2018.08.11 ርክብ ቅዱስነቶም ምስ መንእሰያት ኣብ ሜዳ ቺርኮ ማሲሞ! 2018.08.11 ርክብ ቅዱስነቶም ምስ መንእሰያት ኣብ ሜዳ ቺርኮ ማሲሞ!  

ኣብ ጒዕዞ ሕልምኹም መንፈሳውያን ንግደት ክትፍጽሙ ንበሩ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት

ቀዳም ዕለት 11 ነሐሰ 2018ዓምፈ ካብ መላእ ሃገረ ጣልያን ዝተኣከቡ ልዕሊ 70 ሺሕ መንእሰያት ንር.ሊ.ጳ ኣብ ቅርዓት ቺርኮ ማሲሞ ብዓቢ ድምቀት ተቀቢሎሞም። ኣብቲ ሰጣሕ ጐልጐል ምስ ሃሮሮማይ ጸሓይ ሮማን ሃሩርን ክጽበይዎም ንዝወዓሉን ብፍቅሪ ንዝተቀበልዎምን መንእሰያት ቅዱስነቶም ‘ኣብ ሕልምታትኩም እመኑ መሳኻኽር ከኣ ኩኑ’ እንክብሉ ኣተባቢዖምዎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እቶም መንእሰያት ብወከልቶም ጌሮም ንቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ መኽፈቲ ቃሎም ‘እነሆ እምበኣር ብልብና ከምእነፍቅረኩምን ምሳኹም ሓቢርና ክንግስግስ ከምእንደሊ ንክንገልጸልኩም ክሳብ ኣብዚ ተጓዒዝና።’ እንክብሉ ነቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2018ዓምፈ ንመንእሰያት ዝተወፈየ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንምስንዳው ንክልተ መዓልታት ናይ በዓልን ጸሎትን ግዜ ንምሕላፍ ከምዝመጹ ገሊጾም።

በዓልን ጸሎትን!

እዞም ነዊሕ ጉዕዞ ዝገበሩ መንእሰያት ሽሕ’ኳ ድኻምን ሃሩርን እንተተጻዕኖም ንር.ሊ.ጳ ንምቅባል ብታሕጓስ ክዝምሩን ክስዕስዑን ምርኣይ ምናዳ ከኣ ድምጺ ቅዱስነቶም ምስ ሰምዑን ንሕቶታቶም በብሓደ ክምልሱ ምስ ሰምዑን ብጣቅዒት ንቅርዓት ቺርኮ ማሲሞ ኣንደቅዲቆሞ። ቅዱስነቶም እውን ብታሕጓስ ናይ’ዞም መንእሰያት ብጣዕሚ ተተንኪፎም ብልቦም ድሕሪ ምምስጋን ሠለስተ ቃላት ክብሉ ትምህርቶም ጀሚሮም። ሠለስተ ቃላት ሕልምታት ምትእምማን ምስክርነት ክንምለት ኢና ኢሎም።

ሕልምታትና ከም ዘንጸባርቁ ከዋኽብቲ!

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ሕልምታት ክህልዎም ኮይኑ ግን ነዚ ኣብ ተግባር ንምውዓል ትብዓት ከምዘድልዮም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ 'ክትገብርዎ ዘሎኩም ሥራሕከስ እዚ እዩ! ናይ ሎሚ ሕልምታትኩም ኣብ ናይ ጽባሕ ክውንነት ክትልውጥዎ እዩ! ነዚ ንምግባር ግን ትብዓት የድልየኩም፣' ኢሎም።

ቅዱስነቶም ንሕቶታቶም በብሓደ ኣብ ዝሰምዑሉ ለቲዝያ ጓል 23 ዓመትን ሉካማተዮ ወዲ 21 ዓመትን መንእሰያት ኣብዚ ዘመን’ዚ ዘሎ ኩነታት ምናዳ መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ዝብል ዓበይቲ ንመንእሰያት ብዓይኒ ምጥርጣር ምጥማት ቅድሚ ኩነታዊ ፍርዲ ከምኡ ካልኦት ፈረድቲ ከምዘለው ኣብ ዘመልከቱሉ። ቅዱስነቶም ከኣ ሽሕ’ኳ ከም ሓቁ እዚ ትብልዎ ማለት ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ናይ ዓበይትን ፍርዲ ካልኦትን እንተሎ ነፍሲወከፍ መንእሰይ ኣብ ውሽጡ ልቡ ዝስምዖ ሃረርታን ሕልምን ክተኣማመን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ነዚ ትፈልጡዶ! ሕልምታት መንእሰያት ንዓበይቲ የፍርሕዎም እዮም። ሓደ መንእሰይ ነዊሕ ዕላማ ክሓልም እንከሎ የፍርህ እዩ። ምናልባት ምሕላምን ጠኒንካ ምእታውን ኣቋሪጾም ይኸውን። ኤእ! ሕይወት ከምኡ እዩ። ብዙሕ ግዜ ንዓበይቲ ምሕላም ከምዘቋርጹን ካብ ሓደጋን ጠኒንካ ምእታውን ክድሓሕሩን ይገብሮም። እዚ ከኣ ምናልባት እቲ ሕልምታትኩም ነቲ ንሶም ዝመርጽዎ መስመር ሕይወት ኣብ ሓደጋ የውድቆ ይኸውን።”

