራእየ ቅርሕንትን፣ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ንኪለዓል ጐስጓሳትን፣ እሞ Oለስተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋንስ ንረብሓ መን’ዩ? ዘየብል ኣይኮነን።

12. ናይ’ዚ ውግእ’ዚ ምውላዕ፣ ብብዙሕ መዳያት ሃስዩና እዩ። ዜፍሪ ኃይልን፣ ዝፈረየ ሃብቲ-ሃገርን ብምሉኡ ናብ ውግእ ምውዓሉ እቲ ዝዓበየ ወጽዓ ኮይኑ፤ ንሕንፀትን ምዕባሌን ንድሕሪት ዚጐትት፤ ፈጺሙ’ውን ዚዓግት እዩ። ብኤኮኖሚያዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብማኅበራዊ፣ ሥነልቦናዊ፣ መንፈሳዊ፣ ሰብኣዊ መዳያት እውን እዚ ኪበሃል ዘይከኣል ክሳራ ዜስዕብ እዩ። ውግእ ኣዕናዊ ከምዝኾነ፤ መወዳእታኡ ድማ ብህላዌ-ውግእ ከሲበ ወይ ስዒረ ኢሉ፤ ዚጀሃር ከምዘየለ፤ ኲሉ ከሳሪ ከምዝኾነ ተደጋጊሙ ኪንገር ሰሚዕና። ምስ’ዚ ዂሉ ግና እቲ ኪዕገት ዝነበሮ ውግእ ቀጺሉስ ኣብ ዘይድለ ደረጃ ብምብጽሑ ዓሚቝ ሓዘንና ንገልጽ።

      ወለድን መብዛሕትኦም ኣባላታን፣ ናብ ግንባር ውግእ ዝኸድዋ ስድራቤት፣ ከመይ ዝበለ ኤኮኖሚያውን ሰብኣውን ሥነ-ልቦናውን ጸገማት ከምትጸውር& ሰብኡተን ናብ ግንባር ውግእ ሰዲደን ዚጽበያን፣ ማኅበራዊ ጸገማት ዝጾራን ኣንስቲ& ብቐጥታ ብውግእ ኣብ ዝተተንከፈ ከባቢታት ዚነብር ሕዝቢ፤ ቤቱን ንብረቱን ጥሪቱን ምስኣኑ፤ መሬቱ ኪሓርስ ዘይምኽኣሉ፤ ናብ ዘይፈልጦ ቦታ ምምዝባሉ፤ ከም ሳዕቤን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪሑ ዚነብር ዝነበረ ወገን ሕዝብና ንብረቱን ጥሪቱን ዛሕዚሑ ኪስጐጕ ምርካቡ& በዚ ዂሉ እምበኣር ውግእ ዝተጸበኻዮን ዘይተጸበኻዮን ሳዕቤናት የምጸኣልካ።

      ዜፍሪ ኣካል ኅብረተሰብ መንእሰይ ኣብ ግንባር ውግእ ምስላፉ፤ እቲ ብሓጺርን ነዊሕን ዕላማታትን ሸቶታትን ተመሪሑ ዚስጕሞ ዝነበረ ምዂላፉ፣ ንርእሱ ዓብይ ወጽዓ እዩ።

13. ናይ’ዚ ውግእ’ዚ ምምጻእ፤ ክንየው’ቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘውረዶ ናይ ስደትን ጥሜትን ዝተፈላለየ ውርደትን፣ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ፖለቲካውን፣ ናይ ተነጽሎን ዓይኒ-ጥርጣሬን መንፈስ ኣስዒቡ እዩ። እቲ ውግእ ኣንፈቱ ስሒቱ፣ ሰፊሕ ዞባታት-ሃገር ተወሪሩ፣ “ናበይ ገጹ እዩ?” ኣብ ዝተባህለሉ እዋን’ኳ ምእንት’ቲ ዝተመዛበለን ዝተወረረ ወገንን፣ ዝተጣሕሰ መሰልን፣ ዝዓነወ ንብረት ሲቪል ሕዝብን፣ ናይ ዓለም ለኸ ማኅበረሰብ ድምጺ ኪስማዕ ኣይተረኽበን።

መድረኽ ሰላም

14. ብኲናት ዚፍታሕ’ኳ እንተመሰለ፤ መንገዲ ግጭታት ምምራጽ፣ ማለት ነቲ ግድላት ምግዳዱን፣ ናብ ዝበኣሰ ሓደጋ ምስፍሕፋሑን ኢዩ፤ ስለዚ እዩ ኸኣ... ሕዝብታትን መንግሥታትን ንመንፈስ ጐነጽን ኃይልን ሰጊሮም፣ ንናይ ዓመጽን ሽበራን ብረታዊ ረጽምን ደጋጊሞም ኪነጽግዎ ቅድስቲ መንበር ብዘይምቁራጽ እተተባብዕ...” (ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ 2 ንኣምባሳደር ኤርትራ ብ14 ታኅሣስ 2000)። እዚ ርድኢት’ዚ ስለዝነበረና ናይ ክልቲአን ሃገራት መንፈሳውያን መራሕቲ ሰላማዊ ፍታሕ ንምድላይ ጻዕርና ጀሚርና ነበርና።

      ድሕር’ቲ ኩሉ ግን፣ ብ18 ሰነ 2000 ዓ.ፈ. ኣብ ኣልዤርስ ብዝተኸተመ ኣጠቓላሊ ውዕል ሰላም ኣዚና ተሓጕስና። ብምሉእ ልቢ ደገፍና ሂብና። ንልብታት ኣለስሊሱ፣ ንናይ ሰላም መድረኽ ንዘጣጥሐ ልዑል ኣምላኽ ምስጋና ይብጸሓዮ።

      ነቲ ብጸሎት ዚተግህ ደላይ ሰላም ሕዝብና፤ ብዝተፈላለየ መንገዲ ነዚ ጕዳይዚ ኣብ መዕለቢኡ ንኸብጽሑ ዝጸዓሩ ሰባትን ውድባትን ሃገራትን፣ ብልቢ ነመስግኖም& ክልቲኦም መንግሥታት’ውን ኣብ’ዚ ስምምዕን፣ ንዝቐጸለ ስጕምታት ንምስላጥን ብዘርኣዩዎ ጽቡቕ ድልየት ንንእድ።

ንሰላም ድለያ፣ ሰዓባውን

15. እዚ ዚበሃል ዘሎ፣ ኣጠቓላሊ ሰላም ንሕዝብታትናን ንሃገራትናን ብሓቂ ዜርብሕ ሰላም ኪኸውን፤ ነቲ ወሃብ ሰላም ዝኾነ ኣምላኽ ንልምኖ ኣሎና። እቲ ዓለም ኪህቦ ዘይክእል ነባሪ ሰላም ብኣምላኽ’ምበር፣ ብሰባት ዚመጽእ ናይ ሰብ ሰላም ዕድመኡን ዕላማኡን ወትሩ ሓጺር እዩ። እቲ ነዛ ሃገር ዘፍቅራ ኣምላኽና ፈጣሪና ሕጂውን “ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ” (ዮሓ. 20፣19) ይብለና ኣሎ። ነዚ ህያብ-ሰላም ዚበቅዕ ልቢ ከነሰናድወሉ እጃምና እዩ። ቅድሚ ሕጂ ውልዕ ኢላ ዝጠፍኣትና ግዜ-ሰላም እውን ነታ ህያብ ስለዘይተሰናደናላ ድዩ ወይስ ኣጸቢቕና ስለዘየመስገናላ? ተመሊስና ንርእስና ክንውከሰሉ ዚግባእ እዩ። ኦ! ሕዝቢ ኤርትራ! ንሰላም ድለያ ሰዓባውን። ነዚ ኣዕናዊ ኲናትዚ ሕዝቢ-ኤርትራ ኮነ መንግሥቱ ከምዘይደለዮ ነኣምን። ስለዚ ነዚ መንግሥትን ሕዝብን እንብሎ እንተልዩ፣ ንሰላም ዚዕድም ቃላትን ተግባራትን ንከነዘውትር እዩ።

16. ሓፈሻዊ ናይ ዕርቅን ምሕረትን መንፈስ ከነማዕብል የድሊ። ካብ’ቲ ባሕርያውን ክርስትያናውን መዕበያና ከምንግንዘቦ፤ እቲ ምሕረት ዚገብር ዕዉት እዩ፤ ወይ ከኣ እቲ ዕዉት ጥራሕ’ዩ ምሕረት ዚገብር (ማቴ. 5፣7)። ኣብ ኩሉ ኣቀራርባና፣ ናይ መራኸብ-ብዙኃን መደባትናውን ንዕርቅን ንምሕረትን ዜተባብዕ ዜጸናንዕ ቃላትን መልእኽትን እዩ ዜድምዕ እምበር፤ ነቲ ዜሰንብድን ዜርዕድን ከም ቃል-ብሥራት እናናሳዕ ምድግጋሙ፤ ንጉዕዞ ሰላም ዜደናጕ እዩ። ሕዝብና ጽቡቕ ቃልን ዜጸናንዕ መልእኽትን ኪሰምዕ ሃረርታ ጥራሕ ዘይኮነስ መሰል ኣለዎ። ይግብኦ እዩ። ኣብ ወሰናስን ሃገር (ዶባት) ዚነብር ሕዝቢ በዚ ውግእ’ዚ ሕልፊ ዝተሃስየ፤ ብዙሕ ግፍዒ ዝረኣየ እዩ& ከም’ቲ እንጽበዮን እንምነዮን እንተኾይኑልና ብዝቐልጠፈ ናብ ቤቱን መሬቱን ንኪምለስ እዩ። ዋላ’ውን ዶብ እንተተሓንጸጸ፣ እቲ ናይ ብስጭትን ስደትን ማህሰይቲ ናህሩ ንኺዝሕል፤ “ናይ ግጭትን ጽልእን ምዕራፍ በዚ ኪዕጾ.... ነቲ ዝሓለፈ ረሲዕና ድማ፤ ኃው ንዝኾነ ክልቲኡ ሕዝብና ዚኸውን ናይ ሰላምን ተስፋን መጻኢ ዕድል ከነማዕዱ” (ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣልዤርስ 13 ታኅሣስ 2000) ኣድላዪ ስለዝኾነ፤ ምስቲ ጐረቤቱን መናብርቱን መዋስብቱን ዝኾነ ስግር-ዶብ ዘሎ ሕዝቢ’ውን ርኡይ ናይ ዕርቂ መደባት ኪካየድ፤ እዚ ኸኣ፣ ኣብ ወገን መንግሥታት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብወገን ዓበይቲ-ዓድን፣ መራሕቲ-ሃይማኖትን ዕቱብ ኣቓልቦ ኪግበረሉ& እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መደባት ከኣ ኪቕጽለልና ሓደራ ንብል። “ብዝተረፈስ ኣኅዋተይ፣ ደኃን ኩኑ፣ ፍጹማን ኩኑ፣ ምኽረይ ስምዑ፣ ተሰማምዑ፣ ብሰላም ንበሩ፣ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪነብር እዩ።” (2ቆሮ. 13፣11)።

17. ዕርቂ ምስ ጸላኢኻ ጥራሕ ዚፍጸም ኣይኮነን& ምስ ርእስና’ውን ክንዕረቕ ኣሎና። ዓቕምና ክሳብ ክንደይ ከምዚበጽሕን፣ ሰብ ብምዃንና ናይ ሰብ ባሕርያትን፣ ጠባያትን ሒዝና፤ ናይ ብርታዐን ድኻምነትን፣ ናይ ሕመቕን መንፈዓትን ባሕርያት፣ ከምዘሎና ኣሚንና ወትሩ መንጎይና መደብ ምሓዝ የድሊ።

      ኅብረተሰብና’ውን እንተኾነ ዓሚቐùን Oፊሕን ናይ ዕርቅን ምምሕሓርን ምውህሃድን መንፈስ ኪለብስ የድልዮ። ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ምስ ዘለዎም ወገናትን ጉጅለታትን እውን፣ ናይ ዕርቅን ስኒትን መደብ ንምዝርጋሕ ዚከኣል ዘበለ ኪግበር የድሊ። ሓደ ሕዝብን ኅብረተሰብን ብምዃን፤ እቲ ሓደ ሕዝብን ሓደ ልብን ዚብል መርሕ እውን ብግብሪ ምእንቲ ኪርአ፣ “ንሕና-ንሳቶም” ዚብል መንፈስ ሓዲግካ ኲሉ ኣባል ኅብረተሰብና ኪወሃሃድ ግቡእ እዩ። እንተዘይኮነ፣ “ዝተፈላለየት ሃገር ክትቀውም (ክትጸንዕ) ኣይትኽእልን ኢያ” (ሉቃ. 11፣17& ማቴ. 12፣25)።

