ድለ

2018.12.13 ር.ሊ.ጳ መንእሰይ ካህን ከለው 2018.12.13 ር.ሊ.ጳ መንእሰይ ካህን ከለው  

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ ዘመን ኣብ ክህነታዊ ኣገልግሎት ጐይታን ሕዝቡን!

ሎሚ ዕለት 13 ታሕሳስ 2019 ዓምፈ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ክህነት ር.ሊ.ጳ ይዝከር። ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ነዚ ብዝምልከት ቀንዲ ነጥብታት ታሪኽ ሕይወቶም ብምዝካር የብዕሎ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

50 ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መበል 33 ዓመት ልደቶም ኣብዒሎም ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከምዛ ሎሚ ዕለት 13 ታሕሳስ 1969 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም። ጸዋዕታኦም ምልስ ኢሎም እንክዝክሩ ዕለት 21 መስከረም 1953 ዓምፈ ነበረ ይብሉ። ኣብዚ ዕለት እዚ በዓለተ ማቴዎስ መጸበሓዊ ዝዝከረሉ ዕለት ብምንባሩ ንክናዘዙ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ምስ ቀረቡ ፍሉይ ምሕረት እግዚአብሔር የስተማቅሩ እሞ ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚረ ጸዋዕታ ተሰሚዑኒ ይብሉ።

ካህንን ምሕረት እግዚአብሔርን

ኣብ ዘመነ ጵጵስናኦም ከምዘስተውዓልዮ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንመለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ብፍሉይ መንገዲ ከምዝጥምትዎን ኩሉ ናይዚ ጸጋዚ ተሳታፊ ንክኸውንን ብዘለዎ ውዕውዕ ሃረርታ ዓመት ምሕረት ኣዊጆም ዘሕለፍናዮ ኢየቤል ምሕረት ኩልና ንዝክሮ እዩ። እዚ ከኣ ምሉእ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ብመለኮታዊ ምሕረት ዝተሰነየ ምዃኑ የመልክት። ንካህናት እንክመኽሩ ከኣ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኺሞም ንዝነበሩ ሕዝቢ ምስ ረኣየ `ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ` ኰይኖም ዝተራእይዎ እሞ ዝደንገጸሎም ሓደ ካህን ከኣ ንኩሉ ገዲፉ ዕለት ዕለት ኣብ ሕይወት ማሕበረክርስትያን ክዋሳእ ከምዘለዎ እንክምሕጸኑ ድሕሪ ጵጵስናኦም ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንካህናት ብዕለት 6 መጋቢት 2014ዓም ‘ብኣምሳል ሕያዋይ ጓስ ሓደ ካህን ናይ ምሕረትን ርሕራሔን ሰብ ኰይኑ ወትሩ ኣብ ጥቃ መጓሲኡ ኰይኑ ኣገልጋሊ ናይ ኩሎም ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ሕይወቱ ዝቈሰለ ዘበለ ቈላሕታ ክረክብ ኣለዎ። ኣቊሳል ክፍወሱ ክዝነኑ እንተዀይኖም ንሕና ካህናት ኣብኡ ክንርከብ ጥቃ ሕዝበ እግዚአብሔር ክንርከብ ኣሎና። ምሕረት ማለት ምፍዋስ ኣቊሳል እዩ` ኢሎም ነሮም።

ካህንን ቅዱስ ቊርባንን!

