መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩሲያ ብዙሓት ዩክሬናውያን ይቐዝፍ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩሲያ ብዙሓት ዩክሬናውያን ይቐዝፍ   (Roman Baluk)

መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩሲያ ብዙሓት ዩክሬናውያን ይቐዝፍ

እቲ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 20,000 ህዝቢ ሞይትዋ ዘላ ከተማ ማርዩፖል ኣብ ከቢድ ጸበባ ትርከብ

ሩስያ ኣብ ከተማ ለቪቭ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ከም ዘካየደትን እቲ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዘተኮረ ደብዳብ ነቲ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ዝግበር ዘይተርፍ ወራር መንገዲ ንምጽራግ ዝኣመተ እዩ እንክብሉ ሰበስልጣን ዩክሬን ይገልጹ።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ሳሕቲ  ዘጋጥም ዝነበረ ደብዳብ ሚሳይል ሩሲያ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ትርከብ ከተማ ለቪቭ ዝዓለበ ሚሳይላት ብጽዑቕ ጸሊም ትኪ ተዓብሊኳ። መሳኹቲ እቲ ሀንጻታት ብምስባር ዝተፈጥረ ባርዕ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቕትሉን ዝቖሰሉን ከንቲባ ናይታ ከተማ ገሊጾም። ኣብ ለቪቭ ከባቢ መናሃርያ ባቡር ብውሕዱ ሰለስተ ሃልሃልታ ዝተሓወሶ ከቢድ ትኪ ዒግ ክብል ከሎ ዝረኣዩ ሰባት ሓቢሮም።

እታ ኣብ መላእ ዩክሬን ኲናት ጽዒቑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብተዛማዲ ገነት ዝነበረት ከተማ ለቪቭ ብሰኑይ ዘጋጠማ ጽዑቅ ደብዳብ ሕነ ምፍዳይ ናይታ ዩክሬን ብሚሳይል ሃሪማ ኣጥሒለያ ዝበለታ ናይ ሩሲያ ተሸካሚት ሚሳይል መርከብ ሞስኮቫ ብዝመስል ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 100 መዓስከራት ዕዉት ደብዳብ ከምዘካየደት ሩስያ ገሊጻ።

መጥቃዕቲ ምብራቕ

ሩስያ እቲ ናይ ዋና ከተማ ዩክሬን ከተማ ኪቭ ምቁጽጻር መደባ ምስ ፈሸለ፣ እተን ቀንዲ ዘተኮረትለን ኣብ ምብራቕ ወገን ዘለዋ ከተማታትን ሰፊሕ ቦታታትን ንምጥቃዕ መታን ክጥዕማ ንክሂርኪቭን ማርዩፖሊን ሰለስተ መዓልቲ ብተኽታታሊ ደብዳብ ብምክያድ ምቹእ ባይታ ክትፈጥር ትህቅን። ኣብ ካልእ ከተማ ውን 5 ሰላማውያን ሰባት ብደብዳብ ከምዝተቕትሉ ጸብጻብ ቀሪቡ።

መራሔ መንግስቲ ዩክሬን ደኒስ ሸምሃል ኣብታ ትእምርተ ጽንዓትን ኣገዳሲትን ዝኾነት ከተማ ማሪዮፖል ክሳብ መወዳእታ ደቒቕ ክንቃለስ ኢና ኢሉ። እታ ን7 ሰሙናት ጸኒዓ ትምክት ዘላ ክፋል ከተማ ማሪዮፖል  ኣብቲ ፋብሪካ ሓጺንን ብዓቲን ዘተኣሳሰረ ጽኑዕ ድፋዕ እዩ።

ማርዮፖል ሸለል ተባሂላ

ሩስያ ነቶም ኣጽዋሮም ከረክቡ ትሓቶም ዝነበረት ሰራዊት ዩክሬን ኣብ ምሉእ ክባ ስለ ዘለዉ ኣበይ ከይበጽሑ ዝዕይነቱ ኢዶም ክህቡ ተዘይኮይኑ ኣብ ዘለውዎ ክሞቱ ሓዲጋቶም።

እቲ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 20,000 ህዝቢ ሞይትዋ ዘላ ከተማ ማርዩፖል ኣብ ከቢድ ጸበባ ትርከብ።  ፈደራላዊት ሩሲያ ከተማታት ምስ ህዝቢ ብጭካነ ምዕናው ናተይ ኢላ ሒዛቶ ኣላ፣ ምዕራባያን ነዚ ጉዳይ እዚ ብዕቱብ ክርእይዎ ኣለዎም ካብኡ ተረፈ ክልተ ኣማራጺ ጥራይ እዩ ክህልወና፣ አተን ደገፍትና ዘድልየና ኣጽዋር ከም ከቢድ ብረት ነፈርቲ ዝኣመሰለ ብዘይ ነግ ፈረግ ብህጹጽ ክህባና ተዘይኮይኑ ድማ ነቲ ኣብ ክባ ኣትዩ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ንምርሃው ኣብ ዘተ ዝተሞርኮሰ ካልእ ኣማራጺ ክፍጠር ናይዘን ሓገዝትና ተሳትፎ ኣገዳሲ ይኸውን ክብሉ ርእሰ ብሔር ቮሎድሚር ዘለኒስኪ ገሊጾም።

መንግስቲ ሩስያ ግን ክሳብ ሕጂ ነቲ ደመደይ ኢላ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ኣይኣመነትሉን ። ኮይኑ ግን እቲ ዝወረደ ዕንወት ብወከልቲ ዜና ተረጋጊጹ እዩ ተባሂሉ።

እታ 85 ሚእታዊ ኣመንቲ ክርስትና ዝርከብዋ ከተማ ኣብቲ ዝዓነወ ቤተክርስቲያናት ኮይኖም ብተስፋ ጸሎቶም እናዕረጉ በዓለ ትንሳኤ ብካቶሊካውያን ከምኡውን ሆሳእና ብኦርቶዶክሳውያን ኣኽቢሮም።    

20 April 2022, 13:40