መላእ ላቲን ኣመሪካ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኒካራጉዋ ትጽልይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኒካራጉዋ ትጽልይ 

መላእ ላቲን ኣመሪካ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኒካራጉዋ ትጽልይ

ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት መዕለቢ ከምዘይረኸበ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ እትክርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላምን ዘተን ኣብ ኒካራጉዋ ጸሎት ተዕርግ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዓመጽ ይቕጽል ኣሎ።

ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት መዕለቢ ከምዘይረኸበ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ እትክርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሰላምን ዘተን ኣብ ኒካራጉዋ ጸሎት ተዕርግ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ሕዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ዓመጽ ይቕጽል ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ኒካራጉዋ እትርከን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናታን ዲያቆናታን ኣባላት መንፈሳውያን ማሕበራት ኵሎም ኣቢላ ከይተሓለለት ንዘተ ቅርብቲ ኰይና ዘተን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምንቕቓሕ ትርከብ፡ እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ውሽጣዊ ውጥረት ክረግብን ዘተን ሰላምን ክረጋገጽ ምእንቲ ሰላም ንኒካራጉዋ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዝተጸውዐ መዓልቲ ጸሎት ዘመላኽቶ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዩ።

ኒካራጉዋ ሎሚ እውን ኣብ ምፍሳስ ደም

እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ሕዝባዊ ተቓውሞ መዕለቢ ከምዘይረኸበን ዓመጽን መቕተልን ማህሰይትን ይቕጽል ምህላዉ እንክንገር። ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ዳንኤል ኦርተጋ ፍሉዩ ዕጡቕ ሓይሊ ህዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ኣድማ ደው ንኸብልን ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ንምብታን ዝጥቐምሉ ዘይተመዓራረየ ሓይሊ ብዙሓት ንሞት ሓደጋ የቃልዕ ኣሎ፡ ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ካብቶ ንመንግስቲ ዳንኤል ኦርተጋ ዝቃወሙ 200 ዝዀኑ ተመሃሮ ካብ ዝተዓቖቡሉ ማናጉዋ ካብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ ምሕረት ንኽወጹ ናይ ኦርተጋ ፍሉይ ዕጡቓት ሓይሊ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ክልተ ሰባት ከምእተቐትሉ ይንገር። ሕብረት ኤውሮጳ መንግስቲ ኒካራጉዋ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘጉህይ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ቢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ ናይ ሕብረት ናይ ወጻኢ ርክባትን ናይ ጸጥታን ድሕነትን ፖለቲካ ሓላፊት ፈደሪካ ሞገሪኒ፡ እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ሰላማውን ደሞክራሲያውን ናይ ሕዝቢ ውሕስነትን ድሕነትን ብምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘማከለ መፍትሒ ክርከበሉ ጽዋዕዒት ኣቕሪበን።

ብሔራዊ ጸረ ኦርተጋ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

ኣብ መላኣ ኒካራጉዋ ዝተባርዔ ጸረ ርእሰ ብሔር ኦርተጋ ተቓውሞ ይቕጽል ኣብ ዘለሉ እዋን ዳንኤል ኦርተጋ ካብ ስልጣኖም ከምዘይለቍ ብወግዒ ከምዘፍለጡን እቲ ተመሃሮን ሰብ ትካላትን ሓረስቶትን መርገሳውያን ማሕበራትን ዝሓቑፍ በርገሳዊ ጥምረት እተሰመየ ምንቅስቓስ ዝጸወዖ ንካልእይ ጊዜ ናይ 24 ሰዓት ኣድማ ከምእተኻየደን፡ እቲ ሕዝባዊ ዓመጽ ካብ ዝተበገሰሉ ዕለት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ 350 ሰባት ከምእተቐትሉን መንግስቲ ስፐይን ናይ ኒካራጉዋ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ጸረ ስብኣውን ክብርን ምዃኑ ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ብምግላጽ፡ ሰላማውን ደሞክራሲያውን መፍትሒ ጥራሕ እዩ ሰላም ዘምጽእ ትብል።

መላእ ላቲን ኣመሪካ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኒካራጉዋ ትጽልይ
16 July 2018, 17:25