ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ሰላም ገጻ ተብል ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ሰላም ገጻ ተብል 

ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ሰላም ገጻ ተብል

ረፓብሊካዊት ማኣከላይ ኣፍሪቃ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዛ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዝተላእካ ሃገር ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ደማዊ ውግእ ሕድሕድ ከምዘላን

ነቲ ኣብ ረፓብሊካዊት ማኣከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነታት ስእነት ሰላም ዝኣልይ እወታዊ መቐይሮ ይርአይ ከምዘሎን ርእሰ ብሔር ፋውሲትን ቱዋዴራ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንናይ ሰላም ዘተ መስርሕ ዘአንፍት ብወገኖም ቶኽሲ ደው ናብል ውሳኔ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ባዕሎም ከምዝገለጽዎ እውን መብዛሕቲኦም ዕጡቓት ሃይሊ ኣጽዋሮም ከምዘውረዱ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ካብ ፍርቂ ለይቲ ኣትሒዘ ኣብ ብምሉኡ ሃገራዊ ዞባ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከብቅዕ እእውጅ” እዚ ማንም ዘይተጸበዮ መደረ ርእሰ ብሔር ቱዋደራ ብንይታ ሃገር መደብር ረዲዮ ዝተመሓላለፍፈ ከምዚኾነን እዋን ሓበሬታ እዚ ብውግእ ሓድሕድን ዓመጻን እተጠቕዑ ሰላማውያን ስባት ማእከላይ ኣፍሪቃ ንዝነበሮ ተስፋ ምላሽ ዝሃበ እዩ። መንግስቲ ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ዘለዎ ጽኑዕ ድላይ ዝምስክር እውን ምዃኑ ይንገር።

ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ድኻታት ሃገራት

ረፓብሊካዊት ማኣከላይ ኣፍሪቃ ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዛ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዝተላእካ ሃገር ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ደማዊ ውግእ ሕድሕድ ከምዘላን ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ጥምረት ንለውጢ እተሰምየ ናይ ፖለቲካ ውድብ ንልዕሊ ክልተ ሲሶ ዝቆጻጸር ዝነበረ ናይ ርእሰ ብሔር ቱዋደራ ዳግማይ ንኸይምረጹ ከቢድ መጥቓዕቲ ፈኒዩ ከምዝነበረን ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔር ቱዋደራ ሩሲያን ሩዋንዳን ንሓይሊ ምክልኻል መንግስቲ ንኽድግፉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት

ዕለት 25 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ፍሉዩ ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ንምብጋስ በሪ ናይታ ከተማ ካቴድራል ብወግዒ ከምዝኸፈቱን እዚ ኸኣ ነታ ኣዝያ እተሳቐየትን ኣብ ዝቓይ ዘልና ዝሓሸ መጻኢ ከምዝጽበያ ዘርኢ ምልክት ከምዝነበረን ኣብቲ ኣጋጣሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እዛ ሃገር እዚኣ ብስእነት ምርድዳእን ጽልእን ትሳቐ ኣላ . . . ቢሎም ኵላትና ስሌኣን ስለ መላእ ዓለም ሰላም ንልምን” ከምዝበሉ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ነቶም ኣጽዋር ዚጥቀሙ ኵሎም ኣክንዲ ኣጽዋር ውግእ ፍትሕን ምሕረትን ክዕጠቑ ጻውዒት አቕርብ” ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

19 October 2021, 08:51