ድለ

ምሥጢረ ኑዛዜ ምሥጢረ ኑዛዜ 

ምሕረት ኣምላኽ ነጻ ትዕድልቲ እኳ እንተኾነ ንሕናውን ግደና ክንገብር የድሊ! ካርዲ. ባሰቲ

ትማሊ ተዘኪሩ ዝወዓለ ብናይ ኣሲዚ ምሕረት ዝፍለጥ ምሉእ ሥሬተ ሓጢኣት እትረኽበሉ ምሕረት ኣምላኽ እተስተማቅረሉ ኩነታት ንምግላጽን ኣብ ቊምስና ቢብዮነ ሰበኻ ኮንኮርድያ ፖርደኖነ ዓዲ ጣልያን 15 ናይ ሥሬተ ሓጢኣትን ምሉእ ምሕረትን ንምእዋጅ ዝሸባሸቡ ዘሎው ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበር ብፁዕ ካርዲናል ጒዋልትየሮ ባሰቲ `ንክርስትና ኣብ ለዋህ ናይ ምሕረት ሠናይ ዜና ጥራይ ክነውርዶ የብልናን ፍቅሪ ሥራሕ ምዝውታርን ብጭቡጥ ምቅባሉን የድሊ’ የድሊ እንክብሉ ንምሕረት ኣምላኽ ብሸለልትነት ክንምልከቶ ከምዘይብልና ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ፐለግሪኒ ከም ምልክት ኢዮቤል ምሕረት ምልክት ንክኸውን ኣብ ሰበኻ ቢብዮነ ንካልኣይ ግዜ ሎምዘመን እውን ንዘመነ ፍልሠታ ከም ምንጪ ምሕረት ንኽጥቀመሉ ኣብ ሰበኻኦም ናይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዕለታት ምሕረት ንምእዋጅ ክሳብ ዕለት 16 ነሐሰ በቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብታ ሰበኻ ነተን ሥሬተ ሓጢኣት ንክትረክብ ዝግበራ መሠረታውያን ነገራት ማለት ሓጢኣትካ ተናዚዝካ ኣብ ቅዳሴ ምስታፍን ጸሎትን ኣስተንትኖን ብምግባርን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ብምርዳእ ብተግባር ምስክርነት ክርስትና ብምሃብን ክርከብ ከምዝከኣል ገሊጾም፣

ምሉእ ሥሬተ ሓጢኣት!

ኣብዚ ንምሕረት ተአዊጁሉ ዘሎ ክልተ ሳምንቲ ኩሉም ምእመናን ናይ ኩሉ ሓጢኣቶም ሕድገት ብምሉእ ሥሬተ ሓጢኣት ኣቢሎም ክሓቱ ይኽእሉ፣ ዝሓለፈ ዓመት 2016 እዛ ቚምስና እዚኣ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ምሕረት ኢየቤል ቤተክርስትያን ተባሂላ ተመሪጻ ነራ፣ ካብቲ ዕለት እቲ ጀሚሩ ኣፋፈታ ማዕጾ ምሕረት ኮይኑ ዓመት ዓመት ንክልተ ሶሙን ናይዚ ምሕረት እዚ ምንጪ ብምዃን ወትሩ ክፉት ይኸውን፣ ነዚ ሥርዓት እዚ ንምፍጻም ትማሊ ናይ ፐሩጅያ ሊቀጳጳሳትን ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበርን ብፁዕ ካርዲናል ጒዋልትየሮ ባሰቲ ንማዕጾ ቊምስና ፍልሠታ ለቅድስት ድንግል ማርያም ቢብዮነ ክኸፍቱ እዮም። እዚ ከኣ ክሳብ ዕለት 16 ነቲ ብምሕረት ኣሲዚ ዝፍለጥ ናይ ምሉእ ሥሬተ ሓጢኣት ዝርከበሉ እዩ።

ባህልና ኣብ ወንጌል ክስረት!

ብኢካልቹረይሽን ዝፍለጥ ንወንጌል በቲ ባህሊ ዝሰምዖን ዝርድኦን ቋንቋን ልማንድ ንክሰፍሕ ዝሕግዝን ነቲ ባህሊ ኣብ ወንጌል መሥሪቱ ባህሉን ቋንቋኡን ወንጌል ወንጌል ከምዝጥዕም ንምግባር ዝሕግዝ ኣምር ብምጥቃስ ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘እዚ ፍጻሜ እዚ ብሓቂ ብዙሕ ሕዝቢ ጽምኢ እግዚአብሔር ከምዘለዎ የመልክት። ዕዮ ገዛ ቤተክርስትያን ከኣ ንወንጌል ኣብ ኣተሓሳስባ ሕዝብና ምእንቲ ክሰርጽ ኣብቲ ባህልን ልምድን ቋንቋን ናይቲ ሕዝቢ ከምዝኣቱ ክትገብር ኣለዋ፣ ነቲ ዕለት ዕለት ኣብ ቅድሜና ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ፍትሒ ምጉዳልን ዘይምምዕራይን ሱቊ ኢልና ተዓዘብቲ ክንከውን የብልናን፣ እንኮ ቃል ድሕነት ዝሓዘን ናብ ኩሉ ክነባጽሖን እንኽእል ቃል ወንጌል ጥራይ እዩ። ኢየሱስ ናይ ምሕረት ኣበሰርቲ ክንከውን ካብ ጸዋዓና ንሱ ስለዝበሎ ክኸውን ስለዝኾነ ኩሉ ስንድው እዩ ማለት እዩ’ እንክብሉ ነቲ እንቅበሎ ምሕረት ክንህቦ እውን ከምዘሎና ኣዘኻኺሮም፣

ምሕረት ትቅበሎን ትህቦን ጸጋ እዩ!

