ድለ

ናይ ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ግረክ፥ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ምስ ስደተይናታት ናይ ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ግረክ፥ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ምስ ስደተይናታት 

ናይ ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ግረክ፥ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ምስ ስደተይናታት

መዲትራኒያውያን ደሴታት ካብ ዝዀና ናይ ማልታዊት ዴሴት ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረክ ዕለት 8 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ረዳኢተ ማርያም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ ኣብ መስቀልን ስቓዩን ሎሚ እውን ኣብቲ ብፍርሕን ንጽገትን ኢፍትሓውነትን ዓመጽን ድኽነትን ዝሳቐን ዝስደድን ሰብ ይቕጽል ኢሎም።

መዲትራኒያውያን ደሴታት ካብ ዝዀና ናይ ማልታዊት ዴሴት ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረክ ዕለት 8 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ረዳኢተ ማርያም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ ኣብ መስቀልን ስቓዩን ሎሚ እውን ኣብቲ ብፍርሕን ንጽገትን ኢፍትሓውነትን ዓመጽን ድኽነትን ዝሳቐን ዝስደድን ሰብ ይቕጽል ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረክ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሳቐይ ሰብኣዊ ፍጥረት ህልው እዩ፡ ስቓይ ኩሉ ናቱ ዝገብር ኣብ ዝሳቐይ ሰብ ዝሳቐይ ዝዀነ፡ እዚኣብሔር ምስቶም ዝስደዱን ኣብ ማያት ባሕሪ ምስ ዝሃልቁ ስደተይናታት ኣሕዋት ይጥሕል፥

ብኽረት ልቢ ሰብ ዝተባባዕ ሕልቂት

ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ “ኤውሮጳ እቲ መበቆላ ዝዀነ ዕሴት ምትሕብባር ፍትሕን ማዕርነትን ምክብባርን ኣኽብሮትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝብል መትከል ትኽሕድ ዘላ ትመስል፡ እዚ ዅሉ ካብ ትረት ልቢ ዝነቅል እዩ፡ እዚ ትረት ልቢ ከኣ ዕለት ብዕለት ማእለያ ናብ ዘይብሉ ጥፍኣት የሰንየና ኣሎ” ኢሎም።

ኤውሮጳ መበቆላ ዝዀነ መትከል ዳግት ንኽትረክብ

ኤውሮጳ መሊሳ እቲ ክርስቲያናዊ መበቆላ ንኽትረክብ ይግባኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ድኻታትን ስደተይናታትን ዝተናዕቁን ውሽጢ ኰይኑ ዝነብዕን ዝሳቐን ወጅሂ እግዚኣብሔር ዘይትርእይን ጸማምን ምዃን ጥፍኣት እዩ ዝበሉ ማልታዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ግረክ፥ መብዛሕቲኦም እቶም ዝስደዱ ክርስቲያን ምእመናን እያቶም፡ እቶም ዘይኰኑ ናይ ካልእቶ ሃይማኖታት ሰዓብቲ እውን ኩሎም እምነቶም ዝነብሩ እያቶም፡ እምነት ኣብ ምንባር ስደተይና ኣብነት እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፡ “ኤውሮጳ ልክዕ ዕድመኣ ዝደፍአት ኰይና ውዕውዕ ህያውነት ዘጥፍኤት ትመስል፡ ስለዚህ ካብዚ ዘይህያውነት ሓደጋ ንኽትላቐቕ እቲ ሰብኣውን ክርስቲያናውን መበቆላ መሊስ ክትረኽቦ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡

ሕዝብነት መፍትሒ እዩ ቢልካ ዘይምእማን

ኣብ ማልታ እንገዳ ዝብል ቃል ዘፍርሕ ኰይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ ኣብ መርሕነት ዘሎ ፖለቲካ እውን ይዅን ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣብ ፈተና ሕዝብነት ፖለቲካ ከይወድቁ ብፁዕነቶም ሓደራ ቢሎም፡ ኣብቶም ክርስቲያን ኢና ዝብሉ ኣድልዎን ዘይተገዳስነትን ሸለል በሃልነትን ከምዝረአይ እውን ገሊጾም፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ብዙሕ እዋን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን መኽሰብ ብምቕዳም እያቶም ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ሽግራት ዘንብቡ፡ እዚ ዓይነት ፖለቲካ ኸኣ እቲ ዝዘርኦ ናይ ብዙሓት ሞትን ጥፍኣትን ይዓጽድ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ጐዞ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ግረክ፥ ክርስቶስ ኣብ ባሕሪ ምስ ስደተይናታት
11 July 2018, 15:48