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ብዛዕባ ካህን ዝብልዋ ካልእ ነጥቢ ገዛእ ርእሱ ዝኸሓደ ካልኣ ክርስቶስ ኰይኑ ኣብ ማእከል ክርስቶስ ከምዝረኤ ክገብር ኣለዎ ይብሉ። ብዕለት 3 ሰነ 2016 ኣብ ግዜ ኢዮቤል ንካህናት ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት `ዕለት ዕለት ቅዱስ ቊርባን ክንሠርዕ ከሎና ከም ጓሶት መንነትና ኣብኡ ንረኽቦ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅድሴ ነተን `እዚ ምእንታኻትኩም ዝውፈ ሥጋይ እዩ` ንዝብላ ቃላት ክርስቶስ እንክንደገም ብሓቂ ናትና ንግበረን። ትርጉም ሕይወትና እዚ እዩ። በዘን ቃላት እዚኤን ነቲ ኣብ ዕለት ክህነትና ዚኣተናዮ መብጽዓ ዕለት ዕለት ክነሐድሶ ንኽእል’ ኢሎም ነሮም።

ካህንን መንበረ ኑዛዜን!

ካህን ኣብ መንበረ ኑዛዜ ብሓቂ ካልአ ክርስቶስ ኰይኑ መንግለጺ መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ብምዃን ንእግዚአብሔርን ንሕዝቡን ኣድላዩ ሥራሕ ይግብር። ነዚ ብዝምልከት እውን ንቆሞሳት ሮማ ኣኪቦም ብዕለት 6 መጋቢት 2014 ‘ኣብ ኣገባብራ ኑዛዜ ዝተፈላለዩ መንዘዝቱ ዝተፈላለየ ኣገባባት ክጥቀሙ ንቡር እኳ እንተኾነ ነቲ መሠረታዊ ጉዳይ ማለት ጉዳይ ትምህርቲ ሞራልን መለኮታዊ ምሕረትን ብዝምልከት ግን ፍልልይ ፈጺሙ ክህሉ የብሉን። እቲ ሸለል ዝብልስ ይኹን እቲ ቀናእ ፍሕት የላን ዝብል ኣፍቃሪ ክርስቶስ ኣይኮነን ዘድልዩ ከመይ ክልቲኦም ነቲ ዝረኽብዎ ዘለው ውሉድ ንስሓ ይሓልዩ የለውን። እቲ ንኩሉ ብጸቢብ ዝሕዝ ድርቅ ዝበለ ሰብ ነቲ ሰብ ብሕጊ ክሽንክሮ እንከሎ እቲ ሸለል ዝብል ከኣ ከም ጲላጦስ ኢዱ ብምሕጻብ መሓሪ ክመስል ይኽእል ኰይኑ ግን ነቲ ኣብ ሕልና ተነሳሒ ኰይኑ ዝኩርኩሕ ዘሎ ጉዳይ ብቊምነገር ኣይሕዞን ክብደት ሓጢኣት ሸለል ይብል። ሓቀኛ ምሕረት ከስ ቅድሚ ዝኣገረ በቲ ሰብ ክግደስ ተጠንቂቁ ጽን ኢሉ ክሰምዖ ብኣኽብሮትን ብሓቅን ክቀርቦ እሞ ኣብቲ ዝግበር ጒዕዞ ዕርቂ ይሕግዝ` ኢሎም ነሮም።

ር.ሊ.ጳ ኣብ መንበረ ኑዛዜ
ር.ሊ.ጳ ኣብ መንበረ ኑዛዜ

ካህንን ጸሎትን!

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከም ቀንዲ ጉዳይ ሓደ ካህን ዝርእይዋ ጸሎት ኰይና ካህን ቅድሚ ዝኣገረ ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ኣለዎ ትብል እያ። ከመይ ይብሉ ጸሎት ማለት ምስ እግዚኣአብሔር ምሕባር ካብ ኮነ ምስ እግዚአብሔር ምስ ኮንካ ዘይሽነፍ ፈተና ስለዘየለ ናይ ጸሎት ሰብ ዝኾነ ካህን ከኣ ምስ እግዚአብሔር ምስ ኮነ ዘጸግሞ የለን። ናብቶም መበል 160 ዓመት ናይ ቆምስ ኣርስ ዝኽሪ ሞት ዝገብሩ ዝነበሩካህናት ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ሓደ ካህን ዕለት ዕለት ጸሎተ መቊጸርያ ከዘውትር ከምዘለዎ ምኽንያቱ ከኣ ብዛዕባ እግዚእትነ ማርያም እንክንሓስብ ብዛዕባ እቲ ሰውራዊ ዝኾነ ፍቅራን ሕያውነትን ምስንትንታን ስለዝኾነ። ኣብ እኖና ድንግል ማርያም ትሕትናን ለውሃትን ንርኢ። እዚ ከኣ ናይ ድኻምነት ዘይኮነ ዝሓየለ ኰይኑ ሓያል ምዃኑ ከርኢ ንካልኦት ካብ ምስቃይ የድሕነካ` ኢሎም ጽሒፎም ነሮም።