18. ኣብ’ዚ እነኣትዎ ዘሎና መድረኽ-ሰላም ዓበይቲ ተግባራት ይጽበየና ኣሎ። በዚ ኲናት’ዚ ብዝወረደ ማኅበረ-ኤኮኖሚያዊ (socio-economic) ምምዝባል ዘይተተንከፈ የለን& መላእ ሃገር ተነቓኒቑ እዩ። ሕይወት ሕዝብና ናብ ንቡር ንኺምለስ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ቅዱስ ተግባር፤ ቤተክርስቲያን ሕጂ’ውን ከም ቀደማ እጃማ ከተበርክት ምዃና ነረጋግጽ። ካልኦት ዓለምለኸ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማኅበራትን መንግሥታትን፣ ነዚ ብዙሕ ዝተሣቐየን& ልዕሊ ዓቕሙ ዝጾረን ሕዝቢ ዜድሊ ረድኤት ኪልግPሉን& ካብ ዝወደቖ ተንሢኡ ብኽልቲኡ እግሩ ንኪቐውም ሓገዘን ከወፍያሉ ሕድሪ ንብል።

      ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብዙኃት ዘይመንግሥታዊ ዝኾኑ ናይ ረድኤትን ግብረ-Oናይ ማኅበራትን፤ ናይ ዓቃብ-ሰላም ኣባላትን የኣትዉ ኣለዉ። ተልእኮ ዓቃብ-ሰላም ብዚግባእ ንኪOምረሉ፣ ሕዝብን መንግሥትን ኪተሓባበሮን ትምኒትና ንገልጽ። ሕዝብና ኣብ’ዛ ሰዓትዚኣ ሕጹጽ ረድኤትን ሓገዝን የድልዮ ስለዘሎ፤ እዞም ገበርቲ Oናይ ብዚግባእ ኪሕግዙዎ ንምሕጸን። እቲ ርእሰ-ምርኰሳ ዚብል መምርሒ ግጉይ ኣይኮነን ቅኑዕ ኣበሃህላ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ርእሰ-ምርኰሳ ንዚብል ሓሳብ መታን ከነጽድቕ ነቲ ብሕጹጽ ኪርዳእ ዜድልዮ ሸለል ክንብል ኣይግባእን። ከም ኣገባብካን ኣጠቓቕማኻን እዩ’ምበር፣ “ምቕባል” ማለት “ምልማስ” ማለት ኣይኮነን።

19. ብዝቐረበን ዝረሓቐን መደባት፣ ካብ Oራዊት ተፋንዮም ናብቲ ሥሩዕ ናይ ኅብረተሰብ ቦታኦም ኪምለሱን፣ ሰሪሖም ኪናበሩን ዘለዎም ወገናትና ከምዘለዉን ተገንዚብናዮ ኣሎና። ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንቋዕ ብደሓን ተመለስኩም ንብሎም። እቲ ኣብ ትሕቲ ድነ-ሞት ኮይኖም ዘሕለፍዎ ሃለዋት እናዘከርና፣ እቲ ዘስዓበሎም መንፈሳውን ሰብኣውን ኣቝሳልን በሰላን ኪሓውየሎም& ሕይወቶም ብዘይ ግዜኣ ክትዕጸድ ከምዝተቐረበት ዘይኮነስ፤ ጋና ክትፈርን ኣብ ኅብረተሰብ ክትወሃሃድን ከም ትኽእል ንምርዳኦም ነዊሕ ጻዕሪ ኪሓትት እዩ። ብወገን ኤኮኖሚ፣ ርእሶም ዚኽእልሉ መደባትን ረድኤትን’ኳ ዜድሊ እንተኾነ& ልዕሊ ኲሉ ግን ናይ መንፈስን ናይ ሥነ-ምግባርን (ሞራል) ምልኣትን ህድኣትን ስለዘድሊ በኣኡ ኪጅመር የሓይሽ።

      ብፍላይ ብመንፈሳዊ ጐድኒ& መንእሰያትና ኣባላት-Oራዊት ዝነበሮም ኣጥፊኦም& ጐደሎ ኮይኖም እንኪመጹ& ነዚ ንምምላእ ኣድላዪ መደባት ክንዝርግሕ ግዲ እዩ። ብመንፈስን ብናይ ኣምላኽ እምነትን ዘይተሰነየት ሕይወት ኣብ ኅብረተሰብ ወትሩ ጠንቂ እያ። ብሰንክ’ዚ ውግእ’ዚ ዝሰንከሉን ኣካሎም ዝጐደሉን፣ ደቅና እዚ ኣብ ሰዊት ዕድመኦም ዘጋጠሞም ጸገም፣ ንሕይወቶም ከየጸልምታ እዚ ኅብረተሰብ’ዚ ዜድሊ ኪገብር& ብዛዕባ ስንኩላንን፣ ንስድራቤት ስዉኣትን ዚግበር ከኣ ወትሩ ምስቲ ናይ ግዜ ምምሕያሽን፤ ናይ መንግሥትን ሕዝብን ብኤኮኖሚ ምድልዳልን ዚኸይድ ኮይኑ፤ ኣኺሉ እዩ ኢልካ እትዘናግዓሉ ኣይኮነን። በዓል ዓቕምን በዓል ጥዑይ ሕይወትን፣ ዘይረኣዮ ኪርኢ፣ ኪምዕብል ኪድልድል ዕድል ኣለዎ። እቲ ዝሰንከለን ብሞት ዝተፈለን ግን ደኺሙ ተኸዊሉ ስለዝኾነ፤ ወትሩ ኣብ ግምት ኪኣቱን ፍሉይ ቈላሕታ ከድልዮን እዩ።

20. ምእንቲ ሃገሮምን ሕዝቦምን ኪብሉ ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ሕይወቶም ዘወፈዩ፤ ንወለዶም ውሉዶም ንሰብ-ኪዳኖም ዝጐደልዎም፤ ብናቶም መሥዋዕቲ ከኣ ስድራ-ቤቶም ኣብ ከመይ ዝበለ ኃዘን ከምዚወድቁ ይረኣየና ኣሎ። እዚ ብሓቂ ኪጽወር ዘይከኣል፤ ነቲ ከጸናንዕ ዚፍትንውን ከቢድ ተግባር ምዃኑ ኣይጠፍኣናን። ሓዚንና ጕሂና ጥራሕ፣ ስቕ ኢልና እንተኸድና ግቡእ ኣይኮነን። ንኸንቱ ከምዘይሞቱ ከነረድእ ክንክእል ኣሎና። ነቶም ብዝቐልጠፈ ኪድበሱ፣ ኪሕገዙ ዘለዎም፤ ዜድሊ ናይ ሞራልን ገንዘብን ሓገዝ ምግባር፤ በዚ መዳይ’ዚ ዚኣክል ተገይሩ ኢልካ ሸለል ዘይምባል፤ ንዝሓለፈ ጌጋ’ውን ምእራም& ብዓቢኡ ከኣ ፍትሓዊ ኅብረተሰብን ሥርዓትን ብምሕናጽ፣ ንኸንቱ ከምዘይሞቱ ከነመስክር ንኽእል።

21. በዚ ዚሰላሰል ዘሎ መስርሕ-ሰላም፤ Oራዊት ካብ ግንባራት ወጺኡ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ። ሽሕኳ ሕዝቢ-ኤርትራ ደቁን Oራዊቱን ምሕብሓብ ልማዱ እንተኾነ፤ ወተሃደር ግን ወትሩ ወተሃደር ካብ ምዃን ስለዘየሓልፍ፣ ካብ ሥነምግባርን ሥሩዕ ኣደብን ከይዘናበል፣ ንሕዝቢ ኮነ ንOራዊት ጽኑዕ ትምህርታውን ሞራላውን ሰብኣውን ጐስጓስ ኪግበረሉ ይግባእ። ኣብ ገሊኡ ዓዳትን ናእሽቱ ከተማታትን ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተደባሊቑ (ንስራሕ ዘይኮነ) ዝሰፈረ Oራዊት፤ ንርእሱ ነቲ Oራዊት ኮነ ነቲ ሲቪል ሕዝቢ ጽቡቕ ኣይኮነን። ድሮ’ኳ ኣብ ውሽጥ’ቲ Oራዊት ናይ ደቀንስትዮን ደቅተባዕትዮን ምትሕንፋጽ፣ ናቱ ጸገማት ኣምጺኡ ኣሎ። ሥነ-ምግባራዊ ጕድለት፣ ምስፍሕፋሕ ኤይድስን ንካልእ ማኅበራዊ ጸገማትን ከኣ ኣጸቢቑ ይሕግዝ ከምዘሎ፣ ተረዲእና ብዝቐልጠፈ ፍታሕ ክንረኽበሉ ይግባእ። ንዚድሕን ምድሓን የድሊ። እቲ ግድል የለን ኢልና ክንዛረብ እንተኾይንና ንርእስና ጥራሕ ኢና እንጥብር።

22. ሓደ ካብ’ቲ ንሕይወት ስድራ-ቤትና ዚሃሲ ዘሎ ከኣ መብዛሕትኦም ኣባላታ ኣብ Oራዊት ምህላዎም እዩ& ኣቦታት ምስ ውሉዶም፣ ሰብ ኪዳን& ምስ ስድራኦም ዚራኸቡሉ ውሱንን ምዱብን ዝኾነ ርክብን ምብጽጻሕን እንተዘይሃልዩ ብንውሒ ግዜን ራሕቂ ቦታን ዚመጽእ ጸገማት ኣሎ። ኣባላት Oራዊት ንዘጋጥሞም ሞራላውን ማኅበራውን ጸገማት ንምፍታሕን ንምብዳህን ዚሕግዞም ኲስኰሳ ኣድላዪ እዩ። ጭካነ ጨካን ስለ ዘፍሪ፤ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ብስም ዲሲፕሊን ዚዝውተር ዝተጋነነ መቕጻዕትታት ኪብየን ዓገብ ንብል። ብዛዕባ ጕዳይ ሃይማኖት ከኣ ቅቡል ብዝኾነ መምርሕን ከይከዱ& ንኻልኦት ብጾቶም ከይሃወኹ፣ ናይ ኅሊናን ናይ እምነትን መሰሎምን ግቡእነቶምን ንዚፍጽሙ ዕድል ኪወሃቦም ነማሕጽን። ንዝኾነ ይኹን በዚ ዚመጽእ ጸገማት፣ እቲ ፍታሕ ኢልና እንኣምነሉ ግን፣ ነፍስ-ወከፍ ኣማኒ ኣባል-Oራዊት ብመOረት-እምነቱ ዜድሊ ኲስኰሳን ክትትልን ብመንፈሳውያን መራሕቱ (Military Chaplains) ኪግበረሉ ከሎ& ሚዛኑ ዝሓለወ፤ ብስለት ዘለዎ ኣባል ብምዃን ግዳይ ናይ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ፕሮፓጋንዳ ኣይምኾነን።

2 ክፍሊ

መጻኢ መደባትና

23. ኣብ ሰነዳት ጉባኤ ቫቲካን 2 ብግልጺ ተቐሚጡ ዘሎ ናይ ቤተክርስቲያን ትምህርቲ ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ’ዛ መሬት (ምድረ-ዓለም) ዘሎ ኲሉ ዓንድማእከሉን፣ መወዳእታ መጠርነፊኡን ሰብ ስለዝኾነ፣ ኲሉ ብመንጽር ወድሰብ ኪጥመት ኣለዎ፤ (ፍሥሓን ተስፋን፣ ቁ.12) እዚ ከኣ፤ ሰብ በምሳል ኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ (ዘፍ. 1፣26) ብኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኲሉ ምድራዊ ፍጡር ዋና ኮይኑ ተሾመ፤ (ፍሥሓን ተስፋን ቁ.12 The Church in the Modern World, 12) ካብ ዚብል ርድኢት ዚፈልፈለ ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ዘሎ ኲሉ ምእንቲ ሰብ ዝመጸ ከምዝኾነ ክንኣምን ንግደድ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሰብ ምእንቲ ሃገር ዘይኮነስ፤ ሃገር ምእንቲ ሰብ ከምዝተተኽለት ንርዳእ። ስለ’ዚ ኲሉ ነገር ረብሓኡን ክPራኡን ክንመዝኖ ከሎና& ብመንጽር ሰብ እዩ። እዚ ሓቅ’ዚ እንተዘይተዘኪሩ ገለ ገለ ግዜያት& ሰብ መሳርሒ ኮይኑ ክብሩን ግምቱን ሓሲሩ፣ ሥርዓታትን ናይ ኅብረተሰብ ኤኮኖሚያውን ማኅበራውን ኣገባባትን መደባትን፣ ክንዲ ንሰብ ዘገልግል፤ ተመሊሱ ሰብ ንኣኡ ኬገልግል ይርከብ።

