ሊባኖስ፥ ናብ ኑፋቔኣዊ ውግእ ከይትምለስ ዘሎ ፍርሒ ሊባኖስ፥ ናብ ኑፋቔኣዊ ውግእ ከይትምለስ ዘሎ ፍርሒ 

ሊባኖስ፥ ናብ ኑፋቔኣዊ ውግእ ከይትምለስ ዘሎ ፍርሒ

እቲ ኣብ በይሩት ወደብ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ንሊባኖስ ከቢድ ጸገማት ኣበርክቶ ከምዝገበረን ናይ ገንዘብ ዋጋ ንምቑልቋልን ቍጠባዊ ቅልውላውን ክብ ክብልን ድኽነት ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ክሰፍሕን ሕጽረት ጸዓት ነዳጊ ከጋጥምን ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት መብራህቲ ክቋረጽ ከምዝገበረ

ኣብ ሊባኖስ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ባንክን መንግስታውያን ኣባይቲ ጽሕፈትን እቶም ዕጡቓት ሃይሊ ኣብ በይሩት ድሕሪ ዝፈጠርዎ ራዕድን ኣብ ልዕሊ ሽውዓተ ሰባት ዝፈጸመዎ መቕተልን ከምእተዓጸወን መንግስቲ እታ ሃገር ብሔራዊ መዓልቲ ሓዘን ከምዝኣወጀ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 14 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ከቢድ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን እዚ ህልው ኩነት እዚ እውን ነቲ ኣብታ ሃገር ካብ 1975 ክስዕ 1990 ዓ.ም. ዝነበረ ሕድሕዳዊ ውግእ ዘቃልሕ ይመስል ዝብል ርእይቶ ይቐርብ ከምዘሎን እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 150 ዓመት  ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ከቢድ ቅልውላው ቍጠባ ዝረአየላ ከምዝኾነትን ኑፋቔኣዊ ውግእ ዳግም ከይምለስ ዝብል ፍርሒ ጭቡጥ ምዃኑ ይንገር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ህዝቢ ሊባኖስ ዘጓንፎ ዘሎ ከቢድ ጸገም እናሓሰብ ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሓገዝ ክረብ ብተደጋጋሞ ጽዋዒት ኣቕሪቦምን ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ ሊባኖስ ጸሎት ከምዘቕረቡን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዝሓለፈ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዝተባርዐ ዓመጽ እቶም ክልተ ቀንዲ ውድባት ማለት ሺዓውያንን ሂዝቦላሕን ምንቅስቓስ ዓማል ብሓባር ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በይሩት ወደብ ኣጋጢሙ ዝነበረ እታ ሃገር ንኸቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ዝዳረጋ ጉዳይ ዝጻርዩ መርማሪ ኣካል ሓላፊ ዳይና ካብ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ክለቁ ጻውዒ ዘቕርብ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተባርዐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቶም ዳይና ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዓ.ም. በይሩት ኣብ ዝርከብ ወደብ ዘጋጠመ 215 ዜጋታት ንሞት ልዕሊ 7 ሺሕ ዝግመቱ ንሓደጋ ማህሰይቲ ዘቃልዔ ብርቱዕ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ መን ከም ዝፈጸሞ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ ብዘቕረብዎ ናይ መርመራ ጸብጻብ ናይ ኽልቲኡ ወገን ኣካላት ተሓተቲ ዝገብር ከምዝኾነን ክንገር እንከሎ እቶም ዝሓለፈ ሓሙስ ናይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም ካብ ዝነበሩ ኣጽዋር ዝተዓጥቑ ከምዝነበሩን ነቲ ዓመጽ ናብ ውግእ ቀዲሙ ንኸብል መንን እንታይን ከምዝደረዀ ከምዘይፍለጥ እውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ኣብ በይሩት ወደብ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ንሊባኖስ ከቢድ ጸገማት ኣበርክቶ ከምዝገበረን ናይ ገንዘብ ዋጋ ንምቑልቋልን ቍጠባዊ ቅልውላውን ክብ ክብልን ድኽህነት ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ክሰፍሕን ሕጽረት ጸዓት ነዳጊ ከጋጥምን ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት መብራህቲ ክቋረጽ ከምዝገበረን እቶም ናይቲ ዝተፈጸመ ሓደጋ ባርዕ ተሓታቲ ንምልላይ ናይ ምርምራ ስርሒት ዝመርሑ ዳይና ታሬክ ቢጣር ዘቕረብዎ ጸብጻብ መርመራ ብክልቲኦም ውድባት ፖለቲካዊ መልክዕ ክህልዎ ገይሮምዎ እዮም ዝብል ክሲ ይቐርቦም ከምዘሎ ይንገር።

19 October 2021, 08:54