ድለ

(FILE)ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን (FILE)ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን 

ሰላምን ምዕብልናን-ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ ሓዋርያዊ መልእኽቲ 1991

ዕድልና ኮይኑ 27 ዓመት ሸንኮለል ኢልና ገና ሀ ኢልካ ኣብ ምጅማር ስለዝተመለስና ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ጽባሕ ነጻነት ሰላምን ምዕብልናን ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ ኢሎም ንምእመናንን ንኹሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣብ’ዚ ዝጅመር ዘሎ ሓዲስ ጉዕዞ ሓጋዚት ኮይና ስለዝተራእየትና ብጽሑፍን ድምጽን ቀሪጽና ብፍቃዶም ንዝርግሖ ኣሎና፣

ሰላምን ምዕብልናን ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ - ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንምእመናንን ንኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን - ሓምለ 1991 ዓ.ም.ፈ.

 

ሰላምን ምዕብልናን ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ

ፍቁራን ኣኅዋትናን ኣኃትናን ደቅናን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣

 ናይ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታናን ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ብምኽንያት ምእታው ሕዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ዝተገልፀ ናይ ታሕጓስን ናይ ደስደስን ስምዒት፣ ጋና ኣብ ከተማታትናን ዓዳትናን መቓልሑ እናሃበ እንከሎ፤ እነሆ ቃልና ነስምዓኩም ኣሎና።

ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ውግእን ጥሜትን፤ ካልእ በብዓይነቱ ሥቓያትን፣ እታ ብፍጹም ጠፊኣ ትመስል ዝነበረት ናይ ደስታን ተስፋን ጩራ፣ እነሆ ሕጂ ብተኣምራዊ ኣገባብ ከምብሓዲሽ ኣብ ገጽ ሕዝብና ክትበርህ ጀሚራ ኣላ። ናይ’ዚ ዓቢይ ታሪኻዊ እዋን እንታይነትን ትርጉምን እንከነስተንትን፤ ምስኡ ኣወሃሂድና ድማ ነዚ ናይ ሕዝብና ግቡእን ኣድላዪን ዝኾነ ታሕጓስ፣ ኣብ ቃል-ኣምላኽ ተመርኲስና ንትምህርቲ ቤተክርስትያን ጠቒስና ትርጉምን ፍትሓትን ክንህቦ ድላይና እዩ።

“እነሆ ኣነ መንፈስ ከሕድረልኩም፣ ንስኻትኩም ድማ  ሕያዋን ክትኮኑ ኢኹም” (ሕዝ 37፣5)

      እዚ ሕሉፍን ወሳንን ዝኾነ ታሪኻዊ ለውጢ ዝተፈጸመ፤ ቤተክርስትያን ንበዓለ ኃምሳ (ጰንጤቆስጤ) ንምኽባር ኣብ እትሰናደወሉ ዝነበረት ቅንያት እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ብነቢይ ሕዝቅኤል ተዘርዚሩልና ዘሎ ናይ “ዝነቐጸ ኣዕጽምቲ” ዜደንቕን ዜገርምን ትርኢት ምስትንታንን ባህርያውን፣ ዝቐለለን ኮይኑ ይርከብ። በቲ ጽንኩር እዋን ታሪኽ እሥራኤላውያን፤ እዚ ነቢይ ብንቑጽ ኣዕፅምቲ ናብ ዝተሸፈነ ሰፊሕ ጐልጐል ከምዝተወስደ ይገልጽ። ቀጺሉ “... ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣዕፅምቲ ተነበ፤ ኣቱም ኣዕፅምቲ ቃል እግዚኣብሔር ስምዑ፤ ...እነሆ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም (መንፈስ ከሕድረልኩም) እየ፤ ከምብሓዲሽ ድማ ሕያዋን ክትኮኑ ኢኹም፤ ...ኣታ ትንፋስ እዞም ቅቱላን ሕያዋን ምእንቲ ኪኾኑስ፤ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ነዓ’ሞ ኣብ ልዕሊኦም ንፈስ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሔር...”። ሕዝቅኤል ትንቢቱ ከይወድአ እንከሎ ገለ ድምጺ ኪሰምዕን፣ ኣብ’ቲ ኣዕፅምቲ ድማ ገለ ዓይነት ምንቅስቓስ ኪርእን ጀመረ። እታ ብኣስከሬን ዝተሸፈነት ጐልጐል ኸዓ ናይ ሕያዋን ምድሪ ኮነት። እዚ ትርኢት’ዚ ንሕዝበ እስራኤል ዚግድስ ስለዝነበረ፣ ብኣፍ ነቢይ ሕዝቅኤል ገቢሩ፣ እግዚኣብሔር ነዚ ሕዝቢ’ዚ እዚ ዚስዕብ ቃላት ኣስመዖ፣ “ኣቱም ሕዝበይ፣ መቓብራትኩም ከፊተ ካብኡ ከተንሥኣኩም፤ ...ናብ ሃገርኩም ድማ ክመልሰኩም ኢየ’ሞ፤ ኣነ እግዚኣብሔር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኻትኩም”።[1]

      ታሪኽ ሕዝብና ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ናይ’ዚ ዝሓለፈ መወዳእታ ዓመታት ኩነታት፣ ኣብ’ዚ ዜደንቕ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ብግልጺ ዚንበብ እዩ ኪበሃል ይከኣል። ንገለ 30 ዓመታት ዚኣክል፣ ጐላጉልን ጐቦታትን ሃገርና “ብዝነቐጸ ኣዕፅምቲ” ዝተሸፈነ ዖና ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። ኣብ’ዚ መወዳእታስ’ኳ ናይ’ቲ ብውግእን ምስኡ ብዝተኣሳሰረ ኩነታትን ዝተዓፅደ ሕይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቂ-ሰባት ቁጽሩ ምግማት ጽጉም ከይኮነ ኣይተርፍን። ካብ’ዚ ዝገደደ ግን እቲ ዝኾነ ውግእ ዜሳውY ናይ ጽልእን ዓመጽን በቐልን ስምዒት፤ ኣብ ልቢ’ቶም ብሕይወት ዘሎና ሰሊኹ ብምእታው፣ ሞት ከኣ ምስኡ ኣብ ልባትና ሰፊራ እያ።

      እንተኾነ “እቲ ብዜደንቕ ኃልዩ ንኹሉ እዋናትን ኩነታትን ዜመርሕን፣ ንገጽ ምድሪ ኣሓዲሱ ዜብርህን መንፈስ ኣምላኽ”[2] ነቲ ሕይወት ዚህብ ትንፋሱ ኣብ ልዕሊ ምድርና ስለዘፍሰሶ፣ እነሆ ከምብሓዲሽ ሕይወትን ሓጐስን ተስፋን ኣልቢሱዋ ኣሎ።

      ኣብ’ዚ ሕሉፍ ለውጢ ዘምጽአ እዋናዊ ኩነታት ኢድ-ኣምላኽ ከምዘሎ፣ ሕዝብና በቲ ገርሀይና እምነቱ ድY ተገንዚብዎ ከምዘሎ፣ ምስ ገለ ገለ ሰባት ኣብ ዝተዋሳእናሉ ተደጋጊሙ ኪንገር ዝሰማዕናዮ ዓሚቝ እምነት ዚገልጽ ነገር እዩ። ከም’ቲ ንሕዝቢ እሥራኤል ብሕዝቅኤል ገቢሩ ዘመልከተሎም፤ ንዓና’ውን በዚ ግሩህ ናይ ሕዝብና ኣዘራርባ ገቢሩ ዘማሕፅነና ጉዳይ ኣሎ፤ “ኣነ እግዚኣብሔር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም”።

      ፍቑራን ኣኅዋትናን ኣኃትናን ደቅናን፣ እነሆ’ምበኣር መዠመርያ ምሕፅንታና ነቕርበልኩም፣- ኣብ’ዚ ብቐረባ ዝተፈጸመ ኩነታት ናይ’ቲ ምእንታና ድንቂ ነገራት ዝፈጸመ ኣምላኽ ህልውና ነስተውዕልን ንተኣመንን። ቅድሚ ኹሉ ድማ፣ ድሕሪ ናይ ዓመታት ውግእን፣ ናይ ሰላም ዘተ ፃዕርን፤ ባብ ዚርከቦ ዘይመስል ካብ ዝነበረ ሃለዋት ናጻ ስለዘውጽኣና፣ ብርሑው ልብን፣ ትሑት መንፈስን፣ ብዓሚቝ ስምዒትን ከነመስግኖ ይግበኣና።

