ድለ

ብፁዕን ወቅዱስ ኣቡነ በርጠለሜዎስ 1 ብፁዕን ወቅዱስ ኣቡነ በርጠለሜዎስ 1 

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሐሰ ብፁዓንን ቅዱሳንን ፓትርያርክታት ክሪልን በርጠለሜዎስን ኣብ ቚስጥንጥንያ ክራኸቡ እዮም!

ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ክፍሊ ርክብ ምስ ወጻኢ ምኽትል ኣቦ መንበር ጥቀ ክቡር ሊቀ ካህናት ኣባ ኒኮላይ ባላሾቭ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ናይ ሞስካ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ኪሪል ብዛዕባ ረብሓ ክልቲኤን ኣብያተ ክርስትያን ዝምልከት ጉዳያት ንክዛተዩ ንፓርትያርክ ቚስጥንጥንያ ብፁዕን ወቅዱስ ኣቡነ በርጠለሜዎስ ክበጽሑ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

እዚ ብወገን ቤት ጽሕፈት ፓትርያርክ ቚስጥንጥንያ እውን ዝተረጋገጸ ዘተ እዚ ኣዎንታዊ ክኸውን ብዙሕ ትጽቢት ከምዘሎ ኣንክግለጽ ነቲ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሞስኮን ቚስጥንጥንያን ንዘሎ ፍልልያት ኣጽቢቡ ሓባራዊ ኦርቶዶክሳዊ ምትእስሳር ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኣብያተክርስትያን ከምኡ እውን ንመላእ ኦርቶዶክስ ንዘሎ ርክባት ከመሓይሽ ተስፋ ከምዘለዎም ዝገለጹ ናይታ ኣባል ፓትርያርክ ሞስኮ ዝኾነ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኡክራይና ዝኾኑን ምክትል ኣቦ መንበር ወጻኢ ጉዳያት ፓትርያርክ ሞስኮን ሊቀ ካህናት ጥቀ ክቡር ኣባ ኒኮላይ ዳኒለቪሽ እዮም።

ጥቀ ክቡር ሊቀ ካህናት ነዚ ሓበሬታ እዚ ጥራይ ኣብ ምሃብ እንክሕጸሩ መርሓ ግብር ናይቲ ዘተ ገና ይዝተየሉ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጦም። ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ ቚስጥንጥንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ናብ ሞስኮ ምብጻሕ ገሩ ከምዝነበረን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ክሪል ተቀቢሎም ከምዘዘራረብዎምን ብዛዕባ እቲ ንዝመጽእ መወዳእታ ወርሒ ነሐሰ ዘካይድዎ ምብጻሕን ዘተን እውን መሠረት ከምዝነብሩ ይዝክር።

መወዳእታ እዞም ክልተ ፓትርያርክታት ዝተራኸበሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ እስዊዘርላንድ ከተማ ቻምበሲ ብወርሒ ጥሪ 2016 ዓምፈ ዝተኻየደ ናይ ኩለን ኣውቶሸፋሊ ወይውን ርእሰን ዝኸኣላ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተክርስትያን መራሕቲ ተጋቢኦምሉ ኣብ ዝንበሩ ግዜ ነበረ።  ቅድሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ክልቲኦም ፓትርያርካት ብሓሳእ ዝተራእዩሉ ብወርሒ መጋቢት 2014 ኣብ ኢስጣንቡል ብወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ፖድጎሪካ ናይ ሞንተነግሮ ብወርሒ ግንቦት 2010 ኣብ ሞስካ ኣብ መወዳእታ ድማ ብወርሒ ሓምለ 2009 ዓምፈ ኣብ ፋናር ሃገረ ሊባኖስ ከምዝነበረ ይዝከር።

ነዚመደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
17 August 2018, 11:45