ድለ

ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣባ ቦንዶቦ፥ ሰብኣውነትን ክርስቲያናዊ ፍቕርን

ኣብ ርፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሰበኻ ባምባሪ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣበ ምኔት ኣባ ፊርሚን ግባጉዋ ካብ ዝቕተሉ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ካቴድራል ቆሞስን ኣመሓዳርን ኣባ ማተዉ ቦንዶቦ ኣቢላ ጻውዒት ሰላም ተቕርብ።

ኣብ  ርፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናይ ሰበኻ ባምባሪ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣበ ምኔት ኣባ ፊርሚን ግባጉዋ ካብ ዝቕተሉ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ካቴድራል ቆሞስን ኣመሓዳርን ኣባ ማተዉ ቦንዶቦ ኣቢላ ጻውዒት ሰላም ተቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

“ከም ሰብ መጠነ ኣነ ኣውን ፍርሒ ኣሎኒ, ይኹን ደኣምበር እቲ ኣብ ሃገረይ ዘሎ ህልው ኩነታት ንምቅላዕን ብዛዓባኡ ንምዝራብ ኣውን ኣይክልክለንን “ ዝበሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ረፓብሊካዊት ማኣከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ናይ ዝርከብ ካቴድራል ቆሞስ ኣባ ቦንዶቦ ክዀኑ እንከለዉ፡ እዞም ነቶም ቅድሚ ወርሒ ናይ ዝተቐትሉ ኣበ ምኔት ኣባ ፍሪሚን ግባጉዋ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት

ተኣፋፍነትን ዕግርግርን ኣልቦ ውሕስነት ጸጥታን ሰላምን

ካብታ ኣባ ፍርሚኒ ዝተቐትሉላ ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ረፓብሊክዊት ማኣከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ህልው ኩነታት ተኣፋፍፍን ዕግርግርን ኣልቦ ውሕስነት ጸጥታን ሰላምን ከምዝዀነን፡ እቲ ዘይምርግጋእ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ተቕዋማት መውሃቢ ኣገልግሎት ዝሃስይን እዩ፡ መቕተልቲ ኣባ ፊርሚን ዘስዓቦ ሓዘን ከቢድ እዩ፡ እቶም ዘተን ሰላምን ዘተባብዑ ስለምንታይ ከምእተቐትሉ ማንም ዝፈልጦ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያንን ህዝብን ሃገርን ዘገልግሉ ምቕታል ብሓቂ የደንጽው፡ ነዚ ርኢኻ እቲ ናይ ማእከላይ ረፓብሊካዊት ኣፍሪቃ ሃገር ኵነት ብዙሕ የሰንብድ፡ መቕተልቲ እውን ዘጋጥም እንተዀነ ነታ ሃገር ሰናይ ዝዀነ ፈሊኻ ካብ ምምስካር ከምዘየብኩር ሓቢሮም።

ቤተ ክርስቲያን ነቢይ እያ

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ እትክርበ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መገዲ ትቖስልን ትጉዳእን እውን ኣተላ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብፍቕሪ ክርስቶስን ጸኒዓ መንነታን ነቢያውነት ተልእዀኣ እተስተንትንን እትምስክንር፡ ብዘይ ፍርሒ ብሓይልን ፍቕርን ሰብኣውነት ክርስቶስ ተበራቲዓ ንሕዝቢ ፍቕርን ሰብኣውነትን ክርስቶስን ቃሉን እናበሰረት ብግቡእ መገዲ ኩሉ ክልወጥን ክሕደስን ትዓዪ ኢሎም።

ክርስቲያናዊ ሰብኣውነትን ፍቕርን ኣድላዪ እዩ

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝርአይ ዘሎ ናይ መንግስቲ ዘይብቑዕነትን ኰነ ንሃገርን ህዝባን ድሕነትን ኣብ ምሕላው ዝርአይ ድኽመት ዓቃቢ ሰላም ገሊጾም፡ ሰላምን ጸጥታን ውሑስ ንምግባር መንግስቲ ብዙሕ ፍጻሜታት ከረጋግጽ ድላይ ዘለዎ እውን እንተዀነ ዝተመዓራረየ መሳለጢ የብሉን፡ ስለዚህ ህዝብን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ኰሎን በቢ ዓቕሞም ኣብ ሕንጸት ሰላም ክዓዩ ይግባእ፡ ሰብኣውነትን ፍቕርን ወሳኒ እዩ፡ ስለዚህ ንካህናት እቲ ፍቕሪ ክርስቶስ እዩ፡ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ፡ እዚ መገዲ ፍቕሪ’ዚ እዩ ዘገድስ፡ ምፍቕርን ሰላምን ምብሳር።

ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ሃገር

ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ብዙሓት ኅብረ ትካላት ኣብ ምዝመዛ ማዕድንን ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ሃገር ተዋፊሮም ይርከቡ፡ ሩሲያ እውን ኣትያ፡ ኣጽዋር ውግእ ተዋሳእ፡ እዚ ሓቂ’ዚ እቶም ናይ ምርመራ ሰነድ ዘቕርቡ ዝነበሩ ዕለት 31 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ሰለስተ ጋዜጠይናታት ዝምስክርዎ ዝነበረ ጉዳይ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣዚያ ድኻ ዝዀነት ሃገር ተባሂሉ እትግለጽ እያ፡ ብተፈጥሮ ሃብትን ማዕድናትን ዝተዓደለት ክነሳ፡ ሃብታ ይምዝመዝ ኣሎ፡ ሕዝባ ኣብ ድኽነት ይነብር ኣሎ፡ ብዙሓት ሃገራት ሰላም ንምርግጋጽ ዘይኰነስ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንምምዝማዝ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊረን ንውልቃዊ ረብሓ ይጓየያ ኣለዋ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣባ ቦንዶቦ፥ ሰብኣውነትን ክርስቲያናዊ ፍቕርን
02 August 2018, 16:51