      ዝኾነ ኾይኑ፣ ንኣምላኻዊ ስራሓቱን ሰብኣዊ መጋበርታቱን ብምሥጢራውን ጭቡጥን ኣገባብ ኣወሃሂዱ፣ ንጉዕዞ ታሪኽ ብምምራሕ ንሱ ባዕሉ ናብ ዝመደበሉ ዕላማ ኣቢሉ ዜቕንዖ እግዚኣብሔር እዩ። ምእንት’ዚ’ውን ነቶም ኣብ’ዚ ነዊሕ ዓመታት ዝተጋደሉ እንክንዝክር እቲ ንሓርነትን ንሰብኣዊ መሰልን ኣፍቂYም ዝኸፈልዎን፤ ምእንቲ ዝለዓለ ረብሓ ሕዝብና ዘርኣይዎ ተወፋይነትን፤ ብሕሉፍ ስምዒትን መንፈስ ምስጋናን ሞሳን እንሓስቦ ዘሎና እዩ። ብዙኃት ካባታቶም ክሳብ’ታ መማዝንቲ ዘይብላ ክብርቲ መሥዋዕቲ ሕይወቶም በጺሖም እዮም። ካልኦት ድማ ናብ’ቲ ሥሩዕ ናይ ማኅበራዊ ናብራ ክልል ዚኣትዉ ዘለዉን፣ ኪኣትዉ ዚቀራረቡን’ኳ እንተኾኑ፤ እቲ ናይ ዓመታት መሪር ተጋድሎ ዝሓደገሎም፣ ወትሩ ኣብ ድንገተ-ሞት ናይ ዝነበረት ሃለዋት በሰላ ጸዊYም ከምዘለዉ ግሁድ እዩ።

      እቶም ብሞት ዝሓለፉ፤ ምልኣት-ሕይወት ኪረኽቡን፤ ነታ ክሳብ መወዳእታ ትንፋስ ዝተጋደሉላን፣ ካብ ኣምላኽ እትርከብ ፍጽምቲ ሓርነት ኪጭብጡ ንምህለል። ደቅናን፣ ኣኅዋትናን፣ ኣኃትናን ስለዝኾኑ፣ ብናታቶም ምፍላይ ኣብ ብዙኃት ስድራቤታት ሓዘንን ብኽያትን ኪርከብ ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ፣ “ንከንቱ ኣይኮኑን ዝሞቱ” ዚብል ርድኢት ሒዝና ክንፀናናዕ ይግባእ።

      ነቶም ምእንቲ ተፃራሪ ዕላማ፣ መብዝሕትኦምስ’ኳ ደኣ ብዘይፈልጥዎን ተገዲዶምን ዝሞቱ‘ውን፣ ብመልክዕ ጸሎትን ይቕረታን ንሓስቦም ኣሎና፣ ናይ’ቲ ዝሞቱሉ ዕላማ እንታይነት ብዘየገድስ ነፍስ-ወከፍ ትንፋስ ወይ ሕይወት ወድሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍቕርትን ክብርትን ምዃና ዘይምርሳዕ። እግዚኣብሔር፣ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ኣቦ ኩሉ እዩ& እቶም ኩሎም ብሰንኪ በብዓይነቱ ዕላማ ዝሞቱ፣ ኣብ ሕቑፊ ኣምላኽ ኮይኖም፣ ነቲ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ናይ ነፍሳቶም ፍጹም ዕርቂ ፈጺሞም ከምዚተሓቛቖፉ እምነትና እዩ።

      ነቶም ድሕሪ’ዚ ኩሉ ተጋድሎ፣ ናብ ዓዳቶምን ከተማታቶም ኣትዮም፣ ወይ ድማ ኣብ ምእታው ዚርከቡ፤ ሞሳናን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ትምኒትናን ንገልጸሎም። ምስኡ ድማ ቀጺልና፣ ሥነ-ልቦናዊ ቁስሊ ሓውዩሎም፣ ዝሓለፈ ዘስዓበሎም ስንባደን ራዕድን ተረሲዑስ፤ ንመጻኢ ዕድሎም ብቅሱን መንፈስ ኣማዕዲዮም ንኪኽእሉ፣ ሃገር ከምብሓድሽ ንምሕናጽ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ከም’ቲ ናይ ቅድሞም፣ ጠቕሚ-ርእሲ ብዘየገድስ ኣገባብ ንኪውፈዩን ንኸበርክቱን ሓደራ ንብል! ኣምላኽ ኣኻእሎ ኪህቦም ከኣ ጸሎትና ነዕርግ።

2.   ካብ ዝሓለፈ እንታይ ተማሂርና?   -  ውግእ ከይድገም!

እዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን፣ ኣብ ኩነታት ሃገርና መዘና ዘይብሉ ሓደ ዓቢይ ታሪኻዊ ምልውዋጥ ዚረኣየሉ ዘሎ ምዃኑ ንማንም ኪስወር ኣይከኣልን። ናይ’ዚ ምሉእ እንታይነቱን ኩሉ ባህርያቱን፣ መን ይፈልጥ ምስ ንውሒ ግዜ መመሊሱ በሪሁ ይረኣየና ይኸውን።

      እዚ እዋን’ዚ እምበኣር፤ ንዝሓለፈ ተዓዚብና ትምህርቲ እንቐስመሉ፤ ንዚመጽእ ኣማዕዲና ብምጥማት ድማ ንወድሰብ ዚበቅዕን ዚግባእን ጽፉፍ ሥልጣኔን ምዕብልናን ንምሕናፅ ዜኽእለና መሠረት ከነቐምጥ፣ ጽቡቕ ዕድል ዝረኸብናሉ እዋን ምዃኑ ግልጺ ኪኸውን ንኹሉ ነማሕፅን።

      ታሪኽ ኤርትራ፤ ብፍላይ ድማ እዙ ናይ ቀረባ እዋን ከምዚምስክሮ፤ ሕዝብና፤ ናይ ሕንፀተሰባውን (Cultural) ማኅበረ-ሰባውን፣ ፖለቲካውን መንነቱ፣ ዓሚቝ ስምዒትን፣ ብሱል ርድኢትን ከማዕብል ክኢሉ እዩ። እቲ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ዘርኣዮ ታሪኻዊ ምዕባሌን ፖለቲካዊ ብስለትን ጸባጺብካስ፣ ነዚ ሕዝቢ’ዚ ናይ ሕጋውን ወግዓውን ሓርነቱ ማዕጾ ኪኸፍተሉ ብሩህን ባህርያን ዝነበረ ነገር እዩ። እንተኾነ ግዳ፣ ህርፋን ጸብለልትነትን ወገናዊ ጠቕምታትን፣ ምስ ኡነተይና ረብሓ ሕዝብና ዘይላዘብ ካልእ በብዓይነቱ ውሽጣውን ግዳማውን ምኽንያታት ተዋህሊሉ ንሕዝቢ፣ ነቲ ኣብ ጉዕዞኡ ዘጋጠሞ ዕንቅፍታት ኣበራኸተሉ። በዚ ኸዓ ኣብ ታሪኽ ሕዝብና መወዳድርቲ ዘይርከቦ ከቢድ ጸገም ኪፍጠር፤ ንኤርትራ ሓፈሻዊ ዕንወት ዘስዓበላ ናይ 30 ዓመት ውግእ ኪካየድ ናይ ግድን ኮነ።

      ኣብ ልዕሊ ሓደ ምስኪንን ንጹሕን ሕዝቢ፣ ክንድ’ዚ ዚኣክል ከቢድ መሥዋዕትነት ዝተኣዘዘሉስ ንምንታይ እዩ? ዚብል ሕቶ፣ ነቶም ነዚ ውግእ’ዚ መንቀሊ ዝኾኑን፤ ንኺዓግትዎ ኮነ ንኸወግድዎ ገለ ዘይገበሩን፤ ንዅሎም እነቕርበሎም ሕቶ እዩ።

