ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ 83 ዓመት ልደቶም ይዝክሩ! መላእ ዓለም እንቛዕ ኣብቅዓኩም ክብል ፍቅሩ ይገልጽ

ር.ሊ.ጳ ካብ ዝስየሙ ሎምዘመን ንሻብዓይ ግዜ ዕለት ልደቶም ይዝክሩ ኣለው። ጥዕና ነፍስን ሥጋን ሂቡ ንተልእኮኦም ብምልኣት ክፍጽሙ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ናይ ሠናይ ምንዮት መልእኽታት ይውሕዙ ከምዘለው ከምኡ እውን ምእንታኦም ዚዓርግ ጸሎታት ብዙሕ ከምዝኾነ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና የመልክት።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ኩሉ ዝመነዮ እኳ እንተኾነ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝብሎ ዕድመ ወዲሰብ ሰብዓ ካብኡ እትበዝሐ ሰማንያ ክንዯኡ ግን ሕማምን መከራን እዩ። ብልማድ ከም ሠናይ ምንዮት ንኩሎም እንብሎ ምርቓኸኣ ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን እዩ። ከመይ ክልቲኡ እንተዘየሎ ምናዳ ጥዕና ክጐድል እቲ መስቀል ከቢድ እዩ ዝኸውን ስለዝኾነ ከኣ ዕድመን ጥዕናን ብሓንሳእ ንምነ።

እግዚአብሔር ክገብር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ክልቲኡ ሰለዓደሎም ከምዚ ንዕዘቦ ዘሎና ኣብዚ ዕድመ እዚ ካብ ጻት ዓለም ናብ ጻት ዓለም ምናዳ ኣብቶም ዝተረስዑን ሰብ ዘይበጽሖምን ንክበጽሑ ዝገብርዎ ሓዋርያውያን ጉዕዞታትን ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ርሑቅን ቀረባን ሕያው ምስክር እዩ። ኣብ ዜናታትና ከምእትከታትልዎ ጋሕጋሕ ንግሆ ብቅዳሴን ስብከትን ናይ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዝጀመረ ከም ማንም ሠራሕተኛ ኣብ ቤትጽሕፈቶም ግለሰባትን ጉጅለታትን በብሰዓታቶም ተቀቢሎም ከሰናብቱን ምኽሮምን ትምህርቶምን ክልግሱን ንምልከት ኣሎና። እዚ ከኣ ጸጋ ኣምላኽን ትሕትናኦምን እቲ ዕለት ዕለት ምእንታይ ጸልዩ ኢሎም ዝምሕጸንዎ እሞ ቤተክርስትያን ብግድነት ሥርዓተ ኣምልኾኣ ምእንታኦም እተዕርጎ ጸሎትን ኩሎም ምእመናን ምእንታኦም ዘዕርግዎ ጸሎትን መልሱ ኣብ ተግባር ስለእንዕዘቦ ምግላጹ ኣየድልን።

እዛ ወርሒ እዚኣ ንቅዱስነቶም ናይ ብዙሕ ፍጻሜታት ሕይወቶም ዝኽሪ ዝገብሩላ እያ። ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ዕለት 13 ታሕሳስ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢየቤል ክህነቶም ዘኪርና ሎሚ ዕለት 17 ታሕሳስ ከኣ መበል 83 ዓመት ዕድሚኦም ንዝክር ኣሎና።

በትረ ሥልጣን መበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ናይ ሕዝበ ክርስትያን ከምኡ’ውን ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ጓሳ ከምዃኖም መጠን ህቡብነት ከጥርዩ ስለዝጀመሩ ኣብ ርእሲኡ ከኣ ንዘሎ ኩሉ ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ክሳብ እቲ ሓጸርቲ መልእኽታት ተመሓላልፈሉ ትዊተርን ኢንስታግራምን ብምጥቃም ብዓሠርታት ሚልዮናት ዕለት ዕለት መልእኽታቶም ከምዝከታተሉ ገሮም። ካብ ዝሓለፈ ሶሙን በዓላት ንበዓላት ምስ ኮነ ካብ መላእ ዓለም በዚ መራኸቢ ብዙሓን ዝውሕዝ ናይ ሠናይ ምንዮት መልእኽታት ካብ ዓበይቲ መራሕቲ ዓለምን መራሕቲ እምነታትን ክሳብ ግለሰባት ይጽሕፉ ኣለው።

ካብቲ ዝውሕዝ ዘሎ ናይ ሠናይ ምንዮት መልእኽታት ንኣብነት ናይ ሃገረ ጣልያን ፕረሲደንት ሰርጅዮ ማታረላ ‘ሓንሳእ ምስ ጀመረ ዘይቋረጸ ሓውርያዊ ኣገልግሎትኩም ንሕዝብታትን ሃገራትን ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ፍልልያት ኣልዮም ሰላም ከደንፍዑን ኣብ ዲቅ ዝበለ ዘተ ኣትዮም ናይ ብጻዮም ሓሳብ ከጽንዑን ንዓለምና ከኣ ዘለዋ ሃብቲ እናዓቀቡ ክከናኸንዋን ኣኺኢሉ ኣሎ። ዘቅርብክምዎ ጻውዒት ንሕልና ኣመንትስ ይኹን ዘይኣመንቲ ብምትንካፍ ዕለት ዕለት ሓላፍነታዊ ውሳኔታት ብምግባር ንዝበለጸ መጻእን ንጥቅሚ መላእ ዘመደ ኣዳምን ከምዝሰርሑ ገሩ` እንክብሉ ተልእኾ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብደገ ብዝጥምቱ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከምዝወሃቦን መጠን ክንደይ ጸላዊ ከምዝኾነን ገሊጾም።