ብፅዕነቶም መግለጺኦም ንምቅጻል ኣብቲ ታሪኻዊ መሠረት ናይ ምሕረት ኣሲዚ ምልስ ኢሎም ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ራእዩን ር.ሊ.ጳ ኦኖርዮ 3ይ ከምቲ ሃረርታኡ ‘ንኩሉ ንመንግሥተ ሰማይ ንምብጻሕ’ ስለዝኾነ ምሕረት ትቅበሎን ትዕድሎን ጸጋ እዩ ኢሎም፣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝብልዎ ከኣ ‘ምሕረት እግዚብሔር መጠን ንሕና ንካልኦት ዝመሓርናሉ እናሓየለ ይመጽእ’ ዝበልዎ ‘ንክርስትና ኣብ ቅልል ዝበለ ናይ ምሕረት ሕያውነት ጥራይ ክነውርዶ የብልናን፣ ቤተክርስትያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዛ ንወንጌልን ምሕረትን ትሰብኽ ነራ ኮይኑ ግን ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ግብረ ሠናይ ብምዝውታርን ነቶም ጽጉማት ብምቅባልን ትድግፎ ነራ፣ ናይ ምሕረት ማዕጾኸስ ንባዕልና ብኣኡ ብምሕላፍን ንካልኦት ብኣኡ ንክኣትው ብምድጋፍን እዩ ዝኸውን` እንክብሉ ገሊጾም፣

መደብን ኣጋይሽን!

ኣብዘን 15 መዓልታት ገለ ፍሉይ መደባት ዘለወን ፍሉያት ዕለታት ኣለዋ! ንኣብነት ሮቡዕ ዕለት 8 ነሐሰ 2018 ዓምፈ ልዊጂ ፓዶቨዘ ዝበሃል ሽልማት ንራብዓይ ግዜኡ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ክርስትያን ዝወሃበሉ ኰይኑ ናይ ሎምዘመን ሽልማት ንብፁዕን ቅዱስን አቡነ ኢብራሂም ይስሓቅ ሲዳርክ ናይ ግብጺ ካቶሊካውያን ኮፕት ፓትርያርክ ናይ ኣለክሳንድርያ ክወሃብ እዩ፣ ድሕሪኡ ዘሎ ዕለት ምሉእ ለይቲ ቅዱስ ማዕጾ ክፉት ኮይኑ ብቃል ኣምላኽ እናተጸልየ ምሉእ ለይቲ ስግደት ቅዱስ ቊርባን ክግበርን ንዝደለየ መንበረ ኑዛዜ ተኸፊቱ ክሓድር እዩ። ነዚ ሥርዓት እዚ ዝመርሑ ምክትል ጸሓፊ ሲኖዶስ መንእሰያት ብፁዕ ኣቡነ ፋብዮ ፋበነ ክኾኑ ኣዮም፣ ከምኡ እውን ዕለት 13 ነሐሰ ዝሓለፈ ዓመት 2017ዓምፈ ናይ ሰላም ኖበል ንምሽላም ሕጹይ ዝነበሩ ኣባ ኣለኻድሮ ሶላሊንደ ኣብ መክሲኮ ተጻይ ዕጸ ፋርስን ኣዘዋወርቱን ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቅ ዝቃለሱ ጋሻ ክኾኑ እዮም፣ ሰፊሕ መብርሂ እውን ክህቡ እዮም ነቲ መደረ ዘወሃህዱ ከኣ ሎረንዞ ፋዚኒ ናይ ኢጣልያ ሚስዮናዊ ማሕተም ሓላፊ ክኾኑ እዮም፣

ኣብ መወዳእታ ናይ ቁምስና ቢብዮን ኲስሚ ዝኾነት ፍልሠታ ኣብ ዝክረ በዓላ ዕለት 15 ነሐሰ ምሽት ሰዓት 9 ናይ ሰበኻ ኮንኮርድያ ፖርደኖን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ፐለግሪኒ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ክሳብ ደንደስ ባሕሪ ዝበጽሕ ዑደት ብምክያድ ናይቲ በዓለ ፍጻሜ ንምግባር ዕለት 16 ነሐሰ እቲ ናብ ቢብዮን ዝተሰጋገረ ምሕረት ኣሲዚ ኣብ ቅርዓት እቲ ቊምስና ጸሎተ መቊጸርያ ብምድጋም ክፍጸም እዩ። እቲ ን15 መዓልታት ተኸፊቱ ዝነበረ ማዕጾ ምሕረት እውን ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ፐለግሪኒ ክዕጾ እዩ፣

ነዚ መደብዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!
03 August 2018, 16:52