ድለ

UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT  (AFP or licensors)

ካብ እስትራተጂ ሥልጣን ናብ ሓባራዊ መደብ ሰላም ዓለምና ንስገር! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልአከ እግዚአብሔር ኣቅሪቦ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ሎሚ እውን ከይተሓለሉ ኣብ ሃገረ ኡክራይናን መላእ ዓለምን ሰላም ንክነግሥ መራሕቲ ሃገራትን ዓለምሓቆፍ ማሕበራትን ንግጭትታን ተቋውሞታትን ዘህድኡሉ መንገዲ ክደልዩ ጻውዒት ኣቅሪቦም። ‘ቅልውላው ኡክራይና ለባማት መራሕቲ ሃገራት ኢና ንዝብሉ ከም ዓቢ ግድል ክኸውን እሞ ንመጻኢ ወለዶታት ዝሓሸ ዓለም ብዘተ ንምህናጽ መኽኣሎም ነሩ፣ ሕጂ እውን ገና ግዜ ኣሎ’ እንክብሉ ‘ሃየ እባ ገለ ግበሩ! እንታይ ትጽበዩ’ ዚዓይነቱ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝተባርዔ ውግእ ኡክራይናን ሩስያን ድሮ ኣዋርሕ ኣቊጺሩስ እናተልምደ ብምምጻኡን ቀስ ብቀስ ምስፍሕፋሑን ዘስገኦም ቅዱስነቶም ደጋጊሞም በታ ቀንዲ መጋበሪት ክርስትያን ዝኾነት ጸሎት ኩልና ስለ ሰላም ኡክራይናን መላእ ዓለምን ክንምህለል ኣብ ርእሲ ምምሕጻን ሎሚ ደጊሞም ንመራሕቲ ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበራትን ከምዚ ክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

“ዓለምና ሰላም የድልዮ ኣሎ። ነዚ ዝረኤ ዝንባሌ ቅርሕትን ተቋውሞን ንኣኡ ንምጒህሃር ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስን ንምግታእ መራሕቲ ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበራት ዓለምናን ዝከኣሎም ክገብሮ ጻውዒት ኣቅርብ ኣሎኹ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ዘቅርብዎ ጻውዒት ሰላም ከም ናይ ዓለም ዘይኮነ ናይ ክርስቶስ ሰላም ምዃኑ ንምግላጽ ከኣ ‘እንደልዮ ሰላም ነንሕድሕድካ ብምፍራህ ብኣጽዋር ማዕረ ንምዃን ዝግበር ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ከኣ እዚ ኣገባብ እዚኣ ንታሪኽ ዓለምና ሰብዓ ዓመት ንድሕሪት ዝመልስ እዩ’ እንክብሉ ብኣጽዋር ውግእ ምውድዳር ኣብ ዘመን ዝሑል ኲናት ዝፈጥሮ ፍርህን ራዕድን ከምዚ ክብሉ ኣዘካኺሮም።

“ነቶም ጥበበኛታት ኢና ዝብሉ ክኢላታት መንግሥታት ዓለምና ድላይ እንተደኣ ኣልይዎም፣ ቅልውላው ኡክራይና ቀንዲ ግድሎም ክኸውን ነርዎ ክኸውን እውን ኣለዎ፣ በዚ ከኣ ንመጻኢ ወለዶታት ዝኸውን ዝሓሸ ዓለም ብዘተ ንምህናጽ ይኽእሉ። እዚ ብሓገዝ እግአብሔር ወትሩ ዚከኣል እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዝበልዎ ካብ ኣዕነውቲ እስትራተጂታት ሥልጣን ፖሎቲካን ቊጠባን ኣጽዋርን ናብ ሓባራዊ መደብ ሰላም ዓለምና ክስገር ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ ነዚ ከኣ ብሥልጣንን ግጭትን ንዝመቃቀል ዓለም እምቢ፣ ነንሕድሕድካ እትከባበረሉ ኣብ መንጎ ሕዝብታትን ምዕባለን ንዝተወሃሃደ ዓለም ሕራይ ብማለት ክንበጽሖ ከም እንኽእል ኣዘኻኺሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 July 2022, 17:11