24. እዚ ንኸይፍጸም እንታይ እዩ ፈውሱ? ፍትሓዊ ኅብረተሰብ ምትካል እዩ& ምትካል ፍትሓዊ ኅብረተሰብ ዚረጋገጽ ከኣ ቅዋማዊ ኮይኑ ምስ ዚርከብ እዩ። ምእንት’ዚ ኣብ ቅዋም ዝተመሥረተ ፍትሓዊ ኅብረተሰብ ንሰብ ዜገልግል ንሰብ ዚለኣኽ እዩ። እዚ ዝዓይነቱ ኅብረተሰብ ከኣ ብዕጽድ ኲምር፣ ትንሥእ ኢልካ ኪጭበጥ& ብሓደ ፀሓይ ብራቕ ወይ መስቀል ብራቕ ዚመጽእ’ውን ዘይኮነ& ዚጅመር ደኣ’ምበር፣ መወዳእታኡ ተበጺሑ ወይስ ተዛዚሙ ዚበሃል ኣይኮነን።

      ቅዋም ኪበሃል ከሎ ናይ ሃገር መነባበርን መካየድን ሕጊ እዩ& ኣብ መንጎ ሕዝብን እቲ ዘመሓድሮ መንግሥትን ዚእቶ ውዕሊ፣ ወይ ከኣ ሕዝቢ ነቲ ዘመሓድሮ ኣካል ዚቆጻጸረሉ ልጓም እዩ። ቅዋም ንስለ ቅዋም ዚትከል ዘይኮነስ መOረት ሕጋውን ርትዓውን ኣነባብራን ህላዌን ሓድነትን ማዕርነትን ስለዝኾነ እዩ። መOረት ምዕባሌ እውን እዩ።

1)        ሰብኣውነት ዝዓዘዞ ምዕባለ (Plenary humanism)፣ ምዕብልና እንኪበሃል ብኤኮኖሚያዊ ዕብየቱ ጥራሕ ዚምዘን ኣይኮነን። ምዕብልና ጽፉፍን ቅኑዕን ኮይኑ ምእንቲ ኪርከብ& ማለት ንነፍስ-ወከፍ ዚደምዕን፣ ንሕይወትን ኲነታትን ወድሰብ ብዂሉ መዳያቱ ዜማዕብልን ኪኸውን ይግባእ...፤ ናብ’ቲ መንፈሳዊ፣ ቁምነገራትን መOረቱ ዝኾነ ኣምላኽን ዘየድህብ& ኣብ ርእሱ ዕጹው ዝኾነ ሰብኣውነት (humanism) ንግዜኡ ዚዕወት መሲሉ ይረአ ይኸውን። ወድሰብ ንምድረዓለም፣ ብዘይካ ኣምላኽ ባዕሉ ኪOርዓ ከልምዓ ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ ብዘይካ ኣምላኽ ዝተሓንጸት ዓለም መወዳእታኡስ ተጻይ ሰብ ብቐንዱ ከምትኸውን ጥርጥር የብሉን። እዚ ኸኣ፣ ...ሰብኣዊ ዘይኮነ ሰብኣውነት ምዃኑ እዩ (ምዕባለ ኣሕዛብ ቁ.14/42& Populorum Progressio, 14/42);

2)       ማኅበራዊ ፍትሕን፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን፣ እቲ ቀንዲ ናይ ፍትሓዊ ኅብረተሰብ መለለዪ እዩ። ብጉልበቱ ንዚነባበር ሰራሕተይና፣ ከም ሰብ መጠንን፣ ከም ዜጋን፣ ብፍላይ ነቶም ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት፣ ናይ ትምህርቲ ዓቕምን ዕድልን ዘይብሎም ብትሑት ስራሕን ደሞዝን ዚነባበሩ& ብኣኽብሮት ክንሕዞም ግቡእና እዩ። ዘድልዮም ግቡእ ከይነጉድለሎም ሓደራ። እግዚኣብሔር እውን “ንደቂ ዓዱ ብዘይ ዋጋ ዘስርሖም፣ ደሞዞም’ውን ዘይከፍሎም ወይልኡ” (ኤር. 22፣13) ኪብል የጠንቅቐና እዩ። ኣምላኽ ንግፉዓት ስለ ዚርኢ ኣይንግፍዓዮም። “ኦ! እግዚኣብሔር ንጭኑቓት ፍትሒ ከም እተምጽኣሎም& ንድኻታት ድማ ብቕንዕና ከምትጣበቐሎም እፈልጥ እየ” (መዝ. 140፣12)። ብዝኾነ ምኽንያት ስራሑ ንዚልውጥ ቅልጡፍን ጽፉፍን ምትሕብባርን ብቑዕ ምፍናውን ኪግበረሉ ሓደራ ንብል።

3)       ኅብረተሰብና ብባሕሪኡ፤ ካብ ካልእ ዚፍለየሉ መለለዪ ኣለዎ፤ ብሕግን ብድግን ብሥርዓትን ተመሪሑ፤ መሰሉን ግቡኡን ግዴታኡን ፈሊጡ ዚካየድ እዩ። ካብ ጥንቲ ብዓዲ ብወረዳ ብኣውራጃ ሕግታቱን ትካላቱን ኣጻፊፉ ዚኸይድ መሰሉ ዝተተንከፎ ብኸመይ የሓትት ፍሉጥ እዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ማኅበራዊ ፍትሕን መሰላትን፣ ኣብ እንዛረበሉ ካብ ባዕዲ ዝመጸ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ፣ ሕዝብና ንዘመናት ዝተነባበረሉ መንፈስን መደብን እዩ። ኤርትራዊ ኅብረተሰብ ኣብ ስራሕ ዝተመርኰሰ ሕይወት ዝሓዘ፣ ኣብ ምትሕግጋዝን ምድንጋጽን ዝዘንበለ መንፈስ ሒዙ ዚካየድ ኣብ ማዕርነት ዚኣምን እዩ። ስለ’ዚ እዛ ኲሉ ዚሰርሓላን ዚውፈየላን ሃገር ቅዱምን ድሑርን፤ ሓለፋ ዚረክብን ሸለል ዚበሃልን ዘይብላ ምዃና ብቓል ዘይኮነ ብግብሪ ከነርኢ ኣሎና። ስራሕን ዝኾነ ኣመዳድባን ድማ ብብቕዓትን ብሞያን ኪኸውን ከሎ ስራሕ ብጽፈት ይሳለጥ፣ ኣየተሓማምን ከኣ።

25. ብዙሕነት (pluralism) ናይ ሓሳብን ኣነባብራን፣ ንማዕርነትን ሓድነትን መቐረቱን ሕመረቱን ደኣ’ምበር ጸገም ኣየምጸኣሉን እዩ። ናይ ፍትሒ ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕርነት፤ ናይ መሰልን ግዴታን ማዕርነት፤ ናይ ዝኾነ ማኅበራዊ-ኤኮኖሚያዊ-ፖለቲካዊ ዕድላት ማዕርነት ምርካብ ኣብ ኣቀዋውማን ርግኣትን ሓደ ሕብረተሰብ ወሳኒ እዩ። ነዚ ኲሉ ውሕስነት ዚህቦን፣ ንሓደ ሕብረተሰብ ወሳኒ እዩ። ነዚ ኲሉ ውሕስነት ዚህቦን፣ ንሓደ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ኅብረተሰብ መOረት ዝኾኖን ግን ናጽነት እዩ። ናጽነት ብቐንዱ ህያብ-ኣምላኽ ምዃኑ ኣቐዲምና ጠቒስናዮ ኣሎና። ሕጂ ግን እዚ መሰል’ዚ ብኸመይ ከምዚግለጽ ገለ ከነመልክት ግቡእ እዩ።

1)                 ናይ እምነት ናጽነት፦ ናይ እምነት ናጽነት ኪበሃል ከሎ ካብ’ቲ ሰብኣዊ ባሕርይን መንነትን ብቐንዱ ዚፍልፍል እዩ (ዮሓንስ መበል 23፣ ሰላም ኣብ ምድሪ ቊ.11& John XXIII: Peace on Earth, 11 1993)። ናጽነት እምነት ዚህቦ ካልእ መሰላት’ውን ኣሎ። ብናጻ ርእይቶኻን እምነትካን ምግላጽ& ምምሃር& ጽሑፋት ምዝርጋሕ፣ ምትእኽኻብ& ንእምነትካን ጉዳይ ሃይማኖትካን ዚርኢ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን መንግሥታዊ ወይ ውልቃዊ ምትእትታው ናጻ ምዃን (ሰላም ኣብ ምድሪ ቊ.12-13& Peace on Earth, 12-13)። ኣብ’ዚ ግዜና ኪእረም ዘለዎ ብዛዕባ ሃይማኖት ግጉይ ርድኢትን ኣረኣእያን ኣሎ። ሃይማኖት/እምነት ከም ፈላላዪን መዕነውን& ከም ተጻይ ሥልጣነን ምዕባለን& ከም ደቛሲ መሰል ደቀንስትዮ ኣይኮነን። በዚ ዓይነት’ዚ ነቶም ንሃይማኖት ዚፃረሩ፤ ከምኡ’ውን ነቶም ብስም ሃይማኖት ፍልልይ ዜማዕብሉን ካልእ ስምዒታት ዚፈጥሩን ኣትሪርና ንቃወሞም ኣሎና።

2)                 ናይ ዘረባን ጽሑፍን ናጽነት፦ ሓቂ ክትፈልጥን ከተፍልጥን መOረታዊ ናይ ወድሰብ መሰል ኮይኑ፣ ካብ’ቲ ናይ ሓሳብን ኅሊናን ናጽነት ዚፍልፍል ስለዝኾነ (ሰላም ኣብ ምድሪ ቁ.26-27& Peace on Earth, 26-27)& እዚ መሰል’ዚ ግብራዊ ንኪኸውን ከኣ ናይ ዘረባን ጽሑፍን& ብሓፈሻ ናይ መራኸብ ብዙኃን ናጽነት ቀንዲ መOረት ምዃኑ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ትሑዝ ነገር እዩ። ኣብ ሕንጸት ሓደ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ኅብረተሰብን ከኣ ሓቅነት ግልጽነት ናጽነት... እተን ቀንዲ ኣዕኑድ እየን። ሰብ ባዕሉ ብባዕሉ ፈቲሹ ሓቂ ዚረኽበሉ ባህግን መOረታዊ ዝንባሌኡ ዚኸብረሉ ዕድል ኪወሃቦ ኣለዎ።

3)                 መOረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዝኾነ ጥዑይን ብሱልን ዲሞክራሲያዊ ምርጫን ጉዕዞን ኣካል ጥራሕ ዘይኮነ፣ መOረታዊ ክፍሉ እዩ። እዚ ማለት ከኣ “...ብወገን ሞራል ንውልቀሰብ ዚርኢ፤ ብወገን ሕንፀተ-ሰብ (culture) ሓቂ ንምርካብን& ሓሳብካ ንምግላጽን ናጻ ምዃን& ብወገን ትምህርቲ ዝኾነ ይኹን ንኺመሃር መሰል ከምዘለዎ& ብወገን ሃይማኖት ወይ እምነት፤ ኅሊናኡ ብዘብርሃሉ ኣገባብ ንኣምላኹ ኬኽብርን ስቱር ወይ ግልጺ ኣምልኾ ኬቕርብ ዘለዎ መሰል& ብወገን ኤኮኖሚ ናይ ስራሕን ናይ ናጻ ምህዞን ተበግሶን መሰል& ብወገን ፖለቲካ ድማ ንሕዝብን መንግሥትን ኣብ ዚምልከት ወግዓዊ ጉዳያት ናይ ምስታፍ መሰል... ወዘተ። እዚ መሰላት’ዚ እንተድኣ ተሓልዩ፣ እቲ ኅብረተሰብ ንሰብ ዜርብሕ መPርዓት ተኺሉ ማለት እዩ።

4)                ንምርጫታት ምስንዳው፦  እዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ፈረንጂ ኣብ ምዝዛሙ ምርጫታት ከምዚካየድ ወግዓዊ መንግሥታዊ ምንጭታት ዝገለጾ እዩ። ጥዑም ዜና ክነሱ ዜና ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ሓደራ ንብል። ብ1993 ዓ.ም.ፈ ረፈረንደም ኪግበር ከሎ፣ ዝተገብረ ምስንዳዋትን ጐስጓሳትን ከመይ ነይሩ? ሕጂኸ እንታይ ይግበር ኣሎ? ሕጂውን ከም’ቲ ናይ እዋን ረፈረንደም ዘድሊ ብቑዕ ምስንዳው ብምግባር ናብቲ ዚሕሰብ ዘሎ ምርጫ ንእቶ።

