ድለ

ስም ዝርዝር ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት 2018 ዓ.ም. ስም ዝርዝር ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት 2018 ዓ.ም. 

ስም ዝርዝር ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት 2018 ዓ.ም.

ኣብቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንኽካየ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝሳተፉ ስም ዝርዝር ከምዝቕረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቤት ጽሕፈት ካብ ዝሃብዎ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒን ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ናይታ ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየት ናይቲ ማሕበር መጽሔት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ናይቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ዛዕባ መንእሰይ ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ኣቦ መንበርን ዋና ጸሓፍን ብምዃን ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን  ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ  ንኽካየ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝሳተፉ ስም ዝርዝር ከምዝቕረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቤት ጽሕፈት ካብ ዝሃብዎ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ሲኖዶስ ኣቦ መንበርን፡ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍን፡ ልኡካን ኣበ መናብርት ብምዃን ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካሪድንል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮን፡ ኣብ ማዳጋስካር ናይ ቶኣማሲና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ደሲረ ዛራሃዛናን ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦን፡ ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ናይ ፖርት ሞረስባይ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሪባትን ከምዝዀኑን ከምኡ እውን ክልተ ፍሉይ ዋና ጸሓፍት ኰይኑም ብዝተመዙ ብኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጃኮሞ ኮስታን ሳሊዛዊ ካህን ኣባ ሮሳኖ ሳላ ተሓባባርነት ዝሕገዙ ከይኖም ናይ ብራዚሊያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሰርጊኦ ዳ ሮካ ጠቕላሊ ወሃቢ ቃልን ብምዃን ዝሳተፉ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ድርገት ኣቦ መንበርን ዋና ጸሓፍን ንኽዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይታ ካቶሊካዊ ስልጣኔ እተሰምየት ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኰይኖም ከምእተሓረዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ኣስዒቡ፥ ኣካታዒ ጉዳይ ዝሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲ ክዀኑን፡ ናይዚ ድርገት’ዚ ኣባላት ንኽዀኑ ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ዩደ ሺክሉናን ኣብ ናይጀሪያ ናይ ንሱካ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጎድፍረይ ኢግወቡይከ ኦናሕ ከምእተሓርዩ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ በቲ ብዝተውሃቦም ሓላፍነት ኣብቲ ሲዶዶስ ዝሳተፉ ክዀኑ እንከለዉ ካልኦት ኣብ መላእ ሃገራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ተሓባበርትን ተዓዘብትን ክኢላታትን ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካንን ናይ ሲኖዶስ ጠቕላላ ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ኣብ ኢጣልያ ናይ ሞንተፊያስኮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነን ተሳተፍቲ ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ።

ስም ዝርዝር ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ዛዕባ መንእሰያት 2018 ዓ.ም.
17 September 2018, 16:53