ፖላንድ፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ዶብ ዘለዉ ስደተይናታት ሰላማዊ ሰልፊ “ንሳቐይ ምሕላይ!” ፖላንድ፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ዶብ ዘለዉ ስደተይናታት ሰላማዊ ሰልፊ “ንሳቐይ ምሕላይ!” 

ፖላንድ፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ዶብ ዘለዉ ስደተይናታት ሰላማዊ ሰልፊ “ንሳቐይ ምሕላይ!”

ልዕሊ ኵሉ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዕማምና ነቶም ወንጌላውነት ዘይብሎም ክነሶም ካቶሊካውያን ኢና ዝብሉ ንዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ዓይነት ሃገራውነት እውነተይና ወንጌላዊ መልሲ ምሃብ እዩ። ካቶሊካዊ እየ ቢልካ ወንጌላዊ ዘይምዃን ዝከኣል ኣይኮነን

ቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ማኣከል ዋርሶ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ምስቶም ካብ ቤላሩስ ናብ ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ዝጽዕሩ ዘለዎ ስደተይናታት ድጋፍን ሓልዮትን ዝምስክር ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ ክንገር እንከሎ “እቶም ስደተይናታት ኣጥቓዕቲ ዘይኮኑስ ተስፋ ዝቘረጹ ብዙሕ ምትላል ዘጋጠሞም ስኡናት እያቶም” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንዝጠመዩ ዓንግሉዎም ንዕሩቓት ኣልብሱ!” ብዝብል ናይቲ ናይ ድኻታትን ስኡናትን ዝተሓረጉን ስቓይ ናቱ ብዝገበረ ቃል ኢየሱስ ተመሪሖም ዕለት 22 ሕዳር ድሕሪ ቐትሩ ኣብ ዋርሶ በሸሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ምስቶም ዶብ ፖላንድ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ዝጽዕሩ ንዘለዉ ስደተይናታት ሓልዮቶም ንኽገልጹ ነቲ ካብ ሓለዋ ጸጥታ ዶብ ዘጋጥሞም ዘሎ ክልከላ ኮኒኖም ቁርን ኣስሓይታን ጥምየትን ንዝጻወሩ ዘለዎ ስደተይናታት ቅርበቶም ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ኣብ ማእከል እታ ርእሰ ከተማ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሉብሊኖ ዝተፈላለያ ዘይ - መንግስታውያን ናይ ረድኤትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓለቕቲ ማሕበራት ምስ ናይ ኢየሱሳውያን ንናይ ስደተይናታት ኣገልግሎት ማሕበር ጨንፈር ፖላንድ ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለውዎ ሰላማዊ ሰልፊ ሓልዮት ምእንቲ ስደተይናታት ኣብ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ስደተይናታት ዝጥቀምሉ ኮፕርታን መከላኸሊ ቁርን ሒዞም ከምዝወጹን እቶም ስደተይናታት ኣብ ዝርከብሉ ስፍራ ሓኻይም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንኸቕርቡ ክፍቀድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዶብ ፖላንድ፥ ማእሰርትን ምስጓግን

ኣብቲ ፖላንድን ቤላሩስን ዘዳብው ስፍራ ካብ ዝርከቡ ስደተይናታት 195 ዶብ ፖላንድ ዝሰገሩ ብናይ ዞባ ዱቢሽ ቸርካውነ መንግስቲ ናብ ዝመጹሉ ከም እተሰጒን እቶም ዝተሰጒ ስደተይናታት ናብ ሓላዊ ጸጥታ ዶብ ፖላንድ ኣእማን ዝድርብዩ ዝነበሩ ሓደገይናታት ከምዝኾኑ ናይቲ ከባቢ ቤት ምሕደራ መግለጺ ከፍልጥ እንከሎ፡ ብጀካ እዚ እውን ነቶም ስደተይናታት ዝጣበቑ ካብ ዝነበሩ ውሽጢ ኣርባዕተ ፖላንዳውያን ክልተ ክርኣሺያ ዜጋታትን ክልተ ጀርመናውያን ሓደ ኣዘሮን ዜጋ ጆርጂያን ን 34 ስደተይናታት ዶብ ፖላንድ ክሰግሩ ተሓባቢርኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዱ ከምዝኣተዉ ናይቲ ከባቢ ቤት ምሕደራ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ምክልኻ ፖላንድ ማሩይስዝ ብላስዝችዛክ፥ “መንግስቲ ሚንስክ “እቶም ስደተይናታት ብንእሽቶ ጒጅለ ተወዳዲቦም ዶብ ሰጊሮም ናብ ፖላንድ ክኣትዉ ምግባር ዝብል ሓድሽ ኣገባብ ይኽተል ኣሎ” ቢሎም ንመንግስቲ ቤላሩስ ነቒፎም፡ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ እዚ ብቤይላሩስ ዝምራሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን” ቢሎም “እዚ ጸገም እዚ ንኣዋርሕ ክቕጽል ስለ ዝኽእል ድልዋት ክንከውን ኣሎና” እንክብሉ ከምዘጠንቀቑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ቤላሩስ ሉካሼንኮ “ሓለዋ ጸጥታ ሃገሮም ነቶም ስደተይናታት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ምግባር ቀሊል እውን እንተዀነ እቲ ዝርአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናት ስርሒት መንግስተይ ኣኮነን” እንክብሉ መግለጺ ከምዝሃቡ ኣመልኪቱ።

ኣብ ፖላንድ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ዝሙትዚንስኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሰብኣውነት ክኽበር ዝጽውዕ እዩ። ልዕሊ ኵሉ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዕማምና ነቶም ወጌላውነት ዘይብሎም ክነሶም ካቶሊካውያን ኢና ዝብሉ ንዘነቓቕሕዎ ዘለዉ ዓይነት ሃገራውነት እውነተይና ወንጌላዊ መልሲ ምሃብ እዩ። ካቶሊካዊ እየ ቢልካ ወንጌላዊ ዘይምዃን ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን እቶም መንግስቲ ሉካሸንኮ ዝጥቀመሎም ዘሎ ስደተይናታት ዝተታለሉን ድኻታትን ተስፋ ዘናድዩ ሕጻንትን መንእሰያትን ኣንስትን ኣሰብኡትን እያቶም እቲ ንኣኣቶም ክቐርብ ዘለዎ ሓገዝ ፖለቲካዊ ክኸውን የብሉን ኢሎም።

23 November 2021, 15:56