ሃገረ ኮንጎ ዝቈሰለትን ዝተመዝመዘትን ሃገር! ንጽልእን ህርፋንን ኣይፋል ቢልኩም ትሑታት መሰኻኽር ሰላ
ዜና ቫቲካን!
ዝሓለፈ ዕለት 13 ሰነ 2022 ዓም እቲ ነዊሕ ትጽቢትን ምስንዳውን ዝተገብሩ ሓውጾተ ኖልዎ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምኽንያት ጥዕና ምስ ተናወሐ ንዝተሰምዖም ቃንዛ ብምግላጽ ነታ ኣብ ከተማ ኪንሻሻ ክቅድሱላ ተመዲባ ዝነበረት ዕለት ኣብ መንበሮም ኣብ ሮማ ክገብርዋ ምዃኖምን ንኩሎም ኣብ ሮማን ከባቢኣን ዝነብሩ ደቂ ኮንጎ ብምዕዳም ንከተማ ኪንሻሻ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ክነምጽኣ ኢና ኢሎም ነበሩ። ከክንዳኦም ኰይኖም ከኣ ናብ ክልቲኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ይበጽሑ ከምዘለውን ኣብታ ዕለት እቲኣ ከምቲ መደብ ከምዝደሱን ተመልኪቱ።
ኣብቲ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ብሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ኮንጎ ዝተመርሐ ነበረ። ንእግረ መንገድና ድሕሪ ሕዳሴ ሥርዓተ ኣምልኾ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዝቀረባ ብዙሓት ሥርዓታተ ኣምልኾ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ኮንጎ ጥራይ ተቀባልነት ከምዝረኸበ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ማዕረ ላቲናውን ምሥራቃውን ሥርዓተ ኣምልኾታት ዝፍጸም ሥርዓተ ኣምልኾ እዩ። ምስ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እኳ ተመሳሳልነት እንተልዎ ብፍጹም ኣፍሪቃዊ ባህሊ ዝቀርብን ኣብ ኣቀራርባን ግዝያትን ፍልይ ዝበለን ሥርዓተ ኣምልኾ እዩ።መንበረ ጴጥሮስከስ ከተማ ኪንሻሻ ኣብ ኤውሮጳ ኰይና ወዓለት፣ ቦንደኮ ዝበሃሉ መዘምራን ብኣርባዕተ ሃገራውያን ቋንቋታት ኮንጎ ንባባት ብዝተፈላለየ ሕብርታት ዝወቀበ ክዳውንትን ሳዕስዒትን መዛሙርን ባህላዊ መጋበሪ ሙዚቃታትን ንኩሉ ኩሉ ሓዲስ ገጽታ ሂቡ ወዓለ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ሎሚ እውን እንትኾነ ዕርቂ ይከኣል እዩ በጃኹም ህርፋን ኣሊኹም ቂመበቀል ደምሲስኩም ብልሽውና ፈንፊንኩም ናብ ሰላም ተመለሱ ኢሎም።
ዕርቂ ይከኣል እዩ!
ምርቃ ከይትብሎ መርገብ ዝመስል ባህሪ ዝዓደሎ ሃብቲ ኣፍሪቃ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ምኽንያት ጽልእን ዓመጽን ህርፋንን ኰይኑ ብዓመጽ ኣቊሲልዋ ከምዝርከብ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሓንቲ ዓቅሞም ጸሎት ስለዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላም ክነግሥ ክርስትያን ከኣ ናይዚ መሰኻኽር ክኾኑ ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ዓዲሞም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 10.1 ዝተወስደ ኮይኑ ጐይታ ተልእኮኡ ቅድሚ ምጅማሩ ሰብዓን ክልተን ኣርድእቲ መሪጹ በብኽልተ ኣብ ቅድሚ ከምዝለኣኾም ዝገልጽ ነበረ። ኣብ መንገዶም ከማልእዎ ንዘለዎም ነገራት ብምምልካት ከኣ እንትርፎ ብስራት ወንጌል ምንም ከይማሉ ሓደራ ዝበሎም ዘመልክት ነበረ። ነዚ ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ሰለስተ ቃላት ዕጥቂ መልእኽቲ ኣገባብ ብማለት ምስ ገለጹ እዚ ከኣ ነፍስወከፍ ክርስትያን ክኽተሎ ዘሎ ኰይኑ ከም ክርስትያን ከመይ ቢልና ከም እንነብር ሰላም ዝሰፈኖ ዓለም ከም እንሃንጽን ይምህረና፣ ብቀዳምነት ውህደት እንተዘየሎ ተልእኮ የለን ኢሎም።
ብዘይ ውህደት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል የልቦን!
