ድለ

2018.08.05 ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር 2018.08.05 ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር  

ፍቃድ እግዚብሔር ንምፍጻም ብኢየሱስ ምእማን የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 5 ነሐሰ 2018ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም `ንሃይማኖት ኣብ ግበር ኣይትግበር ዝብል ሕጊ ጥራይ ምሕጻሩ ዘይኮነስ ብኢየሱስ ብምእማን ንወንጌል ዘንጸባርቁ ንሠናይ ነገርን ጸገም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምፍታሕን ንሥራሕ’ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንዕለት 5 ነሐሰ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 6.22 “ሽዑ እቶም ሕዝቢ ኢየሱስ ኮነ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ከም ዘየለዉ ምስ ፈለጡ ናብተን ጃላቡ ደይቦም ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ከኣ “መምህር! መኣዝ ደኣ ናብዚ መጻእካ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “እተናድዩኒ ዘሎኹም እንጌራ በሊዕኩም ስለ ዝጸገብኩም ኢኹም እምበር፡ በቲ ዝረኣኹምዎ ትእምርቲ ከም ዘይኮነ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ መግቢ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዚኸውን ምግቢ ጸዓሩ። ምኽንያቱ እዚ ሓቂ ከም ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ብማኅተሙ መስኪሩሉ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ንሳቶም “ፍቓድ ኣምላኽ ክንመልእሲ እንታይ ንግበር?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ፍቓድ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ክትኣምኑ እዩ” በሎም።” “ሽዑ ንሳቶም “ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ ትገብር? እቲ እትገብሮኸ እንታይ እዩ? ከምቲ ‘ኪበልዑ ካብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም’ ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ ኣቦታትና ኣብ በረኻ መና በልዑ” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ነቲ ናይ ሓቂ እንጌራ ካብ ሰማይ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር ነቲ እንጌራ እቲ ካብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ከም ዘይኾነ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ምኽንያቱ እቲ ካብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ሕይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ” በሎም። ሽዑ ንሳቶም “ጐይታይ! ነቲ እንጌራ እቲ እንዶ ኲሉ ሳዕ ሃበና?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ፣ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይኪጠምን፣ እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ።” ዝብል ነበረ።

ክንዮ ዕለታዊ መግብን ጭንቅን ምስጋር!

ቅዱስነቶም ነታ ምድላይ ኢየሱስ ትብል ቃል ወንጌል እንደገና ብምጥቃስ ንኢየሱስ ክንደልዮ ጥራይ ዘይኮነ ክንፈልጦ ከምዘሎና ብምምልካት ንኢየሱስ ምድላይን ምርካቡን ክንዮ እቲ ግዝያዊ ዕግበትን ፍታሕ ንዋታዊ ጸገማትን ክሰግር ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“ኢየሱስ ካብዚ ሕልፍ ዝበለ ነገር ከምጸአልና እዩ ዝመጸ! ንህላዌና ብዝምልከት ክንዮ እንታይ ክንበልዕ እንታይ ክንሰቲ ዝብል ዕለታዊ ሻቅሎት ናብ ዝሰፍሐ መኣዝን ይመርሖ፣ ስለዝኾነ ከኣ ነቶም ዝደልይዎን ዝስዕብዎን ዝነበሩ “እተናድዩኒ ዘሎኹም እንጌራ በሊዕኩም ስለ ዝጸገብኩም ኢኹም እምበር፡ በቲ ዝረኣኹምዎ ትእምርቲ ከም ዘይኮነ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” ቢሉ ይገንሖም። ከምዚ ብምባል ከኣ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ክገብሩን ነቲ ዝተገብረ ተአምር ክንዲ ንበለጽ ዝምልከትዎ ትርጉሙ እንታይ ኮን ይኸውን ቢሎም ብዕምቘት ከስተንትኑ ይዕድሞም፣ ስለዝኾነ ከኣ ትርጉም ተአምራት ምብዛሕ እንጌራን ዓሣንከስ እቲ እግዚብሔር ንዘመደ ኣዳም ዘወፈዮ ዓቢ ጸጋ ንወዲ ኢየሱስ ምሃቡ እዩ፣”