5)                 ቅዋማዊ ሥርዓት ኣብ ዘለዎ ፍርዳዊ ኣገባብ (Legal System) ኪዘናበል ኣይክእልን እዩ። ኣብ ብዙኅ ኣጋጣሚታት ከምዚግለጽ በዚ ዚመጽእ ጸገማት& ብዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ እዩ እናተባህለ መኽኒት ይወሃቦ። ኣብ’ዚ ሎሚ ዘሎ ዓለም ግን፤ 10 ዓመት ኣይኮነን ነዚ& ንኻልእ’ውን ዜድሊ መOረታዊ ለውጢ ንምምጻእ፣ ፈላጣት ሕጊ ንምውፋር ዚኣክል ግዜ ነይሩ& ኤርትራዊ ኅብረተሰብ ከኣ፣ ካብ ዝዓበ ክሳብ ዝነኣሰ፣ ዓሚቝ ርድኢት-ሕግን ስምዒት-ፍትሕን ዘለዎ ስለዝኾነ፣ ካብ ውሽጡ ሕጊ ዚፈልጡ ምርካብ ኮነ& እቲ ኅብረተሰብ ፍትሒ ንምቕባል ዘጸግሞ ኣይኮነን። መንግሥቲ ኤርትራ ንሕዝቡ ዚሰርሕን ዚሓልን ብዛዕባ ምዃኑ ዘካሕደና ኣይኮነን። ግና፣ ምስ ብዝሒ ግዜ ዚምዕብል ጠባያት ኣሎ& ምስቲ ሓልዮትን ተወፋይነትን ተጐዛጕዙ ዚመጽእ ጠባያት ከይህሉ ምጥንቃቕ። ኪጋገ ከሎ ሕዝቢ ንመንግሥቱ ብግዜኡ ነቒፉ ከለብሞ እንተተረኺቡ ዓብይ ጕንዖ ከምዝገበረሉ እዩ።

6)                ብቑዕ ፍርዳዊ ሥርዓት ዘይብሉ ሃገራት ብልሽውና፤ (corruption) ኣብ ምብቋልን ምዕንባብን ስቡሕ ባይታ እዩ። ካብ ብልሽውና ናጻ ኢና ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ዚዝረብ ኣይኮነን በሃልቲ ኢና። ሰብ ኣብ ዘለዎ ወትሩ ጕድለት ስለዘሎ& ኤርትራዊ ሰብ ከኣ ካብ ካልእ ሰብ ዝተፈልየ ፍጡር ስለዘይኮነ ኣብ ካልኦት ዘሎ ወይ ድሮ ወሪድዎ ከይህሉ& ወይ ከኣ ንሓዋሩ ከይወርዶ ኪጥንቀቕ ግዲ እዩ። ሥልጣን የበላሹ፣ ደረት ዘይብሉ ሥልጣን ከኣ ደረት ኣልቦ ብልሽውና የስዕብ፣ ዚበሃል ዘረባ ኣሎ። ነዚ ሃለዋት’ዚ ንምቍጽጻር ግዝኣት-ሕጊ ከተማዕብል ግዲ እዩ። ናይ ተሓታትነት (accountability) ጕዳይ ሸለል ምስተባህለ፣ ውድቀት ኅብረተሰብ ይመጽእ።

ማኅበራዊ ግድላት

26. ናይ’ዚ ኤርትራዊ ኅብረተሰብ ነቕ ዘይብል መOረትን፣ ድሙቕ መንነትን ኣበይ እዩ ዘሎ? ኪበሃል ከሎ፣ ምላሹ “ስድራቤት” እዩ። ድልዱልን ሥሙርን ዕሙር ኅብረተሰብ እንተ’ሎና፤ ድልድልትን ብስልትን ሥምርትን ስድራቤት ስለዘላትና እዩ’ምበር ካልእ ምሥጢር የብሉን። ነዛ ዓይኒማይ ጥዑይ ኅብረተሰብ ዝኾነት “ስድራቤት” ከም ብሌን-ዓይንና ክንርእያን ክንጓስያን ኣሎና። ብሰንኪ ዝተፈላለየ መደባት ሃገራዊ-ማእቶታዊ ኣገልግሎት... ወዘተ፣ ናይ ስድራቤት ሓድነትን ሥምረትን፣ ይንካእ ኣሎ። እቲ ማእቶት ድዩ ወይስ ኣገልግሎት ዚህቦ ጠቕሚ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኮነን። ግና ብሓደ ክትጥቀም ክትብል ብካልእ እሞ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መዳይ ከይትጕዳእ ምጥንቃቕ ዚመስሉዎ የለን። ካብ ስድራኻ፤ ካብ በዓልቲ ኪዳንካ፤ ካብ ሓላፍነት ወለድኻ፤ ንነዊሕ ተፈሊኻ፤ እሞ መንእሰያት ተሓናፊጽካ& እዚ ተነጽሎን ጽምዋን ንርእሱ ኣብ ዝርገትን ዘይሥሩዕ ርክባትን፤ ንዝነበረካ ሓላፍነትን መሥርዕን ምርሳዕን ምሕዳግን፤ ብዘይኪዳን ምትእኽኻብ፤ ወይ ንዝተገብረ ጌጋ ንምሽፋን ኣብ ዘይትቕጽሎ መደብ ኪዳን ከይደለኻ ምእታው... የስዕብ ኣሎ። እዚ ኣገባብ’ዚ ንስድራቤትና ከይጐድአ ከሎ፤ እቲ መንነታ ከይጠፍአ ከሎ ከነሕውዮ ንጽዓር። ናይቶም ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ብሓደ ወገን፤ ብኻልእ ወገን ድማ ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት-ሃገር ዚርከቡ መንእሰያት ስድራቤታት ኣብ ከቢድ (ሞራላውን ማተርያላውን) ኩነታት ይርከባ ከምዘለዋ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ሰራሕተይናታት እንኪምደቡ ናይ ኣገልግሎትን ማእቶትን መደባት ኪግበር ከሎ ብዚከኣል ነቲ ኣብ ስድራቤት ዘምጽኦ ጸገማት ክትንክዮ ወይ ከተቃልሎ ምጽዓር& ንናይ ገጠር ስድራቤታት ደቃተን ናብ ማእቶት ኣብ ምልኣኾም፣ ነቲ ኣብ ስድራኦም ዚፍጽምዎ ናይ ጕስነትን ማእቶትን ስራሕ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ካብ ደቂ 5 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ገጠራትና ንዘለዉ ቈልዑ ማእቶት ክንምህሮም ምባል ትርጉም የብሉን። ብማእቶት ዚረኽቡዎ ካልእ ረብሓ እንተሎ፤ ብኻልእ ኣገባብ፤ ንናይታ ስድራቤት ሃለዋት ብዘይትንክፍን ኪፍጸም ይግባእ።

      ብዝኾነ ይኹን ኣመኻኒኻ ቃል-ኪዳን ምፍታሕ፤ ኣብ ንኡስ ዕድመን ካብ ኪዳን ወጻእን ዚውለዱሞ ምስ ሓደ ወላዲ/ወላዲት ጥራሕ ዚዓብዩ ሕፃናት፤ ነቲ ናይ ጽባሕ ኅብረተሰብ ፍጮ ኮይኖም መPርዑ ዘበላሽውሉን ምዃኖም ጥራሕ ዘይኮነስ ዓብይ ግድል ከምዝኾኑ ብሕጂኡ ክንዝክሮ ይግበኣና።

27. ናህሪ ዋጋታት ኣብ ዚረኣየሉ ናብራና፤ ይትረፍዶ ገለ ከይሓዝካ ኣቲኻስ እናሰራሕካን ምስ ትሕዝቶኻን’ኳ ጸገሙ ከቢድ እዩ ዘሎ& ብፍላይ ናይ’ቶም ኣለይቲ ስድራቤት ኮይኖም ውሉዶምን ወለዶምን ዚኣልዩ ኣባላት Oራዊትን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩን ኲሎም ሃለዋት፤ ብሓቂ ዘተሓሳስብ ይኸውን ኣሎ። ሓቦ ሕዝቢ ኣብ ምጽንቃቑ እዩ ዘሎ፣ መረረን ጓህን ይበዝሕ ኣሎ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ብዝቐልጠፈ ኪልወጥ ኪመሓየሽ የድሊ። ኣብ ኅብረተሰብና ኣይኮነንዶ ብፍሉጥን ርኡይን ጕዳይ ዓደቦ ዝተላእከስ፤ መንነቱ ዘይፍለጥ ሓላፍ መንገድን ጓናን እኳ “ሕማቕ ግናታ” ኮይኑ ክትርኢ ሰብኣዊ ኅሊና ዘፍቅዶ ኣይኮነን። ቆላሕታ ምግባር ሕጂ’ውን ንቐጽሎ። እዚ ብዓቕሙ ንሕዝብናን& ብዓቢኡ ከኣ ንመንግሥትና እንብሎ እዩ።

ደቀንስትዮ

28. ብዛዕባ ኲነታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገርና ዕሙቝ ዝበለ ኣቓልቦን ርኡይ ስጉምትታን ኪግበር ኣድላዪ ኮይኑ ይረኣየና። ብናይ ደቀንስትዮ ኲነታትን፣ ናይ መሰልን ማዕርነትን፣ ሃለዋትን ዚበሃልን ዚግበርን ኲሉ ቅኑዕን ዕቱብን ኣቓልቦ ዜድልዮ እዩ። ዝኾነ ይኹን ነገር ከኣ ሚዛኑ ዝሓለወን መሥመሩ ዝተኸተለን ኪኸውን የድሊ። ካብ’ቲ ሓደ ጫፍ ናብ’ቲ ካልእ ናይ ምባልን ምዝንባልን ጸገም ንከይመጽእ ምጥንቃቕ። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና፣ ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ 30 ዓመት ኲናት፣ ናይ ታሪኽ ኣደራዕ ኮይኑ ንዚመጽአ ኲነታት፣ ደቀንስትዮ ለቢሰናኦ፣ ብዝተረፈስ ኲናትን ብረትን ጸብእን ውግእንሲ፣ ኣይኮነንዶ ነታ ናይ ምሕረትን ሕይወትን ምንጪ ዝኾነት ኣደ& ንወዲተባዕታይ’ኳ ዜብህግን ዜመንን ጕዳይ ኣይኮነን። ምእንት’ዚ እቲ ከም ኣደራዕ ኮይኑ፣ ጸገም ኮይኑ ይመጸካሞ፣ ብዓቢይ ሓቦን ንያትን ዝጾርካዮ ከም መዘከርታ ደኣምበር፣ ናብኡ እትምለሶ ወይ ብባህጊ ዚናፈቕ ነገር ኣይኮነን።

    ሕይወት ካብ ወጋሕታኣ ኣትሒዛ ብፍላይ ኣብ ሓለዋ ጓለንስተይቲ እያ። ጓለንስተይቲ ናይ ፍቕርን ርኅራኄን ሰላምን መድረኻት ዝጨበጠት እያ። ከም መጠን ኣደ፤ ናይታ ዓይኒማይ ኅብረተሰብ ዝበልናያ ስድራ-ቤት መOረት፤ ከም በዓልቲ ኪዳን ምስ በዓልኪዳና ማዕረ ክብርን፤ ናይ ውሉዳን ስድራቤታን ማዕረ ኃላፍነትን ትሽከም። ብሓጺሩ ኣደ ሃገር እያ። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን “ኩልኻትኩም ብክርስቶስ ሓደ ኢኹም’ሞ በዚ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪኻዊ የልቦን& በዚ ባርያ ወይ ጭዋ የልቦን& በዚ ወድተባዕታይ ወይ ጓለንስተይቲ የልቦን” (ገላ. 3፣28) ብውፉይ ሕይወት ኣብ ፍሉይ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተዋፈረት ትኹን፤ ኣብ ማኅበረሰብ ነቲ ፍሉይ ህያባታ እተማዕብለሉን እተበርክተሉን፣ ብኣወንታዊ እትጸልወሉን መድረኻት ብምኽፋቱ፣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኤኮኖሚያዊ፣ ሥነ-መዕበያውን፣ መንፈሳውን፣ ብሃገራውን ኣህጉራውን መዳያት ክትዋሳእ ምኽኣላ መሰላን ንኲሉ ኣድማዕን እዩ። ዝያዳ’ውን ኪተባባዕ ኣለዎ። ግና ማኅበራዊ ግዴታኣን፤ ነቲ መበቈል ምዕባሌ ዝኾነ ስድራዊ ተልእኾኣን፣ ካልኣይ ቦታ ከተትሕዞ ኣይግበኣን። እዚ ተልእኮ’ዚ መዘና ዘይብሉ ኣዝዩ ልዑል ተልእኮ እዩ። (መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ 2፣ “ጓለንስተይቲ መምህር-ሰላም”፣ 8 ታኅሣስ. 1994 ቊ.6)