ካህንን ድኽነትን!

ከም ትምርቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካህን ኣብ ዕለታዊ ናብራ ሕዝቡ ዝሳተፍ ኰይኑ መንፈሳውነቱ እውን ኣብኡ ይምስረት። ናይ ካህን ትንቢታዊ ድምጺ ጥራሕ እዩ ነቲ ኣብ ድኻታትን ድኹማትን ዝወርድ ኣደራዕ ክብድሆ ዝኽእል ይብሉ።

ኣብ ሓሴት ወንጌል እትብል ቃለ ምዕዳኖም ዓንቀጽ 183 ከኣ `ስለፍትሒ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ቤተክርስትያን ወሰና ሒዛ ሱቚ ክትብል የብላን። መንግሥቲ እግዚኣአብሔር ንኢየሱስ ምስ ረኸብና ኣብዚ ምድሪ እዚ እዩ ዝጅምር፡ ናይ መወዳእታ ፍርድና ነቲ ኣብ ድኻታትን ሕሙማትን ኣጋይሽን እሱራትን ዝርከብ ኢየሱስ ብዝገበርናዮ እዩ። ክሳብ ክንደይ ነዞም ሰባት እዚኦም ከምዘፍቀርና ኢና ንሕተት። ኰይኑ ግን ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝብሎ ከኣ ብዘይፍትሒ ምንም ፍቅሪ የለን።

ካህንን ሕይወቶም ንሓደጋ ዘወፍዩን!

እንደገና ኣብታ መበል 160 ናይ ሞት ቆሞስ ኣርስ ዝዝክሩ ዝነበሩ ካህናት ኣብ ዝጸሓፍዋ ቅዱስነቶም፡ ‘ካህናትሲ ኣብቲ ክትነብረሉ ዘይከኣል ዝመስል ርሑቅን ኩሉ ዝገደፎን ወላውን ንሕይወትካ ኣብ ሓደጋ ገርካ ኣብ ዝንበር ሕይወቶም ናይ ምሕረት ሥራሕ ዝገብሩ እዮም። ስለዚ ተባዕ ሥራሕ እውን ንካህናት ኣመስጊኖም ነሮም። ብዝኾነ ጸገም ተስፋ ከይቆርጹ እውን ሓደራ ኢሎም ነሮም። ዘጋጥሞም ጸገማት ጐይታ ነታ መርዓቱ ዝኾነት ቤተክርስትያን ንከንጽሕን ብምልእታ ናቱ ንክትከውንን ኢሉ እዩ ኢሎም ነሮም። ቀጺሎም እውን ናይ ዘመንና ቊስሊ ዝኾነ ዕንቅፋት ጾታዊ ዓመጽ ኣመልኪቶም ቅድሚ ዝኣገረ ነቶም ግዳይ ናይዚ ዘሕፍር ተግባር ንዝኾኑ ኣብ ጐድኖም ክኾኑን ቅርበቶም ክገልጹሎምን ዘለዎም ካህናት ምዃኖም ብምዝኽኻር ነቶም ብተኣማንነትን ብለጋስነትን ሕይወቶም ከይበቀቁ ንኣገልግሎት ብተወፋይነት ዝሰርሑ ምስጋናኦም ገሊጾም ነሮም።

ካህንን ድኻምን!