ምስ እግዚብሔር ዘሎና ርክብከስ ርክብ ባርያ-ጐይታ ኣይኮነን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሥጋዊ ጥሜት ምዕንጋል ጥራይ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ጥሜት እውን ከርውን ከጽግብን ነቲ ዓሚቚ ጥሜት ዝዕንግል መንፈሳዊ መግቢ ይህቦም፣ እዚ ከኣ እቲ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዝወሃብ ዕለት ዕለት ከም ዕለታዊ እንጌራ ዝወሃበና ቃሉ ሥጋኡን ደሙን እዩ፣ ኮይኑ ግን እቲ ሕዝቢ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ንዓና ዘጋጥመና ገና እቲ ትርጉም  ኣይተረደኦምን ሕጊ ብምሕላውን ብባርነትን ዝርከብ መሲልዎም እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብል ዝርዝር ብምንዳይ “ፍቓድ ኣምላኽ ክንመልእሲ እንታይ ንግበር?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ፍቓድ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ክትኣምኑ እዩ” በሎም ይብል።

“እዚ ፈተና እዚ ሓባራዊ ፈተና ኮይኑ ንሃይማኖት ሕግታት ኣብ ምፍጻም ጥራይ ዝድርት ምስ እግዚብሔር ንዘሎና ርክብ ከም ርክብ ባርያን ጐይታን ብምምልካት ባርያ ኩሉ ግዜ ጐይታኡ ዝበሎ ብምፍጻም ደስ ከብሎ ዝብል ሓሳብ ኩልና እንርድኦ እዩ፣”


ግብሪ እግዚብሔር ንምፍጻም ብኢየሱስ ምእማን የድሊ!

ብዙሕ ግዜ ብባህርና ንኢየሱስ ምስ ሰማዕና ንእግዚአብሔር ከሐጒስ እንታይ እግበር ዝብል ሕቶ እዩ ዝመጸና! ኮይኑ ግን ሥራሕ እግዚብሔር ንምፍጻም በቲ ዝለኣኾ ወዱ ምእማን እዩ።

“እዘን ቃላት ኢየሱስ ሎሚ ንዓና እውን ይድገማልና ኣለዋ! “ፍቓድ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ክትኣምኑ እዩ” ስለዚ ኣብ ተግባር ኣብ ሥራሕ ዘይኮነ ኣብ ምእማን እዩ እቲ ቀንዲ ጉዳይ። በቲ ዝለኣኾ ምእማን ክብል እንከሎ ኣብ ኢየሱስ ምእማን ሥራሕ እግዚአብሔር ከም እንፍጽም ይገብረና። እንተደኣ በዚ ናይ ፍቅርን ምትእምማንን ምትእስሳር ምስ ኢየሱስ ክንተኣሳሰር ምስ እነፍቅድ ወንጌል ወንጌል ዝሽትቱ ሠናይ ተግባራት ንሠናይ ነገር ኣሕዋትናን ኣብ ጸገማቶም ንምርዳእን ንኽእል።”

በዓለ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ!

ዓመት መጸ ዕለት 5 ነሐሰ በዓለ ባዚሊካ ሳንታ ማጆረ ስለዝዝክር ቅዱስነቶም ነዚ በዓለ ድንግል ማርያም ብምዝካር እኖና ድንግል ማርያም ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ እምነት ክትድግፈናን ወትሩ ኣብ ታሕጓስ መደብ እግዚብሔር ኣብ ሕይወትና ክትሕግዘናን ንለምና ድሕሪ ቢሎም ምስ ምእመናን ብሓባር ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ኣዕሪጎም፣

ነዚ መደብዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቕ!
05 August 2018, 14:10