ድለ

ኣብ ኰንጐ ዘሎ ቅልውላው ከብቅዕ ናይ ሰበኻ በኒ ኣቡን ጻውዒት የቕርቡ ኣብ ኰንጐ ዘሎ ቅልውላው ከብቅዕ ናይ ሰበኻ በኒ ኣቡን ጻውዒት የቕርቡ 

ኣብ ኰንጐ ዘሎ ቅልውላው ከብቅዕ ናይ ሰበኻ በኒ ኣቡን ጻውዒት የቕርቡ

ብፁዕ ኣቡነ ፓሉኩ ምስ ቫቲካን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኤይዲፍ ወይ ካልኦት ዘይፍሉጣት ዝበሃሉ ክትገልጾ ዘይከኣል ዓመጽ የስፍሑ ከምዘለዉን ልዕሊ 1 ሺሕ ዝግመቱ ከም እተቐትሉን ብዙሓት ማህሰይቲ ከምዘጓነፎም ካልኦት ብዙሓት እውን ከምእተመዛበሉ ገሊጾም።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከባቢ ሃገረ ደሞክራሲያዊትረፓብሊክ ኮንጐ ዝፍነው ዘሎ ሕድ ሕዳዊ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም እውን እንተሎ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ በኒ 14 ሰባትን ኣርባዕተ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ንሞት ዝዳረገን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ንማህሰይቲ ሓደጋ ዘቃልዔ ግጭት ከምዝነበረ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ቡተምቦ በኒ ጳጳስ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪቦም እቲ ከባቢ ሓድሽ ሕመረት ሕማም ኤቦላ ክኸውን ከምዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ዳግም ምርግጋእ ክረጋገጽ ሓይሊ ምክልኻልን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ብርቱዕ ጻዕሪ ከካይዱን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ንልዕሊ 1,500 ዝቑጸሩን ንሞት ሓደጋ ዘቃልዔን ልዕሊ 800 ዝግመቱ እውን ከምዝጨወየን ዝንገረሉ ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍንውዎ ዘለዉ መጠነ ሰፊሕ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ክግምግሙን ናይ ቡተምቦን በኒ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲኩሉ ፓሉኩ ዕለት 22 ቀዳም 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ በኒ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንጽባሒቱ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከምዝሓተቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ክትገልጾ ዘጸግም ዓመጽ

ብፁዕ ኣቡነ ፓሉኩ ምስ ቫቲካን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ኤይዲፍ ወይ ካልኦት ዘይፍሉጣት ዝበሃሉ ክትገልጾ ዘይከኣል ዓመጽ የስፍሑ ከምዘለዉን ልዕሊ 1 ሺሕ ዝግመቱ ከም እተቐትሉን ብዙሓት ማህሰይቲ ከምዘጓነፎም ካልኦት ብዙሓት እውን ከምእተመዛበሉ ገሊጾም።

ስግኣት ሕማም ኤቦላ

ኣብቲ ከባቢ ዝርኣይ ዘሎ ዓመጽ ከቢድ ምዃኑ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ፓሉኩ፥ እቲ ከባቢ ሓድሽ ሕመረት ሕማም ኤቦላ ከይከውን ዓቢይ ስግኣት ኣሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ካብ በኒ 45 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ ኣትርከብ ከተማ ማንጂና ሕማም ኤቦላ ከማተራእየ ገሊጾም፡ ተህዋስ ሕማም ኤቦላ ከይሰፍሕ መንግስቲ ዘካየዶ ዘሎ ጻዕሪ ዝነበረ ስግኣት ከምዘጥፍኤ ሓቢሮም፡ እቲ ዓቢይ ጸገም ናይ ሕዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣብ ኰንጐ ዘሎ ቅልውላው ከብቅዕ ጻውዒት ናይ ሰበካ በኒ ኣቡን
28 September 2018, 16:36