ፍቃድ እግዚብሔር ንምፍጻም ብኢየሱስ ምእማን የድሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ንዕለት 5 ነሐሰ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ወንጌል ዮሓንስ 6.22 “ሽዑ እቶም ሕዝቢ ኢየሱስ ኮነ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ከም ዘየለዉ ምስ ፈለጡ ናብተን ጃላቡ ደይቦም ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ከኣ “መምህር! መኣዝ ደኣ ናብዚ መጻእካ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “እተናድዩኒ ዘሎኹም እንጌራ በሊዕኩም ስለ ዝጸገብኩም ኢኹም እምበር፡ በቲ ዝረኣኹምዎ ትእምርቲ ከም ዘይኮነ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ መግቢ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዚኸውን ምግቢ ጸዓሩ። ምኽንያቱ እዚ ሓቂ ከም ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ብማኅተሙ መስኪሩሉ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ንሳቶም “ፍቓድ ኣምላኽ ክንመልእሲ እንታይ ንግበር?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ፍቓድ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ክትኣምኑ እዩ” በሎም።” “ሽዑ ንሳቶም “ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ ትገብር? እቲ እትገብሮኸ እንታይ እዩ? ከምቲ ‘ኪበልዑ ካብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም’ ዚብል ተጻሒፉ ዘሎ ኣቦታትና ኣብ በረኻ መና በልዑ” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ነቲ ናይ ሓቂ እንጌራ ካብ ሰማይ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር ነቲ እንጌራ እቲ ካብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ከም ዘይኾነ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ምኽንያቱ እቲ ካብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ሕይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ” በሎም። ሽዑ ንሳቶም “ጐይታይ! ነቲ እንጌራ እቲ እንዶ ኲሉ ሳዕ ሃበና?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ፣ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይኪጠምን፣ እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ።” ዝብል ነበረ።
ክንዮ ዕለታዊ መግብን ጭንቅን ምስጋር!
ቅዱስነቶም ነታ ምድላይ ኢየሱስ ትብል ቃል ወንጌል እንደገና ብምጥቃስ ንኢየሱስ ክንደልዮ ጥራይ ዘይኮነ ክንፈልጦ ከምዘሎና ብምምልካት ንኢየሱስ ምድላይን ምርካቡን ክንዮ እቲ ግዝያዊ ዕግበትን ፍታሕ ንዋታዊ ጸገማትን ክሰግር ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
ምስ እግዚብሔር ዘሎና ርክብከስ ርክብ ባርያ-ጐይታ ኣይኮነን!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሥጋዊ ጥሜት ምዕንጋል ጥራይ ዘይኮነስ መንፈሳዊ ጥሜት እውን ከርውን ከጽግብን ነቲ ዓሚቚ ጥሜት ዝዕንግል መንፈሳዊ መግቢ ይህቦም፣ እዚ ከኣ እቲ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዝወሃብ ዕለት ዕለት ከም ዕለታዊ እንጌራ ዝወሃበና ቃሉ ሥጋኡን ደሙን እዩ፣ ኮይኑ ግን እቲ ሕዝቢ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ንዓና ዘጋጥመና ገና እቲ ትርጉም ኣይተረደኦምን ሕጊ ብምሕላውን ብባርነትን ዝርከብ መሲልዎም እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብል ዝርዝር ብምንዳይ “ፍቓድ ኣምላኽ ክንመልእሲ እንታይ ንግበር?” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ “ፍቓድ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ክትኣምኑ እዩ” በሎም ይብል።
ግብሪ እግዚብሔር ንምፍጻም ብኢየሱስ ምእማን የድሊ!
ብዙሕ ግዜ ብባህርና ንኢየሱስ ምስ ሰማዕና ንእግዚአብሔር ከሐጒስ እንታይ እግበር ዝብል ሕቶ እዩ ዝመጸና! ኮይኑ ግን ሥራሕ እግዚብሔር ንምፍጻም በቲ ዝለኣኾ ወዱ ምእማን እዩ።
በዓለ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ!
ዓመት መጸ ዕለት 5 ነሐሰ በዓለ ባዚሊካ ሳንታ ማጆረ ስለዝዝክር ቅዱስነቶም ነዚ በዓለ ድንግል ማርያም ብምዝካር እኖና ድንግል ማርያም ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ እምነት ክትድግፈናን ወትሩ ኣብ ታሕጓስ መደብ እግዚብሔር ኣብ ሕይወትና ክትሕግዘናን ንለምና ድሕሪ ቢሎም ምስ ምእመናን ብሓባር ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ኣዕሪጎም፣