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ኣብነት ክኾኖም ዝኽእል መንእሰይ ናይ መበል 13 ዘመን ብትብዓት ንታሪኽ ሃገረ ጣልያን ዝለወጠ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣዛኻኺሮም። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዓበይቲ ነገራት ብምሕላም ንኩሉ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቁ። ደረት ሕልሙ ይፈልጥ ኣይነበረን ኮይኑ ግን እናሓለመ ሕይወቱ ፈጺሙ። እዚ ኮይኑ ግን ጥንቃቄ የድሊ ዓበይቲ ሕልምታት ካብ ምህ ውታት ከንድሕን እንኽእለሉ ምስ እግዚብሔር ምስ እንጐዓዝ ጥራይ እዩ።

ፍቅሪ ፍርቂ ምዃን ፍርቂ ኣይዕገሥን!

ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ማርቲና ካብ ትበሃል ጓል 24 ዓመት ኮይኑ ኣብዚ ዘመንና ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ሓዳራስ ይኹን ጉዳይ ሓደ ጥበብ ምሓዝ ከምዝፈርህ ሓደ ሥራሕ ሒዝካ ሕይወትካ ከይሰራዕካ ሓዳር ምግባር ዘይምከር እዩ ኢሎም ዝመኽሩስ ይኹን ጸግዕን መሪሕን ዝኾኑ ዝተሳእነሉ ግዜ እዚ ከኣ ብዘሎ ማሕበረቁጠባዊ ቅልውላው ዝተጸልወ ምዃኑ ኣመልኪታ ምስ ሓተተት ቅዱስነቶም ከኣ ኣጆኹም ኣይትፍርሑ ምናዳ ንፍቅሪ ኣይትፍርህዎ ብዝበለጸ ክጥንቀቀሉ ዝምሕጸነኩም ግን ትብል ቃል እያ ምኽንያቱ ንሕይወት ከይተረፈ ጠጠው ክተብል እትኽእል ኣፍራሲት ቃል እያ ኣንክብሉ ኣተባብዕዎም።

“ብዛዕባ ንዕቱብ ፍቅሪ ናይ ቁምነገር ፍቅሪ ናይ ሓዳር ፍቅሪ ኣይትፍርህዎ። ኣብ ፍቅሪ ጠኒኑ ብምእታው ንኩሉ ሓደጋታት ቅሉእ ብምዃ ዘዕብዮን ኣብ ብስለት ኣብጺሑ ከምዝፈሪ ዝገብሮን እዚ ዕቱብ ፍቅሪ እዚ እዩ። ስለዚ ጠኒንኩም እተውዎ፣ ኣብዚ ዘመንና ዝነፍስ ዘሎ ናይ ምርጫ ሓሳብ ገደብ ዘይብሉ ነጻነት ስለዝኾነ ካብ ሓላፍነት ብምህዳም እውን ዝግበር ብምዃኑ ጥንቃቄ የድሊ እሞ ኣይትዳህለሉ ተጠንቀቁ! ብዙሕ ግዜ ‘እወ ንእከለ ወይ ንእከሊት መሪጸ ግን. .’ ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ። ከምዚ ብምባል ግን ነጻብዕትና ኣብታ ተሕምም ቊስሊ ነእትዋ ኣሎና። እዛ ግን ትብል ቃል ንኩሉ ተምክኖ ጠጠው ተብሎ ኢሎም።”

ቤተክርስትያን ምስክርነት እንተዘይሂባ ደሮና ወይ ትኪ ኮይና ትተርፍ

ምስክርነት ኣብ ዘይብሉ መንፈስ ቅዱስ የለን። ነቶም ቀዳሞት ክርስትያን ‘ረኣይዎም እሞ ክንደይ ይፋቀሩ’ ይብልዎም ነሮም። ክርስትያን ምዃን ሓደ ኩነተ ሕይወት ጥራይ ኣይኮነን። ንምስክርነት ክንመርጽ ኣሎና። እንክብሉ ምስ መለሱ ዳርዮ ዝበሃል ወዲ 27 ዓመት ከኣ ምስ ሞት ምስ ተፋጠጥካ ዘሎ ዓበይቲ ሕቶታት ከምኡ እውን ዝረኤ ዘሎ ዓበይቲ ስቃያትን ዕንቅፋት ቤተክርስትያንን ተኣማንነት ቤተክርስትያን ባይታ ከምዝዘብጥ ስለዝገበሮ እንታይ ትመኽሩና ኢሉ ምስ ሓተተ ቅዱስነቶም እንደገና ናብታ ምስክርነት ትብል ቃል ይምለሱ እሞ ከምዚ ክብሉ የብርሁ።

