ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ሕዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት! ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ሎሚ አርባዓ ዓመት ዕለት 6 ነሐሰ 1978 ዓምፈ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ በዓል ደብረ ታቦር ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ቤት ኣቦ ተመሊሶም፣ ቅዱስነቶም ዘለዎም ኣኽብሮን ኣድናቆትን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
ጉባኤ ቫቲካን ካልአይን ሕይወት ሰብ ትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ብፁዕ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይን!
ከም ዕለተ ቅድስና ብፁዕ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተመርጸት ዕለት 14 ጥቅምቲ ዝተመርጸተትሉ ምኽንያት ድሕሪ ነዊሕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ጻዕርን ብፁዕነቶም ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝደምደመሉ ዕለት ብምዃና እዩ። ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ መዕጸዊ ናይ መጨረሻ ክፍሊ ጉባኤ ብፁዕነቶም ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ‘እዚ ጉባኤ እዚ ንዓለም ነታ ኣብዚ ኣደራሽ እዚ ዝተሓደሰት ቤተክርስትያን ንእምነታ ብዝምስክሩ ንፍቅሪ ሃረር ዝብሉን ብሕብረት ጸሎትን ሥርዓትን ተግባርን ዝተወሃሃዱን ጓሶት ዝመልአትን ነወፊ። ኩልና እንደልዮ ሓንቲ ነገር ኮይና ንሳ ኸኣ ከምቲ መምህርናን ጐይታናን ኢየሱስ ዝገበሮ ኩለትናና ንሕይወት ቤተክርስትያንን ንድሕነት መላእ ዓለምን ምውፋይ ከኣ ብሓቂ ዘደንቅ እዩ’ እንክብሉ ዛዚሞሞ ነሮም።
ብፁዕነቶም ዝገበርዎ ካልእ ዓቢ ኣበርክቶ ከኣ ሎምዘመን መበል 50 ዓመቱ ዝዝከር ዘሎ ሂዩማነ ቪተ ሕይወት ሰብ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም እያ፣ ኣብዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ እዚኣ ዝኾነ ዘይባህርያዊ ከላኤ ጽንሲ ዝውገደሉን ዝኾነ ፖሎቲካ መደብ ቁጽጽር ሥድራቤት ዝተነጽገሉን ነበረ።