ድለ

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት መጽናዕቲ ሓበሬታ ኣናስር ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት መጽናዕቲ ሓበሬታ ኣናስር ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ 

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት መጽናዕቲ ሓበሬታ ኣናስር ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ

“ጽንሰት ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae - ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲት መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ብመንጽር ቤተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣባ ጂልፍረዶ ማረንጎ ኣናስር ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ዝትንትን ዝደረስዎ መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝቐርብን ዝንዛሕን ቀድመ ፍርዲ ኵሉ ምሉእ ብምሉ የቃልዕ።

“ጽንሰት ዓዋዲ መልእኽቲ Humanae Vitae - ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲት መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ብመንጽር ቤተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን”  ብዝብል ኣርእስቲ ኣባ ጂልፍረዶ ማረንጎ ኣናስር ሰብኣዊ ሕይወት ዓዋዲ መልእኽቲ ዝትንትን ዝደረስዎ መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝቐርብን ዝንዛሕን ቀድመ ፍርዲ ኵሉ ምሉእ ብምሉ የቃልዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ንሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕትን ምርምርን ትንተናን ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ሰብኣዊ ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልኽቲ ዕለት 29 ሐምለ 1968 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ኣብቲ እዋን ኰነ ሎሚ እውን ብዙሕ የካትዕን የመያይጥን መዋዕል ሰገር ካብ ምዃን ሓሊፉ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለዩ ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ ኣቃልቦ ስሒቡ ብዙሕ ርእይቶን ትንተናን ዝወሃቦ ምዃኑ እንክንገር፡ ነዚ ዘመን ሰገር ዓዋዲ መልእኽቲ ብጋሴ እንታይን ካበይን ምዃኑን ብሓፈሻኡ እንታይነት ኣናስሩ ፈልዮም ዘጽንዑ ኣብ ጳጳሳዊ ዮሓንስ ጳውሎስ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም መምህር ፕሮፈሰር ኣባ ጂልፍረዶ ማረንጎ፥ ትውልዲ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ሰብኣዊ ሕይወት ብመንጽር ኣቢያተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ንንባብ በቒዑ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ሰብዓታት ዝነበሩ ሰነዳት ዝተብሮ ክፍሊ ኣቢያተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን ንተመራመርቲ ክፉት ክኸውን ዝሃብዎ ውሳኔ ነዚ ኣባ ማረንጎ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ፍሉይ ሓገዝ ከምዝኾነ እውን ባዕሎም ኣባ ማረንጎ ምስ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የረጋግጹ።

ዛባዕባ እቲ ዓዋዲ መልኽቲ ብዙሕ ተባሂሉን ይበሃልን ብዙሕ ቅድመ ፍርድታት ይንዙሕ እያቶም፡ ስለዚህ ናይቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣናስር ፈሊኻ ምፍላጥ ነቲ ኣብ ሎዕሊ እቲ ዓዋዲ መልኽቲ ሰብኣዊ ሕይወት ዝቐርብ ቅድመ ፍርዲ ውድቂ ትገብር ምስ በሉ ኣስዒቦም፡

ውጥረት ድህረ ጉባኤ ቫቲካን

እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ተሰኒዱን ተሓቲሙን ንንባብ ምስ በቕዔ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ እቲ ዝተወከሶ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንዝተፈላለየ ስነ ርእይቶኣውን ትንተናውን ውጥረታ ደሪኹ እያ፡ እቲ ዓዋዲ መልኽቲ ኣብ ምስንዳው ንዝተሓባበሩ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኣታተዎ ሕዳሴ ዘጉልሖም ለወጥታት ምጻር ቀሊል ኣይነበረን፡ ቅድም ክብል ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ሻብዓይ ብስልጣናዊ ትምህርቲ ፍቑድን ሕጋውን ቢሎም ዘረጋገጽዎ ባህርያዊ ኣገባብ ዝብል ሜላ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ሰብ ሓዳር ሩካቤ ዝመርሕ ውሳኔ ቤተ ክርስቲያን፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ንቕድሚት ከኣ ንምስጓም ነቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተዋስአ ትውልዲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንገዛእ ርእሱ ሓድሽ ኵነት እዩ ነሩ፡ እቲ ሕዳሴ ንገሊኡ ኣውን ዳርጋ ዘይምቹእን መትከርን ኰይኑ እዩ፡ ብዝገደደ ዓዋዲ መልእኽቲ ሰብኣዊ ሕይወት ነቲ ዘይምቹእነት ኣብኣቶም ኣዛየዶ፡ ንብዙሕ ነቐፌታን ቅድመ ፍርድን ዝተቓልዔ እውን እንተነበረ ኣብ ቀዳማይ ዓስርቱ ዓመታት ድሕረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ክሳብ ሎሚ እውን ኣሰር ሓዲጋ እያ፡

ንድፊ ሲኖዶሳዊ ምክክር

ቅድሚ እቲ ኣብ 1967 ዓ.ም. ዝተኻየደ ቀዳማይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ብዛዕባ ምጽናስን ውልደትን ዝዛረብ ንድፍን ሲኖዶሳዊ ምክክርን ምንባሩ ዘመላኽት ሰነድ ኣሎ፡ ስለዚ እዞም ክልተ ንድፍታት ኣብ ኣባይቲ መዘክር ሃገረ ቫቲካን ዝተነብሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲ መልእኽቲ ብውድዓውነት ንምቕራብ ይድግፍ፡ ስለዚህ ብዙሕ ጊዜ ጳውሎስ ሻድሻይ ንበይኖም ተነጺሎም ዝደርስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅድመ ፍርዲ ውድቂ እዩ። ምስ ብዙሃት ብፁዓን ጳጳሳት ተመኻኺሮም እዮም፡ ብዝነበረ ምጥርጣራትን ዘይንጹር ርእዮትታትን ኣይተሰናበዱን፡ ስለምታይ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ካብ ርሑቕ ዓመታት ዘጸነስዋ ስለ ዝነበረት፡ ምስ ብዙሓት ክኢላታት ኣባላት ውሉደ ክህነትን ጳጳሳትን ተመያይጦም ስለ ዘቕረብዋ፡ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ እቲ በቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎን ንዘቕርብዎ ፍርዲ ብብቕዓትን ብዘየማትእ መገዲ ንምቕራብ ክኽእሉ ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ከምዝመኸሩ ርጉጽ ይኸውን። ይዅን ደኣ እምበር እቶም መማኸርቶም ኣብ ገለ ገለ እዋን ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ጠለባት ዘይበረኹ ኵይኖም ይርከቡ ከምዝነበሩ ብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕት ዛዚሞም።

ድሕሪ ሓምሳ ዓመት መጽናዕቲ ሓበሬታ ኣናስር ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጳውሎስ ሻድሻይ
14 July 2018, 09:10