      ነዛ ካብ ዖና ክትሕነፅን ክትውለድን ዘለዋ ሃገር ድማ እዚ ዝሓለፈ ተመክY ሕሉፍ ትምህርቲ ከይሓደገላ ኣይተርፍን። እዚ ከኣ፣ “ግጭታትን ናይ ሓሳብ ፍልልያትን ንምፍታሕ ዚግበር ውግእ ትርጉም የብሉን” ዚብል እዩ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ዓመታት ዝረኣናዮን ዘሕለፍናዮን ሃለዋት፤ እቲ ናይ ዘመንና ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብጽንኩር እዋናት ታሪኽ-ዓለም ዘመሓላለፍዎ መልእኽታት ትዝ ይብለና፣ መጠን ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ንማንም’ውን ከምዘይሥወY ይርደኣና& ውግእ “ሓደ ጠቕሚ ዘይብሉ ዕንወት እዩ” (ፕዮስ መበል 11)& “ብሰላም ዚጠፍእ ነገር የለን፤ ብውግእ ግን ኩሉ ይጠፍእ” (ፕዮስ መበል 12)& “ናይ ዓሌት ሰብ ዕድልን ዕጫን፣ ኪውስን ዚግብኦ ውግእ ዘይኮነስ፣ ሰላም እዩ” (ጳውሎስ 6)& “ውግእ ትርጉም ዘይብሉ ተርእዮን፣ ወትሩ ዘይፍትሓውን እዩ” (ዮሓንስ ጳውሎስ 2)።

      ንሕና’ውን፣ ኣብ መፈለምታ’ዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ፣ ነዚ መልእኽቲ’ዚ እንደግሞ ዘሎና፤ ድሕሪ ሕጂ ውግእ፣ ንወትሩ ምስ‘ቲ ዝሓለፈ መሪር ታሪኽ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፣ ንወትሩ መዘከርታን መጠንቀቕታን ጥራሕ ኮይኑ ኪነብርን፤ ናይ መጻኢ እዋን ወለዶና ካብ’ዚ ኪድሕንን ብዚብል ሓሳብ እዩ።

3.    ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

      በዚ ዝተረኽበ ሓዲሽ ታሪኻዊ ለውጥን ዘስዓቦ ዓሚቝ ስምዒትን ተዘናጊዕና ክንርስዖ ዘይግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ከዓ፤ እዙ ኣብ ቀረባ እዋን ዝጨበጥናዮ፣ ናብ’ቲ ናይ ሃገርና ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ኣቢሉ ዚወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ ምግንዛብ እዩ። ተበጺሑ ዘሎ፣ ወተሃደራዊ ወይ ብረታዊ ዓወት እንኪኸውን፣ ሕጋውን ወግዓውን ውሳኔ ኪስዕቦ ናይ ግድን እዩ። እዚ እዩ ኸዓ፣ እቲ ምሉእን ፍጹምን ዚገብYን፤ ኪተርፍ ዘይግብኦን ካልኣይ ስጉሚ። እዚ ምዕራፍ’ዚ ቀሊል እዩ፤ ወይ ድማ ጸገማት የብሉን ቢልና ርእስና ከይነተዓሻሹ ጥንቃቐ የድሊ።

      ብወገንና፣ ኣብ ፍትሕን፣ ታሪኻዊ ግምታትን ዝተመርኰሰ መሰል ርእሰ-ውሳኔ፣ ንሕዝብና ኪረጋገጸሉን ኪሕለወሉን ኣሎዎ እንክንብል ብዛዕባ’ዚ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተበጺሑ ዘሎ ስጉምቲ ኣሓጕሱና (ኣጸናኒዑና) ከምዘሎ ንገልጽ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ዮሓንስ ጳውሎስ 2፣ ኣብ ትሕቲ ቅ.መንበር (ቫቲካን) ንዚርከቡ ናይ ዲፕሎማሲ ኣባላት እንኪዛረቡ፣ “ዝኾነ ይኹን ንጉዳይ ኤርትራ ዚግድስ መፍትሒ ተባሂሉ ዚቐርብ ኩሉ፣ ናይ’ቲ ብዙሕ ዝተሣቐየ፣ ፍቑር ኤርትራዊ ሕዝቢ ሃረርታን ድልየትን ኣብ ግምት ብምእታው ኪኸውን ይግባእ”[3] ከምዝበሉ ንሕና ድማ፤ ናይ ገሊኡ ወገን’ዚ ሕዝቢ’ዚ መንፈሳውያን መራሕቲ ብምዃንና፤ ንዓለም-ለኸ ኣካላት፣ ብፍላይ ድማ ማሕበር ሕቡራት መንግስታት ዓለም፤ ካብ’ቲ ብዝሓለፈ እዋናት ኣጽቂጦምሉ ዝነበሩ ዘይግባእ ናይ ስቕታ ኣገባብ ወጺኦም፣ ነዛ ብዙሕ ዝተሳቐየት ኤርትራ ሃገርና ፍትሒ ከውጽኡላ ምሕፅንታና ነቕርብ። እዚ ናይ ስግግር ምዕራፍ ብዝቐልጠፈ ተዛዚሙስ፤ ሕዝቢ ሃገሩ ንኺሓንጽ ኣብ ዜኽእሎ ሥሩዕ ኩነታት ምእንቲ ብቕልጡፍ ኪዓልብ፤ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዚጥምት ሕጋዊ ኣገባባት ኣብ ግብሪ ኪውዕልን’ውን ንሓትት።

4.    ቅኑዕን ብቑዕን ምዕብልና

      ኣብ’ቲ ዚጽበየና ጉዕዞ ገለ ጸገማት ከምዘሎ’ኳ ዘይንስሕቶ እንተኾንና፣ እዙ ናይ ሕጂ ለውጢ ወይ ምዕራፍ፤ ንድሕሪት ኪብል ናብ ዘይኽእለሉ፤ ናብ ወግዓዊ ናፅነት ሃገርና ኣቢሉ ቐኒዑ ኣሎ። ደጊምስ ብዓሚቝ ምፅንናዕ፣ “ንድሕሪት ምምላስ ኣይከኣልን’ዩ” ክንብል ንደፍር። ምእንት’ዚ ካብ’ዚ ዘሎናዮ ሕልፍ ኢልና፤ ብሰፊሕ ኣረኣእያ ናብ’ቲ ናይ ሃገርና መጻኢ ሥርዓት ገጽና ክንጥምት ግቡእ እዩ።

      ፖለቲካ እንኪበሃል፣ በቲ ወግዓዊ ትርጉሙ እንተድኣ ተወሲዱ፤ ንሕና፣ ከም መጠን ጓሶት ቤተክርስትያን ፖለቲካዊ እማሜ ወይ ሕንጻጻት ከነቕርብ መደብና ኣይኮነን። ግዳ፣ ካብ’ቲ ንፈለማ ግዜ ምስ ናይ መሪሕነት ኣባላት ዝገበርናዮ ርክብ ከምዝተገንዘብናዮ፣ በዚ ሕንቁቕ ዝኾነ ናይ ምስግጋር እዋን፤ ብሩህን ንጹርን ሓሳባት ዘለዎምን፣ ክእለትን ብቕዓትን ዝጨበጡን ሰባት፣ ንሃገርና ዝተረከቡዋ ኮይኑ ይስመዓና።

      ምእንት’ዚ ሕጂ፤ ቤተክርስትያን ብዛዕባ ኅብረተሰብ ኣብ እትህቦ ትምህርቲ ተመርኲስና፣ ኣብ ኩሉን ንኩሉን ይጠቅም ዝበልናዮ ገለ መሠረታዊ መምርሒታት ጥራሕ ከነዘኻኽር ንፈቱ። በዚ መምርሒታት’ዚ ቤተክርስትያን፣ ንኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዚኸውን ቅኑዕን ብቝዕን ምዕብልና ወዲ-ሰብ (ብውልቀ-ሰብ ኮነ ብማኅበር) ዜምጽእ ድልዱል ማኅበራዊ ናብራ ንምሕናፅ ዘገልግል ገለ ሓሳባት ነቕርብ።