ቅዱስነቶም ሕማም ብዙሓት ክርስትያን ምዃኑ ዝጠቀስዎ ከምቲ ናይ ኣርድእቲ ብቁሩብ ቁራቦ ተደዓዒስካ ክተራጥጥ ምጅማር ሓደገኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ተጻይ እቲ ጐይታ ነርድእቱ ሓደራ ዝበሎ ምንም ነገር ከይትማልኡ ዝብል መምርሒ ትሕተ ቅርጽታት ምውዳድን ሰልዲ ምእካብን መጋበሪ ይኾነና እትብሎ ንብረት ምዂማርን ካብታ ነጻን ገርሀይናን ንኣሽቱን ትሑታትን ኰንካ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ክመርሖ ምፍቃድ ከምዝዕንቅጾ ከምዚ ክብሉ ኣብርሁ።
ክርስትያን ወትሩ ሰላም የምጽእ!
መንፈስ ቅዱስ ንተልእኮና ክመርሕ ምስ እነፍቅድ ድሕሪ ውህደት ዝወሃበና ዘድንቅ ትዕድልቲ ትሕዝቶ መልእኽትና ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ብቃላት ኢየሱስ አንክገልጽዎ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔር ቀሪባ እያ’ እትብል ብሥራት ክንዮ ዝተወራረቁ ስብከታትን መደረታትን ኮይና እዛ ብሥራት እዚኣ ንንጉሥ ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ሒዛ ስለዘላ እታ መንግሥቲ መንግሥቲ ሰላም ስለዝኾነት ነዛ ስብከት እትስዕብ ምስትምቃር ሰላም እያ። ፍሉይ ምልክት ክርስትያን ከኣ ሰላም እያ። እንተዘየሎ ይብሉ ቅዱስነቶም ጸገም እዩ።
ቅዱስነቶም ካብዚ ብቀጥታ ናብ ኩነታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ይኣትው እሞ ብምልክት ሕቶ ካብ ፈተና ኣተለበቀልን ሕነ ምፍዳይን ነዛ ሃገር መን ኮን ይረድኣ ይብሉ እሞ ከም ክርስትያን ኣደፋዕቲ ሰላም ክኾኑ ነዚ ከኣ ካብ ልቢ ነፍስወከፎም ክጅምርዎ ከመይ ካብ ልቢ ነፍስወከፍ ዝውሕዝ ሰላም ንማሕበረሰብና ንሃገር ብምሉኡን ክልውጦ ሓይሊ ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ከም ኣርድእቲ ኢየሱስ ክርስትያን ኩሎም መንግሥቲ ኣምላኽ ከምዝቀረበት ክንሰብኽ ዝተጽዋዕና ኢና፣ ካብዚ ብስራት እዚ ተስፋን ለውጢ ልብን ይውለዱ። እግዚአብሔር ኣቦ ኩልና ምዃኑን ኩልና ኣህዋትን ኣሓትን ምዃና ንግንዘብ። ነዚ ምስ እንገብር ንውግእ ዝኸውን ቦታ የለን ኩሉ ገነት ሰላም ይኸውን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንክፍኣተ ግብሪ ህርፋን ንምውጋድ በዚ መንፈስ እዚ ምጒዓዝ የድሊ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።