ብ2015 ዓምፈ ኣብ በዓል ጸሎተ ሓሙስ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ብዙሓት ካህናት ኰይኖም ናይ ቅዱስ ዘይተ ሜሮን ቅዳሴ ኣብ ዘዕረጉሉ ብዛዕባ ጻዕሪ ካህናትን ኣድካሚ ተልእኮኦምን ዘኪሮም `ብዛዕባ’ዚ ጸገም እዚ ወትሩ እሓስብ ኩሉ ግዜ ከኣ እጽሊ ምናዳ ኣነ ንባዕለይ ዘግ ኢለ ምስ ደኸምኩ። ኣብ መንጎ እቲ እግዚአብሔር ሓደራ ዝሃበኩም መጓሰኹም ኰንኩም ክትጽዕሩ እንከሎኹም ወትሩ ስለኹም እጽሊ። ዝኸበርኩም ካህናት ድኻምና ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር ብቀጥታ ናብ ዙፋኑ ከምዚዓር ዕጣን ኰይኑ ንሰማይ ከምዝዓርግ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። እወ ድኻምናን ጻዕርናን ብቀጥታ ንሰማይ ናብ ልቢ ሰማያዊ ኣቦና ይዓርግ` ኢሎም ነሮም። ነዚ ድኻምን ጻዕርን እዚ ሽሕ’ኳ መሪር እንተኾነ ኣብ ማእከል ሕዝብኻ ኰንካ ካብ ምግልጋል ስለዝመጽእ ‘ድኻምን ጻዕርን ካህናት ብመዓዛ ኣባጊዕ እዩ` ቢሎም ይገልጽዎ።

ካህንን ዋዛን ቊምነገርን ዘቀራን!

ቅዱስነቶም ንካህናት ኣብ መጨረሻ ዘዘኻኽርዎ `ቅዱሳን ዝበሃሉ ብታሕጓስን ብዘቀራን ክነብሩ ዝኽእሉ እዮም` እንክብሉ ዋዛን ቊምነገርን ብምቅማም ንሕይወት ጣዕሚ ዝህብ ዘቀራ ሓጐስ ከምዝፈጥር እዚ ከኣ እቲ ካህን ሕጉስ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሓጐስ ካብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ርክብ ስለዝምንጩ ንካልኦት እውን ዘሳትፍ ስለዝኾነ ከይፍለዮም የዘኻኽሩ። ብ2016 ምስ ቲቪ ክልተ ሺሕ ዝበሃል ናይ ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ማእከል ተለቪዥን ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ዋዛን ቊምነገርን ዘለዎ ዘቀራ የበራብር ንመንፈስካ ሓፍ የብሎ። ገለ ክፍሉ ሰብኣዊ ክኸውን ዝዓበየ ክፋሉ ግን ጸጋ እግዚኣአብሔር እዩ` ኢሎም ነበሩ።

ፍሽኽታ ር.ሊ.ጳ
ፍሽኽታ ር.ሊ.ጳ

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ ንደገፍ ካህናት!

ርግጽ እዩ ር.ሊ.ጳ ንካህናቶም ኣብ መንጎ መጓሰኦም ንሕዝቢ እግዚኣአብሔር ቀረባኦም ክኾኑ እኳ እንተተማሕጸኑ ንምእመናን ከኣ ንካህናቶም ክድግፉ ይምሕጸኑ። ዕለት 28 መጋቢት 2013 ዓም ኣብ ጽባሕ ጵጵስናኦም `ዝኸበርኩም ምእመናን ካህናትኩም ከም ልቢ እግዚአብሔር ዝኸዱ ጓሶት ምእንቲ ክኾኑ ኣብ ጐድኖም ኩኑ ብፍቅርን ብጸሎትን ኣሰንይዎም’ ኢሎም ነሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 December 2019, 15:07