      “ኣመንትን ዘይኣመንትን ዳርጋ ኩሎም ከምዚሰማምዑሉ፣ እቲ ኩሉ ኣብ’ዛ መሬት (ምድሪ ዓለም) ዘሎ፣ ዓንዲ ማእከሉን፣ መወዳእታ መጠርነፊኡን ሰብ ስለዝኾነ፤ ኩሉ ግዜ ብመንፅር ወድሰብ ኪጥመት ኣለዎ”[4] እናበለ ጉባኤ ቫቲካን ካልኣይ የረጋግጸና። ብወገን እቶም ዘይኣመንቲ፣ እቲ ኣብ ልቢ ነፍስ-ወከፍ ዝተሰቝረ ሥነ-ዓምግባራዊ (ሞራላዊ) ኅሊና፤ ንሱ ናይ ሕይወት ወድ-ሰብ ጠርናፊ ሕንብርቲ ኮይኑ’ኳ እንተተገመተ& ንዓና ንኣመንቲ ግን እዚ ናይ ሕይወት ሰብ ጠርናፊ ነጥቢ፣ ካብ’ቲ “ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ፤ ...ብኣምላኽ ከዓ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ምድራዊ ፍጡር ዋና ኮይኑ ተሸመ”[5] ዚብል ልዑል ርድኢትን ሓሳባትን ዝመጸና እዩ።

      ናይ ኩሉ ማኅበረ-ሰባውን (ሶሺያል)፤ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን መደባት መለክዒ ወይ መምዘኒ ሰብ እዩ። ስለ’ዚ’ውን ኩሉ ናይ ኅብረተሰብ መሣርዓትን ትካላትን ዕላማኡ፤ መብዝሕትኡ ሰብ ክእለቱ ዜማዕብለሉን፤ ናይ ታሕጓስን፣ ናይ ውሕልነትን ግቡእ ሃረርታኡ ዜርውየሉ ጥጡሕ ኩነታት ምምሃዝን ቀጺሉ ድማ ከምዚምዕብል ምግባርን እዩ።

      እዙ መሠረተ-ሓሳብ’ዚ ከነዘኻኽር ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣሎና& ምኽንያቱ ድማ፤ ሃገር ንምሕናፅ ሃረር ብምባል፤ ብዘይ ምፍላጥ’ውን ኪኸውን ይኽእል፣ ንናይ ውልቀሰብ (Person) ክብርን ግምትን ብናይ መሣርዓትን (Structures) ቴክኒካዊ ግድነታትን ኪልወጥ ስለ ዚርከብ እዩ& እዚ ግን ንናይ ኩሉ ክብርን ግምትን ኣዘናቢሉ ሓዲስ መልክዕ ባርነትን ምዝመዛን በለጽን ዜስዕብ እዩ።

      ሰብ ናይ ኩሉ ዓንዲ ማእከል ወይ መሠረት ምዃኑ ኪፍለጥ ዚከኣል፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን መሠረታዊ መሰላቱ ኪጭብጥ እንተኸኣለ እዩ። መሠረታዊ መሰላት እንኪበሃል ድማ ንበብዓይነቱ ኩርናዓት ዚጥምት ኮይኑ፤ ብወገን ሞራል፣ ንውልቀሰብ ዝርኢ& ብወገን ሕንፀተ-ሰብ (Culture) ሓቂ ንምርካብን፣ ሓሳብካ ንምግላጽን ናጻ ስለ ምዃን፣ ብወገን ትምህርቲ፣ ዝኾነ ይኹን ንኺመሃር መሰል ከምዘለዎ፣ ብወገን ሃይማኖት ወይ እምነት፣ ሕሊናኡ ብዘብርሃሉ ኣገባብ ንኣምላኹ ኬኽብርን ስቱር ወይ ግልጺ ኣምልኾ ኬቕርብ ዘለዎ መሰል& ብወገን ኤኮኖሚ፣ ናይ ስራሕን፣ ናይ ናፃ ምህዞታት ወይ ተበግሶታት መሰል፤ ብወገን ፖለቲካ ድማ ንሕዝብን መንግሥትን ኣብ ዚምልከት ወግዓዊ ጉዳያት ናይ ምስታፍ መሰል፣ ... ወዘተ ቢልና ክንጽብጽብ ንኽእል። ነዘን መሰላት’ዚኣተን ክንሕሉ እንተድኣ ክኢልና፣ ኩሉ መሣርዓትን (Structures) ተግባራትን (Functions) ኣብ ኣገልግሎት ወዲ-ሰብ ውዒሉ ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ነዘን መሰላት‘ዚኣተን ሸለል ምባል ማለት፣ ንሰብ ናይ’ቲ መሣርዓትን ተግባራትን (ምንቅስቓሳትን) ባርያ ወይ ግዙእ ምግባሩ ማለት እዩ። ስለ’ዚ ከዓ እቲ ዚሕነፅ ማኅበረሰብ ምእንቲ ረብሓ ሰብ ዘይኮነስ፣ ኣንፃር ሰብ ይኸውን፤ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምጥፋእ ማለት እዩ።

      ብውልቀሰብን ብመሰላቱን ክንግደስ እንተድኣ ደሊና፤ ባህርያውን ምቹእን ዝኾነ ቦታኡ፣ ንሓባራዊ ረብሓ እንገብY ኣቓልቦ እዩ። ክልቲኡ መሠረተ ሓሳባት ኣይጋጮን እዩ። ከመይ ናይ ሓባር ረብሓ ኪበሃል እንከሎ፣ እቶም ንጽል ኣባላትን ጉጅለታትን ብፍጹምን ጥዑምን ኣገባብ ርእሶም ከማዕብልሉ ዜኽእሎም ናይ ማኅበራዊ ናብራ ኩነታት ዝተዋህለለሉ ኢዩ ኪበሃል ይከኣል”[6]። ስለ’ዚ’ውን ክልተ ተደጋጋፊ ነገራት ኮይኑ ይርከብ& ሳላ’ቲ ናይ ሓባር ረብሓ መሠረተ-ሓሳብ፤ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ናይ ኅቡር ኣነባብራኦም ግድነትን ድልየትን ኪፍጽሙሉ ዚኽእሉ ምቹእ ቦታ ማሕበራዊ ናብራ ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ሓባራዊ ረብሓ ንናይ ብሕቲ ጠቕሚ ዘይዓግት’ኳ እንተኾነ& ኣብ መንጎ ናይ ውልቀ-ሰባትን ናይ ማኅበረ- ሰብን ናይ ገሊኡ ወገናቱን ግድነትን ድልየትን ረብሓን ሚዛናዊ ዝኾነ ምውህሃድ ኪህሉ የድሊ።

      ኣብ መንጎ ናይ ውልቀሰብ ረብሓታትን፣ ናይ ካልኦት ድልየታትን ዘሎ ርክብ ግጭትን ምስሕሓብን ኬምጽእ ስለዚኽእል፣ እንተድኣ ካብ መስመሩ ሓሊፉ ድማ ኅቡር (ንብረት) ናብራ ዘይከኣል ኮይኑ፤ ናብ ዘይምውህሃድን ናብ ምብትታንን ኬድህብ ናይ ግድን እዩ። ንማኅበራዊ ኣነባብራ ዚመርሕ መሠረተ ሓሳብ’ምበኣር ክንዲ ኣብ መንጎ በበይኖም ዝኾኑ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ወገናትን ዘጋጥም ህልኽን ቃልስን ዝኸውን& ኣብ ሓደ ቀጻልን ድልዱልን ዝኾነ ምትሕብባር ተመሥሪትካ፣ ብሓባራዊ ምትሕግጋዝ ኣቢልካ ናብ’ቲ ናይ ሓባር ረብሓ ምብጻሕ ኪኸውን ይግባእ። ኣብ ሓፈሻዊ ባህርይ ደቂ ሰባትን ሓባራዊ ድልየቶምን ተመርኲዙ፤ ምስ’ቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ናይ ኩሉ ሓድነትን ሕውነትን ዚሰማማዕ እንተ’ሎ እቲ ናይ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ መሠረተ ሓሳብ (Principle of Solidarity) እዩ። ምትሕብባር ማለት ሓደ ኣብ ግዝያዊ ስምዒት ዝተመሥረተ ንዝቐረበ ኮነ ንዝረሓቐ ውጹዕ እተርእዮ ናይ ርኅራኄ ኣገባብ ጥራይ ወይ ከኣ ኣፍኣዊ ዝንባሌ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ምትሕብባር (Solidarity) ማለት ንናይ ሓባር ረብሓ እትገብY ቈራጽን ብሉጽን ውሳኔን፣ እተርእዮ ቀጻሊ ጻዕርን እዩ። ኵሎም ብናይ ኩሉ ግድነት ዚግደሱ ሓለይቲ ኮይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፣ እዚ ምትሕብባር’ዚ ንናይ ኩሉን ናይ ነፍስወከፍን ረብሓ ኣብ ግምት ዜእቱ ኪኸውን የድሊ።[7]