        በዚ ግዜና ብስም ማዕርነት ብዚግበር ፕሮፓጋንዳ ንጓለንስተይቲ ካብ ጠቓሚኣ ሃሳዪኣ ኪኸውን ይርአ ኣሎ። ካብ ንእስነታ ጀሚራ ናይ ትምህርትን ካልእ ማሕበራዊ ዕድላትን ማዕረ ወድተባዕታይ ክትረክብ፤ ንተመሳሳሊ ደረጃን ብቕዓት-ስራሕን ማዕረ ወድተባዕታይ ክትስራዕን ደሞዛ ትሕቲ ወድ ተባዕታይ ከይከውንን ነማሕጽን። ልዕሊ ኲሉ ግን እዚ ማዕርነት’ዚ ናይ ጻዕርን ውርደትን ማዕርነት ዘይኮነስ፣ ናይ ክብርን መሰልን ኪኸውን ይግባእ።

      ስለ’ዚ እታ ምእንቲ ክብርን ግርማን ደቅሰባት ክትጣበቕን፣ ክትሕሉን፣ ፍትሕን ሰላምን እውን ምእንቲ ኪነግሥ ዚከኣላ ክትገብር ዝተመዘዘት ቤተክርስትያን፣ ኣብ ኲሉ መዳያት መሰል ደቀንስትዮ ኽኽበር፣ ብምዕሩይ ኣገባብ ምእንቲ ኪምዕብል፣ ምልኣት ንዘለዎ ምዕባለ ደቀንስትዮ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣካይዳ፤ ተካይድውን ኣላ። ንዝመጽእ ዓመታት ድማ ክትቅጽሎ ምዃና ነረጋግጽ።

.29. |ይ ስድራቤትን መንእሰያትን ሃለዋትን ዝሓሸ መልክዕ ብዚሕዘሉ መንገዲ ኣጸቢቑ ምጠቐመ እንብሎ እቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዚካየድ ዝነበረ ናይ ውሁድ ትምህርተ-ሃይማኖት መደብ እዩ። ስለምንታይ ከምዝተዓግተ እኳ ዝተዋህበና መግለጺ እንተዘየሎ ጠቓምነቱ ኣብ ክርክር ዚወድቕ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ዜድሊ ምስንዳው ተገይሩሉ፣ ኣመራርጻን ኣመዳድባን መምህራን ብዚግባእ ተጻፊፉ፣ መምሃሪ መጻሕፍቲ እውን ተጻሒፉ ብሓድሽ ኣገባብ ኪግበር ኣድላዪ እዩ። ዚምልከተና ወገናት ድማ ምስቲ በዚ ዚግደስ ኣካል መንግሥቲ ክንመያየጠሉ የድሊ።

      መንእሰያትና እንታይ የሓስቡን ይብሉን ኣለዉ፤ ንሃገሮም ብኸመይ ይጥምትዋ፤ ኢልና ክንሓትት ግቡእና እዩ። ኣብ’ቲ ዚሕነጽ ምምሕዳራዊ ሥርዓትን፤ ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን፤ ማኅበራዊ ድኅነትን፤ መንፈሳዊ Oረትን ኲሉ ተስፋ ዚህብ ምልክታት እንተዘይ ረኺቦምሉ ናይ መጻኢ ዕድሎምን ሕይወቶምን ጸልማት ኮይኑ ኪረኣዮም& ንዝተወልዱላ ሃገር ራሕሪሖም ከኣ መንገዲ ስደት ከማዕድዉ ናይ ግዲ እዩ። ኃይሊ ንኡስ ወለዶ ዘይብላ ሃገር ከኣ መጻኢ ሃለዋታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ማለት እዩ። ምእንት’ዚ ንመራሕቲ-ሃገርን መራሕቲ-ሃይማኖትን ከቢድ ኃላፍነት ኣብ ዝባንና ከምዘሎ ነኣምን። ስለምንታይ መንእሰያትና ዓድጓና ዘማዕድዉ ምባል ትርጕም ኣይህልዎን። ዓዲ ሰላም፣ ዓዲ ፍትሒ፣ ዝመሰለካ ዓው ኢልካ እትዛረበላን& ሰሪሕካ እትሓድረላን ዓዲ ምስ ሓዝካ& መዓር ገዲፉ መዓር ዘናዲ ስለዘየልቦ& ንስደት ክንዲ ዘማዕድዉን ዚኸዱን& ካብ ስደት ዚምለሱን ዚውሕዙን መንእሰያት ኪህልዉና ናይ ግዲ እዩ።

30. ብሓዊ ኲናት ሓሊፎም ዚምለሱ መንእሰያት ኢና ንጽበ ዘሎና። መንእሰያትና ቊስሊ ጸይሮም እዮም ኪምለሱና፤ ግዙፍ ቊስሊ ዘይኮነ ኣውራ’ኳ ደኣ መንፈሳዊ (ሥነልቦናዊ)፤ በዚ ውግእን ፕሮፓጋንዳ ናይ ውግእን ዝቖሰሉ እዮም። ነዚኣቶም ክትዛረቦምን ክትቀርቦምን ከሎኻ ቊስሎም ከይትጐድኦም ምጥንቃቕ የድሊ። ከም ሓደ ካብ ርሑቕ ዝመጸ’ሞ ብድኻምን ጻዕርን ዝደኸመ ክንርእዮም ይግባእ። ኣብ ውግእን ቦታ ውግእን ኮይንካ ብናጻ ክትሓስብን፤ ንነዊሕ ክትሓልምን ዘይከኣል ብምዃኑ፣ መንእሰያትና ናይ’ዚ ግዳይ ኮይኖም እዮም። ሕጂ ናይ’ቲ ህሉው ግድላትን ኲነታት-ሕይወትን ጕዳይ በብቝሩብ ከነቕርበሎም የድሊ። ነቲ ዘለዎም ናይ ምስራሕ፣ ሰሪሕካ ናይ ምንባር ድልየት ኣጸቢቕካ ምንቅስቓሱ፣ ኣብ ተስፋ ቕብጸትን ኢምንትነትን (ኒሂሊዝም) ካልእ ማኅበራዊ ውድቀትን ንከይዝንብሉ ምድሓኖም የድሊ። ናብ ኅብረተሰብ ኪጽንበሩ ከለዉ፣ ብዂሉ ኤኮኖምያውን መንፈሳውን ማኅበራውን ሕይወቶም ብግቡእ ኪመዓራረን ኪድገፉን ስለዜድሊ ብዝተወደበን ብዝተጸንዐን ኣገባብ ኪስራሕ ሕድሪ ንብል። እዚ ተቕዋማት፣ ሃይማኖታውያት መንፈሳውያት ኣካላት ከድምዓ በብዝኽእላሉ መዳያት ተደጋጊፈን ኢደይ ኢድካ ብምባል ኪሰርሓሉ ዚግባእ ሰፊሕ ግራት እዩ። ብፍላይ ከቢድ ኮይኑ ዚረኣየና፣ እቲ ሥነ-ኣእምሮኣዊ (ሥነ-ልቦናዊ) ጸቕጥን መጕዳእትን እዩ። ብናይ መራኸብ ብዙኃን ዝተፈላለየ መደባትን፣ ሰፊሕ ሰሚናራትን ብምስንዳው መንእሰያትና ተመክሮታቶም እናተለዋወጡ ውሽጣዊ ኣቝሳሎም ዘሕውዩሉ ኣገባብ ኪመሃዝ የድሊ።

ኤች-ኣይ-ቪ ኤይድስ

31.  ናይ’ዚ ሓደገይና ሕማም’ዚ ናብ ሃገርና ምእታዉ ካብ ዚፍለጥ ንነጀው ንሰምዖ “ደርፊ” ሓደ ዓይነት ኮይኑ’ሎ። ኮንዶም ዚብል ቃል ጥራሕ ተመላሊሱ ኪንገር ንሰምዕ። ግና ብወገን’ቲ ሕማም እንተርኤና ብዘንቀጥቅጥ ናህሪ ደኣ እዩ ኪዝርጋሕ ዚተረኽበ’ምበር፣ ዝነከዮ የለን። እቲ “ደርፊ” ንዕዳጋ-ኮንዶም ጠቒሙ ይኸውን፣ እዚ ዘየድምዕ ከምዝኾነ ምስተገምገመ ከኣ ሎሚ ሎሚ፣ “ሓደ ምስ ሓንቲ” ዚብል ዘረባ መጺኡ ኣሎ። ንሰብ ኪዳን ድዩ፤ ጋና ኣብ ሓዳር ንዘይኣተዉ መንእሰያት ድዩ፤ ...ነቲ ሕጊ-እምነትን፣ ልምዳዊ ሃገራዊ ስርዓትን ዘቖሞ ናይ ቃል-ኪዳን ቃሉን መልእኽቱን ሸለል ኢልካ፣ ብድብድቡ “ሓደ ምስ ሓንቲ” ማለት ነፍስ-ወከፍ ባዕሉ ወይ ባዕላ ብዝወሰኑዎ ብወግዒ ብዝተፈልጠ ኪዳን ድዩ? ደቂ 16-18 ዓመት መንእሰያት’ከ መደብ-ኪዳን ዘይብሎም፣ ንስለ ርክብ ጥራሕ፣ እሞ እቲ ሓደ ንሓንቲ ምዃኖም ንሕማም ብምፍራሕ ደኣ’ምበር፣ ካልእ ኅሊናን፣ ናይ ኪዳን ዕላማን ዘይብሉ፤ ክሳብ መኣስ እዩ።

      ስለ’ዚ እቲ መራኸብ ብዙኃን ዘወዓውዖ ዘሎ መደባት “ኮንዶምን” “ሓደ ምስ ሓንትን”፣ ኣብ ሕይወት መንእሰያትና ዘምጽኦ ለውጢ የለን። የግዳስ ኣብ መንገዲ ሞራልን ሥነ-ምግባርን፣ ኣብ እምነት ኣምላኽ ዝተOረተ መንእሰይ ክንሃንጽ፣ እዚ ዝዓይነቱ መንእሰይ ከኣ ንዝኾነ ይኹን፣ ሓዊ ኪሰግር ስለዚኽእል፣ ወለዲ፤ መራሕቲ-ሃይማኖት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ተሓባቢሮም ብዛዕባ ናይ ኪዳን ዕብየት፣ ቅድመ-መርዓ (ቅድመ ኪዳን) ወዲ ኮነ ጓል ካብ ዝኾነ ይኹን ርክብ ርእስኻ ምዕጋት (ድንግልና)፣ ናይ ስድራቤት ቊምነገር... ብዛዕባ’ዚ ኲሉ ብቓልን ተግባርን ዚኣክል ትምህርትን ጐስጓሳትን ምግባር ከድሊ እዩ። መንእሰይ ክንዲ ንዘየድሊ ርክባትን ውጥምናታትን ዘማዕዱ፣ ኣብ ትምህርቲ ስፖርት፣ ኣርት፣ ስራሕ፣ መንፈሳውን Oናይን ተግባራትን ኣገልግሎትን ከምዚዋፈር ምግባር።  ኣብ ናይ ግሊ ጋዜጣታት ዚጸሓፍ መብዝሕትኡ ንፍኑው ርክባትን ዘይሞራላዊ ሃለዋትን ዘተባብዕ ጥራሕ እዩ። እዚ’ውን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንመንእሰያትና ዚልክም እዩ። በዚ ሕቶታት’ዚ ምጽሓፍ ምዝራብ፣ እንተድለየ ብስለትን ድልዱል መOረትን ብዘለዎ ኮይኑ፣ ወትሩ ከኣ ኣራምን መሃርን ኪኸውን ጥራሕ ይግባእ። ነፍስ-ወከፍ ሃይማኖታዊ ኣካል በብናቱ ብዛዕባ’ዚ ዚግደስ ሓደ ኮሚቴ ከቕውም፣ ብዓቢኡ’ውን ንኲለን ዘወሃህድን ዘንቀሳቕስን፣ ልምድን ተመክሮን ዘለዋውጥን ሓደ ሃገራዊ ኮሚቴ ኪህሉ፣ ነቶም ኣብቲ ሕማምቲ ወዲቖም ዚርከቡን፣ ንኻልኦት ብሕማቕ ሥነልቦናዊ ሃለዋት ዝተዳህሉ (ዝተደፍራ ደቀንስትዮ፣ ዝሰንበዱ ቈልዑ) ዚኣሊ፤ ብምኽርን ብፍሉይ ቈላሕታን ዚግደስ ኣካል (trauma counselling) ኪህሉ ከምዚግባ’ውን ኣሚንናሉ ኣሎና።

