ድለ

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፥ ተልእኾ ወንጌል ስነ ሰብኣዊ ድማዕ ዘይኰነስ ብስራትን ምስክርነትን እዩ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፥ ተልእኾ ወንጌል ስነ ሰብኣዊ ድማዕ ዘይኰነስ ብስራትን ምስክርነትን እዩ 

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፥ ተልእኾ ወንጌል ስነ ሰብኣዊ ድማዕ ዘይኰነስ ብስራትን ምስክርነትን እዩ

ሓምሻይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ዕለት 14 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቦሊቪያ ከተማ ሳንታ ክሩስ ደ ላ ሲየራ፥ “ኣመሪካ ኣብ ተልእኾ ወንጌል፡ ወንጌል ሓሴት እዩ!” ብዝብል ቅዉም ነገር ተመሪሑ ልኡኽ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ፡ ብዘመሓላለፍዎ ቡራኬን ሰላምታን ቅዱስ ኣቦናን፡ ግብረ ተልእኮ ወንጌል ቡራኬን ተኣማንነት መሰረት ዝገብር እዩ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዘስምዕዎ ዘረባ ብወግዒ ዕለት 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ተጀሚሩ።

ሓምሻይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ዕለት 14 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቦሊቪያ ከተማ ሳንታ ክሩስ ደ ላ ሲየራ፥ “ኣመሪካ ኣብ ተልእኾ ወንጌል፡ ወንጌል ሓሴት እዩ!” ብዝብል ቅዉም ነገር ተመሪሑ ልኡኽ ቅዱስ ኣቦና ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ፡ ብዘመሓላለፍዎ ቡራኬን ሰላምታን ቅዱስ ኣቦናን፡ ግብረ ተልእኮ ወንጌል ቡራኬን ተኣማንነት መሰረት ዝገብር እዩ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዘስምዕዎ ዘረባ ብወግዒ ዕለት 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ተጀሚሩ።

 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ግብረ ተልእኮ ሰብኣዊ ግብረ ሰናይ ወይ ከኣ ካብ ናይ ውልቅና ጽቡቅ ድላይ ዝነቅል ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ዅሉ ነቶም ዝብሰሩ ቡራኬ ምዃኑ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ንመበገሲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብሪሆም፡ ወንጌላውነት ንድኻታትን ነቶም ዝተናዕቁን ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ንዝርከቡን ሓለፋ ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ምስቲ ብስራት ዝዀነ ኢየሱስ ዘይብተኸ ምትእስሳር ዘለዎ ብምዃኑ ከኣ ቡራኬ ይኸውን።

ብስራትን ምስክርነትን

ግብረ ተልእዀ ወንጌል እንታይ ማለት እዩ? ካብ ዝብል ሕቶ ስብከቶም ዘበገሱ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፥ ቅድም ቀዳድም ሕመረት ስብከተ ወንጌል ኢየሱስ እዩ፡ ስለዚህ ድማ ቡራኬ ይኸውን፡ ብጭቡጥ ልኡካነ ወንጌል ምዃን ክልተ መሰረት ኣለዎ፡ እቲ ቀዳማይ ኢየሱስ ምብስራ፡ ስሌናነትን ስሌይነትን - ኢየሱስን፡ እግዚኣሔር ንዓይ ኣብ ሕይወተት ዝገበረለይ ብዘይ ምስትውዓል ተልእኾ ወንጌላውነትና ደጋዊ ኰይኑ ይተርፍን ዘየእምን ይኸውን፡ ብኻልኣይ ደረጃ ተኣማንነት ዝሓትት እዩ።

ብፅዕት እናቴ ማሪያ ዘቤተ ኢየሱስ

ብፁዕነቶም ኣብቲ ኣብ እዋን 1800 ዓ.ም. ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ 1900 ዓ.ም. ብሕይወት ዝነበረት ብፅዕቲ ተወላዲት ስፐይን እናቴ ማሪያ ዘቤተ ኢየሱስ ቅዱስ ትሩፋት ኣብ ዝተነብረሉ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘዕረግው መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እታ ብፅዕቲ ኣብ ቦሊቪያ ንተልእኮ ወንጌል ፍሉይ ፍቕሪ ኣሕዲራን ልኡካነ መስቀል ቤተ ክርስትያን ማሕበር ደናግል መስሪታ መላእ ሕይወታ ንድኻታትን ስደተይናታትን ብምግልጋል ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ከምዘበሰረት ኣዘኻኺሮም፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ቅድስና ከምዝኣወጀላ ሓቢሮም።

ሓምሻይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣመሪካ

እዚ ኣብ ቦሊቪያ ሳንታ ክሩዝ ደ ላ ሲየራ ዕለት 9 ሓምለ ዝተበገሰ ሓምሻይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ኣመሪካ ናይ ተልእኮ ወንጌል ብሉጽ ረባሕታ ታሪኽ ኣብርሃም ኣዩ፡ ብእግዚኣብሔር ናይ ምብራኽ መደብ ብምዃኑ፡ ከም ሓደ ውላድ ካብ ቤት ክወጽእን ክምለስን ቡራኬ ካብ ወለዲ ከምዝሓቶ፡ ወንጌል እውን ከምኡ ትእምርቲ ቡራኬ እዩ ወጌላዊ፡ ወንጌላዊ ልኡክነት ምውጻእካን ምእታውካን ብእግዚኣብሔር ቡራኬ ምስናይ ማለት ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት እንከመልክቱ፡ ኣብዚ ሓምሻይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል 2,500 ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌል ዘሳተፈም ምይይጥን ዘተን ቃል ምስክርነትን መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዘእንግድ ምዃኑ ቅድም ክብል ናይ ሳንታ ክሩስ ደላ ሲየራ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሰርጆ ጓሊበርቲ ምስ ቫቲካን ነውስ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ከምቲ “ኣመሪካ ኣብ ተልእኾ ወንጌል፡ ወንጌል ሓሴት እዩ!” ዝብል  ናይቲ ጉባኤ ቅዉም ነገር ናይ ወንጌል ሓሴት ንዅሎም ሕዝብታት ምዃኑ ዘመላኽትን፡ ብፍላይ ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ንዝርከቡ ፍሉይ ቆላሕታ ምግባር ዘድሊ ወጌላዊ ሃሴት ዘርእስታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምዕዳን ብዘቕርቦ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ዝትንተንን ዘረጋግጽን ምዃኑ ይሕብሩ፡

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፥ ተልእኾ ወንጌል ስነ ሰብኣዊ ድማዕ ዘይኰነስ ብስራትን ምስክርነትን እዩ
12 July 2018, 16:34