      ብውልቀሰብን ማኅበራውን ኣገባብ (ደረጃ) ሓባራዊ ረብሓ ኪምዕብልን ብኹሉ መዳያቱ ምእንቲ ኪሕሎን ብቐዳምነት ሓላፍነት ዘለዎም ሕዝባውን መንግሥታውን ሰበሥልጣን እያቶም። ንሳቶም “ነዙ ሓላፍነቶም እንኪፍጽሙ፤ ነቲ መሠረታውን ቀንድን ዝኾነ ነገራት ብምስትውዓልን፤ ንታሪኻዊ ኩነታት ብምኽታልን ኪገብርዎ ይግባእ”።[8]

      እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ቤተክርስቲያን ዓቢይ መምርሒ (ዶኪዩመንት) ከም ዚብሎ “እቶም ንበብዓይነቶም ናይ ወገናት ደቅሰብ ጉጅለታት ፍሉይ መልክዕ ዚህቡዎም ነናይ ብሔረሰቦም ዓይነተይናታት ባህርያት፣ ምስ’ዚ ናብ ሓባር ረብሓ ኪጽብጸቡ ዘለዎም ምዃኖም ዘይምርሳዕ”።[9]  ከም’ዚ ናትና ዝበለ ብዝሒ ብሔረሰባት ንዝሓቖፈ ኅብረተ-ሰብ፣ እዚ ዝተጠቕሰ መሠረተ-ሓሳብ ዓቢይ ቁምነገር ዘለዎ እዩ። ፖለቲካውን፣ ማኅበረሰባውን፣ ሕንፀተሰባውን መሰላት፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዚግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ወይ ተበግሶ፣ እዚ በብዓይነቱ ባህርያትን ጠባያትን ኪዕቈርን ኪምዕብልን ደኣ’ምበር መሠረት ፍልልይ ኮይኑ ኪግመት የብሉን። እዚ ማለት ከዓ “ኩሉ ሰብ ብዝኸምኡ ሰብ ኪመጾ ካብ ዚኽእል ባርነት ናፃ ወጺኡ፣ ብዘይ ፍልልይ ዓሌትን ሃይማኖትን ዜግነትን፣ ፍጽምትን ሰብኣዊትን ዝኾነት ሕይወት ጨቢጡ ኪነብረላ ዚኽእል ዓለም ምሕናፅ ማለት እዩ”[10]። ማኅበር መንግሥታት ዓለም ኣብ ውሳኔኡ (Charter) ዘንበY‘ውን፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሕዝብታትን፣ ኣብ መንጎ ኩሎም ውልቀሰባትን ዘሎ መሠረታዊ ማዕርነት፣ ኣብኡ ዝተመርኰሰ ስለዝኾነ፣ ኩሎም ኣብ’ቲ ምልኣተ-ምዕብልና ኪሣተፉ መሰል ኣለዎም[11]። ብዝተረፈስ ዝሓለፈ ጌጋና ንኸይድገም፣ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ኣጸቢቕና ክንግንዘቦ ይግብኣና። እዚ ኣብ ሃገርና ዝተኻየደ ውግእ፣ ካብ ናይ ጸብለልትነት (ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ) ሃረርታን፣ ብሰንኪ ዓሌታዊ ፍልልይ ዝመጸዶ ኣይኮነን?

      ኣብ መወዳእታ’ምበኣር፣ ሓዲሽ ኅብረተሰብን፣ ንወዲሰብ ዚበቅዕን ጽፉፍን ሥልጣኔ ብዛዕባ ምፍራይ እንክንዛረብ፤ ሓደ ክንርስዖ ዘይግብኣና፤ ዝኾነ ይኹን ሥልጣኔ ብዘይካኡ ጐደሎ ኮይኑ ዚርከብ ሕሉፍ ነገር ከምዘሎ ከነዘኻኽር። ንሱ ድማ “ስፍሓትን ምልኣትን ዝዓዘዞ ምዕብልና ወዲ-ሰብ እዩ”። ምዕብልና እንኪበሃል ብኤኮኖሚያዊ ዕቤት ጥራሕ ዚምዘን ኣይኮነን። ምዕብልና ጽፉፍን ቅኑዕን ኮይኑ ምእንቲ ኪርከብ፤ ምሉእ ኪኸውን ኣለዎ፤ እዚ ማለት ከዓ ንነፍስ-ወከፍ ሰብ ዚደምዕን፤ ንሕይወትን ኩነታትን ወድ-ሰብ ብኹሉ መዳያቱ ዜማዕብልን ኪኸውን ይግባእ። ...እቲ ኪጸዓረሉ ዚግብኦስ፣ ፍጹምን ምሉእን ሰብኣውነት (Plenary humanism) እዩ። ንወድ-ሰብ ብኹሉ ኩርናዓት ሕይወቱን፤ ንኹሎም ደቂ-ሰባትን ዜማዕብል እንተዘይኮይኑ፤ ካልእ እንታይ ኬስምዕ ይኽእል? ናብ’ቲ መንፈሳዊ ቁምነገራትን መሠረቱ ዝኾነ ኣምላኽን ዘየድህብ፤ ኣብ ርእሱ ዕጹው ዝኾነ ሰብኣውነት (Humanism) ንግዜኡ ዚዕወት መሲሉ ይረአ ይኸውን& ወድ-ሰብ ንምድረ-ዓለም ብዘይካ ኣምላኽ ባዕሉ ኪሠርዓ ዚኽእል ይመስሎ ይኸውን፤ እንተኾነ ብዘይካ ኣምላኽ ዝተሓንፀት ዓለም መወዳእታኡስ፣ ተጻይ ሰብ ብቐንዱ ከምእትኸውን ጥርጥር የብሉን። ንሰብኣዊ ጐድኒ ጥራሕ ጠሚቱ ነቲ ኻልእ ሸለል ዚብል፤ እዚስ ሰብኣዊ ዘይኮነ ሰብኣውነት (Inhuman humanism) እዩ ምተባህለ። ስለ’ዚ እቲ ንናይ ልዑል ኣምላኽ ነገራት ርሑውን ስንዱውን ኮይኑ፣ መደቡ ፈሊጡ ዝተረኽበ እንተዘይኮይኑ፤ ናይ ሕይወት ወድሰብ ቅኑዕ ግምት ኪህብ ዚኽእል ሓቀይና ሰብኣዊነት ኪኸውን ኣይክእልን።[12]

