ድለ

መክሲኮ፥ መቕተልቲ ጋዘጠይናታት፡ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ዓመጽ ጻውዒት ተቕርብ መክሲኮ፥ መቕተልቲ ጋዘጠይናታት፡ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ዓመጽ ጻውዒት ተቕርብ 

መክሲኮ፥ መቕተልቲ ጋዘጠይናታት፡ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ዓመጽ ጻውዒት ተቕርብ

ኣብ ሃገረ መክሲኮ ዓመጽን ገበንን የስፍሕ ኣሎ፡ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጸረ ዓመጽ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ጠሪሹ ከይቅህም ጻውዒት እንከቕርቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ጋዜጠይና ከምእተቐትሉን ብጠቓላላ ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ውሽጢ ሸሞንተ ጋዜጠይናታት ከምእትቐትሉ ይንገር።

ኣብ ሃገረ መክሲኮ ዓመጽን ገበንን የስፍሕ ኣሎ፡ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጸረ ዓመጽ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ጠሪሹ ከይቅህም ጻውዒት እንከቕርቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ጋዜጠይና ከምእተቐትሉን ብጠቓላላ  ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ውሽጢ ሸሞንተ ጋዜጠይናታት ከምእትቐትሉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 17 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ግዝኣት ኵይንታና ሮ ኣብ ዝርከብ ወጻእተይናታት በጻሕቲ ብብዝሒ ዝኣትውዎ ውሩይ ፕላያ ደል ካርመን ኣብ እተሰምየ መእንገዲ ጥቓ ኣብ ዝርከብ መገዲ ጋዜጠይና ሩበን ፓት ካውኽ ክእመተቐትሉን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ እውን ጋዜጠይና ኾሰ ጓዳሉፐ ቻን ድዚብ ኣብቲ ከባቢ ከምእተቐትሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓት እዋርሒ ሸሞንተ ጋዜጠይናታት ከምእተቐትሉ

ፓኣት ካውኽ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተቐትሉ ጋዜጠይና ብዙሒ ናብ ሸሞንተ ክብ ከምዝበለን እንክንገር፡ ኣብ መክሲኮ ካብ 2014 ዓ.ም. ንነጀው ዝተቐትሉ ብዝሒ ጋዜጠይናታት 34 ክኸውን እንከሎ፡ እታ ሃገር ንጋዜጠይናታት ዓቢይ ስግኣት ምዃና ይንገር። ኣብ 2017 ዓ.ም. 12 ጋዜጠይናታት ከምእተቐትሉ፡ ብመቕተልቲ ገበን ናይ ዝሕተቱ መንነት ገና ክሳብ ሕጂ ከምእዘይተፈልጠን፡ ዕለት 15 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኹዋን ካርሎስ ሁወርታ ኣብ ግዝኣት ታባስኮ ናይ መክሲኮ ናይ ተለቪዥንን ራዲዮን ጣቢያ ጋዜጠይና ካብ ቤቶም እናወጹ እንከለዉን፡ ካልእ 52 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ሰሜናዊ ከብቢ መክሲኮ ዘሎ ጉዳይ ኤኮኖሚ ዝምርምር ፍሉዩ ሰነድ ናይ ምእካብን ንሕዝቢ ንምቅላሕን ዝጽዕሩ ዝነበሩ መርማሪ ጋዘጠይና ኣሊሲያ ዲያዝ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምእተቐትሉ ናይ መክሲኮ ኣገልግሎት ምንጪ ዜና የዘኻኽር።

ጻውዒት ቤተ ክርስቲያን

ዝሓለፈ ሰሙን ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ናይ ሞንተርይ ሰበኻ ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልፎንሶ ገራርዶ ሚራንዳ ጓርዲዮላ፡ ኣብዚ ኣዋን’ እዚ መክሲኮ ዓቢይ ገበን ዝፍጸመላ ሃገር ኰይና ከምዘላን፡ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዓመጽን መቕተልትን ካልእ ተመሳሳሊ ገበናትን ንምውጋድን መላእ ሕብረተሰብ ክሓብርን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ህዝቢ ንዝፍጸም ገበንን መቕተልትን ካብ ተለማምዲድካ ምንባሩ ተላቒቑ ገበን ንምጥፋእ ክዓይን ገበን ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ኩሉ ኣስተዋጽኦ ዝሓትት እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሰላም ዝሓንጽ ሕብረት

ብፁዕ ኣቡነ ሚራንዳ ጓርዲዮላ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መክሲኮ ዕርቅን ሰላምን ክረጋገጽ ዝብል ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኣንድረስ ማኑኤል ፖለዝ ኦብራዶር ኣብ ዘቕረብዎ መደብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግዴኣ ንምብርካት ሎሚ ከም ቀደም ቅርብቲ ምዃና ከተፍልጥ እንከላ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሎፐዝ ኦብራዶር ገና ክሌኣዊ ርክብ ከምዘየካየዱን ይኹን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዝርአይ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ንምውጋድን ግዳይ ዝተፈላለየ ዓመጽ ዝዀነ ዜጋታት ንምድጋፍ ኣብ ዝግበር ጻዕር ብቐዳምነት ከምእትዋሳእ አረጋግጽ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልቶ የመልክት።

መክሲኮ፥ መቕተልቲ ጋዘጠይናታት፡ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ዓመጽ ጻውዒት ተቕርብ
27 July 2018, 16:30