 

3 ክፍሊ

ሓዲስ ዘመን፣ ብዝተሓደሰ መንፈስ

32. “ዕዉራት ይርእዩ ሓንካሳት ይኸዱ ለምጻማት ይነጽሑ፣ ጸማማት ይሰምዑ፣ ምዉታት ይትንሥኡ፣ ድኻታት ወንጌል ይብOሩ ኣለዉ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብዐፁዕ እዩ” (ማቴ. 11፣ 5-6) ብዚብል ቃል እዩ ኢየሱስ ናይ ኣቦኡ ልኡኽን ቅቡዕን ኮይኑ ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ስራሑ ዝጀመረ።

      እዛ ብክርስቶስ ዝተተኽለት፤ ኣብ መላእ ዓለም ዘላ ቤተክርስትያን ድማ፤ በዚ ናይ ክርስቶስ ቃላት ገቢራ እያ፣ ነቲ “ሕዙንን ትኩዝን ኮይኑ ናይ ደቂ-ኣምላኽ ሓርነት ኪለብስ ሃንቀው ዚብል” (ሮሜ 8፣ 18-19) ዓሌት-ሰብ ክትቀርቦን ስራሓ ክትፍጽምን እትርከብ። ስለ’ዚ እምበኣር ቤተክርስትያን ነቲ ካብ ተኻሊኣ (ክርስቶስ) ዝተቐበለቶ ናይ ድኅነት ኃይልን ጸጋን፣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኮይና ኣብ ረብሓ ደቅሰብ ከምዚውዕል ትገብር። (ፍሥሓን ተስፋንቊ10፣2፤ The Church in the Modern World 2,10) እዚ ናይ ድኅነትን ሓርነትን ጸጋ ዚርከብ ብንስሓን ብምሕረት ኣምላኽን እዩ። እዚ ንስሓ ንኪፍጸም፣ ምሕረት-ኣምላኽ ተጨቢጡ ከኣ፤ ምስ ኣምላኽን ሰብን ምስ ርእስናን ዕርቂ ምእንቲ ኪርከብ፤ ኣብ ዝሓለፈ  ዓመታት ናይ Oለስተ ዓመት ምስንዳው ድሕሪ ተገይሩ& ኢዮቤል ዓመት-ንስሓን ምሕረትን ዓመት-ዕርቅን ድኅነትን ብዚብል መንፈስ ተኻይዱ፤ መላእ መበል 2000 ዓመት ከኣ ብመንፈስ ኢዮቤል ተፈጺሙ። (ኢዮቤል 2ሽሕ፤ ዮሓንስ ጳውሎስ 2፣ Pልሳይ ሽሕ ዘመን፣ ቊ.14& Pope John Paul II: Tertio Millenio Adveniente, 14,1994)። ኢዮቤል ኪበሃል ከሎ Oለስተ መደባት ዚፍጸመሉ እዩ። ብዝሓለፈ ጉዕዞኻን ስራሓትካን እትጸባጸበሉ፤ ዘሎ ሃለዋትካ እትመዝነሉ፤ ንዚመጽእ ከኣ መደባትካ እተውጽኣሉ፤ ማዕረ ማዕረዚ ከኣ ብዝሓለፈ ጉዕዞኻ ብዝጐደልካዮ ብመንፈስ-ንስሓ ትእርሞ፤ ብዝተዓወትካዮ ንኣምላኽ ተመስግን፣ ንዘሎኻዮ ሃለዋትካ ከኣ ምስ ናይ ኣምላኽ መደብን ሕግን ዚላዘብ እንተኾይኑ ገጽ ንገጽ ኣጠማሚትካ፣ ንዘይላዘብ እተወግደሉን ቆራጽ ውሳኔ እትወስደሉን፤ ንዚመጽእ ድማ በረኸት-ኣምላኽ ተማህሊልካ ምስኡ ዝኣቶኻዮ ኪዳን ኣሐዲስካ፤ ናብቲ ሓዲስ ኣድማስ-እምነት ንምጕዓዝ ትምድብ።

ዝሓለፈ ክርስትያናዊ ጉዕዞና

33. ስለ’ቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተዋህበኩም ጸጋ-ኣምላኽ ብዛዕባኹም ኲሉ ግዜ ንኣምላኽ ነመስግን ኣሎና። እነመስግኖ ዘሎና ኸኣ፣ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝመስከርናልኩም ኣባኻትኩም ጸኒዑ ስለዝተረኽበ፣ ብዂሉ ቃልን ብዂሉ ፍልጠትን ብኣኡ ስለዝሃብተምኩም እዩ” (ቆሮ. 1፣4-6)።

      ኣብ መOረተ ነብያትን ሓዋርያትን ዝተሓንጸ ወለዶ ክርስትናና እንክንቈጽር፣ ሕዝቢ ኣረምነት ካብ ዝነበርናሉ ብርሃን ዘልበሰና፤ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ሊቀ ጳጳስ ዘእስክንድርያ ተላኢኹ መንፈስ-ክርስትና ካብ ዘሕደረልና ካብ ከPቴ-ብርሃን ቅዱስ ፍሬምናጦስ እዩ ዝጅምር። ነዊሕ ዝሰጐመ ክርስትናና ምንቕቓሕን ምብርባርን ኣብ ዘድለዮ እዋን ከኣ ኣቦና ቅዱስ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ን22 ዓመት ዚኣክል ደኺሞም ሕይወት እንኪመልሱሉ፤ ነቲ ጥንታዊ መንነትን ሃገራዊ ሥርዓትን ብምሕላው ፈጸሙዎ። ከምዚኦም ንዝበሉ ወላዲ ንዝሃበና ኣምላኽ ምስጋና ይብጽሓዮ።

      ካብ ኣቦና ቅዱስ ያዕቆብ ኣትሒዝካ ካልኦት ብቑዓትን ሥሩዓትን ተኸተልቶም ንዘቕረቡሎም ትምህርትን ምስክርነትን ተቐቢሎም ክሳብ ኣባና፣ ብጽንዓት ንዝሓለዉ፣ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ምእመናን፣ ደናግል መነኮሳን ኲላቶም ብኣድንቖን ብምስጋናን ንዝክሮም። ሎሚ’ውን ንሕና ንናይ ኣቦና ቅዱስ ያቆብ መንፈሳዊ መልክዕ ውርሻን ኣበርክቶን ኲሉ ብዚግባእ እናጽናዕና ብመንፈስ ብኣብነት ኣOሮም ክንረግጽ ብፍላይ ወገን-ቤተክህነት ተኸተልቲ ውፉይ ሕይወትን ብመንፈስ ኣቦና፣ ንሕዝብና ብፍቕርን ብትሕትናን ምስኡ ተወሃሂድና ሕያውን መሕየውን ብሥራተ-ወንጌል ከነቕርበሉ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ከነሥርጸሉ ተልእኮና ምዃኑ ተገንዚብና ብሓዲሽ መንፈስ ክንብገሥ ንደሊ።

      እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ብግዙፍ ኣኃዝ ዘይትምካሕ “ንእሽቶይ መጓሰ ኣምላኽ” (ሉቃ. 12፣32) ትኹን’ምበር ብናይ ምእመናና ትብዓትን ጽንዓትን ኣብ ናይ ወንጌል ምስክርነትን ክርስቲያናዊ ሕይወትን ማሕበራዊ ሕንፀትን ዝገበረቶ ካቶሊካዊ ኣበርክቶ ዕዉት ብምንባሩ& እዚ ኲሉ ንዘኽኣላ ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ምሃብ ይግባእ።

ሎሚ ዘሎ ሃለዋት

34. ዓሚቝ መንፈስ-እምነትን ፍርሓት-እግዚኣብሔርን ዝመOረቱ ክርስትናና፣ ሎሚ፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃለዋት ይርከብ ኣሎ? ኢልና ኲላትና ክንሓትት ግቡእ እዩ።

      ሃይማኖታዊ መንነቱን፣ ማኅበራዊ ሥርዓታቱን ኣብ ምሕላው ሕዝብና ካብ ቀደም ዝጸንሖ እጃም ወትሩ ግዜ ዘንጸባርቕን ዘደንቕን ዝነበረ፣ ፍረ ናይ ጽኑዕ ክርስትያናዊ ኲስኮሳን ናይ ምእመናን ተወፋይነትን ምንባሩ ርዱእ እዩ።

      ሎሚ ብዘሎ ሓድሽ ባህልታትን ናይ ማኅበራዊ መሥርዕ ምልውዋጣትን፣ ቈራጽ ምስክርነት ደኺሙ፣ መብራህትን መባኹዕትን ናይ ምዃን ዕድልን ክእለትን ሃሲሱ ይረኣየና። ኣብ መንፈስ ክርስትናና ፈጺሙ ጓና ዝነበረ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ይዝውተር ኣሎ። ብዘይ ሕንከት ዚፍጸም ምንዝርና፣ ጥንቍልና፣ ጥልመት ሓድሕድ& ስስዕቲ ገንዘብ፣ ኪዳን ምፍራስ& ብዘይ ኪዳን ተኣኻኺብካ ምንባር... ወዘተ። ነቲ ዝዓበኻሉን ዝተዀስኰስካሉን መንፈስን ትምህርትን ሓዲግካ& ሓድሽ መሲሉ ናብ ዝተራእየካ ሃይማኖት-መሰል ምንቅስቓሳት (sects) ምምልላስ ዓዚዙ ዚረአ ዘሎ እዩ። ንኣምላኽ ኣብ ዘወግን መንፈስ ዓለም (secularism) ተመሥሪቱ፣ ተጻይ መንፈሳዊ ቊምነገርን መOረት እምነትን ብዚንቀሳቐስ መደብ-ሕይወት ንጽሎ ኣሎና። “ኲሉ ሰብ ከምኡ እዩ ዚግበር” ብዚብል ኣተና ተመሪሕና ብምኻድ ነቲ “ኣብ ዓለም ኣለዉ& ግና ናይ ዓለም ኣይኮኑን” (ዮሓ 17፣14) ዚብል ቃል-ጐይታ ኣጽኒዕና ኣይሓዝናዮን።

      ነዚ ተልእኮናን ጸዋዕታናን ኣጸቢቕና ንምርዳእ ሕዝበ ክርስትያን’ውን ብመንፅር እምነት ካብ’ቲ ድንዙዝ ኣተና ተለዋዋጢ ጠባይ ኣልጊሱ& ተኣማንን ተባዕ መስካርን ናብ ምዃን ኪምለስ& ጽኑዕ መደብን ወፈራን ከድልየና ግዲ እዩ። ኲላትና ከኣ ክንዕጠቐሉ ኣሎና።

      መመሰሊ ክሳብ ዚኸውን& ናይ’ቲ ዘይፍታሕን ነቕ ዘይብልን ምሥጢር ቃልኪዳን መሰኻኽር ከምዝነበርና ተረዲእና፣ ናብ መOረትና ክንምለስ፤ ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ ዘመነ-ኤይድስ ቅድሚ ቃል-ኪዳን ድንግልና፣ ኣብ ቃል ኪዳን ድማ ጽንዓትን፣ እምነት ምሕላውን፣ ኣውራ ሎሚ ንዓለም ክነበርክተሉ ዘሎና ወንጌላዊ ቁምነገር ምዃኑ ተረዲእና፣ ንኻልእ ከነረድእ& ብተግባር ከነርኢ ንሕተት ኣሎና& ብዝነፈሰ ንፋስ ኣይንጸሎ።

      ካቶሊካውያን ምእመናን ብቓልን ብግብርን ወንጌል ከበሥሩ ተልእኮኦም ምዃኑ ተረዲኦም& ኣብ ዓለም ከብርሁ ሕድሪ ንብሎም። ምስ ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ኣኅዋትና ብፍቕሪ ብምክብባር ክንቀራረብ ብሓባር ክንጽሊ ግቡእና እዩ። ግና መንነትና ፈሊጥና እንገብሮ ደኣ’ምበር “ኲሉ ሓደ እዩ፣ ናተይ ናትካ ቤተ ክርስቲያን ምባል ኣየድልን፣ ኲሉ ዘይጸናበር” ዝዓይነቱ ርክብ፣ መልክዕን መሥርዕን ናብ ዘይብሉ ምድንጋርን፣ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዝገደደ ምፍልላይን ዚዕድም ክንድዝኾነ ንኽንጥንቀቐሉ ነተሓሳስብ።

      ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ’ዚ ናይ ምድንጋር ግዜ ንቃል ኣምላኽን ንቅኑዕ መOረታት-እምነቶምን ትውፊቶምን ኣዕሚቖም ከጽንዑን ኪሕዙን ግቡእ እዩ። ይቀላቐሉ ንዘለዉ በብዓይነቶም ሓደስቲ ጉጅለታት (sects) እምነታትን፣ ኮነ ኢልካ ምዕዛቦም ምፍላጦም ኣድላዪ እዩ። ነኣና ከድሕኑ ካብ ዝሑል መንፈስ ድቃስ ከበራብሩ ከምዝተላእኩ ኮይኖም ዝመጽኡ ይመስሎም። ደፋራት መሲሎም እንተተራእዩና ኣይንደሃል፣ ሰንኮፍ ዝኾነ እምነትን ፍልጠት-ሃይማኖትን ከይጸንሓና ግን ንጠንቀቕ፣ ንሰናዶ። ኣብ እምነትና ደልዲልና ንርገጽ& ብጸኒሕ፣ ናይ ኣቦይ እምነት ዚብል ጥራሕ ኣይኣክልን እዩ።

        ስለ’ዚ ኣOር እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ኣብ ፍቕሪ-ኣምላኽ ኣሚንካ፣ ክርስቶስ መድኃኒኻን ጐይታ-ሕይወትካን ምዃኑ ተቐቢልካ& ኣብ’ታ መንፈስ ቅዱስ ዚመርሓን ዘብርሃን ቤተክርስትያን ተተኺልካ& ኡነተይና ትምህርተ-ክርስትና ሒዝካ፣ ኣብ ኅብረት-ቅዱሳን እንተጸኒዕካ፣ ተመሊስካ ነኣኣቶም ከተብርሃሎም ኢኻ።

      ሃይማኖት “ከም ድሑር ባህሊ” ንዚሓስብዎን፣ ኣምላኽ ከምዘየሎ ኮይኖም ኪነብሩ ንዝመረጹን ከኣ ደንግጸሎም& “እታ ኣባኻ ዘላ ተስፋን” (1ጴጥ. 3፣15) ናይ እምነትካ ብልጫን ከይሓፈርካን ከይፈራሕካን ብግብሪ ኣርእዮም። እዚ ማለት ከኣ ካብ ተንኰልን ሓሶትን ኲሉ ስርቅን ጉቦን ዓመጽን ስስዕትን ዝሙትን ካብ ኲሉ ስኽራንን ዕብዳንን፣ ነኣይ ይጥዓመኒ ካብ ዚብል መንፈስን ርሒቕካ፣ ፍሉይ ምዃንካ ከተመስክር ንምሕጸነካ ኣሎና።

 

መንፈስ ወንጌል ክንለብስ

35. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብፈሪሓ-እግዚኣብሔር ዚጐዓዝ ኅብረተሰብና ብዛሕልን ብዝንጋዐን ተወሪሱ ናብ ሓዲስ ኣረምነት ከይሰጥም ብመንፈስ ወንጌል ዳግም ኪሕደስ የድሊ። እዚ ዘሓድስ ሓዲሽ ስብከተ-ወንጌል ነቶም ብሥራት-ድኅነት ዘይሰምዑ ከምዚሰምዑ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቶም ተቐቢሎምስ በዚ ሓዲሽ ዘመናዊ ኣከያይዳን ኣOራርዓን ዚምርሑ& ኣብ’ቲ ሓዲሽ ሥርዒቶም መንፈስ-ወንጌል ከምዘብርህ ምግባር እዩ። ኣብ’ዚ ሓዲሽ ዘመን ድማ ሓዲሽ ኣጽዋር-ኣምላኽ ተዓጢቕና ንሕና ክርስትያን ናይ ክርስቶስ መሰኻኽር ንምዃን ብትብዓት ክንጐዓዝ የድልየና።

      ቅዱስ ያዕቆብ ኣቦና ናይ ኣቀራርባ ወንጌል መሃዝነትን፣ ተሓባቢርካ ብትግሃት ምስራሕን መወዳድርቲ ዘይብሎም ኣብነት እዮም። ምስ’ቲ ኲሉ ዝነበሮም ጸገማት፣ መጻሕፍቲ ናይ ምድላው፣ መንፈሳውያንን ትጉሃትን ካህናት ምኸèስኳስ፣ መምህራን ትምህርተ-ክርስቶስ ምስልጣን፣ ንኲሎም ምእመናን ኣብ ስብከተ-ወንጌል ከም ዝስለፉ ምግባር ሓደ ካብ’ቲ ሕጂ’ውን ከምብሓድሽ ክንመሃሮ ዘሎና ህጹጽ ስራሕ ስለዝኾነ ብንጥፈት ክንብገOሉ ንላቦ።

      ኣብነት ቅዱስ ያዕቆብ ኣቦና ብምኽታል ኲልና ወገነ-ክህነት ንምእመናንና ኣብ ናይ ዕለታዊ ሕይወት ግድላቶም ኣብ ጐድኖም ኮይና ብሓባር ክንዓቢ& ነዚ ተሃንጢዩ ዚጐዓዝ ዘሎ ዓለም ኣብ ውሽጡ ኮይንና ክንልውጦ፣ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን፣ ናይ ቋንቋን ፍልልያት ክነጽብብ ንደሊ።

36.  ነዚ ዚሕግዝ እቲ ቀዳማይ ተግባር ጽኑዕን ጽዑቕን ዝኾነ ናይ ትምህርቲ-ክርስትና ኰስኮሳ-ምእመናን እዩ። ብፍላይ ግን ነዞም ዚስዕቡ ጕጅለታት ዝያዳ ኣተኲሮ ክንህብ ንደሊ። ቅድሚ ኲሉ ዓሚቝ ክርስትያናዊ መንፈስ ዝለበሰት ስድራቤት ክትህልወና ስለዚግባእ ነዛ “ንእሽቶይ ቤተክርስትያን” ዝኾነት ቀዳመይቲ ማኅበር ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘድሊ ምክትትታልን ሓገዝን ኪግበረላ ንላቦ። ከምኡ’ውን መንእሰያት ብደረጃ ዕድመኦም ሰራሕተይናታት ንኲነታት ስራሖምን ሕይወቶምን ብዚሰማማዕ መገዲ፣ ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ዘርአ ምንኲስናን እውን ንዚጽበዮም ሓዋርያዊ ተልእኾ ብቝዕ መዕበያን ሥልጠናን ከምዝረኽቡ ምግባር የድሊ። ነዚኣቶም ኲሎም ቤተክርስትያንና ፍሉይ ኣቓልቦ ክትገብር ይግባእ።

መጻኢ ጉዕዞ ቤተክርስቲያንና

37. እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዘብዓልናዮ ኢዮቤል ዝሓለፈን ዘሎን ሃለዋትና ከነስተንትን ዓዲሙና፣ ንዝመጽእ እንለብሶ መንፈስን እንኽተሎ መንገድን ከብርሃልና ከኣ ናይ ግድን እዩ። ብጸሎትን ብምስክርነትን ብኣገልግሎትን ከኣ ንመንፈስ ክርስትናና ከነዕዝዝ ኢና ተጸዊዕና።

ቤተክርስትያን ከም ስድራቤት ኣምላኽ

      እዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ’ታ ኣብ መላእ ዓለም ዘላ ቤተክርስትያን ኣካል ኮይና ንእሽቶይ “ስድራቤት-ኣምላኽ” እያ። እዚ ሓረግ’ዚ ናቱ ዓሚቝ ሓሳባትን ዝሓዘሎ ዕላማታትን ኣለዎ። ሓልዮት ሓድሕድ፣ ፍቕሪ ሓድሕድ& ሓድነት ሥምረትን ሰብኣዊ ምዉቕ ርክባትን ተቐባልነትን ምውህሃድን ምጽውዋርን እምነት ሓድሕድን - እዚ ኣብ ሕዝብና Oìር ሰዲዱ ዝጸንሐ& ናይቲ ብመንፈስ ወንጌል ዝተቐርጸ ኣፍሪቃዊ ክርስትና መርኣያ& ወይ ከኣ ምስ ወንጌል ናይ ዝተወሃሃደ ኣፍሪቃውነትና ሳዕቤን ክንብሎ ንኽእል። ስድራቤት ኣምላኽ ምዃንና ኪረአ እንተኾይኑ እዚ ባሕርያት’ዚ ኪቕጽልን ኪድልድልን ከምበሓድሽ ኪምዕብልን የድሊ። በዚ ሎሚ ከኣ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ወገና ተሰጕጎም ዝመጽኡን& ካብ ስደት ዚምለሱን ኣብ እነርእዮ ናይ ምቅብባልን ርኅራኄን መንፈስ ይግለጽ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ስድራቤታዊ መንፈስ ዘለዎ ከኣ ሰላምን ዕርቅን ምምሕሓርን ፍቕርን ኪሰፍን ግድን እዩ። እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ከኣ ከም ስድራቤት ኣምላኽ ክትርአ እንተኾይና ነዘን ምልክታትዚኣተን ከተርኢ ኣለዋ& ጥዕይትን ድልድልትን ስድራቤት-ኣምላኽ ምስኮነት እያ ንኅብረተሰብ ኣብ ምልዋጥ ኣድማዒ እጃም እተበርክት። ዘተን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ምትእምማንን እውን ናይ ስድራቤታዊ መንፈስ ውጽኢት እዩ።

      ኣብ ኣብያተክርስትያን ናይ ሥምረትን ኅብረትን መንፈስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሰጐመ ኲሎም ክርስትያን ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣቦ ሓደ ስድራቤት ምዃኖም ብዝበለጸ እናተነጸረን፣ ንኪኸይድ እቲ ብናይ ኣብያተክርስትያን ኅብረት ዚግበር ምንቅስቓሳት ኪቕጽልን፣ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት፤ ምስ ኣኅዋትና ሰዓብቲ እስልምና መንፈስ ኅውነትን ስኒትን ኣጸቢቑ ንኪድልድል ከምንሰርሕ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ሓቢርካ ናይ ምሥራሕን ናይ ዘተን ምርድዳእን መንፈስ ኪስጉም፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ድልየታ እዩ።

      ከም’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ሕይወት ቤተክርስትያን ዘተን ምርድዳእን ምጽውዋርን ኪምዕብል ዝበሃግናዮን፣ ከነተባብዖ እንብገOሉ ዘሎና፣ ኣብ ፖለቲካውን ሲቪላውን መዳይውን ንመራሕትን ሰበሥልጣንን እንብሎም እንተልዩና& ኣብ ነንሕድሕድን ኣብ መንጎ ኅብረተሰብን ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን፣ ምስ ዝኾነ ይኹን ወገን፣ ምስ ኣብያተ ክርስትያናትን መንፈሳውያን መራሕትን ዘተን ምኽርን ከዘውትሩ፣ ነዛ ሃገር ናብ ሓንቲ ሥምርቲ ስድራቤት ኪልውጡን ኢና ነተባብዖም።

ምስክርነትን ጸሎትን

38. እዛ ቤተክርስትያን ብብሩህ ክርስቲያናዊ ምስክርነትን ዓሚቝ መንፈስ ጸሎትን ዝደልደለትን ዝተኸተለትን ክትከውን ኣለዋ። ኣባላት’ዛ ቤተክርስትያን’ዚኣ ተኸተልቲ ክርስቶስ ብምዃን ናይ  ዓለም ብርሃንን ናይ ምድሪ ጨውን ኪኾኑ ብተግባራቶምን ብፍሬኣቶምን ብቝዕ ምስክርነት ኪህቡ ዝተጸውዑ እዮም (ማቴ. 5፣ 15-16); መሰኻኽሩ ክንከውን ከም ዝጸውዓና (ግ.ሓ. 1፣8) ተገንዚብና ከሎና ኣብ ማኅበራውን ውልቃውን ሕይወት ዚርአ ግን፣ ምስዚ ናይ ምስክርነት ከቢድ መዝነት ዘይሰማማዕ እዩ። እቲ ኣብ መላእ ኅብረተሰብና ዚረአ ዘይምድንጋጽ፣ ምጥላም-ኪዳን፣ ምፍታሕ፣ ጥንቍልና፣ ምንጻል-ጥንሲ፣ ንሕና ንሳተፎ ምህላውና እናፈለጥና& እዚ ኲሉ ንኪዕገት ገለ ጻዕሪ ዘይምግባር፣ እዚ ሕይወት’ዚ ድኅነት ናይ ዝተቐበሉን፤ ብብርሃን ክርስቶስ ናይ ዝተዀልዑን፤ ኣብ ዙርያ መኣዲቊርባን ናይ ዘለዉን ሕይወት ከምዘይኮነ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ርእስና ተመሊስና መርመራ ኅሊና ክንገብር ንመንፈስ ክርስትናናን ንትምህርቲ ወንጌልን ንመምርሒ ቤተክርስትያንን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓልናዮ ክንሓስብን ክንግምግምን ከድልየና እዩ። እዚ ኲሉ ብቕኑዕ መንገዲ ንክርስትናና ዜደልድል ምእንቲ ኪኸውን& ከምኡ’ውን ናይ ክርስትናና ብቑዕ መረድእን ናይ እምነትና መጽንዕን ጸሎት ምዃኑ ምፍላጥን ከይዘከርናዮ ኣይንሓልፍን።