      ብፍላይ ብኩነታትና ዝመጸ ክንዛረብ እንተደኣ ኮይንና፤ ናብ መንፈሳዊ ቁምነገር ዚረአ ዝንባሌ፣ መንነት ሕዝብና ዚገልጽ ዓይነተይና ባህርይ እዩ። እዚ ድማ ኣብ’ቲ ናይ ነዊሕ ዘመናት ባህልናን ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻናን፣ ብዓቢይ ጽፈትን ጽርየትን ተገሊጹ እንረኽቦ እዩ። እዚ ዜብለና ዘሎ ግን ገለ መሠረታዊ ቁምነገር ጐዲሉ ኢልና ንምኽሳስ ዘይኮነ፤ ኣብ መንገዲ ምዕብልና ንዚርከቡ ሕዝብታት ካብ ዘጓንፎም ገሊኡ ፈተናታት ንምጥንቃቕ እዩ። “እዞም ኣብ ምምዕባል ዘለዉ ሃገራት፣ ነቲ ካብ ዝማዕበሉ ሕዝብታት ዝመጾም ፈተናታት ኪዓግትዎ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ኪገብሩ የድልዮም። ዚበዝሕ ግዜ እቶም ዝማዕበሉ ሃገራት መጠን’ቲ ብወገን ሕንፀተሰብን (Culture) ቴክኒካዊ ሥልጣኔን፣ ዝተዓወትዎን ዚህብዎ ኣብነትን፤ መጠኑ ድማ ግዜያዊን ግዙፍን (ማቴርያላዊ) ጣዕምን ሃብትን ጥራሕ ንምጭባጥ ዚግበር ቅጥዒ ዘይብሉ ጽድፍድፍ ንርእሱ፣ ከም ኣብነት ዚህብዎን ዚኽተልዎን ነገር ኮይኑ’ሎ፥ ምእንት’ዚ እዞም ናብ ምዕብልና ገጾም ዚጐዓዙ ዘለዉ ሕዝብታት ካብ’ቲ ዅሉ ዝቐረበሎም ሓርዮምን መምዮምን ኪኽእሉ የድልዮም። እዚ ማለት ከዓ ነቲ ንዕቤት ወድ-ሰብ ዜዋርድ ሓቂ-ዚመስል ሓሳዊ ረብሓታት ምምርማሩን ንምምዕባሉ፣ በቲ ብተፈጥY ዝተዋህቦም ነናይ ወገኖም ብልኅት ኪጥቀሙ ይግባእ።[13]

      ፍቁራን ኣኅዋትናን ኣኃትናን ደቅናን! እነሆ’ምበኣር እቲ ንሕዝብና እንምነየሉን ሃረር እንብለሉን ዓይነት ሥልጣኔን ሰብኣዊ ምዕብልናን እዚ እዩ። ነዚ ነገራት’ዚ እንከነዘኻኽር፣ ብናይ መምህራን ኣተና ሕግታት ከነውጽእን፤ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ሃገርና ንዘለዉ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን እምነታትን ዝተዋህበ መንፈሳዊ መሪሕነት ኣብ ርእስና ክንጥቕልሎ ደሊና ኣይኮናን። ከም መጠን ቤተክርስትያን ምስ’ቶም ኩሎም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሰባት ዘሎና ኅብረትን ሓድነትን ተረዲእና፤ ነዚ ኣብ ልቢ ኩልና ዘሎ ድልየትን ሃረርታን ንምግላጽ ብትሕትናን ብግሉጽን ኣተና ዝገበርናዮ ምዃኑ ብሩህ ክኾነልና ንፈቱ። እዚ ዝተናኸፍናዮ መሪሕ ሓሳባት’ውን ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን’ኳ እንተቐረበ፤ ምስኣ ጥራሕ ዚኣሳስY ነገር ዘይብሉ፤ ብርእሱ ብቑዕን ብዅሉ ኣእምሮ ቅቡልን ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ።

5.    ተልእኮ ቤተክርስትያን

      ኣብ’ዚ ነጥቢ’ዚ ካብ በጻሕና፤ “ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት ቤተክርስትያንና ክትፍጽሞ ዘለዋ ተልእኮን፤ ከተወፍዮ እትኽእል ነገራትን እንታይ ኢዩ?” ንዚብል ሕቶ ምላሽ ክንህበሉ ግቡእን ኣድላዪን እዩ።

      ኣብ ታሪኻዊ ምዕራፍን፣ ኣገዳሲ ናይ ለውጢ እዋንን ኣብ እትርከብ ሃገር፤ ንሕና (ከም መጠን ቤተክርስትያን) እንለብሶ ኣተናን መንፈስን እቲ ወንጌል ንቤተክርስትያን ዝሓደገላ፣ መንፈስ ተልእኮ ዝዓዘዞ፣- ኣገልግሎት እዩ።

      ጉባኤ ቫቲካን ካልኣይ ከምዜመልክቶ፣ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ቁምነገሩ፣ “ነቲ ቤተክርስትያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ካብ መሥራቲኣ (ክርስቶስ) ዝተቐበለቶ ናይ ድኅነት ኃይልን ክእለትን (ፀጋን) ኣብ ረብሓ ዓሌት ደቅ-ሰብ ከምዚውዕል ምግባር እዩ።[14]

      እዛ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ማኅበረ ምእመናን ድማ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ሓፈሻዊ ተልእኮ ቤተክርስትያን ተሳታፊት ብምዃና፤ ኣብ’ዛ መሬት’ዚኣ ንዚርከቡ ኣኅዋትን ኣኃትን ብዚደምዕ ኣገባብ ነቲ “ናይ ድሕነት ኃይልን ክእለትን (ፀጋታትን)” ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ፍቓዳ ምዃኑ ብግልጺ ተረጋግጽ ኣላ። እዚ ማለት ከዓ፤ ብጭብጥ ዝበለ ኣዘራርባ፤ ብኹሉ መዳያት ህልውናኡ ንወድሰብ ከማዕብል ብዚብል፣ ንዚቐርብ መደብን እማሜን ኩሉ ክንቅበሎን ዝዓቕምና ከነበርክትን ማለትና ኢና።

      ናብ’ዚ ግድነት’ዚ ዚደፍኣና ዘሎ፣ ምድራዊ ወይ ሓላፊ ነገር ንምዕታር፤ ወይ ክብርን ዝናን ተመኒና፤ ወይ ድማ ንኻልእ ናብ ወገንና ንምስሓብ ሓሲብና ዘይኮነስ& ሕጂ’ውን ክንደግሞ፣ ናይ ኣገልግሎት ባህግን ድልየትን ጥራሕ እዩ። ስለ’ዚ’ውን ምስ ጉባኤ ቫቲካን ካልኣይ ሓቢርና እነረጋግጾ ነገር ኣሎ፣- “ቤተክርስትያን ብዝኾነ ይኹን ምድራዊ ዕላማ ወይ ባህጊ ተደፊኣ ኣይትሰርሕን እያ። ንሳ እተቕልበሉ ገùዳይ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ ስራሕ ክርስቶስ ብቐንዱ ምቕጻል እዩ። ንዓኡ (ንክርስቶስ) ናብ ዓለም ዘምጽኦ ዋና ስራሑ ድማ ምእንቲ ሓቂ ኪምስክር፤ ኪፈርድ ዘይኮነስ ኬድሕን፤ ኬገልግልዎ ዘይኮነስ ኬገልግል እዩ”።[15]

      ቤተክርስትያን ብጽሒታ ከተበርክተሉ እትደልዮ መዳያት ብዘይ ጥርጥር ብዙሕን ገፊሕን እዩ። ሕጂ ኣብ’ዚ፣ ንኹሉ ክንገልጾ ወይ ክንዝርዝY ሓሳብና ኣይኮነን። ብዝተረፈ ኣብ’ቲ ጭቡጥ ምርጫታትናን ኣገልግሎትናን በብግዜኡ ከንቀሳቕሰና ዘለዎ፤ እቲ በብእዋኑ ዚገሃድ ናይ ሃገርና ኩነታትን፣ ናይ ገሊኡ ግድነታትን ምዕባሌ ወይ ኣለዋዋጥ ምዃኑ እዩ። ብዝኾነ ግን፣ እዚ ዝተጠቕሰ መደብ፤ ናይ ተልእኮና ቀንድን መሠረታውን ዝኾነ ነገራት፣ ብሕጂኡ እንካብ ምስትንታን ምሕባርን ናፃ ኪገብረና ኣይኽእልን። እዚ እንብሎ ዘሎና ተልእኮ ድማ ብመንጽር’ዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሃገርና ግድነታትን ኩነታትን እዩ።