“ሓንሳእ ሓንሳእ ቃላት እተን ብዛዕባ እግዚአብሔር እንዛረበን ቃላት እውን ከይተረፋ ንመልእኽቲ ፍቅሪ ይኽሕዳ። ሓንሳእ ሓንሳእ ንወንጌል ከይተረፈ ንኽሕዶ። ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምህረና ካብ ገዛእ ርእስና ውጺእና ንምስክርነት ክንመርጽ አሎና። ቤተክርስትያን ብዘይ ምስክርነት ትኪ ወይ ደሮና ኮይና ትተርፍ እንክብሉ መሊሶም።”

ብድሕሪዚ ዝሰዓበ ኒኮለታ ቲንቲ ትበሃል መንእሰይ ካብ 2008 ብዓረብያ እትንቀሳቀስ ክሳብ ብሓደጋ ትድነስ ጂምናስቲክ ተዘውትር ዝነበረት ኮይና ኣሎኹ ገና ብዝዓይነቱ ብሓንቲ ሳዕሳዒት ተሰኒያ ክትዝምርን ክትስዕስዕን ምርኢት ኣቅሪባ ንውሕ ዝበለ ናይ ኣስተንትኖ ጸጥታ ነበረ። ብዕርክነት ዳግም ዝተወልደት ሕይወት ክትብል ብዛዕባ ዘጋጠማ ምስክርነታ ብምሃብ ‘ብሓንሳእ ንቅድሚት ምግስጋስ ብሓቂ ናብቲ ዝረሓቀ ቦታ ከብጽሓና ይኽእል’ ኢላ።

ቤተክርስትያን መንእሰያት የድልይዋ እዮም!

ነዚ ብልዕሊ ሰብዓ ሺሕ መንእሰያት ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ጉባኤ ጸሎት ብመዛሙር መንፈሳዊ ንባባት ሓጸርቲ ግዜ ናይ ኣስተንትኖ ሓጸርቲ ቪድዮታት እናተፈራረቀ ፍሉይ መቀረት ሂብዎ ኣምስዩ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ሓጺር ኣስተንትኖ ንጉዕዞን ትጽቢትን ብዝምልከት ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ቤተክርስትያን ናትኩም ተበግሶ ናትኩም ተቍዋማት ናትኩም ብደሆ የድልያ እዩ። ምናልባት ቀዲምኩምና ኣብቲ ንሕና ገና ዘይበጻሕናዮ እንተበጺሕኩም ከኣ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣፋፈት እቲ ባዶ መቃብር ዝተጸበዮ ንክትጽበዩና ትዕግሥቲ ይሃሉኹም ኢሎም።”

ሕውነት የድልየና እዩ!

ጒዕዞ ብዝበለጸ ከኣ ብሓባር ምስ ኣሕዋትካን ምስ እግዚብሔር ኰንካ ምጉዓዝ ነዊሕ ከምትጐዕዝን ነቶም ዝቈሰሉ ኣሕዋትና ንምሕጋዝን የኽእለና። ሎሚ ክንደይ መቃብራት ክንበጽሖም ይጽበዩና ኣለው! ክንደት ዝቈሰሉ ሰባት መንእሰያት ከይተረፉ ዳርጋ ከምቲ ኣብ ኣፍ መቃብር እተንብሮ እምኒ ብዚመስል ንስቃያቶም ቀቢሮም ዘለው ኣለው! ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ቃል ኢየሱስ ክርስቶስን ተኣንጊብና ነዚ ጸቂጡ ሒዝዎም ዘሎ ደንጐላ ክንኣልየሎምን ነዞም ጸልማት ጐልቢብዎም ዘለው ነጸብራቅ ብርሃን ኣብ ሕይውቶም ከምዝኣቱን ንግበር ኢሎም።

ምሥጢር ናይ’ዚ ኩሉ ዝተፈቀርካ ምዃን እዩ!

ቅዱስነቶም ኣስተንትኖኦም ብምቅጻል ኣብ ሕይወትና ብቅልጡፍ ስጉምቲ ንምግስጋስ ሓደ ምሥጢር ከምዘሎ ቅድሚ ቡራኬ ሂቦም ምስንባቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“ንገዛውትኹም ናብ ዓዳትኩም ናብ ማሕበራትኩም እንክትምለሱ ብጣዕሚ ጥዑም እንክኸውን ገና ብዙሕ ጉዕዞ ከምዝጽበየኩም ፍሉጥ እዩ። ብእምነትን ሓይልን ናይ`ቲ ‘ፍቁረ እግዚእ’ ዝተባህለ ቅዱስ ዮሓንስ ተጐዓዙ። እዚ እዩ እምበአር እቲ ምሥጢር ከም ዝተፈቀርካ ምፍላጥ! ብኢየሱስ ዝተፈቀርካ ምዃን! ብማለት ተላብዮም ብጸሎትን ሓዋርያዊ ቡራኬን ተሰናብትዎም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

Photogallery

መንእሰያት ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ጎልጎል ቺርኮ ማሲሞ ሮማ
13 August 2018, 15:19