        ናይ ሕይወት ክርስትና መOረታዊ ትእዛዝ ዚበሃል ፍቕሪ-ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን እዩ፣ (ማር. 12፣30-31& ዮሓ.13፣34&15&12 1ቆሮ. 13)። ነቲ ፍቕሩ ዝገለጸልና ኣምላኽና እንምልሸሉ ኣገባብ ከኣ ምስጋና ማለት ጸሎት እዩ። ጸሎት ማለት ናብ እግዚኣብሔር ገጽካ ምድሃብ& ንሱ ቀንዲ መOረትን ዕላማን ጸግዕን ደገፍን ናይ ሕይወትካ ምዃኑ ምፍላጥን ምእማንን እዩ። ኢየሱስ ክንጽሊ ይነግረና (ማር. 11፣24& ማቴ. 7፣7-11& ሉቃ. 11፣9-13) ባዕሉውን ጸልዩ እዩ፣ ኣብ’ቲ ኣገዳሲ እዋናት ሕይወቱ ብጸሎት ምስ ኣቦኡ ይራኸብ ነበረ (ሉቃ. 3፣21& 5፣16& 6፣12& 9፣18& 10፣21)። ብጸሎቱ ከመስግንን ኽውድስን ተረኽበ (ማቴ. 11፣25-27& ሉቃ. 10፣21-22)። ምስዚ’ውን ልመናን ኣውያትን ናብ ኣቦኡ ከቕርብ ይርከብ (ማር. 14፣33-36& 5፣7-8)።       

        ክርስትና ብዘይካ ጸሎት ዘይሕሰብ እዩ። ምስ ኣምላኽን ምስቲ ናይ ቅድስና ጸዋዕታን ናይ ሓዲስ ስብከተ-ወንጌልን መደብን ዚተኣሳሰር እዩ። እዚ ጸሎት’ዚ ዚገሃደሉ ከኣ ኣብቲ ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መሥዋዕተ ቅዳሴን ካልእ መዝገብ ክርስትና ተዓቂቡ ዝጸንሐ ጸሎታትን ብምስታፍን እዩ። ናይ ምእመናን ማኅበራት-ቊምስናታት ከም ጉጅለ ስድራቤታት፣ ኣብ ውሽጠን መንፈስ-ጸሎትን የማዕብል።

ኣብ ኣገልግሎት ዝተጸምደት ቤተክርስትያን

39. ኣብ ታሪኻዊ ምዕራፍን ኣገዳሲ ናይ ለውጢ እዋንን እትርከብ ዘላ ሃገር ንሕና ከም-መጠን ቤተክርስትያን እንለብሶ ኣተናን መንፈስን እቲ ወንጌል ንቤተ-ክርስቲያን ዜልብሳ መንፈስ ተልእኮ ዝዓዘዞ ኣገልግሎት እዩ” (ሰላምን ምዕብልናን)& ሓንቲ ብቑዕ ምስክርነት ክትህብ እትደሊ ቤተክርስትያን ከኣ ምስክርነታ ብኣገልግሎት እዩ።

     ኣብታ ቀዳመይትን ጥንታዊትን ቤተክርስትያን ዝነበሩ ዲያቆናት (ኣገልገልቲ) (ግ.ሓ. 6፣1-7) ቤተክርስትያን ድማ ንድኻታት፣ ንጽጉማት ነቶም ዕድል ዝተኸልኡ፣ ንሕሙማን& ንናይ ውግእን ኤይድስን ግዳያት... ከተገልግል ግዴታኣ እዩ። እቲ እግሪ-ተመሃርቱ ዝሓጸበ ክርስቶስ (ዮሓ. 13፣1-20) ንሓድሕድና ከነገልግል ይጽውዓና። ኣብ ስድራቤት፣ ሰብኣይን ሰበይትን& ወለድን ውሉድን& ብፍቕርን ታሕጓስን ሓድሕዳዊ ኣገልግሎት የዘውትሩ። በዚ መንፈስዚ ከኣ ኣብ ቤተክርስቲያን ብቑዕን ኣገልግሎት ይዝውተር።

      እዚ ኣገልግሎትዚ በቲ መደቡን ኣገባቡን ኣቢሉ ነቲ ሥሩዕን ምዱብን ማኅበረሰባዊ ግቡእነትና ንምፍጻምውን ዘገድደና ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመልክዕ ስራሕ እንፍጽሞ ኣገልግሎት’ውን ኣብ ብሉይን ሓዲስን ከምዝብሎ ተልእኾን ኣካል ሰብኣዊ ጸዋዕታን እምበር መርገም ኣይኮነን (ማር. 6፣3& ማቴ. 13፣55& ሆሴ. 20፣19& 2ተሰ. 3፣6-12)። ስለዚ ቅኑዕ ኣረኣእያ ስራሕ ኪህልወና ይግባእ& ብስራሕ ርእስና ነሓንጽ፣ ርእሳ ዝኸኣለት ቤተክርስትያን ነማዕብል፣ ንዓለምና’ውን ነመሓይሽ።

መ ዛ ዘ ሚ

40. መልእኽትና እንክንዛዝም እምበኣር፣ ንዂሎም ኣብ’ዛ ሃገር ዘለዉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ እንብሎም፣ ካብ ናይ ዝሓለፈ ጉዕዞና ተማሂርና፣ ንዚመጽእ ቅኑዕ ዝኾነ ናይ ሰላምን ዕርቅን፣ ናይ ስኒትን ምድግጋፍን መንፈስ ንከነማዕብል እዩ። ኲሉ ሰብ ሃዲኡን ተጸናኒዑን ዚነብረሉ ውሕስነት ዚረኽበሉ ስርዓት ኅብረተሰብ፣ ሕፃናትና መንእሰያትና ብሰላምን ርግኣትን ዚዓብዩሉ& ዓበይትና ሰሪሖም ብዋጋ ስራሖም ርእሶምን ስድራቤቶምን ዚሃንጹሉ፣ ኣረገውትና ከኣ ብምጽንናዕ ዚጥወሩሉ ኅብረተሰብ ንኺህልወና ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክንገብር ሓደራ ንብል። እዚ ዚሰልጥ ከኣ ኲሉ መደባትና ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣምላኽ ምስዚኸውን& ንኣምላኽ ዜኽብርን ዚፈርሕን፣ ንሰብ ዝኸምኡ ኬኽብርን ብጽቡቕ ኪመርሕን ግዲ እዩ።

ንካቶሊካውያን ምእመናን

      ነቶም ብፍሉይ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ሓዋርያዊ መሪሕነትና እትርከቡ ምእመናን ድማ “ካብ ጸልማት ናብ’ቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ኣምላኽ ዕብየቱ ምእንቲ ክትነግሩ” (1ጴጥ. 2፣9) “ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፣ ኣብ ሕያውነትኩም’ውን ፍልጠት፣ ኣብ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፣ ኣብ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፣ ኣብ ዓቕሊ’ውን መንፈሳውነት፣ ኣብ መንፈሳውነት ከኣ ኅውነት፣ ኣብ ኅውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ” (1ጴጥ. 1፣5-7)። በዚ ኸኣ ንርእስኻትኩም ደልዲልኩም፣ ነቲ ኣብ ማእከሉ ዘሎኹም ኅብረተሰብ& ኣብ ሕንጸቱን ኣብ መጻኢ ጉዕዞኡን ኣዝዩ ድሙቕ ዝኾነ ኣበርክቶን ምስክርነትን ክትህቡ ትኽእሉ።

ንካቶሊካውያን ስድራቤታት

      ኣብ ሕይወት ኪዳን ንዝተጸምዱ፣ ስድራቤቶም “ንእሽቶይ ቤተክርስትያን” ብምዃን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ፣ በሪሃ እተብርህ ኮይና ንክትርከብ፣ ኣብ ኪዳናውን ክርስትያናውን ጽንዓትን፣ ትብዓትን ዝተመሥረተ ሕይወት ክትሕዝ፣ ኣOር ኣብ ናዝሬት ዝነበረት ቅድስቲ ስድራ ከኣ ብሓልዮን ፍቕርን ሓድሕድ ክትሕነጽ ሓደራ ንብል።

ካቶሊካውያን መንእሰያት

      ንመንእሰያትና እውን እንብሎም ኣሎና። ከም’ቲ ስምዖን ንሕጻን ኢየሱስ ሓቝፉ፣ ናይ ዚመጽእ ብሩህ እዋን ዝተራእዮሞ ናይ’ቲ ተስፋ ድሕነት ምልክትን ቀጻልነትን ዘማዕደወ& ኣባኹም ናይ ጽባሕ ጉዕዞናን ስእልናን ተስፋን ኩሉ ንርእዮ ኣሎና። ስለ’ዚ “መንእሰያት እዮም” ኢሉ “ሓደኳ ኣይንዓቕኩም” (1ጢሞ. 4፣12)። ብእምነት ደልድሉ፣ እዚ ማለት ከኣ እምነትኩም ኣለልዩ፣ ፍለዩ። “ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንኩም ዝሰዓብኩሞ ጽቡቕ ትምህርትን ዝተመገብኩም ሕፁያት ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትኮኑ ኢኹም” (1ጢሞ. 4፣6)።

ንኣባላት ቤተ-ክህነት

      ኣብ ሓዋርያዊ ስራሕ ሓገዝትና ዝኾንኩም ኣባላት ቤተ-ክህነትን ንሕዝበ-ክርስትያን ንምጕሳይን ንምግልጋልን እትተግህዎ ኩሉ ተገንዚብና “እቲ ሓለቓ-ጓሶት ኣብ ዚግለጸሉ ኣኽሊል-ክብሪ ከምትቕበሉ” (1ጴጥ. 5፣4) እናረጋገጽና ኣብ ጸዋዕታኹምን ክህነታዊ ኣገልግሎትኩም ክትጸንዑ፣ ኣብ ኲስኰሳ እትርከቡ ተመሃርቲ ዘርአክህነት ኲልኹም ከኣ በቲ ኣምላኽ ዘብረሃልኩም መገዲ ጸዋዕታ ተኸቲልኩም ዜድሊ መንፈሳውን ሰብኣውን ምስንዳውኩም ፈጺምኩም ብብቕዓት ኣብ ተልእኾ ክትጽመዱ ናብ ኣምላኽ ነማዕቍበኩም ኣሎና።

 

ኣብ ውፉይ ሕይወት ንዝተጸመድኩም

      ንቅድስና-ሕይወትን ድሕነት-ነፍሳትን፣ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ኢልኩም ሕይወትኩም ብምውፋይ፣ ንኽብሪ-እግዚኣብሔርን ንብሥራት መጻኢት ሕይወትን ክትብሉ ብመብጽዓ ድኽነትን ተኣዝዞን ተዓቅቦን እትነብሩ ሰብ ውፉይ ሕይወት& ድማ ቀንዴልኩም ወትሩ ብሩህ& ዘይትኹም ወትሩ ምሉእ ኪኸውን& ኣብ ሕይወት-ቤተክርስትያን ድማ ከም’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፣ ድሙቕ መብራህቲ ክትኾኑ፣ ኣበር ብዘይብሉ መደብ-ሕይወትን፣ ለጋሥ ተወፋይነትን ክትቅጽሉ ሓደራ ንብለኩም።

እኖና ኪዳነ ምሕረት ሎሚ’ውን ከም ቀደማ ኣብ ሕዝብናን ሃገርናን ነባርን ሓቀይናን ሰላም ካብ’ቲ ፍቁር ወዳ ተማልደልና።

እግዚኣብሔር ይባርኽኩምን የሓልኹምን፤

እግዚኣብሔር ገጹ የብረሃልኩም፤ ጸጋኡ ድማ የሃብኩም፤

እግዚኣብሔር ይጠምትኩም፣ ሰላሙ ድማ የሃብኩም።

(ዘኊ. 6፣24-26)

17 September 2018, 18:09