      ቅድሚ ኩሉ፣ ሃገር ብሥነ-ምግባራውን ሞራላውን መንፈሳውን ኣገባብ ከምብሓዲሽ ክትሕነፅን ፈጺማ ክትሕደስን ከምዘድልያ ግልጺ እዩ። ኣብ’ዚ መወዳእታ ዓመታት ከምዝተገንዘብናዮ ናይ ሃይማኖት ወይስ እምነት ስምዒትን ዝንባሌን፤ ናይ’ቲ መንፈሳዊ ቁምነገራት ድልየት፣ ኣብ ሕዝቢ ዋዕዊዑ ከምዝተረኽበ ዘይከሓድ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ፣ ብሃይማኖት ዘይምግዳስ፤ ብዕለታዊ ኣነባብራኻን ኣከያይዳኻን ናይ እምነትካ ነገራት ሸለል ምባል (Practical materialism) ንጕዳይ እምነትን ሃይማኖትን ኣቓልቦ ዘይምሃብ፤ ከምኡ’ውን ካልእ ኣብ እዋን ሕንፍሽፍሽን ናይ ማሕበራዊ ናብራ ምዝንባል ኣብ ዘለዎን፣ ዘይተርፍ ተርእዮታት ከምዝነበረ ግሁድ እዩ።

      ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ናይ ቤተክርስትያን መዝነትን ግድነትን ብዓይነቱ መማዝንቲ ዘይርከቦ ፍጹም ቀዳምነት ዚወሃቦ እዩ። እቲ ቀዳማይን ግልጽን ዝኾነ ቤተክርስትያን ዝተመዘዘቶ ተልእኾ፣- “ልቢ ሰባት ኪሕደስን ኪልወጥን ምስባኽ” (ሉቃ 24፣47) እዩ።

      ቤተክርስትያን ነዛ ተልእኮ’ዚኣ ብጽንዓትን ብተኣማንነትን ንምፍጻም እንተደኣ ክኢላ፣ ንሃገር ከተወፍዮ እትኽእል ዝበለጸ ኣገልግሎት ኣበርኪታ ማለት እዩ። ሓደ ጥዑይን ጽፉፍን ኣብ ዕርቅን ሥምረትን ዝተመርኰዘ ኅብረተሰብ ንምሕናፅ ውሕስነት ዚህበካ ውሽጣውን መሠረታውን ናይ ሰባት ምሕዳስ እዩ። እቲ ኪዋደድ ዘለዎ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን መሣርዓትን (Structures) ትካላትን ካብ ሓደ ዝተሓደሰ ልብን መንፈስን (ኣተና) እንተዘይነቒሉ፤ ዕላማኡ ኪወቅዕ፣ ማለት ንሰብ እቱ ኡነተይናን ነባርን ዝኾነ ረብሓ ከጨብጦ ኣይኽእልን።

      እዚ መንነት’ዚ ብሕፁፅ መንገዲ ኣባና ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ኣባላት ተጻዒኑ ስለዚርከብ ናይ ቤተክርስትያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብዓይነቱ ኮነ ብመጠኑ ልዑል ክንገብY፤ በዚ ከዓ ንናይ ሰባት ኅሊናን መንፈስን፣ ብሓቅን ብፍትሕን ናይ ምብራህን ምሕናፅን ቀንዲ ስራሕ ብዚግባእ ኪፍጸም ይከኣል።

      እንተኾነ፣ መዝነት ቤተክርስትያን ብቐዳምነት ኣብ ሞራላውን ሥነ-ምግባራውን መንፈሳውን ወገናት እዩ፣ እንተተባህለ፤ እቲ ኣብ ዳግመ-ሕንፀት እትርከብ ሃገር እትጽበዮ ካልእ መዳያት ኣይትግደሰሉን ማለት ኣይኮነን።

      ወድሰብ ብኹሉ ወገናት መነባብYኡ ዚምዕብለሉ ኣገባብ ምምሃዝ ናይ ቤተክርስትያን ተልእኮ ስለዝኾነ “ሓፈሻውን ሰፊሕን ሰብኣውነት” (Plenary humanism) ንኺምዕብል ምጽዓር ናይ ቤተክርስትያን ተልእኮ እዩ። ምእንት’ዚ እዚ ናይ ምሕዳስን ምልዋጥን መንፈስ፣ ምስ’ቲ ንሰብ ካብ ምዕብልና ርእሱ ዚዓግቶ ዝኾነ ይኹን ባርነት ሓራ ንምውጻኡ ዚግበር ስራሕ ኪወሃሃድ ይግባእ።

      ኣብ ናይ ፍላይ ኩነታትና እንክንመጽእ፣ እዚ ሕጂ ብፖለቲካዊ መዳይ ናብ ምሉእ ሓርነት ገጹ ኣቕኒዑ ዘሎ ሕዝብና፣ ጋና ኣብ ትሕቲ በብዓይነቱ መልክዕ ዝሓዘ ባርነት ይሣቐ ኣሎ። እዚ ኸዓ እቲ ዝሓለፈ ናይ ኃያሎ ዓመታት ጭቈናን ጽቕጠትን፣ ናይ ተፈጥY ሓደጋታትን ዘስዓቦ፣ ወይ ድማ ናቱ ተረፍ መረፍ እዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ክንዝክY ዝደለና፣ ናይ ድኽነትን ድንቁርናን ሕቶ እዩ።

      ሕዝብና ካብ’ዚ ባርነት’ዚ ሓራ ምእንቲ ኪወጽእ፣ ቤተክርስትያና ብመጠኑን ዓቕማ ብዝፈቐደላ መንገድን መዝነታ ክትቅጽሎ፣ ነቲ እትገብY ኣበርክቶ ድማ ብኹሉ ኣገባቡ ዝዓመቘን፣ ዝጸበቐን ክትገብY ውሳኔኣ እዩ። “ብመሠረት ወንጌላዊ መዝነታ፤ ቤተክርስትያን ኣብ ጐድኒ ድኻታት ክትከውን፤ ንሕቶታቶምን ግድላቶምን ፍትሒ ምውጻእን፤ ንግድነቶም ከተርህወሎም ጸዋዕታኣን መደባን እዩ።”[16]

6.    መንፈሳዊ ምሕዳስ ቤተ መቕደስ

      ናይ ሃገር ግድነትን፣ ዚጽበየና ዘሎ መዝነትን ኣብ እነዘኻኽረሉ እዋን፣ ብፍላይ ንቤተክርስትያና ዚኸውን ገለ ምሕፅንታ ንምቕራብ፣ እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከይተጠቐምናሉ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ምሕፅንታና እዚ እዩ& ንኹላ ቤተክርስትያን ዜድሊ ምሕዳስን ምንቅስቓስን ምእንቲ ከነካይድ፣ ናብ ርእስና ተመሊስና ብምምርማር ኩነታትና እነጻርየሉ ሕፁፅ ኣገባብ የድልየና ኣሎ። ኣቐዲምና ርእስና ከነሓድስ እንተደኣ ዘይተረኺብና፣ ንናይ ሃገር ምሕዳስን ምሕናፅን ኬበርክት ዚኽእል ነገር ሒዝና ክንመጽእ ኣይንኽእልን። ሕዝቢ እሥራኤል ካብ ስደቱ እንኪምለስ ንዝነበረ ታሪኽ እሥራኤላውያን ክንዝክር ግቡእ እዩ። ቤተ-መቅደስ ከምብሓዲሽ እንኪሕነፅን& ሥርዓት ኣምልኾ በገባቡ እንኪጅምርን& ብርቱዕ ስምዒትን ባህግን ታሕጓስን ዓዚዙ ተረኽበ። ሻቡ እግዚኣብሔር ንነቢይ ዘካርያስ ልኢኹ “ነዚ ሕዝቢ’ዚ ከም’ዚ በሎ...” ኪብል ተረኽበ። ንቤተመቐስ ኮነ ካልእ ኩሉ ነገራት ከምብሓዲስ ምሕናፁ ጽቡቕን ግቡእን እዩ& ቅድሚ ኩሉ ግን ኢያሱ ሊቀካህን ካብ ኃጢኣት ናፃ ኮይኑ (ነጺሑ) ልብሰ-በዓል ኪለብስ ከምዜድልዮ (ዘካ 3፣1-4) ኣመልከተሉ። እዚ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ክፍሊ ዚዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ፣ ካብ ስደት ድሕሪ ምምላስ ናይ ቤተክህነት ውሽጣዊ ምሕዳስ የድሊ ከምዝነበረ፤ እዚ ኸዓ ነቲ መላእ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኪገብY ዝነበY ምሕዳስ መሠረቱን መንቀሊኡን ከምዝኾነ የመልክት።