ካብቲ ዝዓበየ ህያባት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ መላእ ዓለም ነታ ምእንታይ ጸልዩ በጃኹም እትብል ዳርጋ መዛዘሚት ኩሉ ሥራሖም ኣዎንታዊ መልሲ ብምሃብ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝተወደበ ምእንቲ ር.ሊ.ጳ ንጸሊ ዝብል ዝተፈላለየ መደባት ጸሎት እዩ። ከምቲ ቅድሚ ሠለስተ ዓመት ዕለት 17 ታሕሳስ 2016 ምስ ካርዲናላት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ምሕጽንታ ጸሎት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ምእንቲ ኣገልሎት ቅድስት ቤተክርስትያን ዘለዎም ተልእኮ ዕውት ንክኸውንን ነታ መንበር ጥበብ ዝበልዋ ሽምግልና ቅስንትን እምነት ዝመልኣን ፈራይትን ናይ ሓጐስን ምእንቲ ክትኮኖሎም’ ምዃኑ ሓቢሮም ነሮም።

መደብ መንፈስ ቅዱስ!

ቅዱስነቶም ካብ ንፈልጦም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ንሸውዓተ ግንዜ ጥራይ እኳ እንተኣብዓሉ ታሪኽ ሕይወቶም ግን ንውሕ ዝበለ እዩ።

ብ1936 ኣብ ብወኖስ ኣየርስ ኣብ ኣርጀንቲና ካብ ፕየሞንተ ዝበሃል ክፍሊ ዓዲ ጣልያን ዝተሰዱ ተወልዱ። ሙዚቃን እስፖርትን ይፈትው ከምዝነበሩ ንእግዚኣአብሔር ንክውፈዩ ብ1958 ኣብ ዘርአ ክህነት ኢየሱሳውያን ተመኲሮ ይጅምሩ።  ኣብዚ ግዝያት እዚ ብተኣምር ንእስክላ ካብ ሕማም ሰናቡእ ይድሕኑ።

ክህነት!

ብ1969 ዓም ክህነት ተቀበሉ።  ኣብ ዕለት ክህነት ኣደ ዓባዮም ሓንቲ መልእኽቲ ይህባኦም። ነዛ መልእኽቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዳዊቶም ሒዞማ ኣለው። ‘ነዊሕ ዕድመን ሓጐስን ይሃሉኹም። ምናልባት ሥቃይ ሕማም ወይውን ናይ እትፈትውዎ ሞት ሓዘን እንተበርትዓኩም ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ኣብቲ ዝዓበየን ዝኸበረን ሰማዕት ዘለዎ ከድኩም ተጸናንዑ ናብታ ኣብ እግሪ መስቀል ወዳ ዘላ ድንግል ማርያምውን ቊሊሕ ምባል ኣይትረስዑ ከመይ ኣብቲ ዓሚቚን ኣቀንዛውን ቊስሊ ዘረስርስ ቅብኢ ክተንጥበልኩም ትኽእል` ዝብል ይርከቦ።

ብ1973 ዋና ሓላፊ ኢየሱሳውያን ኣብ ኣርጀንቲና ይስየሙ። ብ1992 መዓርገ ጵጵስና ይለብሱ ብ28 የካቲት 1998 ናይ ብወኖስ ኣየርስ ሊቀ ጳጳስ ይሽየሙ። ብዕለት 21 ለካቲት 2001 ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ካርዲናል ይሸምዎም። ኵልና ከም እንዝክሮ ከኣ ዕለት 13 መጋቢት 2913 ዓም ር.ሊ.ጳ ተሾሙ። ኣብ ብዙሕ ነገራት ቀዳማይ ዝብል ቅጽል ኣለዎም እተን ቀንዲ ግን ቀዳማይ ላቲን ኣመሪካዊ ቀዳማይ ኢየሱሳዊ ቀዳማይ ስም ናይቲ ዓርኪ ድኻታት ዝኾነ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዘመረሱ ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ ተፈጥሮን ከባብን ኣሰር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ስሒቦም ቀዳማይ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝጸሓፉ ዝብል ይርከቦ። ዕድሜ ማቱሳላ ወዘኣብርሃም እንክብል ሠናይ ምንዮትና እንክንገልጽ ነታ ምሕጽንታኦም ንምምላእ ስለኦም ምጻልይ ኣይንረስዕ። እቲ ጓሳ ቤተክርስትያን ዝኾነ ሕያዋይ ጓሳ በብግዜኡ ከከም ኣድላይነቱ ምእንቲ መጓሲኦም በጃ ዝኾኑ ጓሶት ዝሰድድ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን ኣሜን።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 December 2019, 12:49