ው. ሕ. መ.፥ መንግስቲ ሊቢያ ኣብ ሃገሩ ንዝግበር ምርጫ ህጹጽ ምድላዋት ንኽገብር ይጽውዕ ው. ሕ. መ.፥ መንግስቲ ሊቢያ ኣብ ሃገሩ ንዝግበር ምርጫ ህጹጽ ምድላዋት ንኽገብር ይጽውዕ 

ው. ሕ. መ.፥ መንግስቲ ሊቢያ ኣብ ሃገሩ ንዝግበር ምርጫ ህጹጽ ምድላዋት ንኽገብር ይጽውዕ

ኣብ ሊቢያ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ቀረባ ምዃኑ ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ታሪኽ መምህር ናይ ታሪኽ ሊቅ ሚከላ ማርኵሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን ንመጻኢ እወታዊ ሃዋሁ ክፈጥር ዝኽእል ናይ ምርጫ ሕጊ የብላን ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ሊቢያ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ንጸገማት ህዝብን መፍትሒ ከምጽእ ዝኸኣለ ኣይመስልን

ኣብ ሊቢያ እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝግበር ሕዝባዊ ምርጫ ይቀራረብ ከምዘሎን ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ሓድነት ሊቢያ ነቲ ኣድላዪ ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ግዚኡ ከጠናቕቖ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም  በቶም ናይዚ ኣህጉራዊ ውድብ ናብ ዋዕላ ናይቲ ከባቢ ሃገራት ልኡኽ ኣቢሉ ጻውዒት ከምዘቕረበን ናይ መዲትራኒያን ሃገራት ታሪኽ ሊቅ እውን ኣብ ሊቢያ ሕጊ መካየዲ ሕዝባዊ ምርጫ ዘየሎ ጥራይ ዘይኰንስ ናይ ሓቂ መንፈስ ሰላምን ምትሕብብራን እውን የልቦን እንክብላ ርእይቶ ከምዝሃባ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልኡኽ ኣብ ሊቢያ ዣን ኩቢስ፥ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር “ግዜ ከይጥፍኡ” ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ዕለት 24 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ክካየድ እተመደበ ናይ ርእሰ ብሔርን ላዕለዋይ ሓጋጊ ሕዝባዊ ባይቶ ምርጫታት ንኽግበር ናይ መወዳእታ ስጒምትታት ክወስድ ካብቲ እተን ምስ ሊቢያ ዚዳወባ ሃገራት ዚሳተፋሉ ዘለዋ ዓውደ ጉባኤ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ንውድብ እቲ ምርጫታት መሳለጢ ኣድላዪ ሓገዝ ረኺቡ እዩ፥ እንተዀነ ግን ብኣተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ሕጋዊ መሰረት ዘድልዮ ኣገዳሲ ኵነት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሊቢያ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ቀረባ ምዃኑ ናይ ዞባ መዲትራኒያን ሃገራት ታሪኽ መምህር ናይ ታሪኽ ሊቅ ሚከላ ማርኵሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን ንመጻኢ እወታዊ ሃዋሁ ክፈጥር ዝኽእል ናይ ምርጫ ሕጊ የብላን ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ሊቢያ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ንጸገማት ህዝብን መፍትሒ ከምጽእ ዝኸኣለ ኣይመስልን፥ መራሔ መንግስቲ እቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኺምረጽ ዝነበሮ ኣገዳሲ ስጒምትታት ቀልጢፉ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸብጻብ እንተዘይሂቦም እቲ ባይቶ ነቲ ኣብ መንግስቲ ዝነበሮ ተኣምኖ ክወግድ ምዃኑ ኣጠንቂቝ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን እዚ ህልው ኵነታት እዚ ነተን ኣብ ኣልጀርስ ኣኼባ ዘካይዳ ዘለዋ ናይቲ ከባቢ ሃገራት ዘሻቕለን ምዃኑ ይገልጻ ኣለዋ ኢለን።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝካየድ ኣኼባ

ኣብቲ ዛዕባ ከባቢ ሃገራት መዲትራኒያን ዝካየዱ ሕዝባዊ ምርጫታትን ናይቲ ከባቢ ብድሆታት ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ዝመኸረ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳዕ ዕለት 1 መስከረም 2021 ዓ.ም. ትሕቲ ጽላል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ናይቲ ከባቢ ሃገራት ኣኼባ፥ ናይ ቱኒዝያን ናይ ግብጽን ሱዳንን ኒጀርን ጫድን ምስርን ናይ ወጻኢ ሚስንትራትን ብሕብረት ኣፍሪቃን ንናይ ኮንጐን ርእሰ ብሔር ደኒስ ሳሱ ንጐሶ ወኪሎም ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዣን ክላውደ ጋኮሶን ናይ ሃገራት ዓረብ ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣህመድ ኣቡል ገይቲ ኣብ ሊቢያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልኡኽ ዣን ኵቢስ ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕላማ መንግስቲ ሊቢያ

“እዚ ኣኼባ እዚ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ትሪፖሊ እተላእከ ደብዳበ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊቢያ እተራእዩ ሓደስቲ ምዕባሌታት ዝያዳ ምኽርን ምትሕብባርን ንምግባር ኣጋጣሚ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናጂል ኣል ማንጉሽ ሚኒስትሪ ወጻኢ ሃገረ ሊቢያ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ በርሊን ዘመላኸትዎ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊቢያ ዝግበር ዝዀነ ይኹን እደ ኣታውነት ደው ንምባል እተገብረ ተበግሶ ሊቢያ ንምድጋፍ ዘኽእል መገዲ እዩ። እቲ ዋዕላ ኣብ ሊቢያ ምርግጋእን ውሕስነት ሰላምን ድሕንነት ውሕስ ንምግባርን ሊቢያ ንኽልተ እተኸፍለት ሃገር ከይትኸውን ዝብል ዕላማ ዘለዎ እውን ምዃኑን ዓለም ሓቆፍ ባንክ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ዝጠናቐ ንናይ ሊቢያ ዓውዲ ኤኮኖሚ ዳግማይ ሕንጸት ኣስታት 200 ቢሊዮን ዘውጽእ ምዃኑ ዝሕብር ገምጋም ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

03 September 2021, 09:10