      እዚ ምሕዳስ’ዚ ንዓና ማለት፣ ንመራሕትን (ጓሶት ምእመናንን) ንማኅበረ ምእመናንን የድልየና እዩ። እቲ ሃገርና ዘሕለፈቶ ነዊሕ ናይ ጸበባ ዓመታት፣ ኣብ ሕይወትን ስራሓትን ቤተክርስትያን ከይተረፈ ምልክቱ ሓዲጉ ኣሎ። ኣብ’ዚ ናይ ጸገምን ሥቓይን ዓመታት፤ ንሃገርና ኣብ ምግልጋል፣ ዚግባእ መዝነትን ጽቡቕ ድልየትን ብርግጽ ኣይተጓደለን። እንተኾነ ናይ ውሽጣዊ ኃይሊ ምዝሓል፣ ናይ’ቲ ምንቅስቓሳት ዘይምውህሃድ፤ ነቱ ቀዳምነት ዜድልዮ ግድነታት ብእዋኑ ብትኽ ዘይምባሉ፤ ካልእ ኣብ ሱታፌን ኅብረት ሓድሕድን ኣጸቢቑ ዘይምድልዳሉ... እዚ ኩሉ ከምዘሎ ዘይከሓድ እዩ።

   በዚ ኩሉ ወገናት’ዚ ተሓዲስካ ንምንቅስቓስ፣ ነዊሕን ዕሙቕ ዝበለን መፅናዕቲ ኬድሊ እዩ፤ ብዚከኣል’ውን ብዝቐልጠፈ ክንፍጽሞ ተስፋ ንገብር። ንሕጂ ግን፣ ኣብ’ዚ ጽንኩር እዋን ታሪኽ ሃገርና፣ ቤተክርስትያን መንነታ ሒዛን ተረዲኣን እንተዘይኮይኑ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተናኸፍናዮ ኣገልግሎታት ከተወፊ ከምዘይትኽእል ከየመልከትና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ቤተክርስትያን መንነታ ክትሕሉ እትኽእል፣ መንፈስ ወንጌል ናብ ዝዓዘዞ ዓሚቝ ውሽጣዊ ሕይወት እንተተመልሰትን፤ ነቲ ኹሉ ኣብ ኣገልግሎት ኣሕዋት እትጥቀመሉ ኣገባባትን ብልኃትን ከምብሓዲሽ ብምምዛን እንተኣጻረየቶን ጥራሕ እዩ።

መዛዘሚ

      ነዛ መልእኽትና ኣብ እንዛዝመሉ፤ ኣብ ሃገርና ንዚርከቡ ኩሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ፤ ነዚ ዘሎናዮ እዋን ኣድላዪ ዝኾነ መንፈስ ዕርቂ ከማዕብሉን ከደልድሉን ሓደራ ንብል።  ሰላም ማለት ውግእ ዘይብሉ ማለት ኣይኮነን& ሰላም ልዕሊ ኩሉ ዕርቂ እዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ኣምላኽ ዕርቂ። ኣብ’ዚ ነዊሕ ናይ ውግእ ዓመታት፣ ከም ተስፋ ቕብጸት፣ ጽልኢ ቂም በቐል ዝመሰለ፣ ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ ዚጎድእ ስምዒት ኣጥሪና ክንከውን ዚከኣል እዩ። ናይ ደቂ እግዚኣብሔር ክብርና ጨቢጥና፣ ካብ’ቲ ብሰንኪ ኃጢኣት ዝመጸና ውሽጣውን ግዳማውን ናዕቢ ተገላጊልና፣ ሓደስቲ ፍጥረት (2ቆY 5፣17) ክንከውን እንተደኣ ደሊና ምስ ኣምላኽና ክንዕረቕ ይግበኣና።

      ምስ ኣምላኽና ምስተዓረቕና፣ ምስ ሰባት እንገብY ዕርቅን ይቕሬታን ፍጹም ኪኾነልና እዩ። ኣብ ኣምላኽና ኢና ሕውነትና ርጉጽ ኮይኑ እንረኽቦ። እቲ ካብ’ዚ መንፈስ’ዚ ዚውለድ ፍቕሪ፣ ኣብ ኩልና ሰብኡትን ኣንስትን ዓበይትን ናእሽቱን ደቂ’ዛ ሃገር፤ ብዘይ ፍልልይ ሃይማኖትን ቋንቋን ባህልን ናይ ሰላማውን ቅሱንን ማኅበራዊ ናብራን፣ ናይ ህጡርን ሥሙርን ምትሕግጋዝ መንገዲ ከምዚኸፍት ፍሉጥ እዩ።

      ንምእመናንና ብፍላይ፣ ከምኡ ድማ ንኹሎም ኣማንያን እነማሕፅኖ ሕሉፍ ነገር፣ ናይ ጸሎት ሓገዝ እዩ። ምኽንያቱ ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከምዝበልዎ “ንኣምላኽ እተኽብር (እተምልኽ) ሃገር፣ በረኸት ኣምላኽ ከይተቐበለት ክትተርፍ ዘይከኣል እዩ። ወላ’ኳ ጸገማት እንተተረኽበ፣ እታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትኩም እምነት፤ ንሳ ነቱ ጸገማት ንምስጋር ውሕስነት ክትህበኩም ኢያ& ስለ’ዚ ከዓ ሓንቲ፣ ሥምረትን ፍቕርን ዚነግሠላ፤ ሕውነትን ሰላምን ዚዕንብበላ ሃገር ክትሓንፁ ኢኹም”።[17]

ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ፣ ንልባትና ብፍቕርን ሰላምን ብፍትሕን ርትዕን ይምልኣዮን የጽንዓዮን።

ኣሥመራ፣ ብበዓል ኪዳነ ምሕረት ሓምለት 1991 (ÞÝçå×)

[1] ሕዝቅኤል 37፣1-14

[2] ፍሥሓን ተስፋን፣ 26 ጉባኤ ቫቲካን 2 ብዛዕባ “ቤተክርስትያን ኣብ ዓለም”

[3] ንዲፕሎማሲያዊ ጉጅለ፣ ብ29/1/90 ዝተዛረብዎ

[4] ፍሥሓን ተስፋን 12

[5] ፍሥሓን ተስፋን 12

[6] ፍሥሓን ተስፋን 26

[7] ኃልዮ ማኅበራዊ ነገራት - 38 (ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ዮሓንስ ጳውሎስ 2 ዝተዋህበ፣ ብዛዕባ ማኅበራዊ
 ግድላት ዚዛረብ መልእኽቲ፣ 1987)

[8] ሰላም ኣብ ምድሪ - 54 (ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ብ1963 ዝተዘርግሐ ብዛ ዕባ ሰላምን ሓፈሻዊ
  ኩነታት ዓለምን ዚዛረብ መልእኽቲ)

[9]  ሰላም ኣብ ምድሪ - 55

[10] ናይ ሕዝብታት ምዕብልና - 47 (ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ 6 ዝተዘርግሐ  ብዛዕባ ምዕብልና ዚዛረብ
   መልእኽቲ ብ1967 ዝወጸ)

[11] ኃልዮ ማኅበራዊ ነገራት - 33

[12] ናይ ሕዝብታት ምዕብልና - 14፣42

[13] ናይ ሕዝብታት ምዕብልና - 14፣41

[14] ፍሥሓን ተስፋን - 3

[15] ፍሥሓን ተስፋን - 3

[16] ኃልዮ ማኅበራዊ ነገራት - 39

[17] ብ1980 ዓ.ም.ፈ ኬንያ በጺሖም ኣብ ናይ መልሲ ንቕሎኦም ዝተዛረብዎ።

08 July 2018, 09:05